2018-01-16 09:55:00

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ፥ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ንይቲን ኤልሳልቫዶርን ኣፍሪቃን ይቕረታ ክሓቱ ይጽውዕ


ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕ ሃይቲን ኤል ሳልቫዶር ኣፍሪቃን ዘቕንዔ ካብ ብዙሓት ካብ ሽጥን ወጻእን ዓበይቲ ናይ መንግስትን ናይ ፖለቲካ ኣካላት ናይ ዝተፈላለያ ዓለም ሓቆፍ ማሕበራት ክንቀፉን ዓለተይናን ኣነዋርን ዝብል ወቐሳ ንኽቀርበሎም ዝገብር ዘሎ ኣብ ልዕሊ ናብ ሃገረ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝደተይናታት ዝብገሱለን ሃይቲን ኣፍሪቃን ዝፈነውዎ ኣነዋሪ ጸርፊ ምኽንያት ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ብናይ ጉብኤኡ ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ጀምስ ሮገር ኣቢሉ ንሃገራት ሃይቲን ንመላእ ኣፍሪቃን ይቕረታ ክሓቱ ብወግዒ ጻውዒት ከምዘቕረበ  ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብፁዓን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ሰብኣዊ ፍጥረት ብዘይ ኣፋላላይ ብኣርኣያን ኣምሳልን እግዚኣብሔር ዝተፈጥረ እዩ፡ ስለዚህ እቲ ናይ ትራምፕ ዘረባ ንመላእ ዘርኢ ሰብ ዘሕስር ብሓቂ ነዚ መሰረታዊ ፍጥረት ሰብ ዘንውርን እዩ ክብል እንከሎ፡ ናይ ቦስቶን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ሲን ኦማለይ ብወገኖም ብዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝግበር ዘተ ካብ ምኽባር ፍጥረት ሰብን ዝነቕልን ኣብቲ መሰረተ ሓቂ ዘፍጥረት ዝቖመ ክኸውንን ሰብ ዘሕስርን ዘንውርን ቃላት ካብ ምጥቃም እውን ምጥንቃቕ የድሊ ካብ ዝበሉ ካብ ቦስተን ሰበኻ ዝወጸ መግለጺ ኣመልኪቱ።

እቲ 55 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሓቁፍ ሕብረት ኣፍሪቃ እውን ብወገኑ ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕ ብወግዒ ንሃይቲን ኤልሳልዳቮርን ሃገራት ኣፍሪቃን ይቕረታ ክሓቱ እንክብል ብወግዒ ክጽውዕ እንከሎ፥ ናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝሃልዮ ቤት ጽሕፈት ወሃቢ ቃል ሩፐርት ኮልቪለ እውን ብወገኖም፥ ናይ ትራምፕ ቃል፥ ጽልኢ ሰብኣውን ኣድክዊ ብዘርኢ ዘስፍሕን ነቲ ዓለም ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለምን መዳጐን ሰፈር ኣውሽዊዝ ዘጽደቖን ዘነቓቕሖን ውሳኔ ኵላዊ ዕሴታት ዝጻረር እዩ እንክብል ንቃል ትራምፕ ከምዝዀነነ ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር መግለጺ የመልክት። 








All the contents on this site are copyrighted ©.