2018-01-24 10:31:00

ቅዱስ ኣቦና ንጋዜጠይናታት፡ ኣብ ቺለን ፐሩን ብናይ ሕዝቢ እምነት ከምእተተንከፉ ይገልጹ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ሊማ ዓለም ሓቆፍ ምዕርፎ ነፈርቲ ናብ ሮማ ኣብ ምምላሶም ምስቶም ዘሰንይዎም ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ናይ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካያድዎ ቃለ ምሕትት፡ ኣብ ፐሩን ቺለን ምስ ዝተራኸብዎም ሕዝቢ ብፍላይ ምስቶም ኣብ ጽንኩር ኩነትን ድኽነት ምስ ዝርከቡ ዜጋታት ዘካየድዎ ርክባት ኣዚዩ ልቦም ከምዝተንከፎም ሓቢሮም ብዛዕባ ብፁዕ ኣቡነ ባሮሶ ዝምልከት እውን ዘየዳግም መልሲ ከምዝሃቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ካብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ቅዱስነቶም ኣብ ሊማ ላስ ፓልማስ ዓለም ሓቆፍ መዕርፎ ነፈርቲ ናብ ሮማ ቅድሚ ምንቃሎም ሓደ ሚልዮንን 300 ሺሕ ህዝቢ ዝተሳተፎ ዘዕረገው ምስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ልቦምን ኣእምሮኦምን ተሓቲሙ ከምዝተረፈን ብሓቂ ናይቲ ህዝቢ እምነት ዘደንቕ ጥራሕ ዘይኰነስ ተላጋባይ እምነት ምዃኑ ከምዝረጋግጹ ሓቢሮም፡ ኣብ ቺለ ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ዝበጽሕዎ ዝስፍራ ኣብ ካየስ ዲ ተሙቾን ኢኵይከን ካልኦት ቦታታት እውን ቺላውያን ዘርአይዎም ፍቕርን ቅርበትን ምስክርነት እምነትን ብሓቂ ዘደንቕ እዩ። እምነቶም ተላጋባይ እምነት እዩ።

ኣብ ሳንቲያጎ ደል ቺለ ኣብ ዝርከብ ቤተ ማሕቡስ ደቀንስትዮ ምስ እሱራት ኣሕዋት ዘካየድክዎ ርክብ፡ እሱራት ከብደይ እዮም ዝበልዑኒ፥ ነኣኣተን ክርእን ዘለወን ብቕዓት ምህዞን ሕይወተን ንኽቕይራ ዘለወን ቆራጽ ድላይን ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኤን ምስ ሕብረተሰብ ብሓይሊ ወንጌል ተበራቲዔን ተወሃሂደን ንኽነብራ ዘለወን ዓቢይ ድላይ ዘደንቕ እዩ፡ ሓደ ካባኻትኩም ናይ ወንጌል ሓሴት ብግብሪ ርእየ ከምዝበሎ፡ እወ ልክዕ ከምኡ እዩ። ኣብቲ ርክብ ብሓቂ ልበይ ተተንኪፉ እዩ። ከምኡ እውን ኣብቲ ሆጋር ፕሪንሲፓቶ መእለይ ዘኽታማት ዘካየድክዎ ርክብ፡ ነቶም ብወለዳቶም ዝተሓድጉን ዝተረስዑን ዝተነጽጉን ወለዳቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝተፈለይዎም ዘኽታማት ሕጻናት ኣብቲ መእለይ ዘኽታማት ሓድሽ ስድራ ቤት ረኺቦም ሙያውን ቀለማውን ሕንጸት ረኺቦም ገዛእ ርእሶም ናብ ዝመርሕሉ ኩነት ክጓዓዙ ክትርእን እቶም ካብኢ ወጺኦም ሕይወቶም ዝመርሑን ኣብ ዝረአኽሉ እዋን እውን ብሓቂ ልበይ ከምዝተተንከፈ ከረጋግጽ እፈቱ።

ምስ በሉ ብዛዕባ ናይ ሰበኻ ኦሶሞ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኹዋን ባሮስ ዝበሃል ዘሎ ማለት ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝፈጸመ ካህን ገበኑ ከዊሎም ዝብል ዜና ቅዱስነቶም፥

ናይ ሰበኻ ኦሶሞ ጳጳስ ንኽዀኑ ምስ ሰመኽዎም ብዛዕባኦም ብዙሕ ተቓውሞ ይቐርብ ኔሩን ሕጂ ኣውን ካብ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ክሰናበቱ ዝብል ሕቶ ብዙሕ እዩ ዝቐርብ። ባዕሎም እውን ልሂቅ ክኸውን ፍቓድኩም እንተዀኑ እንክብሉ ሓቲቶምኒ እዩም። ኣነ ግን ኣብ ክሲ ዘብቅዖም ጭቡጥ መርትዖ ስለ ዘየለ ኣብ ኣገልግሎትኩም ቀጽሉ እየ ዝበልክዎ፡ እቲ ምርመራ እውን ይቕጽል ኣሎ፡ ትፈልጡ ዲኺም ገበነይና ዘብሎም ክሳብ ሕጂ ዝዀነ ይኹን መርትዖ ከምዘይተረኽበ! ስለዚህ ኣነ እውን ኣይኵንኖምን፡ ካብቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝቐርብ ዘሎ ክሲ ንጹሕ እዮም። ኣነ እውን ርግጸይና እየ ካብዚ ገበን ንጹሕ እዮም።

ኣብ ፐሩ እንከለዉ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ካብ ጋዜጠይናታት ሕቶ ቀሪቡሎም ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ዝተጠቐምሉ ቃል ጌጋ ምዃኑ ኣእምን ይቕረታ እውን እሓትት፡ እዚ እውን ብፁዕ ካርዲናል ኦማለይ ዝሃብዎ መልሲ እውን ነቲ ዝሃብክዎ መልሲ ምልስ ቢለ ከስተንትኖ ገይሩኒ እዩ። ስለዚህ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ስምዒት ዝትንክፍ ስለ ዝዀነ ይቕረታ ክሓትት እፈቱ ከምዝበሉ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

ከይተረዳኣናኒ ጭብጢ መረጋገጺ ዝብል ቃል ምጥቃመይ ብሓቂ ጌጋ እዩ፡ ናይቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ኣሕዋት ስምዒት ዝሃስይ ቃል እዩ፡ ከይተረድኣኒ ዝተጠቀምክሉ ቃል እዩ። ብፁዕ ኣቡነ ባሮሶ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝፈጸመ ካህን ገበን ከዊሎም ዝብል ክሲ ግና ክሳብ ሕጂ ኣይተረጋገጸን፡ ብዘይተረጋገጸ ምኽንያት ብይበሃል ካብ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ክወርዱ ቢለ ክፈርድ ጌጋ እዩ። ብፁዕ ካርዲናል ኦመለይ ዝሃብዎ መግለጺ ብሓቂ ቤተ ክርስቲያን ኣነ እውን ኣብ ጐድኒ እቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳስ ዝዀነ ዜጋታት ምዃና ዝገልጽ እዩ፡ ስለ ዝሃብዎ መብርሂ የመስግኖም።

ሓንቲ ጋዜጠይና ብዛዕባ እቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ዝሓልይ ድርገት ኣባላት ናይ ተልእኾ ስልጣኖም ዘብቅዓሉ እዋን በጺሑ እዩ። ብዛዕባኡ እንታይ ትብሉ ቢላ ምስ ሓተተቶም ቅዱስ ኣቦና፥ ከም ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16ን ቅድሚኦም እውን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝፍጸሙ ገበነይናታት ምሕረት ከምዘይብላ ኣረጋጊጾም፡ ስለዚህ ናይቲ ድርገት ዕዮ ቀጻሊ እዩ። እቲ ድርገት ዘካይዶ ዘሎ ስራሕ ኩሉ ብሓቂ ዝምስገን ምዃኑ ከምዝሓበሩ ዝገለጹ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ኣስዒቦም፥ ቅዱስነቶም ናብ ኢኪይኬ ክነቕሉ ኣብ ዝተሳተፈሩላ ኣይሮፕላን እትሰርሕ ብበርገሳዊ ስነ ስርዓት ቃል ኪዳን ዝኣሰረት ምስ በዓል ቤታ ተረኺባ ነቲ ዝተኣሰረ ቃል ኪዳን ክባርዅሎም ቤተ ክርስቲያናዊ መንፈስ ከልብስዎ ምስ ሓተትዎም ዝሃብዎ ቡራኬ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ብዙሓ ቀዳሜ ገጽ ዝተዋህቦ ዜና ኰይኑ ከምዘሎ ኣመልኪቶም ንስኹም እንታይ ትብሉ ዝብል ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥

እቲ ዝኣሰርዎ ቃል ኪዳን ክባርኸሎም ምስ ሓተቱኒ፡ ኣነ እውን ሓቲተዮም እቲ ቃል ኪዳኖም ክሳብ ፍጻሜ ሕይወት፡ ንመላእ ሕይወት ዝብል እዩ፡ ኩላትኩም ከምእተፈልጥዎ ምስጢረ ተክሊል ናይ ገዛእ ርእሱ ምቅርራባት ዘድልዮ እዩ። ንሳቶም እውን ነዚ ፈጺምም እዮም። ስለዚህ ነዚ ምስጢር ብቑዓት ምዃኖም ስለ ዘረጋግጽኩ እዩ። ጊዜ እንከሎካ ጊዜ ዘይምጽባይ ዝሓሸ እዩ።

እንክብሉ ከምዝመለሱ ሓቢሮም፡ ብዛዕባ ከባቢ ኣማዞንን ምዝ ኣማዞናውያን ዘካድየድዎ ርክብ፡ ብዛዕባ ናይ ስነ ምህዳር ፖለቲካን ምክንኻን ተፈጥሮን ፍጥረትን ዝምልከት ካብ ጋዜጠይና ንዝቐረበልም ሕቶ እንክምልሱ፥ ብዙሕ እዋን ናይ ኣማዞን ሓምላይ ሃብቲ ንምክልኻን እናተባህለ ኣምዞናውያን ካብ መበቆል ክስጎጉን፡ ምስ ተሰጉ እቲ ሓምላይ ሃብቲ ዝምዝምዝ ተግባራት ክፍጸም ትርእይ። እዚ እውን ምስ ምግባረ ብልሽውናን ናይ ጉልበት ምዝመዛን ዝተተሓሓዘ ከምዝኾነን ቤተ ክርስቲያን በዚ ጉዳይ’ዚ ኣዚያ ምስቲ ኣማዞናዊ ሕዝቢ ጐድኒ ኰይና ከምእትሳቐይ እውን ምስ ገለጹ፡ ኣስዒባ ሓንቲ ጋዜጠይና ብዛዕባ ብፁዕ ካርዲናል ማራዲያጋ ካብ ናይ ሃገሮም መንበረ ጥበብ እዚዩ ክብ ዝበለ ገንዘብ ተኸፊሎም ዝበህል ዘሎ ጉዳይ እንታይ ትብሉ ቢላ ንዘቕረበትሎም ሕቶ እንክምልስ፥ ብርግጽ እቲ ዝተከፈልዎ ገንዘብ ነታ ኣብ ሆንዱራስ ዘላ ድኻ ቤተ ክርስቲያን ንእተሳልጦ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ከምዝውዕል ገሊጾም፡ ኣስዒቦም ቺለ ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ውሽጢ እቲ 40 ሚእታዊ ዝነበረ መጠን ድኽነት ናብ 11 ሚእታዊ ክወርድ ከምዝገበረትን እዚ ናይ ሕዝቢ ጻዕሪ ድዩ ወይ ናይቲ ናጻዊ ፖለቲካዊ ኤኮኖሚ ዝስዕቦ ዘሎ ምዕባለ ኣይፈልጥን?

እዚ መጽናዕቲ ዘድልዮ  ጉዳይ እዩ። ኣብ ላቲን ኣመሪካ ገለ ገለ ሃገራት ናጻዊ ኤኮኖሚያዊ ፖለቲካ ናብ ከብዲ ድኽነት ከንቆልቁላ ገይሩ እዩ። እዚ ስለምታይ ከምዝኽሰት ብሓቂ ናይ ኤኮኖሚ ጠቢብ ኣይኰንኩን፡ ብሓፈሻኡ ግና መላእ ሕዝቢ ዘይጽንብር መራጽን ዝንጽል ኤኮኖሚ ግና ብዙሕ ህዝቢ ናብ ድኽነት ዘብጽሕ ናጻዊ ኤኮኖሚያዊ ፖለቲካ ኢዩ ዝኸውን

እንክብሉ መልሲ ከምዝሃቡ ደ ካሮሊስ ካብ ዝሃብዎ ጸብጻብ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.