2018-01-30 09:36:00

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሮማ ናይ ግሪክ ስርዓት ንእትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበረሰብ ቅርበቶም የረጋግጹ


ዕለት 28 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ከተማ ሮማ ንዝርከብ ናይ ኡክራይን ግሪካዊ ስርዓት ንእትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበረሰብ ቁምስና ሓውጾተ ኖልዎ ከምዘካየዱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ቅዱስነቶም ነታ ናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያ ምእመናን ኡክራይን ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣማንነቶም ጽኑዕ ብምዃኑ ኣመስጊኖም ነተን ኣብ ሮማ ዝርከባ ኣብ ምእላይ ብዕድመ ዝደፍኡ ዜጋታት ዝርከባ ኣብ ሮማ ዝቕመጣ ኡክራይናውያን ምስጋና ይግብኣክን ቢሎም እቲ ኣብ ኡክራይን ዘሎ ግርጭት ደው ክብል በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሶቲ ኣስዒበን፥

ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ቃል፥ ልባዊ ቅርበተይን ጸሎተይን ኣብ ዘዕርጐ መስዋዕተ ቅዳሴ እውን ጥልቂ ቅርበተይ ንኸረጋግጸልኩም ኣብ ማእከልኩም እርከብ። ኣብ ኡክራይን ውግእን ሩምታ ኣጽዋር ውግእን ደው ክብል ነቲ ናይ ሰላም ንጉስ እምሕጸትን  ከምዝበሉ ገሊጸን፡ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 28 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኡክራይን ቁምስና ባዚሊካ ቅድስቲ ሶፊያ ሓውጾተ ኖልዎ ኣካይዶም ምስቶም ናይታ ቁምስና ምእመናንን ካህናትን ኣብ ኡክራይን ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳትን ከምእተራኸቡ ኣፍሊጠን።

ቅዱስ ኣቦና ቃሎም ቅድሚ ምልጋሶም ኣብ ኡክራይን ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕነቶም ስቭያቶስላቭ ሸቹክ ኣብ ዘስምዕዎ ናይ ምስጋና ቃል፥ እቲ ኣብ ኡክራይን ዝካየድ ዘሎ ውሽጣዊ ግጭት በሸሓት ዝቑጸሩ ንሞትን ማህሰይትን ንምዝብልናን ኣባይቲ ስድራ ንድኽነት ከምዝዳረገ ሓቢሮም፤ ብዙሓት ደቀንስትዮ ስደተይናታት ዜጋታት ኡክራይን ኣብ ኢጣሊያ ኣብ ምእላይ ኣባይቲ ስድራን ብዕድመ ዝደፈኡን ተዋፊረን ኣብ ኡክራይን ዝርከቡ ስድራ ኣባይተንን ዝሕግዛ ምዃነን ጠቒሶም ዝኸፍለኦ መስዋዕትነት ብእምነተን ዝተደገፍ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሶቲ ኣስዒበን፥ ቅዱስ ኣቦና ናብ ባዚሊካ ቅዱስቲ ሶፊያ ቅድሚ ምእታዎም ንምእመናንን ኣባይቲ ስድራን ህሙማን ሕጻናትን ኣብኡ ንዝተረኽቡ ብዙሓት ሕጻናትን መንእሰያትን እናተዘዋወሩ ቀሪቦም ሰላም እናበሉ ኣብ መንበረ ታቦት ምስ በጽሑ፥

ቅድመይ ዘረባ ዘስምዑ ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕነቶም፥ ኣዴታትን ብዕድመ ዝደፍኣ ዜጋታት ኡክራይን እምነት ኣብ ምውራስ ንመንእሰይ ወለዶ ዓቢይ እምነት ኣብ ምብጻሕ ዝፍጽምዎ ኣገልግሎትን ደቃተን ንጸጋ ጥምቀት ብምቕራብን ንኢየሱስ ክርስቶስን ቤተ ክርስቲያኑን ከፍቅሩ ዝገብራ ቀዳሞት መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ እያተን፡ ንደቃተን ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ሮማ ኣብ ዝተፈላለየ ዕዮ ተዋፊረን ኣብ ዝሰርሓሉ ስፍራ ኩሉ እምነት ዝምስክራ እያተን። ንስኻትክን ብሓቂ ዓቢይ እምነት ዘለክን ደቂ ቤተ ክርስቲያን ኢኻትክን ከምዝበሉ ገሊጸን።

ዝተቐብልናዮ እምነት ምትሕልላፍ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ኣስፍሆተ ወንጌላዊ ጸዋዕታና እዩ። ንስኻትክን ነዚ እትምስክራ ኢኻትክን ናይ እግዚኣብሔር ሓልዮትን ፍቕርን ምስ እዚ ሓልዮትን ፍቕርን ዝዀነ ብኢየሱስ ንዝተገልጸ እግዚኣብሔር ንምርኻብን ኣብኡ ናይ ዘሎና እምነት ተምክሮ እናገበርክን እትመርሐኦ ሕይወትክን ንእግዚኣብሔር ዓቢይ ምስጋና እዩ

ከምዝበሉ ኣመልኪተን።

ቅዱስ ኣቦና ነታ ባዚሊካ ቅድስቲ ሶፊያ ዝሓነጹ ነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲናል ስሊፕቪ ደሓር እውን ብፁዕ ኣቡነ ኪሚል፥ ኣብ ኣርጀንቲና ሕጻን ደሓር ድማ መንእሰይ እነከለዉ ቅዱስነቶም ካብቶ ናይ እምነት ሰብ ዝዀኑ ነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲናል ስሊፕቪ ዝህብዎ ካብ ዝነበሩ ኣብነት ብዙሕ ከምእተመሃሩን ንሶም ናይ መንበረ ታቦት ኣገልጋሊ ንኽኸውንን ፊደላት ሃገርኩምን ንኽፈልጥ ዝደረኹኒ ኣብ ሕይወተይ ዓቢይ ምልክታ ሓዲጎም ዝሓለፉ ወዲ ቤተ ክርስቲያን እዮም ቢሎምን ኣስዒቦም እውን ብፁዕ ካርዲናል ሁሳር መራሕን ዓቢይ ሓው ንብዙሓት እንክብሉ ነዞም ዓበይት ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኡክራይን ኣበው ዘኪሮም፡

ቁምስና ምስ ህያው ክርስቶስ እንራኸበሉ ስፍራ እዩ። ጽማዋናን ድኻምነትናን ዝፍወሰሉን ዕለታዊ መነባብሮና ንዘቕርቦም ብድሆታት ብእምነት ገጢማ እንብድሃሉ ሓይሊ እንረኽበሉን ሓጐስናን ሓዘንና እንካፈለሉን ብፍላይ ኣብ ስደት ድማ ናፍቖት ሃገርን ሕዝባን ብሓባር ብምዝካር ንእግዚኣብሔር ስለ ጸጋታቱ ሞሳ እነቕርበሉ ማሕበረሰብ  እንዀነሉን ከም ማሕበረሰብ እንራኸበሉ ናይ ሱታፌ ቅዱስ ስፍራ እዩ። ስለዚህ እዚ ዓይነት ሕብረተሰብ ሕይወት ሕይወት እዩ ዝሽትት።

            ቁምስና ቤተ መዘክር ዘይኰነስ ነቲ ንሓጢኣትን ሞትን ትካዘን ዘሰንፍ ልብና ዘሕይል ሕይወት እንቕበለሉን እነካፍለሉን ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ሕመረት እዩ።

ምስ በሉ ናብ ምድቃሰይ ክኸይድን ወጋሕታ ክትንስእ ምሳኹም ወትሩ እራኸብ ማለት ኣብ ኣርጀንቲና ናይ ቡወኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳስ  እንከለኹ ከም መዘከርታ ካብ ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተወበቶም ደሓር ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ምስ ተሓርዮ ካብ ኣርጀንቲና ክትለኣኸሎም ገይሮም ኣብ መዕረፊ ቤተም ዘንበርክዋ ቅድስቲ ምስሊ ርህርህቲ እኖ ማርያም ኣዶ (icon) እናጠመቱ ኣማላድነታ ስለ ዝጽልዩ ምዃኑ ኣብሪሆም፥ ብሓባር ሰላም ለኪ ጸሎት ደጊሞም ካም ማሕበረሰብ ቁምስና ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኡክራይን ዝተፈላለዩ ገጸ በረከት ምስ ቀረበሎም፥ ቅዱስነቶም ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፥ በርትዑ ሓደራኹም ስለ ምጽላይ ከይተቋርጹ፡ ኣነ ወትሩ ኣብ ጸሎተይ ህልዋት ምዃንኩም አረጋግጸልኩም ኣብ ቅድሚ ምስሊ ርህርህት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ፊት ጸሎት ኣዕሪጎም ዘካየድዎ ሓውጾተ ኖልዎ ክምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

 








All the contents on this site are copyrighted ©.