2018-01-19 16:56:00

ቕዱስ ኣቦና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ደቀንስትዮ ምብጻሕ ኣካይዶም


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብናይቲ ቤት ማሕቡስ ኣዛዚትን ብሓሙሽተ ናይ ኣባይቲ ማእሰርቲ ኣባይት ጸሎት ቆሞሳት እቀባብላ ምስ ተገብረሎም ምስተን ካብተን ሓሙሽተ ኣባይቲ ማእሰርቲ ደቀንስትዮ ዝተዋጽኣ 500 እሱራት ተራኺቦም ንኹሎም ዝወከላ ሓንቲ ድንግል ናይ ኣባይቲ ማእሰርቲ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓላፊት ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዘረባ ምስ ኣስምዐ ንመላእ እሱራት ደቀንስትዮ ዝውከላ እሱራት ኣሕዋት ዘቕረበኦ ናይ ቃል ምስክርነት ምስ ሰምዑ፡ ይቕረታን ምሕረትን ምሕታት የሰብእውተና እዩ እሞ ሓደራኽን ይቕረታን ምሕረትን ኣብ ምሕታት ተበዓት ኵና ቢሎም ካብተን እሱራት ገለ ገለ ኣውን ኣዴታት ምዃነን ቃል ናይተን እሱራት ዘኪሮም ምዝ ገለጹ፡ ንስኻትክን ኣዴታት፡ ሕይወት ምሃብን ምውላድን እንታይ ማለት ምዃኑ እትፈልጣ ኢኻትክን። ስለዚህ ሎሚ እውን ኣብ ቅድሜኽን ዝተሓደሰ ሕይወት ኣባኽን ክህሉን ውሉዳት ሓድሽ ሕይወት ናይ ምዃን ብድሆ ኣሎ፡ ናታትክን ብሩህ መጻኢ እተወልዳ ኵና። እዚ ንኣኻትክን ጥራሕ ዘይኰነስ ስለ ውላድክን ሕብረተሰብን እውን ይኹን። ጓለንስተይቲ ምስ ኩነታት ናይ ምልዛብን ንቕድሚት ናይ ምስጓምን ብቕዓት ዘለዋ ፍጥረተ እያ፡ … እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘሎ ናይ መጻኢ ተስፋ፡ እትወልዳ ኩና፡ ወላዳት ተስፋ ኢኻትክን ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጋብሪኤላ ቸራዞ ሓቢረን።

…. ናብ ግኡዝነት ክቕይረክን ዝደልይ ኩሉ ተቓወመኦ፥ ናጻ ፍቓድ ዝበሃል ዘይብሉ ጽሑፍቶነት ዝብል ሰብ ናብ ነገርነት ካብ ዝልወጥ ተስፋ ቀታሊ ባህሊ ገዛእ ርእስኽን ተኸላኸላን እዚ ዓይነት ባህል’ዚ ተቓወማ …. ክብርን መሰልን ሰብኣዊ ፍጥረት ክዕቀብን ብማንም ክገሃስ ዘይብሉ ጸጋ እዩ። ስለዚህ … ኣሕዋተይ ንብሩህን ብሉጽን መጻኢ ተቓለሳ፡ … ካብ ቤት መእረሚ ወጺእክን ምስ ሕብረተሰብ ተወሃሂድክን ንምንባር ገዛእ ርእስኽን ኣሰናድዋ፡ ተወሃሂድካ ምንባር መሰልክን እውን እዩ። ንቕድሚ ብምጥማ ተወሃኢድካ ናይ ምንባር መሰልክን ኣብ ሕብረተሰብ ተጣበቕቲ ኵና … ቤት ማእሰርቲ ናይ መቕጻዕ ቤት ዘይኰነ መእረምን ናብ ቅኑዕ መገዲ ዝመርሕ ቤት እይ፡ ስለዚህ ገበናት ንኸይፍጸም መታን ንቐዲምካ ምጥንቃቕ ዝድግፍ ሕንጸትን ሕንጸት ማሕበራውነትን ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ  ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸራዞ ኣስዒበን፥ ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ኣብ ኣባይቲ ማእሰርቲ ዝሰርሕን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ እሱር ሰብኣዊ ክብሪ ክኽበር ኣለዎ፡ ኣብ ኣባይቲ ማእሰርቲ ኣገልግሎት ዘቕርቡ ብዙሓት ወለንተይናታትን ኣብ ኣባይቲ ማእሰርቲ ተልእኾ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝፍጽሙ እውን ከምዘለዉ ዘኪሮም፥ ሰበ ስልጣናት ዕዮኹም ንኸተሳልጡ ዘኽእል ባይታ ምፍጣርን ክውሕሱን ይግባእ፡ ክብሪ ክብሪ ይወልድ። ክብረይ ምባል ልክዕ ከም ሕማም ተላገብ እዩ፡ ሓደ ሰብ ስለ ክብሩ ክጣበቕ ምስ እትርይ ንስኻ እውን ምእኝቲ ክብርኻ ትበራበር ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.