2018-01-09 16:10:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅድስቲ መንበር ንኣካላት ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ቃለ ምዕዳን ለጊሶም


ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣብ ቅድስቲ መንበር ኣካላት ልኡካነ መንግስታት ክቡራትን ክቡራንን ቢሎም ሰላምታኦም ብምቕራብ ሰላም ምክልኻልን ምርጋፍ ኣጽዋር ውግእ ምንቓሕን ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማከለ ቃሎም ሎሚ ዕለት 8 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ግርማዊ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ከምቲ ልሙድ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ተቐቢሎም ከምዝለገሱ ነቲ ዝተኸየደ ርክብ ዝተኸታተላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖም ካብ ዘቕረብኦ ጸብጻብ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ቅዱስነቶም ድሕሪ ንዅሎም ወኪሎም ናይ ልኡካነ መንግስታት ኣብ ቅድስቲ መንበር ኣፈ ጉባኤ ናይ ኣንጎላ ልኡከ መንግስቲ ኣብ ቅድስቲ መንበር ክቡር አርሚንዶ ፈርናንደስ ዶ ኤስፕሪቶ ሳንቶ ቪየይራ ንኽብሪ ቅዱስነቶም፥ ብዝሳዕባ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ምዝዛም ቀዳማይ ወግእ ዓለምን እቲ ኣብ 1948 ዓ.ም. ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ዝጸደቐ ውሳኔ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝኽሪ መበል 70 ዓመት ቅዋሜኡን ዘማእከለ ዘስምዕዎ ዘረባ ቀጺሎም፥  ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት ሰሜን ኮርያን ሰላም ኣብ ሶሪያን እስራኤልን ፍልስጥኤምን ክልተ ልኡላውያን ጐረባብቲ ሃገራት ዝብል ሓሳብ ኣብ ዘቕረብሉ መልኽቶም፥ ሕይወት ምክልኻልን ኣብ መላእ ዓለም ሰላም ንምርግጋጽ ዝግበር ጻዕሪ ናይ ኵለን ሃገራት መንግስታት ብዘይ ቅድመ ኵነት ክነጥፉን ሕይወትን ሰላምን ብኹሉ ተቐባልነት ዘለዎም ልዑላን ዕሴታት እያቶም፡ ስለዚህ ኩሉ ሰላምን ሕይወትን ብምኽባር ምርጋፍ ናይ ውግእ ኣጽዋር ብዝተሰነየ ውሳኔ ክምራሕን ኣባይቲ ስድራን ስደተይናታትን ናይ ሃይማኖት ነጻነትን ስራሕ ናይ ምርካብ መሰልን ክብርን ክኽበርን ክንክን ምህዳርን ዝብሉ ነጥብታት ዘጠቓልል ኣብ ዝለገስዎ ቃል፥ ናይቲ ብእግዚኣብሔር ኣርአያን ኣምሳልን ዝተፈጥረ ኣብዚ ኣርአያን ተምሳል እግዚኣብሔር ኣብ ምዃን ዝቖመ ናይ ሰብኣዊ ክብሪ ክኽበርን እቲ ዘርኢ ሰብ ዝፈላልይ መናድቕ ክውገድን ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ክነቓቓሕ ሓደራ ቢሎም፥ እቲ ኣብ 1968 ዓ.ም. ርቡጽን ጐነጻውን ሕዝባዊ ምንቅስቓሳት ፍልይ ዝበለ ሕድ ሕዳዊ ምግርጫው ዘለዎ ዓይነት ሓደስቲ ናይ ሰብኣዊ መሰላንት ከምዘነቓቕሔ ጠቒሶም፥

እዚ ግና ኣብ መንጐ ሃገራት ሰላማዊ ሕድ ሕዳዊ ርክብ ንኽህሉ ባይታ ከምዘይመቻቸኤን ምስ ናይ ብዙሓት ሃገራት ባህሊ ዝገራጨውን ዘይሰማማዕን ሓደስቲ መሰላት ከምዘተኣታተወን፡ በዚ ምኽንያት’ዚ ብዙሓት ሃገራት ናይ ገዛእ ርእሰብ ማሕበራውን ባህላውን ልምድታት መንነትን ዘይተኸብረ ምዃኑ ክስማዕ ከምዝገበረን እዚ ድማ ብዙሓት ነዚ ሓድሽ ዓይነት ናይ ሰብኣዊ መስል ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ምርጫ ሓያላት ሃገራት ብእደ እታውነት ኣብ ኩለን ሃገራት ሓድሽ ባህላውን ፖለቲካውን ርእይተ ዓለማዊ መግዛእቲ  ብምስፋሕ ኣብ ልዕሊ ድኻታት ሃገራትን ሕዝባታትን ብዙሕ ጸገም ኣስዒቡ እዩ።

ሎሚ እውን እንተዀነ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ይጠሓስ ኣሎ፡ ብቐዳምነት ሕይወትን ነጻነትን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘይገሃስ ሰብኣውነቱ ንሓደጋ ዘቃልዕ ተግባራት ክሰፍሕ ንርእይ፥

እዚ ኸኣ ብውግእን ወረ ውግእን ጥራሕ ዘይኰነስ ብዝተፈላለዩ ድምጺ ብዘይብሎም ናይ ሕጻናት መሰልን ክብርን  ዝግህስን ንብዙሓት ዝንጽል ከም ውዳቕ ዝርእይ ማለት ስለ ዝሓሙን ጉድኣት ስለ ዝዀኑን ጉድኣት ኰይኖም ስለ ዝተወልዱ ኣቲ ገዛእ ርእሱ ጥዑይ ቢሉ ዝሓስብ ዓለም ዝንጽሎምን፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣረጋውያን ሕሙምን ዘጋጥሞም ተነጽሎነትን ብዙሓት ኣደዳ ዓመጽ ዝዀና ደቀንስትዮ ኣብ ኣባይቲ ስድራኤን እውን ከይተረፈ ንሓደጋ ብዘቃልዔን ናይቲ ሓድሽ ጊልያነት ኣደዳ ዝዀኑን ብዝወርዶም ሰላሕታዊ ጸረ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተግባራት ዝግለጽ እውን እዩ።

ናይ ሕይወት ክብርን ኩለንታውነት ምክልኻል ማለት፥ ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ መሰልን ክብርን ምኽባር፡ ማንም ካብ ምርካብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ወጻኢ ክኸውን የብሉን።

ስለዚ ኩሉ ኣገልግሎት ሕክምና ክረክብን ብቑዕ መድሃኒት መታን ክረክብ እውን መሸጣ መድሃኒት ናይ ድኻታት ኤኮኖሚያዊ ዓቕሚ ግምት ዝህብ ክኸውን ምግባር ናይ መንግስታት ሓላፍነት እዩ፡ ሕክምናን ናይ ስነ ሕክምናን ምርምር ሰብኣዊ ሕይወት ምድሓን ኣብ ዝብል ዕሴት እምበር ኣብ መኽሰብ ዝብል ኤኮኖሚያዊ ኣመለኻኽታ ክስረት የብሉን

ስለ ናይ ምንባር-ስለ ሕይወት ክብሪ ኣብ ቅድሚ እቲ ካብ ቅኑዕ መገዲ ዝወጸ ናይ ውግእ ኣመክንዮ ብምንጻግ ምእንቲ ሰላም ምዕያይ ዝብል ቅድመ ኩነት ዝሓትት እዩ።

ዝዀነ ይኹን ናይ ውግእ ኣመክንዮ ነቲ ናይ ምሉእ ሰብኣዊ ኩለንተናዊ ምዕባለ ህላዌ ዝውሕስን ብጀካኡ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ክህሉ ዘይከኣል ዝገብር ድላይ ኣስተውዕሎን ናይ ሰላም ጻዕር ክሰንፍ የብሉን። ብዘይ ምሉእ ሰላም ኵለንተናዊ ስብኣዊ ምዕባለ ክህሉ ማለት ዘበት እዩ።

ድልያ ሰላም ንምዕባለ ቅድመ ኩነት እዩ፡ ስለዚህ ኢፍትሓውነትን እቲ ናይ ዘይምስምማዕን ዘይምቅርራብን ምኽንያት ዝዀነ ናብ ውግእ ዝድርኽ መገዲ ኩሉ በዘይ ጐነጻዊ ቃልሲ ምውጋእን ካብ ስሩ ምሒኻ ምጥእን የድሊ፡

ምሕርቲ ውግእ ኣጽዋር ንናይ ዓመጽ ኩነት ዘጐሃህርን ምዕባለን ነባሪ ሰላምን ንምርግጋጽ ዝግበር ጻዕሪ ዘተዓናቕፍ እዩ። እዚ ግብረ መሰናኽል ድማ ብዙሕ ወጻኢ ዝሓትት እዩ፡ ንውግእ ዝፈስስ ኤኮኖሚያውን ስብኣውን ሃብቲ ሰላም ንምሕናጽ ካብ ዝሓቶ ወጻኢ ኣዚዩ ልዑል እዩ፥

ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ናይ እገዳ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ስምምዕ ጠቒሶም፥

ነባራዊ ንምሉእን ኵለንተናውን ምዓበለ መሰረት ዝኾነ ሰላም ውሑስ ንምግባር ዝጠልቦ ጻዕሪ ኑክለሳዊ ኣጻዋር ምርጋፍን ዝዀነ ይኹን ዘይምርድዳእን ብውግእ ዘይምፍሕን ዝብል ቅድመ ኩነት የቕርብ፡ ስለዚህ ኑከሳዊ ኣጽዋር ምርጋፍ ዝብል ውሳኔ ኣብ ግብሪ ክውዕል ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዕቱብ ዘተ ክህሉን ብዛዕባ እዚ ስብኩፍ ርእሰ ጉዳይ ዝግበር ዘተ ውልትው ዘይምግባር ኣገዳሲ እዩ። ስለዚህ እዚ ዘተ ንመላእ ዘርኢ ሰብ ዝውክል ፍርያም ውጽኢት ክህልዎ ሓደራ እብል።

ቅድስቲ መንበር ዝዀነ ይኹን ኣብ መንጐ ሃገራት ዝኽሰት ዘይምርድዳእ በጽዋር ውግእ ምፍታሕ ዝብል ምርጫ ዘይቅቡል ምዃኑ ተኣሚና እቲ ናይ ጸረ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ማለት ምርጋፍ ኑከልሳዊ ኣጽዋር ናይ ስምምዕ ሰነድ ብኽታማ ቅቡል ከምዝበለቶ ዝዘከሩ ቅዱስነቶም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ መበል 23 ጠቒሶም፥ ናይ ውግእ ኣጽዋር ዝመርጽ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ተግባርን ወይ ከኣ ምሕርቲ ኣጽዋር ውግእ ዘተባብዕ ጐንጽታት ከም ሕቡእ ዝክረ ነገር ክሰዓብ ዝድርኽ ምርጫ ነቲ ባዕሎም ቅዱስነቶም ዝተዀላለፈ ኣብ እዋንና ዝርአይ ዘሎ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ምኽንያት ምዃኑ ጠቒሶም ከም ዮሓንስ መበል 23 ምህርቲ ዝተራቀ ኣጽዋር ውግእ ዘተባብዕ ተግባር ኩሉ ኣውጊዞም፥

እቲ ምስ ሰሜን ኮርያ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ብዘተ ክፍታሕን ኣብ መንጐ ተጻባእቲ ሃገራት ምትእምማንን ምክብባርን ዘተባብዕ መገዲ ክውን ንምግባር ኩሉ ብምትሕብባር ናይ ሕዝብን ዓለምን ሰላም ውሕስ ይግበር፡  ቢሎም ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ኣብ ሶሪያ ዘሎ ውግእን ውጥረትን ዘኪሮም፥ ኣብታ ሃገር ሰላም ከምጽእ ዝኽእል መገዲ ምድለይን ሰላም ዝድግፍ ኩነት እውን ክፍጠር ሓደራ።

ደላይ ሰላም ልቢ ሰብ ምሕናጽ ወሳኒ እዩ፡ ደጋዊ ምዕባለ ምስፋሕ ልቢ ሰብ ንሕነጽ፡ እዚ ነቲ ነባሪ ሰላም ቅድመ ኩነት እዪ። ነዚ ንምርግጋጽ ብናይ ሕግን ፖለቲካውን ናይ ደሕንነትን ከይዲ ምድጋፍ የድሊ። ስለዚ በዚ መገዲ’ዚ ኩሉ ዜጋ ብባህሉን ቋንቁኡን ዝስዕቦ ሃይማኖትን ፍሉይ ዝገብሮ እውን እንተዀነ ናይቲ ዝነብረሉ ሕብረተሰብ ኣካል ምዃኑ ከምዝተሓሳስብ ኣፍልጦ ምሃብ። ፍሉይነት ኣብ ብዙህነተ እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ሓንቲ ሃገር ናይ ዝነብር ህዝቢ ዝኽተሎ ዝተፈላለየ ሃይማኖትን ቋንቋን ባህልን ምኽባርን ከምዘድሊ ኣብ ሶሪያ ካብ ጥንቲ ጀምሩ ንናይታ ሃገር ኵለንተናዊ ምዕባለ ዓቢይ ኣበርክቶ ዘለዎ ሶሪያዊ ማሕበረ ክርስቲያን ጠቒሶም ብምሕባር፡ ናይ ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ መሰልን ክብርን ክሕሎ ኣለዎ።

ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራድዮ ቫቲካን ኣኵይሊኖ ኣስዒበን፡ ብምኽንያት ውግእን ዓመጽን ሃገሮም ዛሕዚሖም ዝተሰዱ ኣብ ዮርዳኖስን ሊባኖስን ዑቕባ ዝረኸቡ ሶርያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ብሰላም ከነብርሉ ዘኽእሎም ዕድል ክፍጠረሎምን ነቶም ስደተይናታት ዝወሃብ ኩሉ ድጋፍ እውን ኣመስጊኖም፡ ኵነታት ኢራቕን የመንን ኣፍጋኒስታንን እውን ዘኪሮም፥ ኣብዘን ሃገራት ዕርቅን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ከረጋግጽ ዘኽእል ዕድል ክፍጠር መታን ናይ መላእ ዓለም ሕብረተሰብ ድጋፍ የድሊ፡ ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዘሎ ዘይምርድዳእ ከወግድ ዘኽእል መገዲ ዘተ እምበር ናብ ግጭትን ዓመጽን ዝድርኽ ውግእን ወረ ውግእን ዘለዓዕል መገዲ ኣይኰነን፡ ስለዚህ ናይ እስራኤል ህልዊ ዅኔታ ዘኽብር ናይ ክርስትያንን ኣይሁድን እስላምን ከተማ ምዃና ዝውሕስ ውሳኔ ክኽበር ከምዘለዎ ገሊጾምን እቲ ኣብ ቨነዝዋላ ዘሎ ውሽጣዊ ግጭት ጠቒሶምን ኣብ ደቡብ ሱዳንን ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐን ሶማሊያን ናይጀሪያን ማእከላዊት ረፓብሊክ ኣፍሪቃን፥

ዝተዓደለኦ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ንኵለንተናዊ ምዕባለ ድጋፍ እምበር ንምዝመዛን ንግብረ ሽበራን ዕግርግን ውግእን ዘቃልዕ ኣይዅን፡ ነቲ ዝርአይ ውግእን ዓመጽን ምኹናን ጥራሕ ዘይኰነስ ነቲ ምኽንያት ውግእ ንምውጋድ ዝድግፍ ጻዕርን ሃብቲ ሃገር ድኽነትን ሕሰምን ኣብ ምውጋድ ዕላማ ክውዕልን ኵለንተናዊ ምዕባለ ዝድግፍ ክኸውን ዘተባብዕ ተበግሶታት ምንቕቓሕ የድሊ።

ከምዝበሉ ገሊጸን።  

ቅዱስነቶም ኣብ ኡክራይን ዘሎ ውጥረት እውን እናሓሰቡ መገዲ ሰላም ንኽምረጽ ሓደራ ቢሎም፡ እቲ ናይ ኵለን ሃገራት መጻኢ ጽግዕተይና ዝዀነሉ ስድራ ቤት ዝድግፍ ፖለቲካ ምትብባዕ ዘለዎ ኣድላይነት እንከመልክቱ፥

ብምኽንያት ድኽነትን ውግእን ጸዓትን ንስቓይ ዝተዳርጉ ናይ ዓለም መጻኢ ጽግዕተይና ዝዀነሉ ኣባይቲ ስድራን ደቃቶም ምክንኻንን እቲ ኣብ መንጐ ደቡብን ሰሜንን ዓለም ዘሎ ኤኮኖሚያዊን ናይ ምዕባለን ፍልልያት ዘጽብብን እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ሓድሽ ጊልያነት ዘወግድ ውሳኔ ማሕበረሰብ ዓለም ከነቓቕሕ ሓደራ።

ቢሎም ዕለት ሓደ ጥሪ 2018 ዓ.ም. ዘመሓላለፍዎ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰላም መልእኽቲ ጠቒሶም፥ ስደተይናታትን ዝመዛበሉን ምእንጋድን ምንቕቓሕን ምክልኻልን ምውህሃድን ዝብሉ ነጥብታት መሰረት ድጋፍ ክቐርበሎም ኣተሓሳሲቦም ኣብዚ መዳይ ኢጣሊያ እተርእዮ ዘላ ጻዕሪ ከምኡ እውን ግሪክን ጀርመንን እውን ንኢዶም  ምእንጋድን ምንቕቓሕን ምክልኻልን ምውህሃድን ኣብ ዓለም ኣዚዮም ኣገደስቲ ዕሴታት እያቶም።

ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጸኣት ስድተይናታት ዝውሕስ ኩነት ከረጋግጽ ድማ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ቅድስቲ መንበር ኣብ ናይ ዝዀነ ይኹን ሃገር እደ ኣታውነት ዘይብላን እተብሎን እተቕርቦን ጻውዒት ካብ ሰብኣውነትን ሕውነትን ዝምንጭው እዩ። ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘለዋ ምቅርራብ ዘነጽር እዩ፡ ናይ ሃይማኖትን ናይ ሕልናን ናይ ኣመለካኽታን ርእዮቶን ነጻነት ክኽበርን ስራሕ ናይ ምርካብ መሰልን ክብርን ውሑስ ክኸውንን መንእሰይ ወለዶ ናይ መጻኢ ሕይወቱ ከይምንዛዕን፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ማሕበረሰብኣውነት ዘለዎ ሓላፍነትን ዘነቓቕሕ ሓሳብ ብዝርዝር ተንቲኖም መልእኽቶም እንከተቓልሉ፥

ናይ እንነብረሉ ምድረ ዓለም ሙቐት ምውሳኽን ምዝባዕን ከባብን ብከላ ተፈጥሮ ኣየርን፡ ነዚ ተኸቲሉ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለም ዝኽሰት ዝተፈላለየ ሓደጋ ተፈጥሮን ምኽንያት እንነብረሉ ዓለም ተፈጥሮን ፍጥረን ምክንኻን ብግብኡ ምጥቃምን ጥራሕ እዩ ፈውሱ፡ ናይ ተፈጥሮ ውህበትን ውበትን ምክልኻል ናይ ኩልና ሓላፍነት እዩ፡ እቲ ኣብ 2015 ዓ.ም. ናይ ፓሪስ ስምምዕ ምህዳር ኣብ ግብሪ ካብ ምውዓል ዝብገስ ተፈጥሮን ፍጥረትን ናይ ምኻባር ባህሊ ነስፍሕ

ኣብዚ 2018 ዓ.ም. ሓድሽ ዓመት ዕዮዅምን ኣገልግሎትኩም ኣሳልጦን ኣባይቲ ስድራዅምን ንሕዝብኹምን ሓሴትን ተስፋን ሰላም እምነይ የቐንየለይ እንክብሉ ዝስሞዎ ዘረባ ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣኵይሊኖ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.