2018-01-05 16:39:00

ኣብ ኢራን ኣብ መንጐ ፖለቲካን ናይ ሕዝብ ዓሚዪቕ ትጽቢታትን ዝረኣ ዘሎ ምስሕሓብ


እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኢራን ተኸሲቱ ዘሎ ሕዝባዊ ናዕቢ ፖለቲካን ናይ ሕዝቢ ዓሚይቕ ትጽቢታት ኣብ ምስሕሓብ ከምዘሎ ዝሕብር ከምዝኾነን ኣብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ መምህር ባርቶሎመዮ ፒሮነ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኢራን ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፡

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ስንኩፍ ኩነት ስዒቡ ዘሎ ውሽጣዊ ውጥረት ብዙሕ ኣብ ዘይግለጸሉ ዘሎ እዋን ነቲ ዝተኻየደ ጸረ መንግስቲ ሕዝባዊ ዓመጽ ዝቃወም ብመንግስቲ ደገፍቲ ዝተውሃቦ ብሰላማዊ ሰልፊ ዝተሰነየ ግብረ መልሲ ናይ ኢራን ናይ መንግስቲ ናይ ዜና ማዕከናት ሰፊሕ ቦታ ከምእተውሃቦን ንማዕልታት ብዘይ ምቁራጽ ክካየድ ዝቐነየ ጸረ መንግስቲ ዝኣመተ ሕዝባዊ ናዕቢ ከምዘብቕዔ ናይ ኢራን እስላማዊ ሰውራ ዓቃቢ ሰራዊት ዕለት 3 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ብወግዒ ዘፍለጠ እውን እንተዀነ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ብናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ኣቢሉ ኢራን ናብ ሕድ ሕዳዊ ግርጭት ከተብል ከም እትኽል ዘለዎ ስግኣት ገሊጹ ተዋሳእቲ ናይቲ ህልው ኵነት ዘሰሓሕቦም ሕቶ ብዘተ መልሲ ክረኽብሉ ሓደራ ከምዝበሉን ብዛዕባ እቲ ዝተፈጥረ ሕዝባዊ ናዕቢ መንቀሊኡ ንምልላይን ተሓትትቲ ንሕጊ ንምቕራብ ብዝብል ውሳኔ መሰረት ኣብ ልዕሊ ነበር ርእሰ ብሔርን ናይቲ ዝመርሕ ዘሎ ፖለቲካዊ ውድብ ተቓዋሚ ናይ ፖለቲካ ውድብ መራሒ ኣህማሂነጃድ ምርመራ ከካየድ መንግስቲ ውሳኔ ከምዘመሓላለፈ ይንገር።

ኣብ ሊባኖስ ምንቅስቓስ ሔዝቦላሕ ናይ ኢራን ሺዓውያን ደጋፊ ብወገኑ ባዕሎም ናይዚ ምንቅስቓስ መራሒ ናስራላሕ እውን ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢራን ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ነቲ ናይ ኢራን ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ኣያቶላሕ ካመኒ ኣብ ኢራን ዝተባርዔ ሕዝባው ናዕቢ ኣለምቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን እስራኤል ርያንድ እያተን እንክብሉ ዝሃብዎ ትንታኔ ከምዘቃልሑ ቅድም ክብል ተሓቢሩ ከምዝነበረ ክፍለጥ እንከሎ፥ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ኣብ ማሕብራውን ሃይማኖታውን ባህላውን መዳይ ኣብ ኢራን ኡም ናይ ስነ ሃይማኖት መንበረ ጥበብ ርክብን ዘተና ከምዝካየድን ናይዚ መደብ ኣባል ዝኾኑ ኣብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ መምህርን ናይ ስነ ምስልምና ሊቅ ፒሮነ ይብሉ፡ ኢራናውያን ምሁራትን መንሰያትን ናይ ሃገሮም ተስፋ እያቶም፡ ኢራን ናይ ብዙሓት ሊቃውንቲ ሃገረ እያ፡ ምዕባሌኣን ሕዳሴን ለውጥን ካብኣቶም እዩ ዝነቅል፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ፖለቲካዊ ሕቶ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ፖለቲካዊ መልክዕ ኣልቢሶም ዝመርሕዎ ኣውን እንተመሰለ ነጻነትን መሰልን ክብርን ዝሓትት ሰብኣውነት ዘማእከለ ናይ ሕዝቢ ሕቶ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።  








All the contents on this site are copyrighted ©.