2018-01-22 09:46:00

ቅዱስ ኣቦና ንሰበ ስልጣናት፥ ዕንወትን ምግባረ ብልሽውናን ኣይፋል ብምባል ተስፋ ንከላኸል


ፍቱዋት ኣሕዋተይን ኣሓተይን

ኣብዚ ምሳኹም እንክራኸብ ካብ መዓሙቕ ልበይ እታ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ይሴባሕ እትብል መዝሙር ውዳሴ የውሕዝ፡ እወ ነዚ ምርኻብ’ዚ ስለ ዝዓደልካና ንውድሰካ። ብፁዕ ኣቡነ ዳቪድ ማርቲነዝ ደ ኣጉኢረ ጉይነኣን ክብርነትኩም ሄክቶርን ክብርነትክን የሲካን ክብርነትክን ማሪያ ሉዝሚላ ቅድም ቢልኩም ንዘስምዕኩምኒ ናይ ኣንቋዕ ደሓን መጻእኩም ጥዑም ቃልም ምስክርነትኩምን አመስግን፡ ብኣኹም ኣቢለ ንማልእ ሕዝቢ ኣማዞን ሰላምታይ አቕርብን።

ካብ ዝተፈላለየ ናይ ከባቢ ኣማዞን ደቀባት፡ ሃራክቡትን ኤሰኤኻስን ማትሲጉአንካስን ዪነስን ሺፒቦስን ኣሳኒንካስን ያነሻስን ካኪነስን ናሁኣስን ያሚናሁኣስን ኹኒ ኵዪን ማዲኻን ማንቺነሪስን ኩካማስን ካንዶዚን ኰወኩዋስን ሁይቶቶስን ሻዊስን ኣቻኡርን ቦራስን ኣዋኹን ዋምፒስን ዓሌታት ኣማዞን ንመላእ ኣማዞናዊ ሕዝብን ኣብዚ ንኣማዞናዊ ሕዝብን መሬትን ብዝፍጽምዎ ካብ ወንጌላዊ ልኡክነትን ክሳብ ዝተፈላለዩ ሰብኣውን ማሕበራውን ኣገልግሎት ተመዲቦም ብዝህብዎ ኣገልግሎት ደቂ ኣማዞን ንዝዀኑ ሰላምታይ አቕርብ።

ምሳኹን ንምርኻብ ሃረር ዝብሎ ዝነበረ ኩነት እዩ። በቲ ናይዛ መሬት ነጸብራቕ ዝዀነ ወጅህታትኩም ኣቢልኩም ንከባቢኹም ኣማዞም ብቐረባ ክርእዮን ከስተውዕሎን ስለ ዝገበርኩም አመስግነኩም። ወጅህታትኩም ኢታእላው ብዙህነት ዝዓሰሎ ስነ ሕይወታውን ባህላውን መንፈሳውን ሃብትታትኵም ዝምክስክር እዩ። ኣብዛ መሬትኩም ኣማዞን ንዘይንቕመጥ ሕዝብታት ናታትኩም ጥበብን ንኣማዞንን ነቲ ዅሉ ናይ ተፈጥሮ ትዕድልታቱ ብዘይምዕማጽ ናብ ኣማዞን ንኽንኣቱ እትገብሩ ኢኹም። ከምቲ እግዚኣብሔር ንሙሴ፥ “… እዛ ደው ኢልካላ ዘለኻ ቦታ ቕድስቲ ምድሪ እያ እሞ ኣሳእንኻ ካብ ኣእጋርካ ኣውጽእ’ (ጸኣት. 3,5) ከምዝበሎ እዩ።

ነዚ ዘደንቓ ናይ ሕዝቢ ኣማዞን ስርሓት እግዚኣብሔር ዝዀነ መሬትኩም ዝሓቝፎ ሕይወታዊ ብዙህነት እንክርእይ ደጊሚ ንጐይታ ውዱስ ኢኻ ክብል ፍቐዱለይ። እዚ ይሴባህ መዝሙር ውዳሴ እቲ ኣብ ልዕሊ መሬት ኣማዞንን ሕዝብን ዝተፈጸመ ግፍዒ ዘንበሮ ጥልቂ ኣቑሳል ክንሰምዕን ክንርእን ብሓቂ ልብና እዩ ዝሰብር። ብሓባር ብናይ ቤተ ክርስቲያን ልቢ ክበጽሓኩም ክሰምዓኩምን ኣብ ብድሆታትኩም ምሳኹም ሓቢረ ክዓይን ምሳኹም ሓቢረ ርቱዕ ዝዀነ ምክልኻል ሕይወትን መሬትን ባህልታትን ከረጋግጽ ድምጸይ ከስምዕ ክበጽሓኩም ደለኹ፡ እዚ ድላይ’ዚ ድማ እነሆ ተፈጸመ።

ናይ ከባቢ ኣማዞን ደቀባት ካብ ቀደም ሎሚ መሬቶምን ክባቢኦምን ንዓቢይ ሓደጋ ተቓሊዑ ይርከብ። …. እዚ መሬትኩም መሬት ኣማዞን ብዝተፈላለየ ሓድሽ መኽሰብ ጥራሕ ብዝብል ሃራፍ ኤኮኖሚያዊ ስርዓት ምኽንያት ዘለዎ ሃብቲ ኩሉ ነዳዲ ድዩ ጋዝ ወርቂ ድዩ ክምጸይ ኣብ ልዕሊ መሬትኩምን ኣነባብራኹም ህላዌኹምን ዓቢይ ስግኣትን ናይ ሰብኣዊ ህላዌ ግምት ዘይህብ መሬቱ እምበር ህዝቢ ዘይብል ናይ ኤኮኖሚያዊ ረብሓ ጸቕጢ ብገለ ገለ ዝሩግ ፖሊቲካ ዝነቓቓሕ ስርዓት ብጭቡጥ ንኣኻትኩም ተወለድቲ ኣማዞን ግምት ዘይህብ ዓይነት ጸቕጥታት ምኽንያት ንዓቢይ ስግኣት ክቃላዕ ገይሩ ኣሎ። …. መሬትን ህዝቢ ኣማዞንን ንዝተፈላለየ ሓደጋ ተቓሊዑ ይርከብ፡ ገለ ገለ ምንቅስቓሳት ናይ ከባቢ ኣማዞን ሓምላይ ሃብትታቱ ብምቁጽጻር ነቲ ዝቆጻጸርዎ ኣብ ዋጋን ዕዳን ብዘእትዉ ናይቲ ከባቢ ሃብትታት ዘይተቐራቢ ዝገብሩ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣማዞናውያን ሳዕቤን ስቃይን መከራን ስደትን እናዀነ እቲ መሬትን ሕዝብን ንዝተፈላለዩ ሓደጋታት ተቓሊዑ ይርከብ ኣሎ።  … ንኣማዞናዊ ሕዝቢ ዘይሓስብ እቲ ከባቢ ኣማዞን ከም ዘይጽንቀቕ መዕደል ሃብትታት ጥራሕ ገይሩ ካብ ዝሓስብ መርኣያታት ምልቓቕ የድሊ።

ምስ ተወላዲ ሕዝቢ እማዞን ምዝታይ ዝብል ኣብ ምክብባርን ናይቲ ሕዝቢ ባህልን ቋንቋን መሰሉን ክብሩን መንፍሳዊ መለለይኡን ኩሉ ኣፍልጦ ዝህብ መንግስታዊ ኣገባብ ዘለዎ ርክብ ክህሉ ግድን እዩ። … ርክብ ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ባህልታት ኣብ ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ

ንስኻትኩም ቀንደይና ተዋሰእቲ ኢኻትኩም … ስለዚህ መገዲ እቲ ዝተራእየ ዝንጽልን ኣድልዎን ጸቕጥን ኣዋዲዱ ዝፍጸም ንዝነበረ ጥንታዊ ርክባት  ዝትክእ ሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ምቅብባልን ዝዓሰሎ መገዲ ኣገዳሲ እዩ።

… ናይዚ ከባቢ ሕዝቢ ናይ መሬቱ ሃብትን ጸጋታትን ተጠቃሚ ክኸውን ኣለዎ እምበር ካልእ በቲ ናይቲ ከባቢ ጸጋታት ክህብትም ደቂ’ዚ መሬት ከኣ ክርስዑን ናይ ገዛእ ሃብትታቱ ዘይተጠቃምን ሕይወቱ ከመሓይሸሉ ዘኽእሎን ሕንጸትን ክንክን ጥዕና ካልኦት ኣገልግሎት መውሃቢ ከውህቦ ዘኽእሎ ክኸውን ዘይምግባር ኢፍትሓውነት እዩ። … ገለ ገለ ንኣኻትኩም ከም መሰናኸል ገይሩ ኣብ ቅድሚ ዝሓስብ እቲ ናታትኩም ኣውያት ነቲ ሳዕቤኑ ክግምት ዘይኽእል ዓይነት ኣነባብራ ዝኽተል ነቲ ከባቢ ዝምዝምዝ ሕሊና ዘበራብር እዩ። ንስኻትኩም ነቲ እግዚኣብሔር ፍጥረትን ተፈጥሮ ተኸናኸኑ እንክብል ንኹላትና ናይ ዝሃቦ ተልእኾ ህያዋን ተዘክሮ ኢኻትኩም።

ተፍጥሮ ፍጥረትን ናይ ምክንኻል ተልእኾ ፍጻሜ ሕይወት ካብ ምክንኻንን ምክልኻልን ወጻኢ ካልእ ሸቶ የብሉን።

… ካልእ ኣብ ልዕሊ ሕይወት ሓደጋ ዘስዕብ ዘሎ ብከላ ናይ ከባብን ኣየርን ተፈጥሮ እዩ። ዘይሕጋዊ ኣጠቓቕማን ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ሰብ ዝፍጸም ሓድሽ ጊልያነት፡ ምዝመዛ ጉልበትን ናይ ወሲብ ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ሕጻናትን ደቀንስትዮን ኩሉ ዝፍጸም ዓመጽ ናብ እግዚኣብሔር ኣቤት ዝብል ናብ ሰማየ ሰማያት ዝዓርግ ፍትሒ ዝሓትትን ዘእውይን ናይ ንጹሓን ንብዓት እዩ። … እቲ ኣብ ዓለም ዝርአይ ስርዓት ሓድሽ ጊልያነት ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘስዕቦ ዘሎ ስቓይ ክንደይ ልበይ ብሓዘን ይመልኦ፡ ኩላትና እቲ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ “ (ዘፍ. 4,9) እንክብል እግዚኣብሔር ዘቕረቦ ሕቶ ክንሰምዖን ንዓና ዝቐርብ ሕቶ እውን ምዃኑ ከነስተዕሎ እደልይ። ኣብይ ኣሎ እቲ ኣብ ሓድሽ ጊልያነት ዝወደቐ … ኣናረአናዮ ከምዘይረኣናዮ ኣይንኹን። ብቐጥታ ተሓተቲ ዘይምዃን ብተዘዋዋርነት ተሓታቲ ካብ ምዃና ግና ኣየናግፈናን እዩ፡ ኩላትና ተሓታቲ ኢና፡ እቲ ሕቶ ንኹላትና ዝምልከት እዩ።

እቲ ቅዱስ ቶሪቢዮ ኣብ ሳልሳይ ጉባኤ ዘሊማ፥ “ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ልዕሊ ድኻታት ብዘይ ንሕስያ ዝተፈጸመ መጥቃዕትን ዓመጽን ዘይምዝካሩ ዘይከኣል እዩ። ሊሚ እውን ዝረአይ ዘሎ ስቓይ እዩ”  እንክብል ዝተዛረቦ ቃል ከመይ ገርካ ከይተዘከረ ይሕለፍ። ድሕሪ ሓሙሽተ ዘመን እቲ ቅዱስ ቶሪቢዮ ዝበሎ ሎሚ እውን ብተግባር ክረአይ እንከሎ ክንደይ የሕዝን፡ ቃል ናይቶም ናይ እምነት ነቢያት ከምቲ ሄክቶርን የሲካን ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ዘዘኻኸሩና ናይቲ ተዓፊኑ ኩሉ ተቐቢሉ ድምጹ ተመንዚዕ ከይዛረብ ናይ ዝተግብረ ህዝቢ ድምጺ ኣዋያት እዩ። እቲ ድምጺ ናይ ነቢያት ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ህልው ክኸውንን ስለ እቶም ዝተነጸሉን ከም ውዳቕ ኣብ ወሰናስን ተሓዲጎም ዝነብሩን ስለ ዝሳቐዩን ድምጺ ካብ ምዃን ከምዘይትቦክር አረጋግጽ።

ካብዚ ዘተሓሳስብ ጉዳይ’ዚ እቲ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ስለ እቶም ገዛእ ርእሶም ንምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ዘይብሎም ሓልዮትን ክንክንን ምጥባቕ ከም ኣማራጺ ዘይኰነስ ቀዳማይ ዕላማ እዩ።  እዚ ክብል እንከለኹ ነቶም ናይ ከባቢ ኣማዞን ተነጺልካ ማንም ክበጽሖ ኣብ ዘይከኣሎ ከባቢ ንምንባር ዝተገዱ ደቀባት እናሓሰብኩ እዩ። … ካብቶም ኣዚዮም ተነቀፍትን ስንኩፋንን ሕዝቢ ዓለም እቶም ኣዚዮም ንሓደጋ ዝተቓልዑ እያቶም። ናይዞም ሕዝብታት ህላዌ ናይ ሓባር ሃብቲ ናይ ኣህላኺ ህርፋን ህርመት ዝስዕብ ከይከውን የተሓሳስበና፡ እዚ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ዘቑመና መንበሪ ዝዀነ ይዅን ጃምላዊ ዕንወት ንኸይንፍጽም ዝከላኸል ውስኑንነት ኣሎ።

ነዚ ሕዝቢ’ዚ ዝወሃብ ኣፍልጦ ከም ውሁዳን ዘይኰነስ እውነተይና መዛተይትን ልክዕ ከምቶም ኩሎም ኣብ ዓለም ዝርከቡ ደቀባት፡ ኣንሕና ናይ ፍጥረት ገዛእትን ወነንትን ከምዘይኰንና የዘኻኽሩና። … ናይዚ ህዝቢ ቆዝሞሳዊ ራእዩን ጥበቡን ንኣና ነቶም ናይ ባህሎም ኣካላት ንዘይኰንና ዘመሓላልፎ ዓቢይ ትምህርቲ ኣለዎ፡  … ።

ናይዚ ሕዝብ’ዚ ባህሊ ናይ ሕይወት ትእምርቲ እዩ። ኣማዞን ካብቲ ብዝሓ ሕይወት ዓቃብነቱ ክንየው ካብ ሓድሽ ዓይነት ባዕዳዊ መግዛእቲ ክዕቀብ ዝግብኦ ባህሊ ዘለዎ እውን እዩ። ናይ ብዝሓ ሕይወትን ባህልን መኽዘን እውን እዩ። ስድራ ቤት ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ናይ ባህልታትና ህያው ዓቃቢ ማሕበራዊ ቅዋም እዩ። … እቲ ናይ ደቀባት ስድራ ቤት ኣብ ጥንቲ ካብ ዝተኸስቱን ኣብ ቅድሚ ዝተፈላለዩ ሃጸይነት ኣብ ቅድሚ ዝኾነ ይዅን ገዛእ ርእሱ ብምዕባለን ከዊሉ ዝኣትው ቀስ እናበለ ባህልን ልምድን ብምዕናው ሓደኣዊን ዘይቅየር-ድኹም ኣመለኻኽታን ዓይነት ኣነባብራን ዝሰብኽ ፖለቲካዊ ርእዮተ ዓለም ኢዱ ከይሃበ ብሉጽ ተኸላኻሊ ስድራ ምዃኑ ኣመስኪሩ እዩ።

ነቲ ብዕድመ ዝደፍኤ ክፍሊ ሕብረተሰብ ጽን በሉ። ንሳቶም ኣብ ጐድኒ ፈጣሪ ከቐምጦም ዘኽእሎም ሰገራዊ ጥበብ ዘለዎም እያቶም። … ናይ ሓደ ባህልን ቋንቋን ምጥፋእ ካብቲ ኣብ ዓለም ዝነጽት ዘሎ ተባህሎም ካብ ዝንገረሎም ዓይነት እንስሳታትን ወይ ድማ ኣታኽልትን ኣዚዩ ዝጎድእ እዩ። … ስለዚህ ባህልታትና ኣብ ተጓዓዝነት ብንቕሓት ንከላኸል፡ ከምቲ

ቅድም ክብል የሲካን ሄክቶርን ከምዝበልዎ፥ “ደቅና ክመሃሩ ንደሊ ይዅን ደኣ እምበር ኣባይቲ ትምህርትን መደብ ሕንጸትን ባህልናን ልምድናን ቋንቋናን ናይ ኣበው ጥበባትናን ከብርስ ኣይንፈቅድን”።

ሕንጸት መራኸቢ ድልድል ንምቛም ይሕግዝ ናይ ምርኻብ ባህሊ የቕውም … ንደቀባትን ኣብ ከባቢኦም ዝርጋሔ መደብ ሕንጸት ምርግጋጽ ቅድም ቀዳድም ናይ መንግስታት ሓላፍነት እዩ፡ ዘራኽብን ዘቀራርብን ኵለንተናዊ መደብ ሕንጸት። .. ብማዕርገ ጵጵስና ነሕዋተይ ኵሎም እቲ ኣብ መደብ ሕንጸትን ምቛም መናብርተ ጥበብን ዘካይድዎ ዘለዎ ጻዕሪ ንኽቅጽልሉ እምሕጸን … ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ከባቢ ኣትፍጽሞ ዘላ ኣገልግሎት ኣብ ፐሩ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈላለዩ ማሕብራታ ኣቢላ እተካይዶ መደብ ኵለንተናዊ ሕንጸት ዝነኣድ እዩ።

ነቶም ናይዚ ከባቢ መንእሰያት ኣብዚ መዳይ ዝህቦ ኣገልግሎትን ኩሎም ዝጣበቑን አመስግን … እቶም ባህልኹምን መንነትኩም ክኽበርን ክዕቀብን ኣብ ጐድንኹም ኰይኖም ዝዓዩ ልኡካነ ወንጌል አበራትዕ .. ኵሎም ብመዳይ ስነ ባህሊ ተመሳሳሊ ደገፍ ንዘቕርቡ አመስግን …   

ወንጌል ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ወጅሂ ክርስቶስ ብሓድሽ ራእይ የህብትማ፡ ቤተ ክርስቲያን ጸገማትኩምን ሕይወትኩም ንምውናን ዘይኰነስ ናይቲ ናይ ኣነባብራኹም ኣገባብ ኣወዳድባኹምን ጓና ክትከውን ኣይትደልን። ንስኻትኩም ደቀባት ነታ ኣብ ከባቢኹም እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳቶምን ልኡካነ ወንጌልን ምሳኹም መታን ክሓብሩ ብባህልኹም ትሓንጹ። በዚ መገዲ’ዚ ድማ ምስ ኩሉ ብምዝታይ ኣማዞናዊ መልክዕ ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ከባቢ ትቕረጽ። በዚ መንፈስ ተደሪኸ እየ ድማ ኣብ 2019 ዓ.ም. ዛዕባ ኣማዞን ዝዝትይ ሲኖዶስ ዝጸዋዕኩ።

ኣብ ናይ ሕዝብታትን ኣብ ልዕሊ ኵላትኩም ዘሎ ንምንባርኩም ዝትንክፍ ሓደጋ ንምዳህ ኣብ ዘለኩም ብቕዓት እምንቶ ኣሎኒ። ብቕዓት ከምዘለኩም ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ታሪኽ ብዘበርከትክምዎ ኣስተዋጽኦን ብዘለኩም ፍልዩ ናይ ሰብኣዊ ተራኽቦነት ራእይን ምስ ምህዳርን ዘለኵም ናይ እምነት ተምክሮ ዝግለጽ ሓቂ እዩ። 

ስሌዅምን ስለ እቲ ብእግዚኣብሔር ዝተባርከ መሬትኩም እጽልይ፡ ሓደራ ስለ ምጽላይ ኣይትረስዑ። የቕንየለይ ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ዘስምዕዎ ዘረባ ዛዚሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.