2018-01-12 16:01:00

ስሜተ ጳጳሳ ኣብ ህንዲ ንናይ ሶሪያ ማላብረሲ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኤጳርቅና


ኣብ ሕንዲ ናይ ሶሪያ ማላባረዚ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳዊ ሲኖዶስ እቲ ብቕድስቲ መንበር ተቐባልነት ዝረኸበ ብፁዕ ኣቡነ መቲዩ ኣኒኩሂካቲል ብሕገ ቀኖና ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መሰረት ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ዘቕረብዎ ናይ ልሂቕነት ሕቶ ከምዘጽደቖን፡ እቲ ናይ ሶሪያ ማላባረዚ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ህንዲ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ናይታ ኤጳርቅና ካህን ኣብ ቅዱስ ዮሴፍ ጳጳሳዊ ተቛም ውሉደ ክህነት ኣብ ማንጋላፑዝሓ ዋና ኣመሓዳርን ናይ ፍልስፍና መምህር ክቡር ኣባ ጆን ነሊኩነል ከምዝሓረየን እዚ ሕርየት’ዚ ቅድስቲ መንበር ይኹን ከምዝበለቶ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ሓድሽ ናይቲ ኤጳርቅና ጳጳስ ንኽዀኑ ዝተሾሙ ክቡር ኣባ ነሊኩነል ዕለት 22 መጋቢት 1973 ዓ.ም. ኣብ ኤጳርቅና ፓላይ ከተማ ካዳፕላማቶም ዝተወለድሉን ኣብ ቅዱስ ቶማስ ሓዋርያ መንበረ ጥበብ ናይ ፍልስፍናን ቲዮሎጊያን ትምህርቶም ኣጠናቒቖም ዕለት 30 ታሕሳስ 1998 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ተቐቢሎም ኣብ ዝተፈላለያ ናይቲ ኤጳርቅና ቁምስናታት ድሕሪ ምግልጋል ድማ ናብ ሮማ ተላኢኾም ኣብ ጳጳሳዊ ቅዱስ ቶማስ ዘኣኵይኖ መንበረ ጥበብ ንካልኣይ ናይ ፍልፍስና ማዕርግ በቒዖም ቀጺሎም እውን ብፍልስፍና ሊቕነት ኣመስኪሮም ምስ ኣብቅዑ ንሃገሮም ተመሊሶም ናይ ኤጳርቅና ኣቦ መንበርን ናይ ጳጳስ ጻሓፍን ናይ ትምህርተ ክርስቶስን ወንጌላዊ ኣገልግሎት ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ዋና ኣመሓዳርን ናይ ቅዱስ ዮሴፍ ጳጳሳዊ ተቛም ዘርአ ክህነት ናይ ፍልስፍና መምህርን ደሓር ድማ ናይቲ ተቛም ዋና ኣመሓዳሪ ኰይኖም ከምዘገልገሉ ካብ ህንዲ ናይ ሶሪያ ማላባረዚ ስርዓት ናይ እትኽትለ ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ጳጳሳት ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.