2018-01-12 16:03:00

ብፁዕ ካርዲናል ቶቢን፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሱታፌ ደቀንስትዮ ክብ ምባል


ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግዝኣት ነው ጀርሲ ናይ እትክርብ ሰበኻ ነዋርክ ሊቀ ጳጳሳት ኰይኖም ብቕድስ ኣቦና ናይ ነዋርክ ሰበኻ ንመጀመሪያ ጊዜ ካርዲናል ንኽዀኑ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝተሰምዩ ብፁዕ ካርዲና ጆሰፍ ዊሊያም ቶቢን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

ኣብ ዝሓለፈ ሓጋይ 2017 ዓ.ም. ኣብ ግዝኣት ኢንዲያና ሃገረ ዱቦኢስ ኣብ እትርከብ ከተማ ፈርዲናንድ መርሕነት ደቀንስትዮ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ ዓውደ መጽናዕቲ ዛዕባ ሱታፌ ደቀንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝገልጽ ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ፥  ሱታፌ ደቀንስትዮ ዝጐድላ ቤተ ክርስቲያን ብኹለ መናኣ ድኻን፡ ኣካለ ጐዶሎን፡ ክልተ ኣእዳዉ ንድሕሪት ተጠውዩ ተኣሲሩ እናተሳሕበ ዝኸይድ ሰብ ትምሰል እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ኣማእኪሊ እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብማሕበር ኢየሱሳውያን ዝሕተም ኣመሪካ እተሰምየ መጽሔት ኣብ ዘቕረበሎም ቃለ መሕትት፥ ዝሃብዎ መልሲ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ዕለት 12 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ሕትመቱ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ህላወ ደቀንስትዮ ትኵር ኣገዳሲ እዩ

ሱታፌ ደቀንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምሉእ ብምሉእ ዝተበጽሔ ሸቶ እዩ ምባል ኣይከኣልን። ይዅን ደኣ እምበር ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ሱታፌ ደቀንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዙሕ ንቕድሚት ክብል ገይሮም እዮም፡ ይጽዕሩ እውን ኣለዉ። ቅዱስ ኣቦና ትኩር ሱታፌ ደቀንስትዮ ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ክረጋገጽ ዘቕርብዎ ጻውዒት፡ ንኹሉ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተቕዋማት ዝምልከት እዩ። ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ከምኡ እውን ኣብ ሰበኻታትን ዝምልከት እዩ። ቅዱስ ኣቦና ንብፁዓን ጳጳሳት፥ “ኣብታ እግዚኣብሔር ኣብ ጉስስነትኩም ዘንብሮ ስበኻ ህያባት ደቀንስትዮ ዘለዎ እያ፡ ስለዚህ እቲ ሓዋርያዊ ጉስነት ነዚ ከስተውዕል ኣለዎ” ዝብለዎ ሓሳብ ብፁዕ ካርዲናል ቶቢን ዘኪሮም፥ ኣገዳስንት ሱታፌ ድቀንስትዮ ኣስተውዕሎ ክረክብ ይግብኦ። ሓደ ጳጳስ ተሰምዩ ማሕላ ክፍጽም እንከሎ፥ ተኣምኖተ ሃይማኖት ይደግምን ምስ ትምህርቲ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ውህደትን ሕብረትን ይምስክር ትኣዝዞ ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እውን ኣሜን ይብል። እዚ ማለት ድማ ኣብ ከባብያዊት ቤተ ክስቲያን ዘሎ ህያባት መንፈስ ቅዱስ ልልያ ክግበር ሓላፍነት ከምዘለዎ ዝሕብር ቃል እዩ፡ እቲ ልልያ ህያባት መንፈስ ቅዱስ ዝብል ናይ ቅዱስ ኣቦና ጻውዒት ንሓድሽ ራእይን ሓድሽ ደረት ተምክሮ ዘማዕድዉ ተስፋ እዮም ዝገልጹ።

ንርእየተ ዓለም ኣይፋል ምባል

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ህያባት ደቀንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ዝገለጹ ፈለማ ር.ሊ.ጳ. ኣይኰኑን እንታይ ደኣ ከም ኵሎም ዝሓለፉ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት፥ ናይ ኣገልገልቲ ኣገልጋሊ ዝብል መጸውዕ ስልጣን ዘለዎም፡ ነዚ መጸውዕ ስልጣን ድማ ዕለት ብዕለት ብጭቡጥ ኵነት ይነብርዎ፡ ናብ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትናን ህልውናን ደጋዊ ክፍሊ ዓለምናን ዝብል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምእኩል ክኸውን ኣብ ናይ ኢየሱስ ትምህርትን ሕይወትን ተመርኵይዞም ንትሁታን ዝገበርክምዎ ንኣይ ከምዝገበርክምዎ እዩ ዝብል ነቕ ዘይብል ትምህርቲ ይነብሩ፡ ባዕሎም ከምቲ ኣብታ ወንጌላዊ ሓሴት እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቶም ዝብለዎ፡ ተስፋና ብሓደ ርእዮተ ዓለም ሓሳብ ዝረውይ ኣይኰነን፡ ስለ ምንታይ ጭቡጥ ኩነት ካብ ስነ ሓሳባት ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ።

ሰለስተ ኣብነታዊ ግደ ደቀንስትዮ ኣብ ኩርያ (ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ አሓባበርቲ ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽሪ ቅዱሳት ማሕብራትን)፥ እቲ ሓደ ባዕሎም ቅዱስነቶም ብዛዕባ ድቁና ደቀንስትዮ ዘጽንዕ ዘቖምዎ ፍሉይ ድርገትን Ratio fundamentalis institutionis sacerdotalis – መሠረታዊ አመክንዮ ንኽህነታዊ ሕንጸት”  ዝብል ሰነድ፥ ኣብ ክህነታዊ ሕንጸት ደቀንስትዮ ዘለወን ዓቢይ ግደ ልዑል ኣፍልጦ ይህብ፡ ስለዚህ ደቀንስትዮ ኣብ ኩሪያ፥ በዓል ስልጣን ወይ ሓላፍነት ናይ ኣቢያተ ትምህርቲ ጉዳይ ዝምልከት ቤት ጽሕፈት ሓላፍትን ኣካየድትን፡ ናይ ኤኮኖሚ ጉዳይ ዋና ሓለፍትን ደቀንትዮ ምሻም ኣድላዪ እዩ። ስለዚህ ብዘይ ሱታፌ ደቀንስትዮ ሓደ ሰበኻ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያናዊ ምሉእ ተልዀ ምልኣተ ሱታፌ ኣለዎ ከባህል ጠሩሹ ዘይከኣል እዩ፡ ደቀንስትዮ ዝውክል ድምጺ ዘየእንገድ ዝዀነ ይኹን ውሳኔ ኣብ ሰበኻ ድዩ ኣብ ቁምስና ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያንዊ ተልእኾ ምሉእ ሱታፌ ክህልዎ ዘይከኣል እዩ፡ ከምዝበሉ ነቲ መጽሔት ኣመሪካ ዝጠቐሰ ሎሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣፍሊጡ።

ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ኣባላት ውፉያን ሕይወት ማሕበራት 80% ብደቀንስትዮ ዝሽፈን እዩ

ብፁዕ ካርዲናል ቶቢን ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16፥ ኣባላት ውፉያን ሕይወትን ገዳማውያንን ዘይብሉ ናይ ከባቢ ቤተ ክርስቲያን ወይ ሰበኻ ናብ ድኽነት ዘብል ዘሎ ሰበኻ ወይ ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያን እያ እትኸውን። እዚ ማለት ግና ንጥፈት ዘይብሉ ማለት ዘይኰነስ  ክልተ ኢድ ዘይብላ ወይ ከኣ ኣእዳዋ ዝተኣሰረት ቤተ ክርስቲያን ከምእተኸውን ዘረድእ እዩ ቢሎም ኣተሓሒዞም፥ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ኣባላት መናንያን ሕይወትን ገዳማውያንን ብዝሒ ደቀንስትዮ 80 ሚእታዊ ይሽፍና። ከምኡ ኣውን ኣባላት ቁምስናታት ድዩ ሰበኻታት ብብብዝሒ ደቀንስትዮ ዝሽፈን እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣስዒቡ፥

ዝረአይ ጉድለት ምኽባር ዓቢይ መጠንቀቕታ ስግኣት እዩ

ኣብ ዓለም ዘይምኽባር ደቀንትዮ ብዙሕ ጊዜ ዝረአይ ተግባር እዩ። ናይ ኢየሱስ ወንጌል ድኻታት ዝጸቕጥን ዝጭቁንን ብግልጺ እዩ ዝዅንን። ወይ ከኣ ከምዘይረአኻዮም ኰይንካ ምንባር የውግዝ፡ ኣብ ብዙሓት ሓገራት ብድኽነት ካብ ዝነብሩ ዜጋታት ውሽጢ ብዝሒ ድኻታት ድቀንስትዮ ክብ ይብል። ነዘን ኣሕዋት ዘይምሕላይን እናረኣኻየን ከምዘይረኣኻ ኰይንካ ምንባርን ምሕላፍን ሓጢኣት እዩ።

ንክህነታውነተ ዓቢይ ብድሆ እዩ

እቲ ሓቂ እዚ ብምዃኑ ድማ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብነት ምስዓብ የድሊ። ማለት ክህነታውነት ዝብል ብድሆ ምግጣምን ምስናፍን የድሊ። ክህነታውነት ምግጣም ማለት ጸረ ደቀነስትዮ ኣመለኽኽታ ምስናፍ ማለት ጥራሕ ዘይኰነስ ዕጽው ዝንባለን ኣተሓሳስባን ምስናፍ ማለት እዩ። ነቲ ክህነታውነት ከም ሓለፋ ወይ ድማ መሰል ቢሉ ካብ ዝሓስብ ዕጹው ኣተሓሳስባ ምልቓቕ የድሊ፡ ቢሎም ከም ምዕዳን ዘቕርቦ ይብሉ ብፁዕነቶም ደቀንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብነጻነት ገዛእ ርእሰንን ሓሳበንን ክገልጻ ምግባርን እዩ። ሓቂ ምንጋር ከድሊ እንከሎ ንስልጣንን ንላዕለዋይ ኣካል ሓቂ ምንጋር ዘይምፍራሕን እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከምዘጠቓለሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣብ ናይ ትማሊ ሕትመቱ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.