2018-01-13 19:08:00

ሰንበት ዘናዝሬት ጥሪ 6 2010 ዓ.ም.(1/14/2018)


ንባባት፡ ቆላ 3፡12-21፥ 1ዮሕ. 3፡18-ፍ፥ ግ.ሓ. 15፡22-36፥ ማቴ 2፡13-23። ምስባክ፡ “ናሁ ሰማዕናሁ በኤፍራታ፥ ወረክብናሁ ውስተ አመ ገዳም ንበውእ እንከሰ ወስተ አብያቲሁ ለእግዚአብሔር”።

፫ይ ክፍሊ ዓመት ኢና ሒዝና ዘሎና ካብ 26 ታሕሣሥ 25 መጋቢት ሓጋይ ይብሃል። አብ ዘመነ ሓጋይ አዋርኅ ነቕጽን ደርቅን እዩ አብኡ ዘመነ አስተርእዮን ዘመን ጾምን ይርከብ።

ካብ ሃገርና ወጻኢ እንርከብ አብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለም ስለ እንርከብ ገለና ከቢድ ክረምቲ ቁሪ ዝበዝሖ ከምኡ በረድን ካልእን ዝበዝሖ ነሕልፍ ንህሉ ገለ ከአ እዋን ዝናም ጥዑም ጊዜ ገለ ኸአ ብርቱዕ ሙቐት፥ እቲ ኾይኑ እቲ እዚ እዋን ልደት ክርስቶስ መድኃኒና እንዝክረሉ ቅዱስ እዋን እዩ። ብፍሉይ መንፈስን ትግሃትን ክንዝክሮ ይግባእ። አብ ሕይወትና ምስ ኢየሱስ መድኃኒና ክንራኸብ ክንበጽሖ ምስ ህያባትናን ምሉእ ፍቕርናን አብ ቅድሚኡ ክንቀርብ ዝሕግዘና እዋን ኢና ዘሎና። ንዑናይ አብ ኢየሱስ ክንብሃሃል እሞ ብምሉእ ፍቕርን ምትሕግጋዝን ክንቀርቦ። ንኢየሱስ ክንረክብ መገዱ ድለቱ ክንፈልጥ አሎና ንሱ ኸአ ብምሉእ ልብኻ/ኺ ናቱ ኮንካ ምርካብ እዩ። አብዚ አምላኽ ዝገልጸልና ነገር ንዑናይ ክንብል እዋኑ እዩ። ልብና ከፊትና ክንመጾ ብፍቕሪ ይጽበየና አሎ።

ናይ ሎሚ ሰንበት “ዘናዝሬት” ተባሂሉ ይፍለጥ ካብ 5-10 ጥሪ ዘሎ እዋን ይሕዝ። አብ ናይ ዕለቱ መዝሙር ከምዚ እናበልና ንጽሊ፥ “ኦ ጽዮን ንጉሥኪ እቲ ሰማይን ምድርን ዝጽበይዎ ንውሉድ ወለዶ አባና መጺኡ፥ ንነገስታት ክብሪ ንዝግዝእዎ ብርሃን አኽሊል ንሰማዕታት ሽመት ካህናት ንቅድስት ቤተ ክርስትያን ዓምዳን ጸግዐን፥ አብ ቤተ ልሔም ተወልደ አብ ናዝሬት ተሓጸነ። አበሳና ስለ ዘይዘከሮ አይሓደገናን ንሱ ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዝኾነ ሓጎስ ኮነ”።

ሰንበት ዘናዝሬት ብፍሉይ ብዛዕባ ቅድስት ስድራ ክንሓስብን ክነስተትንን እተዘኻኽረና ፍልይቲ ሰንበት እያ። ቅድስት ስድራ ብኢየሱስን ማርያምን ዮሴፍን ዝቖመት ኮይና ከም ኩለን ስድራታት ሕይወታ ትመርሕ ከም ዝነበረት ወንጌል ይነግረና። እዛ ቅድስት ስድራ ናይ ኩለን ስድራታት አብነትን አርአያን እያ። ቅድስት ስድራ ንብላ ግን ጸገም አይነበራን ማለት አይ ኮነንን ከም ኩለን ስድራታት ጸገማት ይጓነፋ ነሩ ፍታሕ ከአ ክትረኽበሉ ነርዋ። ከም ኩለን ስድራታት እትጾሮ መስቀል ነርዋ። ኩለን ስድራታት ሎሚ አብነት ቅድስት ስድራ ተኸተላን ጸገማተን ክፈትሓ እሞ ክጸዋወራን ክተሓጋገዛን ከም ዘለወን ፍሉይ አጋጣሚ እዩ።

አብዚ ዘሎናዮ ዘመን ስድራ እታ ማእከልን ሕመረት ሕብረተሰብ ዝኾነት ልዕሊ ኹሉ ትሳቐን ትድፈርን አላ፥ ሳዕቤኑ ኸአ ሕብረተ ሰብ ብምልኡ ክሳቐ ንርኢ አሎና። እቲ ንሓደ ስድራ ዝጥርንፍን ሓድነት ዝህብን ብዝቐልጠፈ ፍጥነት ዘይተደለ ባህልን ንስድራ ዘፍርስን ነገራት ክዝርጋሕን ንሰባት ክጸሉን ንርእዮ አሎና። ሎሚ ህላዌ ስድራ አብ ተፈታታኒ እዋን ከም ዘላ ኩልና ንዕዘቦ ዘሎና እዋን እዩ፥ ብሓቂ ክንሓስበሉ ዘሎና ጉዳይ እዩ። ፍቕሪ ስድራ ይጠፍእ አሎ፥ አቦን አደን አብ ሓድነትን ምጽውዋርን ክንዲ ዝዝምብሉ አብ ምፍላለይን ንአይ ይጥዓመንን ክወድቁ ንርኢ አሎና። ውሉዳት አብ ክንዲ ምስ ስድርኦም ዘዕልሉን ዝዋስኡን ምኽሮም ምስ ካልእ ኮይኑ ዳርጋ ደቅና ምፍላጦም ጸጊሙና አሎ።

ቅድሚ ገለ ዓመታት ሓደ አቦ ወርቃዊ ወረቐት ንህያባት ልደት ክጥቕልለሉ ኢሉ ዘቐመጦ ጓል 3 ዓመት ጓሉ ስለ ዘጥፍአትሉ ብጣዕሚ ሓሪቑ ተቛይቕዋን ቀጺዕዋን ምኽንያት በቲ ጊዜ ገንዘብ ብቐሊል ይርከብ አይነበረን በቲ ወረቐት ነቲ ህያባት ጠቕሊሉ አብ ትሕቲ እታ ናይ ልደት ኦም ከቐምጦ ስለ ዝነበሮ ዝገብሮ ጠፊእዎ። ቆልዓ ብዝገበረቶ ድሕሪ ምጥዓስ ነብአ ክትዕረቖ በዲአ ገራ ክትቀርቦ ሓሲባ ነዲአ አካፊላታ፥ አደ ኸአ ነቲ ሰናይ ሓሳብ ጓላ ደጊፋ መኸረታን መዓደታን ደስ ዘበላ ህያብ ክትህቦ ኸአ ነገረታ። ቆልዓ አዲአ ብዝሃበታ ምኽርን ይሓይሽ ዝበለቶን ህያባ ሒዛ አብ ቅድሚ አብአ ደው ኢላ አቦ እዚአ ህያባይ ንአኻ እያ ኢላቶ። አቦ በቲ ቅድም ዝገበሮ ተጣዒሱ ሓቒፉ እናሰዓማ ተቐቢሉ ክፍት እንተበለ ጥርሑ ዝኾነ ባኮ፥ ድምጹ ዓው አቢሉ ብሕርቃን ህያብ ክትህቢ ከሎኹ ገለ ነገር ክትህቢ ከምዘሎኪ አይትፍልጥን እንዲኺ ጥርሑ ዘሎ ትህብኒ ኢልዋ። ቆልዓ እናነብዐት አቦየ ጭሪሹ ጥርሑ አይ ኮነን ብዙሕ ስዕመትን አብ ውሽጡ ኡፍ ኢለ መሊአዮ እየ፥ ኩሉ ኸአ ንአኻ እዩ ኢላቶ። አቦ ብዝገበሮ ሕማቕ እናተሰምዖ ንጓሉ እናሓቖፈ እቕረታ ሓቲቱ ትርጉም ዘልኦ ህያቡ ተቐቢሉ። ድሕሪ ሓጺር ጊዜ እታ ቆልዓ ብድንገት መይታ። አብአ ነታ ንሳ ዝሃቦቶ ወርቃዊት ባኮ አብ ጥቓ ዓራቱ ንዓመታት ሒዝዋ ይነብር ነሩ፥ ክሓርቕ ወይ ገለ እንተ ገበረ ብሓሳብቡ ንጓሉ ይስዕማ እሞ ካብቲ ዘሕረቖ ይምለስ ነሩ ይብሃል።

ነፍሲ ወከፍና ብሓቂ ክንርእዮ እንከሎና ከም ደቂ ሰብ መጠን ወርቃዊ መትሓዚ ቅድመ ኩነት ዘይብሉ ፍቕሪን ስዕመትን ካብ ስድራና፥ ሓዳርና፥ አቦና አደና፥ አሕዋትናን ቤተ ሰብናን፥  አዕሩኽትናን፥ አምላኽን፥ ተዋሂቡና እዩ። ካብ አምላኽን ስድራናን እንረኽቦ ፍቕርን ሓልዮትና ንላዕሊ ካልእ ክህበና ዝኽእል ወላ ሓደ የለን። አምላኽ ከም ህያብ ገሩ ንስድራና ሂቡና ካብኡ ንላዕሊ ክውሃበና ዝኽእል ወላ ሓንቲ የለን፥ ግን ምስትውዓል የድልየና ብቐሊል ተደናገርቲ ስለ ዝኾና ዘዘንግዕን ዘታልልን ስለ ዘሎ ሎሚ አብዚ ብሩኽ ዕለት ርኢና ክንክእል አሎና። ህያብ አምላኽ ዝኾነት ስድራይ ከመይ ሒዘያ አሎኹ ክንብል አሎና።

ንባባትና ኩሎም ብዛዕባ ነፍስወከፍ አባል ስድራቤት አብ ስድርኡ ክህልዎ ዝግብኦ እጃምን ሓላፍነትን ገሊጹ ይነግረና። ነፍስወክፍ አባል ስድራ ንቅድስናን ንጽሕናን ስድርኡ ዝክአሎ ከበርክት አልኦ። አብ መጽሕፍ ሲራክ 3፡2-14 ዘሎ እንተ አንበብና ቆልዑት ብሓላፍነት ክገብርዎ ዘለዎም እዚ ኸአ ንስድርኦም ብምእዛዝ ይፍጸም። ንእግዚአብሔር ዘኽብር ንወለዱ የኽብር። እቲ ምኽንያት ከአ ግሉጽ እዩ ማለት ንሶም ወከልቲ አምላኽ እዮም። እቲ ንወለዱ ዝእዘዝን ዘፍቅርን ውሉድ ካብ አምላኽ ዓስቢ ክውሃቦ እዩ፥ ነብኡ ዘኽብር ኃጢአቱ ይስረየሉ ነዲኡ ዘኽብር ብዙሕ ሃብቲ ይድልብ። እቲ ነብኡ ዘኽብር ሓደ መዓልቲ ብደቁ ክሕጎስ እዩ። ብኻልእ አዘራርባ አብታ ቅንዕትን አብነታዊትን ስድራ ተራ ቆልዑት ንአምላኽን ንወለዶም ከኽብሩን ከሓጉሱን ይግባእ። ነዚ ክገብሩ እንከለዉ ብርግጽ ይባረኹ ከምቲ ቅ. ጳውሎስ ዝብሎ፥ አቱም ውሉድ ቅኑዕ እዩ እሞ ንወለድኹም ብጎይታ ተአዘዝዎም፥ ከመይ ምእንቲ ክቐንዓካ አብ ምድሪ ኸአ ነውኅ ዕድመ ምእንቲ ክህልወካ አቦኻን አደኻን አኽብር ዝበሎ ከምኡ ግበሩ እናበለ ይምህረና።

አብ ቀዳመይቲ ንባብና ቅ. ጳውሎስ ሓንቲ ስድራ ክትገብሮን ክትክተሎን ዘለዋ መገድን ሕይወትን ከም መምርሒ እናጠቐሰ ይነግር። አምላኽ ከም ዝኃረዮም ቅዱሳንን ፍቑራትን ህዝቢ ኮንኩም ምሕረት ለውሃት፥ ትሕትና፥ ሕያውነት፥ ትዕግስቲ ልበሱ፥ ንሓድሕድኩም ተጸዋወሩ አብ መንጎኹም ቅር ዘብል ነገር እንተሎ ይቕረ ተበሃሃሉ፥ ከምቲ ጎይታ ይቕረ ዝበለልኩም ይቕረ ተበበሃሃሉ። እዚ እናበለ እንከሎ ነታ ልዕሊ ኵሉ ጸጋታት ዝኾነት አይርስዕን አብ ልዕሊ እዚ ኹሉ ግና ንኹለን አሲራ አብ ፍጻሜ እተብጽሐን ፍቕሪ እያ እሞ ልበስዋ ይብል።

አብ ሓንቲ ክርስትያናዊት ስድራ ነፍስወከፍ አባል ግቡኡን ሓላፍነቱን ይፈልጥ ከምኡ ክገብሮ ዝግብኦን ዘይግብኦን ደረቱ ፈሊጡ ይዋሳእ። ነፍስወከፍ አባል ግብኡን ሓላፍነቱን እንተ ገበረ እታ ስድራ ፍቕሪ ይበዝሓ ሕጉስ ሕይወትን ብሩህ ተስፋን ተርኢ። አቦ ንብዓልቲ ቤቱን ደቁን ብሓላፍነት እንተ መርሐን አለየን እቲ ካብኡ ዝድለ እንተ አበርከተ ፍቕሮም አድንቖቶምን ይገልጹሉ። አደ ንብዓል ቤተን ደቃን ብግቡእ እንተ አፍቀረት ካብአ ዝድለ ኩሉ እንተ ገበረትን ኩሉ ነገር አብታ ስድራ ጽቡቕ ይኸይድ። ውሉድ እውን ተርኦም ክጻወቱ ይግባእ ንስድርኦም ክእዘዙን ክሰምዑን እዚ ኹሉ ሕጉስትን ቅስንትን ስድራ ይፈጥር። እዚ ዝጎደላ ስድራ ትሳቐ አብ መወዳእታ ትበታተን።

ካብ አብ ዘመና ንላዕሊ አብ ታሪኽ ስድራ ብዝያዳ ዘይቀሰነሉን ዘይተሳቀየሉን የለን። ዘሎናዮ ዘመን አቦ ንገዝኡ ክቆጻጸርን ክመርሕን ዘይ ከአለሉ ከም ሓንቲ ማኪና መዘወሪአ ካብ ቁጽጽር ንላዕሊ ዝኸዳ ኮይኑ አሎ። እዋና ብድፍረትን ድንቁርናን ተመሊኹ ስድራ ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ ከም ብሓዲስ ክግለጽን ክንርዳ ብማለት ብሓዲስ ይገልጹልና አለዉ። ስድራ ብሰብአይን ሰብይትን ደቆምን ዝቖመ ምዃኑ ተሪፉ ሓዲስ መልክዕን ትርጉም ክውሃቦ ንርኢ አሎና። ሰብአይ ምስ ሰብአይ ሰበይቲ ምስ ሰበይቲ ዝገደደ ቆልዑት ካብ ካልኦት ወሲድካ ብዘይ አቦ ወይ አደ ከም ዝዓብዩ ምግባር ናይ ዘመና ኃጢአት ኮይኑ አሎ። መርዓ አብ ክንዲ እቲ ንቡር ዘይንቡር ክለብስ ብሕጊ አብ ብዙሓት ሰልጢና ዝብላ ሃገራት አብ ሕጊ ዓደቦአን የስፍራን ይምህራን ንርኢ አሎና። ሃገር ዕንወታ እንተ አኸለ ንስድራ እያ እተጥፍእ ስለዚ እዚ እዋን ብሓቂ ዘሰክፍ ዘሕፍርን ዘመን ኢና ዘሎና። እዚ ኹሉ ስድራ አይገብርን እዩ። ነቲ ብአምላኽ ዝተሰርዐ ክተዕኑ ምጽዓር ጸረ አምላኽ ዝኾነ ተግባር እዩ። በዚ ምኽንያት እዩ ቤተ ክርስትያን ነዚ አምላኽ ዝሰርዖ ስርዓት ብኡ አቢሉ አምላኽ ንደቂ ሰብ ከም ዝውለዱን ሕይወት ከም ዝውሃቡን አብ ዓለም ሕይወት ደቂ ሰብ ከም ዝቕጽል ዝገብርን እሞ ካብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ዝቕጽል ዘሎ ክንልውጥ ኢልና እንገብሮ ዘሎና ድፍረት ዝመልኦ ኃጢአት ክንሓስበሉ ክንርድኦን ትደልየና አላ። ንአምላኽ ዘኽብርን ዝፈርሕን ሰብ ጎዳይ ስድራ አብ ሕቶ አየእቱን እዩ። ሰይጣን ዝተዓወተሉ ሕልናን ባህልን ጥራሕ እዩ መልክዕ ስድራ ቀይሩ ንስዳር ከጥፍእ ዝጽዕር። ተገብረ ተባህለ ኢልካ ምስ ደቂ ጥፍአት ጓይላ ምትካል ንዓለምና ይጎድአ አሎ። ኩልና ሓዋርያት ክርስቶስ ኮና ንቅድስት ስድራ አብነትና ገርና ፍቕሪ ስድራን ሕይወት ስድራን ክንሕሳብ ሎሚ መዓልቱ እዩ።

ካብ ቅድስት ስድራ እንታይ ኢና ንምሃር። ሓድነት፥ ፍቕሪ፥ ተወፋይነት፥ ከም ሓንቲ ስድራ ኮንካ ምንባር፥ አብ ጊዜ ጸገም ሓድነት፥ ጽቡቕ ሞራላዊ ሕይወት፥ ብሓደ ብሰላም ምንባር. . . እዚ ካብቲ ገለ ናይ እዋና ስድራታት ዘየዘውትርኦ ዘለዋ እዩ። እዚ ስለ ዝጎደልና አብ ሕሜታን ወቕሳን ምንዓዓቕን ነነድሕድና አብ ክንዲ ምስማዕ አነዶ አነ እናበልና ስድራናን ሕብረተ ሰብናን እንጎድእ ዘሎና። ንመገዲ አምላኽን ሕጉን ንሓድግ ስለ ዘሎና ዓለምና ብጭካኔን ጽልእን ጥልመትን ተወሪሳ ትነብር አላ። ንመገዲ አምላኽ ሓዲግና ነዛ አምላኽ ባዕሉ ዝፈጠራ ስድራ ብኻልእ ሕግን ስርዓትን አልቢስና ክነንብራ እንተ ፈተና ኃጢአትን ንሕጊ አምላኽ ምፍራስን እዩ። አብዚ ብሩኽ ዕለት ንርእስና ክንሓትት ክንክእል አሎና፥ ድላይ መን እየ ዝገብር ዘሎኹ? ስድራይ ብኸመይ እመርሕ አሎኹ ክንብል አሎና ምኽንያቱ ንበይኑ ንርእሱ ጥራሕ ዝተወልደ የብልናን።

ወንጌል ማቴዎስ ንሓንቲ ስድራ ክወርዳ ዝኽእል ጸገማት ይነግረና። በዚ ንኸአ ንጸገማት ብኸመይ ክንፈትሖም ከም እንኽእል ክንርኢ ንኽእል። አብ ስድራ ጸገማትን ፈተናታትን ኩሉ ጊዜ ዘይተርፉ እዮም። እንተ ኾነ እቶም ስድራ ብሓድነትን ብትብዓትን እንተ ነበሩ ንኹሉ ይስዕርዎን ይወጽእዎን። ብኸምዚ እትኸይድ ስድራ ሓደ ዓቢ ብርሃን ትውልዕ እዚ ኸአ አቦ አብ ስድራ ክሳብ ክንደይ አድላይ ከም ዝኾነን አብ ጊዜ ጸገም ሓላውን ሓላይን ስድርኡ ኮይኑ ከምርሕ ብአምላኽ ዝተዋህቦ ጸዋዕታ ምዃኑ ንርዳእ፥ ከምኡ አደ እውን ብርሃን ገዛ ኮይና ስድርአ ብትሕትናን ፍቕርን ጠርኒፋ ከምእትመርሕ ንርዳእ።

ቅ. ዮሴፍ ክገብሮ ዝግብኦ ኩሉ ፈጺሙ በዚ አብነት ናይ ኩሎም አቦታት ኮይኑ። ማርያም እውን ከም አደ ግዲአ ተጻዊታ ብምፍቃራን ሓልዮታን አብቲ ጽንኩር ጉዕዞ ስደት አብ አጻምእ በረኻ ሲናይ ብጽንዓት ስድርአ ስለ ዝመርሐት ናይ ጽንዓት አደ ትብሃል። ሕፃን ኢየሱስ ብርእሱ ጸገም አይ ነበረን፥ ወላ አብ ጊዜ ሕፃንነቱ ጸገማት ይርድኦ ነሩ ስለዚ ሱቕ ኢሉ ይቕበሎ ነሩ። ጸገማት ክጓነፉና እንከለዉ ንስድራና ክበታትኑ ክንሓድጎም የብልና ብስም ጸገም ወረደና ስድራና ክብተን የብሉን ክንጸዋወር ክንተሓጋገዝ ነፍሲ ወከፍና ንህንጸት ስድራና ክነበርክት አሎና። አብ መንጎና ሓድነትን ፍቕርን አብ ነነድሕድና ክነጽንዕ አሎና። ሓደ ካልእ ካብ ቅድስት ስድራ እንምሃሮ ጸገም ክመጽእ እንከሎ አብ ጽቡቕ ንድሕነት ስድራና ዝጠቅም ዝበልናዮ ቀልጢፍና ውሳኔ ክንወስድ አሎና ክሳብ ኩሉ ዝበታተን ፍቕሪ ክሳብ ዝጠፍእ ክንጽበ የብልናን ቀልጢፍና ንጸገም ፍታሕ ክንደልየሉ አሎና። ገታራትን ብትዕቢት ዝተመለኽና ኮና አነ ዝበልክዎ አይንበል ንጽልኢ ንፍልልይ ንጽልኢ ዘምጽእ ኩሉ ካባና ክነርሕቖ ወይ ክንርሕቀሉ አሎና። ዮሴፍ ንሕፃንን አዲኡን ካብ ሄሮዱስ ሒዙ ስለ ዝሃደመ ካብ ቅትለት አድሒኑ። አምላኽ ካባኻ ዝደልዮ ፈሊጥካ ንድምጺ አምላኽ ክትሰምዕ ጽን ምባል የድሊ፥ አቦታት ኩሉ ጊዜ ክሰምዑ ጽን ክብሉ እንተኸአሉ ዘይሕለፍ ጸገም የለን፥ ስለዚ ንአምላኽ ክሰምዑ እሞ ብእምነት ዘድሊ ውሳኔ ክወስዱ ይግባእ።

አብነታዊት ስድራ እትብሃል እምብአር ንቅድስት ስድራ ከም ሞደላ ገራ እትምርሕ እያ። አብነታዊት ስድራ እታ ብአቦን አደን ውሉድን ዝቖመት እያ። ንሳ ብሓንሳብ እትነብርን ብሓደ እትጽልን፥ ዝተፈላለየ ተራ ዝጻወቱ ዘልአ ግን ብሓባርን ብስምምዕን እትሰርሕ እያ። ንነፍሲ ወከፍ አባላ ዝግብኦ መሰልን ክብርን ሂባ ብስምምዕ እትነብር፥ አብ መዓልታዊ ሕይወታ ክህልዋ ዝግብኦ ፍቕሪ፥ ጥዕና፥ ስራሕን፥ አምላኽን እዮም፥ አባላታ ሕጉሳት እዮም፥ አብ ነነድሕዶም ይፋቐሩን ይተሓጋገዙን። አቦ እንገራ ስድራ እዩ፥ ኩሎም አባላት ስድራ ንጸገማትን ንሓላፍነትን ብሓባር ይካፈልዎ፥ ገንዘብ ጥቕሚ አልኦ ግን ሕጉሳት ክገብረና አይ ክእልን እዩ፥ ብአንጻሩ ድኻ ስድራ እውን ከም አብነታዊት ስድራ ክትኮነና አይ ትኽእልን እያ፥ ብኻልእ አዘራርባ አብ ሓንቲ አብነታዊ ስድራ ዝተመዓራረየ ነገራት አብ ኩሉ ሕይወታን አገባብርአን ክህሉ እንከሎ ጥራሕ እዩ። ድኽነትን ሃብትን መለክዒ እንታይነትና ክኾኑ የብሎምን ግን ንርድኢትናን ጠባያትና ክጸልውዎ ይኽእሉ እዮም።

ቤተ ክርስትያን በዚ ብሩኽ ዕለት እምብአር ኩለን ስድራታት አብቲ አምላኽ ዝደልዮ ተመሊሰን ዓለምና ክትቅየር ስድራታት ሰላምን ፍቕርን ክነግሰን ኩልና እጃምና ክነበርክት ትላበወና። ንቅድስት ስድራ ከም አብነትና ገርና ንድላይ አምላኽ ክንሰምዕ ጽን ንበል። እዚ ጫውጫውታ ዝበዝሖ ዓለም ንድላይ አምላኽ ከይንሰምዕ አጽሚሙና ከይህሉ ጽን ንበል።

ኢየሱስ ማርያም ዮሴፍ ምሳና ኩኑ እናበልና ንጸሊ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 








All the contents on this site are copyrighted ©.