2018-01-06 16:57:00

ልደት 2010 ዓ.ም. ታሕሣሥ 29 2010( 1/7/2018)


ንባባት፡ ዕብ 1፡1-6፥ 1ዮሓ 4፡1-9፥ ግ.ሓ. 13:16-25፥ ሉቃስ 2፡1-20. ምስባክ፡ ወአነሂ በኲርየ እረስዮ፥ ወልዑል ውእቱ እም ነገስተ ምድር ወለዓለም አዓቅብ ሎቱ ሣህልየ። “አነ እውን በዅረይ ክገብሮ እየ ንሱ ኻብ ነገሥታት ልዕል ዝበለ ኺኸውን እዩ፥ ነቲ ዘተስፈኽዎ ምሕረት ንዘለዓለም ክሕልወሉ እየ፥ ኪዳነይ እውን ከጽንዓሉ እየ” መዝ. 89፦27~28።

ክብራን መፍቀርቲ አምላኽ ህዝበ እግዚአብሔር በዚ ብሩኽን ፍሉይ ዕለት ልደት መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክንዝክር ከሎና እንቋዕ አብ ብርሃነ ልደቱ አብጽሓና ናይ ሰላምን ፍቕሪን ምሕረትን ልደት ገሩ አብ ሕይወት ነፍሲ ወከፍና ፍሉይ ፍቕሪ አምላኽ ዘሕድር ይግበረልና። ከምኡ አብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለም ዝርከቡ አሕዋትናን አሓትናን ጸጋ አምላኽ ዝበዝሖ ልደት ክገብረሎም፥ አብ ሃገርናን ዓለምናን ከአ ሰላም ነጊሱ ደቂ ሰብ ጣዕሚ ሰላምን ፍቕሪ ዘስተማቕሩሉ ዘመን ከውርደልና ብልቢ እና ተመነኹ ንኹልኹም ርሑስ ልደት እብል። ነቶም አብ ዝተፈላለየ ጸገም ዝርከቡ በዚ ብሩኽ ልደት አምላኽ ራህዋ ከውርደሎም፥ ኃጥአን አብ መገዲ አምላኽ ክምለሱ፥ ዝተባእሱ ክዕረቑ፥ ዝጠፍኡ ክርከቡ፥ ዝተሸገሩ ክርህዎም፥ አብ ስደት ዘለዉ ብሰላም ዓዶም ክምለሱ፥ ርትዒ ብዝመልኦ ክፍረዱን ክፍትሑን፥ ውግእን ግፍዕን ካብ ዓለምና ጠፊኡ ሰብ ሰላም አምላኽ ዘስተማቕረሉ ዘመን ክህበና አብዚ እነዕርጎ  ዘሎና ፍሉይ ጸሎትን መስዋዕትን ምእንቲ ነፍሲ ወከፍና እናአዕረግና ብዳግም ብሩኽ ልደት እብል።

ልደት መድኃኒና ፍሉይ ምዕራፍ አብ ሕይወት ደቂ ሰባት ዝኸፍት እዩ። ቅዱስ መጽሓፍ ነቲ ልደት ክርስቶስ ዘምጽኦ ጸጋ ክገልጽ እንከሎ “ነቶም አብ ጸልማት ዝነበሩ ብርሃን በሪቕሎም” ይብል። ኢሳያስ ነብይ ብተመሳሳሊ አብ 9፡1-6 ዘሎ እንተ አንበብና፡ “እቲ አብ ጸልማት ዚነብር ህዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረአየ፥ ነቶም አብ ጸልማት ምድሪ ሞት ዝነብሩ ድማ ብርሃን ወጸሎም” እናበለ ብክርስቶስ ዝመጽእ ምሕረትን ለውጥን አብ ሕይወት ደቂ ሰባት ይነግረና። ኢሳያስ ንጉሥን አማኸርቱን ንአምላኽ ምእማን ስለ ዝአበዩ አብ ጸልማትን ፍርሕን ከም ዝነበሩ ይነግር። ኩሉ ጊዜ ንአምላኽ ዝሓደገ ሕይወት መለለይኡ ፍርሒ ስግአት ጥርጠራ እዩ፥ ልደት ክርስቶስ እምብአር ካብ ፍርሕን ጥርጠርን ነጻ ከውጽአና ደቂ ርግአትን ሰላምን ክንከውን እሞ አብ ኩሉ ሰላም ክንእውጅ ዝሕግዘና ቅዱስ እዋን እዩ። እግዚአብሔር አብ ህዝቡ ክርእዮ ዝደሊ ሰላምን ሓጎስን እዩ፥ ሎሚ እውን ነዚ ክቡር ብዓል ልደት መድኃኒና ክንዝክር ከሎና እዚ ጸጋ ክንቅበል ኢና እንጽዋዕ ዘሎና።  

ሰብ አብ ከቢድ ባርነትን ጭቆናን እንከሎ ምልክት ነጻነት እንተ ረአየ ዝስምዖ ሓጎስ ኩልና ንርድኦ ኢና። ብተፈጥሮና ንጭቆና ንጸልማት ስለ ዘይተፈጠርና አይውሓጠልናን እዩ። ወላ እውን ብድኽነት ንገዛእ ኩሉ ጊዜ ነጻነትን መሰልን ንደሊ እዚ አብ ባኅርና ዘሎ ነገር እዩ፥ ማንም ሰብ ከአ ከሕድገና ዝኽእል የለን ምናልባት ገለ ብዓመጽ እንተ አሕደጉና ንመሰልና ንልዓል ክሳብ መስዋዕቲ እውን ንውፈ ምእንቲ ነጻነትና። አብ ዓለም ምእንቲ መሰል ምእንቲ ነጻነት ምእንቲ ፍትሒ ሕይወቶም በጃ ዝሃቡ ብዙሓት እዮም። ነጻነት ዘጥፍአ ሰብ ወይ ህዝቢ ቅሱን አይኮነን ምእንቲ ነጻነቱ ከምልስ ከአ ዝክአሎ ክገብር ግድነት እዩ። አብ ልደት ነዚ ኢና እነስተማቕር “ጎልቢቡ ሒዙና ዘሎ ድነ ጸልማት ኃጢአትናን ብሰባት ዝወረደና ጸልማት ክንቅንጥጥ እሞ ብርሃን ነጻነት ክንጎናጸፍ”። ብወገን አምላኽ ክርስቶስ አብ ቤተ ልሔም ካብ ድንግል ምስ ተወልደ ብርሃን ነጻነት ተዋሂቡና እዩ፥ ዝድለ ዘሎ ዝኽሪ ልደት ክርስቶስ ክነብዕል እንከሎና ናታትና ተራ አብቲ ክርስቶስ ዝሃበና ብርሃን ነጻነት አብ ምቕጻሉን ምንባሩን እዩ፥ ብርሃን ክርስቶስ ኩሉ ጊዜ በሪሁ ክነብር ናይ ነፍሲወከፍና ተሳትፎ የድልዮ። ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ንስኻትኩም “ብርሃን ዓለም ኢኹም” ኢልዎም፥ ዓለምና ድነ ጸልማት እንተ ጎልበባ ናትና ብርሃን ደሚቝ የለን ማለት እዩ ስለዚ ሎሚ ብዳግም ክንውልዕ ከነብርህ ኢና ነዚ ዕለት እንዝክሮ ዘሎና።

ፍረ ልደት ብርሃን እዩ፡

ኢሳያስ ነብዪ “እቲ አብ ጸልማት ዝነብር ሕዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረአየ፥ ነቶም አብ ጸልማት ምድረ ሞት ዚነብሩ ድማ ብርሃን ወጸሎም” (ኢስ 9፡16) እናበለ ቅድሚ 800 ዓመት አቢሉ ነቲ ብልደት ክርስቶስ ዝመጽእ ድሕነትን ብርሃን ገሊጹ። ኢየሱስ ክርስቶስ ፈረቓ ለይቲ ከም ዝተወልደ ትውፊትን ወንጌልን ይነግሩና እዚ ፍሉይ መልእኽቲ አልኦ ልደቱ ነቲ ብሰንኪ ወድቀት ቀዳሞት ወለድና አብ ዓለም ዝአቶ ጸልማት ንምቕንጣጥ እዩ። አብ ጸልማት ዝነብር ጸገሙ ብዙሕ እዩ፥ ብሰንኪ ኃጢአት ገነት ተዓጽዩና አብ ጸልማት ንነብር ዝነበርና ክርስቶስ ምስ ተወልደ ብርሃን ድሕነት በሪቝልና። ንስኻትኩም ደቂ ብርሃን እምበር ደቂ ጸልማት አይኮንኩምን ኢኹም ይብለና፥”ንስኹም ንዓለም ብርሃኑ ኢኹም፥ . . . . ብርሃንኩም አብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” እናበለ መንነትና ይነግረና።

ሉቃስ ወንጌላዊ ብዛዕባ ልደት ክርስቶስ ክነግር እንከሎ እቲ መልአኽ ነቶም ጓሶት ከበስሮም እንከሎ “ክብሪ እግዚአብሔር አብ ዙርይኦም በረሀ” ይብለና፥ አብቲ እዋን ጸልማትን ቀውታ ለይትን ልደት ክርስቶስ ብብርሃኑ ለዊጥዎ። ብስራት ልደት ክርስቶስ እምብአር ንኹሉ ዝሕድስ ስለ ዝኾነ ብብርሃን ይምሰል። ነዚ ብርሃን አነን ንስኹምን አብ ጸልማት ዝጎልበቦም ክነብጽሕ እንልአኽ ኢና።

ቅ. ዮሓንስ “እቲ ንኹሉ ሰብ ዘብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም መጸ” ይብለና። ልደት ንአምላኽ ምቕባል እዩ፥ አብ ድኹም ባህርና ከማና ኮይኑ ንዝመጽእ ክርስቶስ ክንቅበሎ ክፍሊ ሕይወትና ክንገብሮ ዘዘኻኽር እዩ። አብ ሕይወትና ብዙሕ ጊዜ ብዘይ አምላኽ እንነብሮ ጊዜ አሎ ሎሚ ግን ነዚ ክንቅይር እሞ ንአምላኽ ቦትኡ ክነጣጥሓሉ ከምብሓዲስ አባና ክውለድ ምቹእ ጊዜ ዝፈጥር እዩ ብዓልና።

ብርሃን ክርስቶስ ዝተቐበለ ንኻልኦት ከብርህ እዩ ዝግብኦ። እቶም ሕያዎት ጓሶት “ነቲ ዝተነግሮም ምስ ረአዩ ብዛዕባ እቲ ሕፃን አብ ኩሉ አውረዩ” ይብል ዝተዓደልካዮ ጸጋ አምላኽ ምስ ካልኦት ክትካፈሎ ንኻልኦት አብ አምላኽ ዝቐርቡሉ መገዲ ክትፍጥር እዩ ዝውሃብ ስለዚ ብሓቂ ልደት ነብዕል እንተ አሊና መልእኽቲ ልደት ክነብጽሕ ስንድዋት ክንከውን አሎና።

ልደት ክርስቶስ ሰላም ዝእወጆ ጊዜ እዩ፡

ዓለምና ሎሚ ሰላም ተሳኢንዋ ደቂ ሰብ አብ ነንድሕድና ክንጣፋእ መዓልታዊ ጉዳይና ኮይኑ አሎ። ሰላም ተሳኢኑ ስድራታት ይበታተኑ፥ ሰብ ዝፈትዎ ዓዱ ሓዲጉ አብ አብ ዓዲ ጓና አደዳ ስደትን ጭቆናን ኮይኑ እንርእዮ ዘሎና እዩ። ሰላም አብ መንጎ ሰብ ሓደር ተሳኢኑ፥ አብ መንጎ አሕዋት ተሳኢኑ፥ አብ መንጎ ደቂ ሓደ እምነት ተሳኢኑ ንርኢ አሎና። እዚ ካብ ኮነ እቲ ሓቂ ክንልውጦ ክንሕድሶ እንታይ ክንገብር አሎና።

ግላዊ ሰላም ክንረክብ ፍቓደኛታት ክንከውን አሎና። ሰላም ተማህሊልካ ተመኒኻ ዝመጽእ ጉዳይ ጥራሕ አይኮነን ነፍሲ ወከፍ አብ ርእሱ አትዩ ነቲ ካብ አምላኽን ሰብን አርሒቕዎ ዘሎ ስእነት ሰላም ክቕንጥጥ ፍቓደኛ ክኸውን አለዎ። እንተ ኸአለ ዕዉት እንተ ኾነ “አብ ቅድሚ ሰማይን ምድርን አቢሰ አሎኹ” ኢሉ ንርእሱ አብ መገዲ ንስሓ ክአቱ አለዎ ሽዑ ጉዕዞ ድሕነትን ሰላምን ክጅምሮ ይኽእል። አብ ሕይወትና ሰላም ክርከብ መጀመርያ አብ ርእስና ክንአቱ ክንጽሊ እሞ ክንፍትሽ ብሓቂ ነቲ አነ ዝገበርክዎ ጸረ ሰላም ዝኾነ ግብረይ ከንጽሕ ፈቓደኛ ክኸውን አሎኒ።
ሓባራዊ ሰላም የድልየና። ሰላም ናይ ሓባር ጉዳይ እዩ፥ ዝነአሰ ዝዓበየ እጃሙ ከበርክተሉ ዝግብኦ ጉዳይ እዩ። ኩልና ካብ ስድራ ጀሚርና ብማሕበር ዘራእቲ ሰላም ክንከውን እሞ ንአምላኽ አብ መንጎና ክሰፍር ቦትኡ ከነጠጥሓሉ ይግባእ። ንሓቂ ንፍቕሪ ንሰላም ዝሰርሑ ብዙሕ ጊዜ ከቢድ መስቀል ከሕልፉ አለዎም ስለዚ ሰላም ብመስዋዕቲ እያ እትመጽእ። ከይተሳቐኻ ምስ ሸይጣንን ዓለምን ከይተበአስካ ሰላም ክትመጽእ አይክአልን እዩ።
ልደት ክርስቶስ ዝበለጸ ንሰላም ዝዕድም እዩ። ክርስቶስ ከማና ባህርና ክለብስ እንከሎ አብዚ ኹሉ ዘብጽሖ ንአና ምስ አምላኽ ክዓርቕ እዩ። ልደቱ ሞቱ ትንሣኤኡ “ዕርቂ ምስ አምላኽን ሰብን አምጺኡልና”። ጸልማት ተኸዲና ዝነበርና ብርሃን መጺኡ ንኹሉ ሓቅን ጽድቅን ነጊሩና ስዓቡኒ ኢሉና። ልደት እምብአር እዋን ዕርቂ እዋን ሰላም እንገብረሉ ስለ ዝኾነ አብ መንጎና ሰላም ክንገብር ንአምላኽ ልብና ክንከፍተሉ እሞ ንኸማና ዝበለ ሰብ ክንምሕር ፍቓደኛታት እንኾነሉ እዋን እዩ።

አምላኽ ሎሚ እውን ይዛረብ አሎ።

አብ መልእኽቲ ዕብራውያን ነቲ ክርስቶስ ብልደቱ ዘምጽአልና ክገልጽ ኢሉ “አምላኽ ብዙኅ ሳዕን ብብዙኅ መገድን ቀደም ነቦታትና ብነብያት ገሩ ተዛረቦም፥ አብዘን ዳኅሮት መዓልታት ግና ንአና በቲ ወራስ ኵሉ ዝገብሮ ብእኡውን ንዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና” ይብል። ወዲ አምላኽ ዘንጸባርቕ ግርማ አምላኽ እዩ፥ ንሱ እቲ ሓቀኛ ቅዳሕ ባህሪ አምላኽ እዩ። ነቲ ኩሉ ኢየሱስ ዝበሎ ብምስማዕን ምርአይን ነቲ ኹሉ ዝገበሮ ብምእማንን ምስኡ ሓደ ንኸውን እሞ ተኻፈልቲ ባህሪ አምላኽ ንኸውን።

ነቲ አምላኽ ዝገበረልና ዳርጋ ዝግብኦ ክብርን ርድኢትን አይንገብረሉን በዚ ኸአ ኩሉ ጊዜ አብ ሰንኮፍ አብ ሓውሲ ጸልማት ንነብር። ሎሚ ክርስቶስ ከምቲ ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመት ብሥጋ አብ መንጎና ዝሓደረ ምሳና አሎ። ከምቶም ሕያዎት ጓሶት ከምቶም ሰብአ ሰገል ክንበጽሖ ክንረኽቦ ይነግረና አሎ።

ቤተ ክርስትያን አፍ ክርስቶስ ኮይና ትዛረብ ትምህር አላ ሰማዕትን አፍረይትን ክንከውን ናታትና ግደ እዩ። ጓሶት መላእኽቲ ምስ ሓበርዎም ህያባቶም ሒዞም በጺሖሞ ሰብአ ሰገል ምልክት ልደቱ ምስ ረአዩ ሓቲቶም አብቲ ዘለዎ በጺሖሞ ህያባቶም አቕሪቦምሉ። ሓደ ሕፃን እንተ ተወልደ ህያብ ሒዝና ንሓራስ ንበጽሓ ሎሚ አብ ኢየሱስ አብ ማርያምን ዮሴፍን ክንበጽሕ ንዕደም አሎና። ህያባትና ሒዝና ክንቀርቦ ልብና ክንከፍተሉ ንዑ ይብለና አሎ።

ንሱ አብ ዓለምና ዝመጽአ ክባርኸናን ካብ ኩሉ ጭቆናን መግዛእትን ክፍአት ኃጢአትን ነጻ ክገብረና እዩ መጺኡ። ካብ ኩሉ ናይ እዋና ግፍዒ ዓመጽ ጭቆና ጥመት ቤት አልቦ ካብ ምዃን ባዕልና ካብ ዝፈጠርናዮ ባርነት ወልፍን ትዕቢትን ቅንእን ነጻ ክገብረና እዩ መጺኡ ዘሎ ስለዚ ክቕይረና ክንሕደስ ድላይና ብእምነት ንግለጸሉ። ወደይ ጓለይ ጠፊኡ ነሩ ተረኺቡ መይቱ ነሩ ሕይወት ረኸቡ እናበለ ክቕበለና እዩ። 

ነፍሲ ወከፍና ናይ ግልና ባርነት አሎና ነዚ አለሊና ነጻ ክወጽእ ክሕደስ ሕይወተይ ክቕይር ሓግዘኒ ኢልና አብ ቅድሚ ኢየሱስ ሕፃን ቀሪብና ንለምኖ። ልዕሊ እዚ ኸአ አሕዋትን አሓትን ኢየሱስ ኮና ብሓባር ምስኡ ክንዓዪ ንጽዋዕ አሎና፥ ንኻልኦት ካብ ባርነት ነጻ ክኾኑ ክንሕግዞም እዋኑ እዩ። ምስ ኢሳያስ ነቢይ ኮና “ዓለም ብምልእታ ኸአ ድሕነት አምላኽና ክትርኢ እያ” ክንብል ኢና። ልደት ክርስቶስ ሰላም ምሕረት አውሪዱ አብ ሃገርናን ዓለምናን አብ ሕይወት ነፍሲ ወከፍና ሰላም የውርደልና።

ብሩኽ ብዓለ ልደት ንኹልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 








All the contents on this site are copyrighted ©.