2018-01-16 09:49:00

መልእኽቲ ተለግራም ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ቺለን ፐሩን አየር ዶባተን ነዘቋረጹለን ሃገራት


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ዕለት 15 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ  ሰዓት 08፡55 ሮማ ካብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ መዕርፎ ነፈርቲ ናብ ቺለ ርእሰ ከተማ ሳንቲያጎ ጉዕዞኦም ከምዝጀመሩን ናብ ቺለ ኣብ ዝግበርዎ ጉዕዞ ናይ ኣየር በረራ ዶባተን ንዘቋርጹለን ሃገራት ኢጣሊያን ፈረንሳን ስፓይናን ሞሮኮን ከፕ ቨርድን ሰነጋልን ብራዚልን ፓራጉዋይን ኣርጀንቲናን ናይ ቴለግራም መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ ዕለት 14 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ከምቲ ልሙድ ቅድምን ድርሓርን ዝዀነ ይኹን ሓዋርያዊ መገሻኦም መንፈሳዊ ንገድት ናብ ዝፍጽሙሉን ድሕነት ሮማውያን ኣብ እተሰምየት ቅድስተ ማርያም ቅዱስ ምስሊ ፊት ዕንበባ ኣንቢሮም ጉዕዞኦምን ዝራኸብዎም ሕዝብታትን ሃገራትን ንቅድስተ ማርያን ንምውፋይ ኣብ ሮማ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ መንፍሳዊ ንግደት ከምዝፈጸሙ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶም ብምኽንያት እዚ ናብ ቺለን ፐሩን ዘካይድዎ መብል 22 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ናብ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተለግራም መልእኽቲ፥ ናብታ ኣብ ቺለን ፐሩን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ንምትብባዕን ንምድጋፍን መልእኽቲ ተስፋ ንኸበጽሕ ንዝገብሮ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ካብ ሮማ ንኽነቕል፥ ዝኸበረ ሰላምታይ እናመሓላለፍኩ ናይ ሕዝቢ ኢጣሊያ ምዉቕ መንፈሳውን ዜጋውን ማሕበራውን ጸጋታት ዝምነይ ሓዋርያዊ መልእኽተይ እመሓላልፍ።

 

ናብ ፈረንሳ እውን ብምኽንያት ናብ ቺለን ፐሩን ዝገበሮ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ንኣኹም ክቡር ርእሰ ብሔር ኤማኑኤል ማክሮንን ንሕዝብኹምን ልባዊ ሰላምታይ አቕርብ። ከሃሌኵሉ እግዚኣብሔር ብሰላሙን ሓይሉን ይባርኽኩም እናበልኩ ንመላእ ሃገረ ፈረንሳይ መለኰታዊ ቡራኬ እምሕጸን፥

 

ንግርማውነትኩም ናይ ስፐይን ንጉስን ፊሊፐ ሻድሻይን ንጉሳውያን ስድራ ቤትኩምን ንመላእ ሕዝቢ ስፐይን ብምኽንያት ናብ ቺለን ፐሩን ዝገብሮ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ልባዊ ሰላምታይ አቕርብ፡ ንመላእ ሃገረ ስፐይን መለኰታዊ ቡራኬ እምሕጸን፡ ሰላምን ጥዕናን ክጽግው እጽልይ።

 

ኣብ ቺለን ፐሩን ኣብ ዝገብሮ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ንኣኹም ግርማውነትኩም ንጉስ ሞርኰ ሞሃመድ ሻድሻይን ንጉሳውያን ስድራ ቤትኩምን ሃገርኩምን መላእ ሕዝብኹምን ጸሎተይ ብምርግጋጽ ንንጉሳዊ ቤተሰብን ሕዝብኹምን ሃገርኩምን ካብ እግዚኣብሔር ናይ ሓጎስን ሰላምን ቡራኬ እምሕጸን።

 

ንርእሰ ብሔር ረፓብሊካዊት ከፕ ቨርድ ኾርገ ካርሎስ ፎንሰካን፥ ናብ ቺለን ፐሩን ኣብ ዝገብሮ ጉዕዘይ ንኣኹምን ስለ ከፕ ቨርድን ጸሎተይ አረጋግጽ። ንኣኹምን ሕዝብኹምን ናይ ሓሴትን ሰላምን ቡራኬ እግዚኣብሔር እምሕጸን።

ንኽቡርነትኩም ርእሰ ብሔር ረፓብሊካዊት ሰነጋል ማክይ ሳልን መላእ ሕዝብኹምን ብምኽንያት ሓዋርያዊ ጉዕዞይ ናብ ቺለን ፐሩን ደባት በረራ ኣየር ሃገርኩም ከቋርጽ እንከለኹ ሰናይ ምንዮተይን ንመላእ ሃገርኩም ሰላምን ጸጋን ጸሎተይ ብምርግጋጽ አመሓላልፍ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መገልጺ ኣፍሊጡ።

ናብ ፈረደራላዊት ረፓብሊክ ብራዜል ርእሰ ብሔር ሚሸል ተመር እውን ብምኽንያት ናብ ቺለን ፐሩን ዝገበሮ ጉዕዞ ንኣኹምን ንመላእ ዜጋታት ሃገርኩምን ምእንቲ ሰላምን ምዕባለን ጸሎተይ ከረጋግጸልኩም እፈቱ ከምዝበሉን።

ናብ ረፓብሊካዊት ፓራጉዋይ ርእሰ ብሔር ኮራሲዮ ካርተስ ናብ ቺለን ፐሩን ብዝፍጽሞ ጉዕዞ ምኽንያታ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቅድስቲ መንበር ዘካየድዎ ክሌኣዊ ርክብ ዘኪሮም፡ ንክብርነትኩም ርእሰ ብሔርን ፓራጉዋይን ሕዝብኹምን ምእንቲ ሰላምን ጽንዓትን መለኰታዊ ቡራኬ እምሕጸን፡

ናብ ቺለ ቅድሚ ምብጻሕ ነታ ናይ በረራ ድቦታ ዘቋርጹላ ትውልዲ ሃገሮም ኣርጀንቲና ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ቴለግራም መልእኽቲ፥ ንኽቡርነትኩም ናይ ረፓብሊካዊት ኣርጀንቲና ርእሰ ብሔር ማውሪሲዮ ማክሪ ምዉቕ ሰላምታይ አቕርብ፡ ብሉጽ ልባዊ ምንዮተይ ንኣኹምን ንመላ ትውልዲ ሃገረይ ህዝቢ ኣርጀንቲናን ቅርበተይን ቡራኬይን አረጋግጽ። ብትሕትና ስለይ ምጽላይ ሓደራ ኣይትረስዑ እብል።

ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ድሕሪ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቺለን ፐሩን ምብጻሕ ዘካይዱ ካልኣይ ር.ሊ.ጳ. ምዃኖም ክፍለጥ እንከሎ፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካብ ዕለት 1 ሚያዝያ ክሳብ ዕለት 6 ሚያዝያ 1987 ዓ.ም. መበል 33 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ኣብ ቺለ ከምዘካየዱን ንእናቴ ተረሳ ደ ሎስ ኣንደስ ኣባል ማሕበር ደናግል ቅርመለሳውያን ቅድስና ዝኣወጅሉ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዝነበረ ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1985 ዓ.ም. ኣብ ፐሩ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ንእናቴ ኣና ደሎስ ኣንኸለስ ሞንተኣጉዶ ቅድስና ዝኣወጅሉን ን47 ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ማዕርገ ክህነት ከምዝሃቡን ንኻልኣይ ጊዜ እውን ኣብ 1988 ዓ.ም. ምብጻሕ ከምዘካየዱን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ንምዃን ናብቲ ማሕበር ከም ተመሃራይ ኰይኖም ምስ ምስ ኣተዉ ተመክሮ ኣብ ቺለ ንሕደ ዓመትን ፈረቓን ከምዝገበሩ የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.