2018-01-22 09:31:00

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ከተማ ፑወርቶ ማልዶናዶ ዝርከብ ኣብ መእለዪ ዘኽታማት ሆጋር ፕሪንሲፓቶ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 ጥሪ 2017 ዓ.ም. ኣብ ፐሩ ኣማዞናዊ ከባቢ ኣብ ዞባ ታምቦፓታ ኣብ እትርከብ  ብስነ ሕይወት ብዙህነት ሃብታም ተባሂላ ኣብ እትግለጽ ብጸጋታት ሃብቲ ተፈጥሮ ዝተዓደለት ከተማ ፑወርቶ ማልዶናዶ ተቐማጦ ድሕሪ ዘካየድዎ ርክብ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ኣብ 1996 ዓ.ም. ብኣባ ኻቪየር ኣብረክስ ደ ሞራይር ዝተመስረተ ሆጋር ፕሪንሲፒቶ-ቤተ ልኡላን ኣብ እተሰምየ መእለዪ ዘኽታማት ምብጻሕ ኣካይዶም ምስቶም በቲ መዕለዪ ዘኽታማት ዝእለዩ ሕጻናትን መናእሰይን ተራኺቦም ድሕሪ እቶም ሕጻናት ንኽብሮም ዘቕረብዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መዝሙርን ናይቲ ማእከል ዋና ኣመሓዳሪ ንኽብሪ ቅዱስነቶም ዘስምዕዎ ዘረባን ኣብቲ መእለዪ ሕጻናት ዝዓበየ መንእሰይ ድሕሪ ዝሃቦ ናይ ምስክርነት ቃል ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፥

ስለ ዝቐረበሎም መዛሙርን ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዘረባን  ኣቀባብላን ብምምስጋን ዝለገስዎ ቃል ኣበጊሶም፥ ብዛዕባ እዚ መእለዪ ዘኽታማት ምስ ሰማዕኩ ናብዚ ከይበጻሕኩ ካብ ፐሩ ኣይምለስን ቢለ እነሆ ክበጽሓኩም ኣብ መንጐዅም እርከብ፡ ክትዝምሩን ከተሸብሽቡን ምርኣይ ሓጐስ እዩ ዝዀነኒ፡ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ናይ ምስክርነት ቃል ዘስምዐት መንእሰይ ዲረሰይ ከምቶም ኩሎም ኣብቲ መእለዪ ዘኽታማት ዝዓብዩ ወለዳ ድሕሪ ምስኣና ኣብዚ ቤት ሓድሽ ስድራ ቤት ከምዝረኸበትን  ዝገለጸቶ ሓሳብ ቅዱስነቶም ኣዚዩ ልቦም ከምዝተንከፎምን እዚ አንዞም ዘኽታማት ዝሓልይ እቲ ብኣባ ኻቪየር ኣርበክስ ደ ሞርሳየር ዝተመስረተ ማሕብር ረድኤት ኣፕሮኒያ መብዛሕቲኦም እቶም ዝእለዩ ካብቲ ከባቢ ብማዕድንን ብኣግራብን ሃብታም ዝኾነ ንብዙሕ ሓደጋ ካብ ዝተቓሌ ከባቢ ደቀባት ዝመጹ ሕጻንት ከምዝዀን ኣዘኻኺረን፡፥

ገለ ገለ እዋን እቶም ዝበጻሕና ዓበይቲ ዜጋታት ኣብ ልዕሌዅን ንእንፍጽሞ በደል ይቕረታ በሉልና፡ ንስኻትኩም ንዅላትና ናይ ተስፋ ጩራ ኢኻትኩም … ብዙሕ እዋን ኣብ ምድቃስኩም ብዙሕ ትሓስቡን ትሓዝኑን ነቲ ኣብ ልዕሊ ወለዳትኩም ዝተፈጸመ በደል ኩሉ ተሰላስሉ። እዚ ኣባኹም በሰላም ሓዲጉ ዝሓለፈ ኣብ ልዕሊ ወለድኹም ዝተፈጸመ መንፈስ ክፍኣት ዘሳቕይ እውን እንተዀነ ሓድሽ ስድራ ቤት ረኺብኩም ክትእለዩ ብሓቂ እግዚኣብሔር ንኽድግፍ ወትሩ ኢዱ ዝዝርግሕን ንበይንና ከምዘይሓድገና ምልክት ጸጋታቱ እዩ።

እቶም ኣብዚ ቤት መእለዪ ዘኽታማት ዝዓበዩ ሎሚ በጺሑም ገዛእ ርእሶም ንምምሕዳር ዝበቕዑ ጸላም ለይቲ ዘብርሁ ከዋኽብቲ እያቶም። ሓንቲ ካብኣቶም ዲርሰይ ቃል ምስክርነት ዝሃበት፡ ወለዳ ብመኪና ሓደጋ ምስ ተፈለይዋ ዘኽቲማ ኣይተረፈትን ኣብዚ መእለዪ ዘኽታማት ዓብያ ሎሚ ናይ ስነ ኣእምሮ ክፍለ ትምህርቲ ተማሃሪት ኰይና እናሰረሔት ትመሃር ኣላ።

ንስኻትኩም ናይቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘሎ ዓቢይ ዕቑር ሓይሊ መሰኻኽር ኢኻትኩም። ኣብነታ ሰዓቡ። እቲ ኩሉ ንስኻትኩም ኣብዚ ማእከል ትእለዪ መንእሰያት ነቶም ክበጽሕኹም ዝመጹ ብፍቕርኹምን በጠቓቕማ ግዜኹምን ኩሉ ብሓቂ ኣብነት ኢኻትኩም ጸልማት ለይቲ እተብርሁ ከዋኽብቲ ኢኻትኩም።

ከምዝበሉ ዶኒኒ ኣፍሊጠን።

ደቀባት መንእሰያት ሓቀይና ሕይወት ከም ኣማራጺ ዘቕርቡልናን ሓቀይና ሕይወት መስከርትን እያቶም

እቶም ካብ ደቀባት ክፍሊ ማሕበረሰብን ከባብን ዝመጹ መንእሰያት ሓደራ ምዕባለ ዝብል ከይዱ ብጌጋ ካብ ምርዳእን ብትኽክል ዘይምጥቃምን ንዝፈጥሮ መንጸሮር ኢድኩም ኣይትሃቡ። ካብ ደቀባት ኣበው ዝወረስክምዎ ጥበብን ሕልምታቶምን ሓደራ ከይተዕብሩ፡ እቲ ዝረኸብክምዎ ዕድል ንሕንጸትኩምን ነቲ ጥበብን ሕልምታትን ኣበው ደቀባት ንምትግባሩ ዝድግፈኩም ክኸውን ኣለዎ ስለዚህ መበቆልን ደቀባትነትን ኣብ ሕይወትኩም ጸምርዎ፡ ከምቶም ናይ ሕብረተሰብ ጓዕዚ ተጣቢቖም ተሳሒቦም ተመሳሲሎም ከምዝኸዱ ኣይትኹኑ፡ ስለምታይ ንስኻትኩም ከም ዘንቀሳቕስ ሞተር ተድልዩና ኢኻትኩም ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፥

እቲ ዝተመሃርክምዎ ነቲ ዘለኵም በመቆላዊ ዘድልዮ ዓለም መንን እንታዎትን ከም ምዃንኩም ኣቕርብዎ እምበር ብተመሳሲልካ ምንባር ኣይተቕርቡ። ንስኻትኩም ክፍሊ ኣማዞናዊ ህዝቢ ምዃኖም ዘሕብኖን ንሰብኣዊ እውነተይና ሕይወት ከም ኣማራጺ ዘቕርቡ እውነተይናውያን መንእስያት ደቀባት ተድልዩና ኢኻትኩም።

ንዓለም ተድልይዎ ኢኹም እዚ ተደላይነትኩም ከይበርስ ብተመሳሳሊ ናይ ካልእ ህዝቢ ዜጋ ብናይ ምዃን መጓዓዝያ ትሳሓቡን እውነተይና መንነታዊ መበቆልኩም እትሓብኡ ኣይትኹኑ። ስለዚህ እቲ መንእሰይ ወደባት ንሕብረሰብና ዘመሓላልፎ ዓቢይ ትምህርትን ባህልን ኣለዎ። ብፍላይ ነቲ ሎሚ ዓለም ዝኽተሎ ዘሎ ናይ ሕይወት ኣግባብ ካብቲ ካብ ስስዔን ህርፋንን ዝነቕል ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል ኣዕናውነት ናብ ተንከባኻብነትን ድልያ ናይ ሓባር ጥቕምን ብዝብል ናይ እውነተይና ሕይወት ኣብነትኩም ክብድሆ ብምንባርኩም ኣተተሓሳቡ።

ነዚ መእለዪ ዘኽታማት ዝመስረቱ ኣባ ኻቪየር ስለ ኣብነቶም አመስስግኖም ሎሚ እውን ገዳማውያን ካህናትን ደናግልን ልኡካነ ወንጌልን ዓለማውያን ምእመናንን ገበርቲ ሰናይን ወለንተይናታትን ካልኦት ኣማዞናውነት መለለዪ ዘሕይሉ ኩሎም ነዚ መእለዪ ዘኽታማት ዝህቦ ሰብኣውን ማሕበራውን መንፈሳውን ሕንጸት ክቕጽል ንዝገብሩ ኣመስግን። ሓደራኹም ነቲ ጸላም ለይቲ እተብርሁ ከዋኽብቲ ምዃንኩም ከይትርስዑ፡

እምበርከስ ፍቱዋተይ ኣብ ዘዘለናዮ ኰይና የዕንትና ሰም ኣቢልና እግዚኣብሔር ቡራኬኡ ኣብ ልዕሌና ከንብር ንለምኖ፡

ኦ እግዚኣብሔር ራሕርሓልና፡ እግዚኣብሔር ይባርክኹምን ይሓልኹምን እግዚኣብሔር ገጹ የብርሃልኩም ብምሕረቱ ይጠምትኩም ሰላሙ ይሃብኩም (ዘሁልቅ. 6,4-6, መዝሙረ ዳዊት ፍቕዲ 66 ኣብ ናይ ዕለቱ ናይ ተራ መርሓ ዕለት ሊጥርጊያ ስርዓት ላቲን ዘሎ ጸሎት ደጊሞም)

ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ምስ ኣብቅዑ ቢሎም ክልተ ነገር እሓተኩም፡ እታ ቀዳመይቲ ስለይ ምጽላይ ከይትርስዑ እትብልን ንስኻትኩም ጸላም ለይቲ ዘብርሁ ከዋኽብቲ ምዃንኩ ከይትርስዑ፡ የቐንየለይ እንክብሉ ከምእተፋነዉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.