2018-01-11 17:46:00

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ 2018ዓምፈ መንእሰያትን ስድራቤትን ብዝርኢ ነባሪ ኣሰር ክገድፉ ንጽበ!


ናይ ቅድስት መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፕየትሮ ፓሮሊን ብዛዕባ ኣብ 2018ዓምፈ ንቅዱስንቶምን ንቅድስት መንበርን ዝጽበዩ ዓበይትን ኣገደስትን ዕማማት ተሓቲቶም እንክምልሱ ‘ኣብ 2018ዓምፈ መንእሰያትን ስድራቤትን ብዝርኢ ነባሪ ኣሰር ክገድፉ ንጽበ!’ እንክብሉ ርእይቶኦም ሂቦም፣

ብፁዕነቶም ዘተኰሩሎም ፍጻሜታትን ሰነዳትን ድሕሪ ሳልስቲ ናብ ቺለን ፐሩን ዝግበር ሓውጾተ ኖልዎ። እቲ ንዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ቫቲካን ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ኣብ ወርሒ መጋቢት ብዝካየድ ቅድመ ሲኖዶሳዊ ጉባኤ ክህብትም ትጽቢት ዝግበረሉ ብዛዕባ መንእሰያት ዝግበር ሲኖዶስ ካቶሊካውያን ጳጳሳት። ኣብ ዳብሊን ኣየርላድ ክካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ ዓለም ለኸ ሳምንቲ ስድራቤታት ክምኡውን ብዛዕባ እታ ብዙሕ ዘዘራረበት ንሲኖዶሳት ስድራቤት ስዒባ ዝወጸት ድሕረ ሲኖዶዳዊ ቃለ ምዕዳን ኣሞሪስ ለቲስያን ብዛዕባ ሕዳሴ ናይቲ ብኩርያ ሮማና ዝፍለጥ ተሓጋገዝቲ ር.ሊ.ጳ ማሕበራትን ተቊማትን ቤትጽሕፈታትን ዝምልከት መብርሂ ሂቦም፣  

ቤተክርስትያን ናብ መንእሰያት ዘለዋ ቈላሕታ ተስፋ ዝመልኦ እዩ፣ ነዚ ብከመይ ትርእይዎ ዝብል ሕቶ እንክምልሱ ብፁዕነቶም ‘ብርግጽ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ማለት 2018ዓምፈ ምሉእ ኣተኲሮ ቤተክርስትያን ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ብዛዕባ መንእሰያት እዩ ክኸውን፣ መንእሰያት ምስ ኩሉ ሕልሞምን ሃረርታኦምን ዘጓንፎም ግድላትን ብደሆታትን ከመዓራርይዎ ዘዎም ከምቲ ድኻምን ፍርህን ዘሻቅሎም ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ምስኦም ዓቢ ተስፋ ሒዞም እዮም ዝጐዓዙ። ንር.ሊ.ጳ እዚ ዓመትዚ ኣገዳሲ ዓመት ከምዝኾነ ኣብ ዘመነ ልደት ኣብ ዘቅረብዎ ትምህርታት ገሊጾሞ እዮም፣ ከምዝመስለኒ እዚ ሓዲስ ተበግሶ እዚ ንመንእሰያት ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ኣባታውነት ዝዓብለሎ ኣመላኽታ ሰጊርካ ሓዲስ ርክብ ኣብ መንጎ ቤተክርስትያንን መንእሰያትን ሃሰስ ክበሃል ኣለዎ። ቤተክርስትያን ብሓቂ ምስ መንእሰያት ኣብ ዘተ ክትኣቱ እሂን ምሂን ክትብል ንመንእሰያት ክትርድኦም በዚ ገራ ከኣ ክትሕግዞም ክትረድኦም ትደሊ፣ በዚ ከኣ ነቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፕረሲደንት ኮይኑ ብ1966ዓምፈ ዝተመርጸ  ጆን ከነዲ ዘቅረቦ ናይ መጀመርያ መደረ ክዝክር እደሊ፣ ንሱ ሽዑ ‘ሃገረይ እንታይ ገራትለይ ዘይኮነ ንሃገርኩም እንታይ ክትገሩ ትኽእሉ ከም ግቡእከ እንታይ ምገበርኩም በሉ’ ኢሉ ነሩ፣ ቤተክርስትያን እውን ሎሚ ንመንእሰያት ብሓዲስ መንፈስ ትሓቶ ተመሳሳሊ እዩ ክብል እኽእል ከመይ ር.ሊ.ጳ መንእሰያት ንቤተክርስትያን እንታይ ክንገብር ንኽእል ኢሎም ዝሓቱ ይመስሉ ዝበልዎ ንስብከተ ወንጌል ምቅባሉን ንምስፋሑን ሎሚ መንእሰያት ብዙሕ ግደ ኣለዎም፣ ነዚ ጻውዒት እዚ ከኣ መንእሰያት ብለጋስነት ብምሉእ ሰናይ ድሌትን ከምዝምልሹ እኣምን’ እንክብሉ ምስ መለሱ ቀጺላ ዝቀረበት ሕቶ መንእሰያት በይኖም ስለዘይኮኑ መንእሰይ ምስ በልካ ግድን ስድራቤት ዝብል ኣምር ስለዝስዕብ ቤተክርስትያን እውን ንዝመጽእ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዳብሊን ሃገረ ኣየርላንድ ነቲ ኣብ ሰሰለስተ ዓመት እትዝክሮ ዓለም ለኸ ዕለተ ስድራቤት ክተካይዶ ትሸባሸብ ኣላ ብቀንዱ ከኣ እዚ ጉባኤ ድሕሪ ሲኖዶሳዊ ሰነድ ኣሞሪስ ለቲስያ  ታሕጓስ ፍቅሪ ካብ ትሕተም ድሕሪ ክልተ ዓመት ይካየድ ብምህላው ክልቲኡ ኣዛሚድኩም ከምኡ እውን ተቀባልነት ናይዚ ሰነድዚ ርእይቶኹምዶ ክትህቡና ትብል ሕቶ ምስ ቀረበቶም ብፁዕነቶም ‘ኣሞሪስ ለቲስያ ወይ ታሕጓስ ፍቅሪ ካብ ሓዲሽ ኣመለኻኽታ እዩ ዝምንጩ’ ክብሉ መሊሶም፣

ብርግጽ ይብሉ ብፁዕነቶም ብርግጽ ቤተክርስትያን ክልተ ሲኖዶሳት ብዛዕባ ስድራቤት ድሕሪ ምክያዳን ሓዋርያዊ ምዕዳን ድሕረ ሲኖዶሳዊ ሰነድ ኣሞሪስ ለቲስያ ምዝርጋሓን ነዚ ጐዳና እዚ ማለት ሓዲስ ኣመላኽታ ሒዛ፣ እታ ድሕሪ እዘን ፍጻመታት ኣብ ዳብሊን ኣየርላንድ ክትካየድ ኣብ ምስንዳእ ዘላ በዓል ዓለምለኸ ዕለተ ስድራቤት ሕደ ስጉምቲ ንቅድሚት ከምዝኸውን ኣይጠራጠርን፣ እዚ ስጉምቲ እዚ ናይ ኣስተንትኖን ነቲ ነገራት ናይ ምዕማቊን ነቲ ኣብቲ ሰነድ ማለት ኣሞሪጽ ለቲስያ ወይ ታሕጓስ ፍቅሪ ቀሪቡ ዘሎ መምርሒ በብሓደ ኣብ ግብሪ ንምውዓልን ዝግበር ስጉምቲ እዩ፣ ከምቲ ኣብ መባእታ ዝበልክዎ ‘ኣሞሪስ ለቲስያ ወይ ታሕጓስ ፍቅሪ ካብ ሓዲሽ ኣመለኻኽታ እዩ ዝምንጩ’ እዚ ከኣ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ቀስ ኢሎም ብትዕግስትን ምስትውዓልን ጥንቃቄን ዝመርሕዎ ዘለው ኮይኑ ብዙሕ ትዕግሥቲ እውን ከምዘድልዩ ፍሉጥ እዩ፣ ምናልባት ነዚ ብዝምልከት ኣብ ቤተክርስትያን ጸገማት ተቀላቂሎም እዮም ገና እውን ጐሊሖም ይረኣዩ ኣለው። ካብ ኩልና ዝሕተት ዘሎ ነዚ ሓዲሽ ኣመለኻኽታ ናይ ር.ሊ.ጳ ንምርዳእን ንምኽታሉን ብሓዲስ መንፈስ ክንምልከቶ ኣሎ፣ ርግጽ እዩ ሓዲስ ነገር እንክተኣታቱ ጸገማት ይፍጠር! ነዚ ጸገማት እዚ ግን ምግጣሙን ኣወንታዊ ዝኾነ መልሲ እናሃብካ ናብ ዝለዓለ ዕብየትን ዝዓመቈ መጽናዕትን ክመርሓና ኣለዎ፣ ከም ርድኢተይ እዛ ሰነድ እዚኣ ነተን ዝተጸገማ ስድራቤታት ካብ ቤተክርስትያን ኣመና ርሒቀን ዝርከባ ስድራቤታት ንኽትቅበል ኢላ ቤተክርስትያን ኢዳ ትዝርግሕ ኣላ በዚ ከኣ ቅዱስ ወንጌል ናብተን ስድራቤታት ክበጽሕ እሞ እቲ ወንጌል ስድራቤት ዝበልናዮ ኣብኣተን ተሰቢኹ እዘን ስድራቤታት እዚኤን ብግዲኤን ኣብ ዕብየት ቤተክርስትያን ክተሓባበሩን ግዲኦም ንከበርክቱን ይኽእሉ፣’ ምስ በሉ ንብፁዕነቶም ዝቀረበት ሕቶ ኣብ ወርሒ መጋቢት ቅዱስነቶም በትረ ሥልጣን መንበረ ሮሜ ካብ ዝጭብጡ ሓሙሻይ ዓመት እንክኾን ሓደ ካብቲ ሓያል ነጥብታት ምሕዳስ ናይቲ ብኩርያ ሮማና ዝፍለጥ ተሓጋገዝቲ ር.ሊ.ጳ ማሕበራትን ተቊማትን ቤትጽሕፈታትን ዝምልከት እዩ እዚ ጉዳይዚ ኣብ ምንታይ በጽሔ ኣብ ቀረባ መጻኢ ገለ ለውጢ ይመጽእዶ! ትብል ሕቶ ቀረበቶም፣

ብፁዕነቶም እንክምልሱ ለውጢ እኳ እንተዘይበልና ርኡይ ስጉምታት ኣሎ ይግስግስ ኣሎ እውን ክንብል ንኽእል፣ ኣብ ምዝዛም ዝሓለፈ ዓመት ቅዱስነቶም ንኩርያ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ብዛዕባ እቶም ነዚ ጉዳይዚ ክመኽርዎም ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ ትሽዓተ ካርዲናላት ቤትምኽሪ ዘካየዶ ስራሕን ውጽኢቱን ተዛሪቦም ነሮም፣ ኣብቲ ቃላቶም ከምዝተረዳእኩዎ እቲ ቀንዲ ሕዳሴ ናይ ለውጥን ንስሓን ሕዳሴ እምበር ሓደስቲ ሕግታትን ሲመታትን እናኣወጅካ ዝግበር ኣይመስለንን፣ ነዚ ከኣ እዩ ዕለት ዕለት ዝኲስኲሱ ወንጌል ክርስቶስ ዘይቀለሶ ክርስትናዊ ሕይወትስ ይኹን ስራሕ ኣጸጋሚ ስለዝኾነ እንተደኣ ወንጌል ክንሰብኽ መስከርቲ ወንጌል ክንከውንን ንዓለም ወንጌል ንምስባኽ ናብ ስብከተ ወንጌል ክንወፍር እንተኾና እዚ እዩ ዘድሊ፣ እዚ ክብል ከሎኹ ብዙሕ ለውጥታት ከምዝተገብረን ገና ይገብር ከምዘሎን እዚ ከኣ ቀጻሊ ምዃኑን ከብርህ እፈቱ፣ ምስ በሉ ብዛዕባ እዛ ኣብ ምጅማር ዘላ ሓዳስ ዓመት 2018ዓምፈን ሓውጾተ ኖልዎ ሃገራት ቺለን ፐሩን ብምጅማሩ ናይ ሓዋርያዊ ጉዕዞታት ዓመት ይመስል ኣብ ደቡብ ኣመሪካ እዛ በዂሪ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ከመይ ክኾን ይመስለኩም ትብል ሕቶ ቀረበቶም፣

ብፁዕነቶም ንዕላማ ጉዕዞ ር.ሊ.ጳ እንክገልጹ ቅዱስነቶም ወትሩ ነተን ኣብያተ ክርስትያን ንክበጽሑን ንማሕበረ ክርስትያን ክረኽቡን ከም ጓሳ ኩላዊት ቤተክርስትያን ንናይ ኩለን ክልላት ኣብያተ ክርስትያን ክረኽቡ ግድን እዩ፣ ኩለን ኣብያተ ክርስያን ሓደ ኣይኮነን ንኣብነት ቤተክርስትያን ቺለ ብዙሕ ምዕባለን ጽቡቅ ነገራትን እንክህልዋ ቤተ ክርስትያን ፐሩ ብዙሕ ግድላት እንክህሉ ቅዱስነቶም ብዝሕ ዝሓስቡለን ግን ኩነታት ናይቶም ኣብ ኣማዞንያ ዝርከቡ መበቆላውያን ብሔረ ሰባት እንክኾኑ ኣብ 2019ዓምፈ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሲኖዶስ ከካይዱሉ ተወሲኑ ዘሎ ጉዳይ ከምኡ እውን ተመላሊሶም ዝተዛረቡሉ ሱር ኩሉ ድኽነትን ውርደትን ኮይኑ ዘሎ ዛዕባ ናይ ብልሽውና ወይ ኮራፕሽን ኣሎ፣ እንክብሉ ቃሎም ሂቦም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.