2018-01-24 10:37:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናብ ዳቮስ ዓውደ ጉባኤ ኤኮኖሚ፥ ኤኮኖሚ ንሓደ ንኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ዕድል ይዅን


ከምቲ ልሙድ በቢ ዓምቱ ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ዳቮዝ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ዛዕባ ኤኮኖሚ ዝዝትይ ዓውደ ጉባኤ ለምዘበን 2018 ዓ.ም. ክሳብ ዕለት 26 ጥሪ ዝቕጽል ሎሚ ዕለት 23 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ከምእተጀመረ ክምልከት እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብዚ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ኤኮኖሚ ብይብጻሕ ናይ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኤኮኖሚ መጋባእያ ወሳኔ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ክላውስ ሽዋብ  ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ በቶም ኣብኡ ቅድስቲ መንበር ወኪሎም ዝሳትፉ ዘለዉ ጳጳሳዊ ናይ ኵለንተነናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ትሩክሶን ነቲ ዓውደ ጉባኤ ከምእተነበ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ኣፍሊጠን።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ እናዓበየን እናሰፈሔን ዝኸይድ ዘሎ ድኽነት ዓለም ሓድሽ ኣንፈት መጻኢ ምሃብ የድሊ፡ ስለዚህ ኣክንዲ ኤኮኖሚ ሰብ ማእከል ክኸውንን ንስድራ ቤት ሓለፋ ዝብል ኤኮኖሚ ኣብ ግብሪ ምውዓል የድሊ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዶኒኒ ኣስዒበን፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድሚ እቲ ዝረአይ ዘሎ ማሕበረ ኤኮኖሚያዊ ፍልልያትን ምስፋሕ ድኽነትን ምስፋሕ ሓደሽ ድኽነትን ሓድሽ ጊልያነትን ዘርዚሮም ንኤክኖሚ ዓለም ዝግባእ ተቐባልነት ዘለዎን ኵላውነት ምዕባለ ዝድግፍ ኤኮኖሚ ዝብል ቀጥዒ ዘተኣታትው ሰብን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክማእከል ዝድግፍ ስነ ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ ከምዝሓበሩን እውን ገሊጸን፡ ዕደ ጥበባዊ ምጡቕን ዝተራቀን ምዕባለ ከም ሰብ ኰይኑ ዝሰርሕ ሰብ ሰርሖ መጋበርያ ንገዛእ ርእሱ ንሰብኣውን ንናይ ሓባር ቤትና ዝኾነ ተፈጥሮ ረብሓን ዝብል ክኸውን ኣለዎ እምበር ከምቲ እንርእዮ ዘሎና ነዚ ሓሳብ’ዚ ዝጻረር ክኸውን የብሉን። ነቶም ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ኣሕዋት ስቓይን ድኽነትን ብሱቕታን ብሸለልተይናነት ምሕላፍ ዘይኰነስ ንኹሉ ዝጽንብር ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምስ ሰብኣዊ ክብሩ ዝተመዓራረየ መነባብሮ መታን ክህልዎ ቅኑዕን ፍትሓውን ኵነት ምፍጣር ዝብል ሓላፍነት የድሊ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ሃብቲ ገንዘብ ኣዋፋርትን ሰብ ትካልን ዓለምን ኣብ ዓለም ነቲ ተጠቂምካ ምድርባይ ዝብል ኩሉ ንጊዚያውነት ዝብል ዓይነት ከይዲ ዝነጽግ ዓይነተይና ምህርታውነት ዝብል ሓድሽ ናይ ስራሕ ዕድል ምፍጣር ዝኽእል ናይ ስራሕ መቆጻጸሪ ሕጊ ምኽባር ዝብል ምግባረ ብልሽውና ብምቅዋም ማሕበራዊ ፍትሒ ዘነቓቕሕ ንምዕሩይ ምምቅራሕ መኽሰብ ዝድግፍ መሰረታዊ ለውጥታት ንምምጻእ ዘኽእል ዑቑር ሓይሊ ኣለዎ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፥ ጽንዓት ዝሓትቱ ዓበይትን ንእተፈቕረ እንነብረሉ መሬት ግሩም ዝሓስብ ውሳኔ እነረጋግጸሉ ሰዓት ሎሚ እዩ። ንናይ ኵሉ ምዕባለ እውነተይና ዕሴታት ናይ ዝተረጋገጸ መጻኢ ቡሶላ እያቶም፡ ብመሰረቱ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና መልእኽቲ፡ እቲ ናይ ዳቮስ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ኤኮኖሚ ኣብቲ ናይ ሓባር ጥቅሚ ምምዕባል ኣብ ዝብል ዕሴት ኣስተንፍሶ ክገበር ዝምዕድ ምዃኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።  








All the contents on this site are copyrighted ©.