2018-01-25 16:48:00

ቅዱስ ኣቦና፥ ስለ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኤዚዳውያን ድምጸይ የስምዕ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 24 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅድሚ ምልጋሶም ናይ ኤዚዳውያን ላዕለዎት ወከልቲ ተቐቢሎም ስለ እቶም ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ኤዚዳውያን ካብ ዘጓንፎም ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክናገፉን እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጸም ዓመጽ ኵሉ ክውገድ ድምጸይ አስምዕ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

እዞም ኣብ ኣርመንን ሶሪያን ኢራንን ቱርክን ዒራቕን ዝርከብ ናይ ኤዚዲ ሃይማኖት ሰዓብቲ ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰስብ ናይ ሃይማኖት ነጻነቶም ክኽበርን ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ጥሕሰብ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክላቐቑ ኩሉ ስለ እቶም ብሃይማኖቶምን ዓሌትን ውሁዳን ዝዀኑ ክፍሊ ሕብረተሰብ ሓልዮቱ ከርእይ ጻውዒት አቕርብ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣኵይሊኖ ኣስዒበን፥ ተፈላጥነትን ሓለዋን ኣኽብሮትን ዝብሉ ቃላት ዘማእከሉ ቅዱስነቶም እቲ ኣብ ልዕሊ ኤዚዳውያን ዝፍጸም ዓመጽን ጸቕጥን ኣሳዶን ደው ክብልን፡ ብዙሓት ኤዚዳውያን ብሃይማኖቶም ምኽንያት ዘጓንፎም ሓደጋ መቕተልቲ ኩሉ ክውገድ ድምጸይ አስምዕ ቢሎም ነቶም ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ካብ ጀርመን ዝመጹ ናይ ኤዚዳውያን ወከልቲ፥

ደጊመ ድምጸይ ስለ መሰልን ክብርን ሓልዮ ኤዚዳውያን አስምዕ፡ ከም ማሕበረሰብ ሰዓይብቲ ሃይማኖት ኤዚዲ ፍሉያት እያቶም ቢሉ ንምጥፋኦም ስልጣልን ዘለዎ ማንም የልቦን፡ ሓደ ሰብ ነቲ ካብኡ ብሃይማኖት ድዩ በተሓሳስባኡን ብዓሌቱን ዝተፈልየ ከጥፍእ ይኹን ክጸቕጥ ስልጣን የብሉን፡

ቢሎም ኣቲ ኣብ ልዕሊ ኤዚዳውያን ዝፍጸም ዓመጽ ትርጉም ኣልቦ ኢሰብኣዊ አረመናዊ ተግባር እዩ። ብሱቕታ ክሕለፍ ዘይብሉ እውን እዩ፡ ማንም ሰብ ሃይማኖቱ ብነጻነት ክናዘዝን ክነብርን ብዘይ ጸቕጢ እውን እምነቱ ክገልጽ መሰሉ እዩ።

ሃይማኖትኩም ብስነ መንፈሳውነትን ባህልን ሃብታም እዩ። እቲ ዘሕዝን እቲ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን መሰረታዊ ውሳኔ ከይተኸበረልኩምን ክሳብ መቕተልት ጨውያን ንጊልያነትን መግረፍትን ሃይማኖትኩም ኪሒድኩም ሃይማኖት ክትልውጡን በስጋዳድ ኣብ ልዕሌኹም ዝፍጸም ግብረ መስድዕ ሃይማኖትን ቅዱሳት ናይ ስግደትን ኣምልኾን ቤተ መቕደሳትኩም ዘዕንውን ኩሉ ተግባር ንጹግ እዩ። ብዙሓት ኤዚዳውያን ተመዛቢሎምን መብዛሕቲኦም  ቤቶምን ንብረቶምን ክቡር ኣባይቲ ስድራኦምን ዛሕዚሖም ተሰዲዶም ይርከቡን

ዝበሉ ቅዱስነቶም፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ብዙሓት ብሃይማኖቶም ምኽንያት ውሁዳን ዝዀነ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣለዉ፡ ካብዚኣቶ እውን ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ዝርከቡ ብእምንቶም ምኽንያት ንሓደጋ ኣሳዶ ዝተቓልዑ ሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስቲያን ዝርከብዎም ምጥቃስ ዝከኣል እዩ፥

ቅድስቲ መንበር ስለ እቶም ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ መሰልን ክብርን ምኽባር ድምጻ ተሰምዕ። ተቐባልነትን ሓለዋን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክሕለወሎም ቢላ እውን ድምጻ ተቃልሕ። ብምትሕሓዝ እቲ ዝተኸስተ ማሕበራዊ ቁስልታት ኩሉ ክፍወስ ድማ ዘተን ይቕረ ምብህሃልን ምሕረትን ተነቓቕሕ

ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ካብ ልቢ ሰብ ንሓው ከጽንት ዘኽእሎ ውዲት ከካይዲ ዘለዓዕሎ ሓይሊ ጸልማት ክበራበር ይኽእል። ከም ጸላእን ተጻባእን ንኽርእዮ ዝገደደ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝተሓርሞ እዩ ክብል ዝድርዀ እውን ምዃኑ ገሊጾም። እቶም ኣብ ኢድ ኣሸበርቲ ዝርከቡ ዝተጨውዩ ናይ ኤዚዲ ሃይማኖት ሰዓብቲ ዜጋታት ዘኪሮም፥

ነቶም ዝተጨውዩ ኣሕዋት ንምድሓን ኩሉ በቢ ሓላፍነቱ ክዋሳእን እቶም ሃለዋቶም ዘይተፈለጡ ኣሕዋትና ኣበይ ምህላዎምን እቶም ዝተቐትሉ ድማ ከም ሰብ መጠን ሓመድ ኣዳም ንኽለብሱ ዘኽእል ግቡእ ስነ ስርዓት ክንፍጽመሎም ከይተሓለልና ነናድዮም፡ ደለይቲ ኣሕዋቶም ንኹን። ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ልዕሌኹም ዝፍጸም ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ኢዱ ኣጣሚሩ ከም ተዓዛቢ ኣይኹን

ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣኵይሊኖ ኣስዒበን፥ መንግስታትን መንግስታውያን ተቕዋማትን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ስለ ኤዚዳውያን ክጣበቕን ሃይማኖቶምን ሰብኣዊ መሰሎምን ክብሮምን ክሕለወሎም ኣብ ምግባር ተልእዀ ክተግሁ እውን ኣተሓሳሲቦም፥ “ኦ ጐይታ ብሓባር ኩሉ ብሰላምን ብሕውነትን ዝነብረላ ዓለም ንኽንሓንጽ ሓግዘና” ብዝብል ጸሎት ዘስምዕዎ ቃል ከምዘጠቓለሉ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.