2018-01-12 16:04:00

ናይ ኮንጐ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ብፁዓን ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃገሮም ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው


ናይ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣባ ዶናታይን ንሾለ፥ ኣብ ደሞክራስያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ዕለት 23 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ንኽካየድ ዝተወሰነ ህዝባው ምርጫ ተቐባልነት ዘለዎ ሓሳብ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥  እቲ ናይ ሕዝባዊ ባይቶን ሓጋጊ ኣባልት ቤት ምኽርን ከምኡ እውን ዞባዊ ኣባይቲ ምኽሪ መራሕትን ኣባላትን ንምሕራይ ዝግበር ሕዝባዊ ምርጭ፡ ነቶም ንኻልኣይ ጊዜ ርእሰ ብሔር ኰይኖም ዝመርሑ ጆሰፍ ካቢል ብቕዋም ሃገር መሰረት ንሳልሳይ ጊዜ ርእሰ ብሔር ንምዃን ተመራጺ ኰይንካ ምቕራብ ክልኩል ዝብል ዓንቀጽ መሰረት ዝትክእዎም ኣካል ንምምራጽ ዝካየድ ሕዝባዊ ምርጫ ከምዝዀነን ጆሰፍ ካቢላ ናይ ካልኣይ ጊዜ ናይ ርእሰ ብሔር ስልጣኖም ዕለት 20 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. ዘብቅዔ ምዃኑ ብምምልካት፥ ኣባ ንሾለ፥ ናይ ዓበይቲ ቀላያት ሓገራት፥ ማለት ኣንጎላን ብሩንዲን ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃን፡ ረፓብሊክ ኮንጐን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐን ከንያን ኡጋንዳን ርዋንዳን ሱዳንን ታንዛኒያን ዛምቢያን ዝሓቁፍ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ሕብረት ብናይ ሃገሮም ብፁዓን ጳጳሳት ተረይና ኣቦ መንበርነት ስልጣን መሰል ምስ ረፓብሊካዊት ኮንጐ ርእሰ ብሔር ደኒስ ሳሱ ንጉወሶ ተራኺቦም፡ እቲ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ርእሰ ብሔር ንጉወሶ ብመንጐይናነት ክሽምግሉ ከምዝሓተቱ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2018 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ኣካል ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ነቲ ኣብ ደቡብ ሱዳንን ደሞክራሲይዊት ረፓብሊክ ኮንጐን ሶማልያን ናይጀሪያን ብምኽንያት ተፈጥሮኣዊ ሃብተን ንምምዝማዝ ዘሎ ድላይ ዝፈጥሮ ዘሎ ቅልውላው ከይዝንግዕን ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው መፍትሒ ክረክብ ዘይሕለል ጻዕሪ ከሳልጥ ሓደራ ኢሎም ከምዝነበሩ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣዘኻኺሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.