2018-01-25 20:22:00

፪ ሰንበት ዘአስተርእዮ 20 ጥሪ 2018 ዓ.ም. (1/28/2018)


ምስባክ፡“እግዚአብሔር እግዚእ አስተርአየ ለነ፥ ግበሩ ብዓለ በትፍሥሕት በኃበ እለ ያስተሓምምዎ፥ እስከ አቅርንቲሁ ለምስዋዕ”። 

 ልደት ክርስቶስ ብሓቂ አብ ታሪኽ ዝተፈጸመ እዩ ዝተማህዘ ወይ ሰባት ክጥዕሞም ኢሎም ዝፈጠርዎ አይኮነን። ናይ ብሓቂ ኮይኑ አብ ሕይወት ደቂ ሰባት ለውጢ ዘምጽአ እዩ። ሰባት ነዚ ሓቂ እዚ ክአምኑ ዝተሓርዩ እዮም። ጥምቀት ኢየሱስ ክርስቶስ ቀዳማይ ግልጸት እዩ ድሕሪኡ ዘሎ ሰናብቲ ፪ይ. .፫ይ ሰንበት ዘአስተርእዮ እናበልና ንዝክሮ። ነቲ ኢየሱስ መን ምዃኑ ዝገለጸልና ተርእዮታት እናዘከርና አስተርእዮ ንብሎ ካብ አስተርአየ ዝብል ቃል ግዕዝ ዝመጸ እዩ ትርጉሙ ኸአ ተገልጸ ማለት እዩ። በዚ ናይ ሎሚ ሰንበት ነቲ ብኢየሱስ ዝተገልጸልና ክንርዳእ ክንአምን ዝሕግዘና ሰንበት እዩ። ንባባትና ንግልጸት ኢየሱስ ይገልጹልና።

መልእኽቲ ዕብራውያን እግዚአብሔር ወላ እኳ ንእስራኤል አብተን ቀዳሞት ዕለታት ብዝተፈላለየ መገዲ ይገልጽ፥ ሎሚ ብወዱ ገሩ ተገሊጹና ይብል። ነዚ ምኽንያት ገሩ ጸሓፋይ ናብ ዕብራውያን ወላ እውን ብዙሕ መከራ ይሃልዎም አብ ኢየሱስ እሙናት ኮይኖም ክነብሩ ይነግር። እዚ ዘበሎ እቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዋህበ ጸጋ ካብ ኩሉ ዝበለጽ ስለ ዝኾነ እዩ። ንቀዳሞት ብነብያት ገሩ ይዛረቦም ነሩ እዚ ከአ እቲ ዝበለጸ መገዲ እግዚአብሔር ንደቂ ሰብ ዝራኸበሉ መገዲ እዩ። አብዘን ዳሕረዎት መዓልታት ግን ብዝበለጸ መገዲ ብወዱ ተዛሪቡና። አብዚ ነቲ ብነብያት ዝዛረቦን ዝገልጾን ዝነበረ ካብቲ ብኢየሱስ ዝተዛረቦ ዝገለጾን ከምዝንእስ ክገልጽ ኢሉ የወዳድሮ።

ኢየሱስ ክርስቶስ መን ምዃኑ ገሊጹ ዝነግረና መልእኽቲ ዕብራውያን እዩ። ስሙ ካብ ናይ መላእኽቲ ይዓቢ ንሱ መግለጺ ግርማ አምላኽ እዩ። አምላኽ ብአኡ ገሩ ንዓለም ፈጢርዎ። ወልድ ምእንቲ ዓለም ስለ ዝሞተን ዝተንሥኤን ካብ ኃጢአት ነጻ ገሩና። ደቂ አምላኽ ደቂ ሰማይ እንኾነሉ ጸጋ ሂቡና። ኢየሱስ ክርስቶስ ባህርና ምስ ለበሰ ብዘይካ ኃጢአት ብኹሉ ንአና መሲሉ። ካብ ክፍአትን ኵነኔን አድኂኑና። ምስ አምላኽ አራኺቡና ዕርቡን ድኅነት ከፊሉልና እናበለ ምስጢር ግልጸት ኢየሱስ ይነግረና።

አብዚ እነስተንትኖ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ አምላኽ ስጋና ለቢሱ በቲ ክንርድኦ እንኽእል አብ መንጎና ሓዲሩ ደቂ ሰማይ ክንከውን አፍደገ ሰማይ ከፊቱልና። ንሱ ኩላትና ክንድሕን እዩ መጺኡ። ንፍሉይ ህዝቢ ወይ ዓለት አይኮነን መጺኡ ምእንቲ ኩላትና እዩ መጺኡ። ሎሚ እውን አብ መንጎና አሎ። ብቃሉ አብ ቅዱስ መጽሓፍ፥ ብቤተ ክርስትያኑ፥ አብ አመንጎና ይርከብ አሎ።

ንአምላኽ ዝገልጸልና አለሊና ክንክእል።

ናይ ኢየሱስ ከማና ምዃን ክብሪ አምላኽን ሰብን ገሊጹልና። አምላኽ ፍቕሪ እዩ ንሰብ ካብ ኩሉ ፍጡር ንላዕሊ አፍቂርዎ። ነፍስወከፍና ብአምላኽ ዝተፈቐርና ኢና። ብወገን አምላኽ ምፍቃርና አቋሪጹ አይፈልጥን እቲ ጸገም ብወገና እዩ። ንአምላኽ ንሓድጎ እሞ ካልእ ነፍቅር። ንስጋና፥ ንዓለምና፥ ንሃብቲ፥ ንሰይጣን ነፍቅር እሞ ንአምላኽ ንሓድጎ። እዚ ባህሪ ሰባት ስለ ዝኾነ አብቲ ምንጪ ተፈጥሮና ዝኾነ ኢየሱስ ክንምለስ እዩ እቲ ዝድለ ዘሎ። ነዚ አብ መንጎናን አብ መንጎ አምላኽን ዘሎ ርክብ ሕያው ዝገብሮ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ሎሚ እምብአር ምስ ክርስቶስ ዘሎና ርክብ ክንርኢ እሞ አብ ንቡር ክንመልሶ። አምላኽ ብቤተክርስትያኑ ብቃሉ ይዛረበና አሎ።
አምላኽ ብኸማና ዝበሉ ሰባትን በቲ አብ ዓለምና እንርእዮ ነገራትን ይግለጸና። ሰባት አምላኽን ሰይጣንን ከምጽኡልና ይኽእሉ እዮም ስለዚ አለሊና ክንርኢ የድሊ። ናይ ሰባት ሰናይ ግብሪ ወይ ናይ ሰባት ጸገማት አብ አምላኽ ክንምለስ ምኽንያት ኽኾኑና ይኽእሉ እዮም። ንጽጉም ክንሕግዝ ከሎና ንብኡስ ክንዓርቅ እንከሎና፥ ንዝበደለና ክንምሕር እከሎና አምላክ አባና አሎ። ነቲ አምላኽ ብፍጡራቱ ገሩ ዘርእየና አለሊና ንኽአል። አብ ገለ እዋን ሰባት ከማና ምንጪ ጥፍአትና ኮይኖም ካብ አምላኽን ሰብን የርሕቑና፥ ብአብነቶም ብምኽሮም ካብ ደምበ አምላኽ ፈልዮም አደዳ ጥፍአትን ሞትን ይገብሩና። ሰይጣን ዝተዓወተሉ ሰብ ንኻልእ አብ ማሕበሩ ከእቱ ዘይገብሮ የብሉን። 
ብግልና ዝተዋህበ ጸጋ ንክብሪ አምላኽ ምዃኑ ክንሓስብ ይግባእ። አምላኽ ብዝተፈላለየ ህያባቱ ጸግኡ በረኸቱ ይዕድለና። አብ ገለ እዋን ነቲ አምላኽ ዝሃበና ብክእለትና ብጻዕርና ዘመጻእናዮ ገርና ስለ እንሓስብ ንቦታ አምላኽ ብናትና ንትክኦ እሞ ካብ አምላኽ ንርሕቕ። ሰብ እቲ ዝዓበየ ቃልሲ ዘካይዶ ምስ ርእሱ እዩ። አምላኽ ዝሃበኒ ጸጋ ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ክጥቀመሉ ይግብአኒ ክንብል የድሊ። ብሃብቲ ብዘሎና ክእለትን ፍልጠትን ተታሊልና መገዲ አምላኽ ከይንሓድግ ክንጥንቀቕ ይግብአና። በቲ ዘሎና ጸጋ ንአምላኽን ንህዝቢ አምላኽን ክነገልግለሉ ይግብአና። አምላኽ ዝሃበኒ አብ ክብሪ አምላኽ አውዕሎ አሎኹ እናበልና ንአምላኽ ነመስግኖ። ንኹሉ አምላኽ ከምዝሃበና እንተ ፈለጥና አብ አገልግሎት አምላኽን ድላዩን ክነውዕሎ አይክጸግመናን እዩ።

መልእኽቲ ዕብራውያን እምብአር መንነት ክርስቶስ እትገልጸልና ምእንታና ዘዕረጎ መስዋዕትን ክብርን ትገልጸልና። ክርስቶስ እቲ እንኮ ካህን ኮይኑ ሰዋዕን ተሰዋዕን ኮይኑ አድኂኑና እዩ እናበለ ናይ ክርስቶስ ክህነትን ናታትና ክህነትን ይገልጸልና። አብዚ ዘሎናዮ እዋን እምብአር ነቲ ብአምላኽ ብኢየሱስ ክርስቶስ ገሩ ዝገለጸልና ምስጢር ዕብየት ተፈጥሮና አለሊና ንቅድስና ናትና ኢልና ክንለብስ እሞ እሙናት ተኸተልትን መስከርትን ክንከውን።

ወንጌል ማርቆስ፡ ኢየሱስ ድሕሪ ተጠሚቝን ብሰይጣን ተፈቲኑን ናብ ገሊላ ከም እተመልሰ ይነግረና። ኢየሱስ ነዚ ዝገበረ ዮውሓንስ መጥመቅ ምስተአስረ እዩ። ነቲ አብ ልዕሊ ዮውሓንስ ዘርአይዎ ጽልኢ ድሕሪ ምርአይ ካብኡ ክእለ ኢሉ ዝገበሮ እዩ ዝመስል።

አብ ገሊላ ምስ መጽኤ ብስራት ወንጌል ሰቢኹ፥ አብዚ እዋኑ ከምዝአኸልን መንግስቲ አምላኽ ከምዝቐረበን ነጊሩ። እቲ እስራኤል እትጽበዮ ዝነበረ ድኅነት አምላኽ ማለት ካብ ኩሎም ጸላእቲ ነጻ ምዃን ክፍጸም ግዚኡ በጺሑ እዩ እናበለ ይሰብኽ ነሩ። ኢየሱስ ነቲ ህዝቢ ክንስሑን አብቲ ብስራት ወንጌል ክአምኑን ነጊርዎም። ነዚ እንተ ገበሩ ጥራሕ እዩ ነቲ ነገራት ክቕይርዎ ዝኽእሉ። ንብስራት ወንጌል እንተ አመኑ ማለት መንግስቲ አምላኽ ከም ዝቐረበ ክፈልጡን ክንስሑን ሕይወቶም ክቕይሩ እሞ አብቲ ድኅነት አምላኽ ክሳተፉ ከምዝኽእሉ ነጊርዎም።

ኢየሱስ ነዚ ምስ ሰበኸ ነቶም ሓዋርያቱ ከምዝሓረየ ይነግረና። አብ ገማግም ባሕሪ ገሊላ እናተንቀሳቐሰ እንከሎ አርባዕተ ገፈፍቲ ዓሣ ዝነበሩ ክኽተልዎ ጸዊዕዎም። ክልተ ጽምዲ አሕዋት እዮም ነሮም። እቶም ክልተ ቀዳሞት እንድርያስን ስምኦንን ክጽውዖም እንከሎ ዓሣ ይገፉ ነሮም፥ ክኽተልዎ እናጸውዖም ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ በሎም። አብ ክንዲ ዓሣ ዝሕዙ ካብ ሕጂ ንድሓር ስርሖም ሰባት ሒዝካ ናብ ኢየሱስ ምምጻእ እዩ። እዚ ናይ ኩልና አመንቲ ኢየሱስ ስራሕ እዩ። ንሰባት አብ ኢየሱስ አምጺእካ ምኽአል።

አብዚ እንነብሮ ዓለም ገለ ፈሊጡ ካብ አምላክ ርሑቁ ዝነብር ገለ ኸአ መገዲ ጠፊእዎ ዘምጽኦን ዘፍልጦን ስኢኑ ካብ ኢየሱስ ርሒቑ ዝነብር ብዙሕ እዩ። ከምቶም ቀዳሞት አርድእቲ አብ ኢየሱስ እነቕርብ ንሕና ኢና። እምነት ክርስትና ንአይ ጥራሕ ዝብል አይኮነን ንኻልኦት አብ አምላኽ ምቕራብ እዩ። እቶም ካልኦት ክልተ ሓዋት ደቂ ዘበድየዎስ ያዕቆብን ዮሓንስ እዮም፥ ኢየሱስ ክጽውዖም እንከለዉ ምሰብኦም ኮይኖም መርበቦም የተዓራርዩ ነሮም ብኡ ንብኡ ጸውዖም፥ ንሳቶም ከአ ንዘበዴዎስ አብኦም ምስ ዕሱባቱ አብ ጃልባ ኃዲጎም ሰዓብዎ። 

እዞም አርባዕተ ቀዳሞት አርድእቲ ኢየሱስ ምስ ጸውዖም ነቲ ኹሉ ዝገብርዎ ዝነበሩ ሓዲጎም ተኸቲሎሞ። ቅዱስ ማርቆስ ኢየሱስ ፍሉይ ሰብ ከምዝነበረ እሞ ሰባት ብቐጥታ ምስ ጸውዖም ውዓል ሕደር ከይበሉ ንመጸዋዕትኡ ተቐቢሎም ክስዕብዎ ጀሚሮም ይብለና። ኢየሱስ ክሓርየነ እንከሎ ከምዚ ዝበለ መልሲ ክንህብ ይግብአና። መጸዋዕታ አምላክ ክንሰምዕ ኩሉ ጊዜ ስንድዋት ክንከውን ይግብአና።

ካብዞም ቀዳሞት አርድእቲ ክርስቶስ እንምሃሮ እንታይ አሎ፡

አምላኽ ክጽውዓና እንከሎ ክንሰምዖ። አብ ትንቢት ኤርምያስ “አብ ከርሢ አደኻ ኽይሓነጽኩኻ ኃሬኹኻ፥ ከይተወለድካ ኸአ ቀደስኩኻ ነህዛብ ነብይ ኽትከውን ድማ መደብኹኻ” (ኤር 1፡4~5) ዝብል አምላኽ ካብ መጀመርያ ናቱ ኮና ክነብር ከምዝሓርየና ንርኢ። አምላኽና ክልእኽ ይደሊ እዩ “ሽዑ እግዚአብሔር ንመን ክልእኽ መንከ ኪኸደልና እዩ፥ ኪብል ሰምዕኩ አነ እውን እነኹ ልአኸኒ በልኩ” (ኢሳ 6፡8) ዝብል ነንብብ። አምላኽ ሰብ ከይጠፍእ ብዘይ አምላኽ ከይነብር ዝልአኾ ይደሊ። ናይ አምላኽ ልኡኻት ሎሚ ንሕና ኢና። አብ ዕለታዊ ሕይወትና ንሰባት አብ መገዲ አምላኽ ክንመልስ ከሎና ልኡኻት አምላኽ ንኸውን። ተለአኸኒ ንሓውካ/ሓፍትኻ ከድሕን ክብለና እንከሎ ሕራይ ኢልና ክንልአኾ።
ንአምላኽ ክትክተል ካብ መቕርብካ አድላዪ እንተኾነ ምፍልላይ ከምዘሎ ምፍላጥ። እዞም ቀዳሞት አርድእቲ ካብ ስድርኦም ካብ ሓዳሮም ክፍለዩ እዮም ተሓቲቶም። ብሓቂ ከቢድ መጸዋዕታ። አብ ካልእ ክፍሊ ወንጌል አቦ አደ ሓው ሓፍቲ ሰበይቲ ሰብአይ ዘይሓደገ ንአይ ዝበቅዕ አይኮነን ይብለና። ነቦና ነደና ክሞቱ ክጠፍኡ ክንሓድጎም አሎና ማለት አይኮነ፥ ንስብከተ ወንገል ቀዳምነት ሰሪዕና ክንጉዓዝ ማለት እዩ። ወለድናን አሕዋትናን ወገናን መኸላእታ ድኅነትና ክኾኑና አይግባእን። እኳ ድአ በቲ እንገብሮ ክሕበኑ ይግባእ።
ተኸታሊ ክርስቶስ ክትከውን ፍሉይ ክእለት ወይ ዓቕሚ አየድልን እዩ። ቀዳሞት አርድእቲ ዝኾነ ደረጃ ፍልጠት አይነበሮም። ኢየሱስ ፍልጠቶም አይኮነን ሓቲቱ ፍቓደኛታት ምዃኖም ጥራሕ እዩ ሓቲቱ። አምላኽ ዝዋንኡ ስራሕ ስለ ዝኾነ ኩሉ አምላኽ እዩ ዝመርሖ። ካባና ሕራይ ኢልና ምቕባል እዩ ዘድሊ። አብ ግራት አምላኽ ክትወፍር ትሕትና ፍቕሪ ዝለበስካ ምዃን የድሊ። ብትምህርቲ ዓለም ዝለዓለ ፍልጠት ሒዝካ ትሑት እንተ ዘይኮንካ ንአምላኽ ብቑዕ አይኮንካን ንአምላኽ ዘድልዮ ንጹሕ ሕልናን ንኹሉ አብ ኢድ አምላክ አምቢርካ ነቲ አምላኽ ካባኻ ዝደልዮ ክትገብር ፍቓደኛ ምዃን የድሊ።

ቀዳማይ ሰንበት ዘአስተርእዮ እምብአር ኢየሱስ ክርስቶስ መድኅና መን ምዃኑ ባዕሉ ስለ ዝተገልጸልና ክንሰምዖ ክንቀርቦ እሞ ክንልአኾ ዝሕግዘና ሰንበት እዩ። ኢየሱስ አብ መጀመርያ ስብከቱ ብዙሓት ብአኡ ከምዝተደነቑ እሞ እንታይ እዩ እዚ ሓዲስ ትምህርቲ እናበሉ ይግረሙ ከምዝነበሩ ወንጌል ይነግረና። አብ እምነትና በቲ አምላኽ ዝገበረልና ጥራሕ ምድናቕ ምግራም እኹል አይኮነን አብ ሕይወትና ክአቱ ክነፍቅደሉ እሞ ሕይወትና ሓዲስና ናቱ ክንከውን እዩ እቲ ዝድለ። ሎሚ እምብአር ልብና ንአምላኽ ልብና ንኽፈተሉ። ንቀበሎ ንተሓደስ እሞ መንፈሱ ለቢስና አብ ስብከት አሕዋትና ንውፈር ንልአኮ።

አምላኽ አብ አገልግሎቱ ክንወፍር ጸግኡን በረኸቱን ይዓድለና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.