2018-02-03 17:08:00

፫ ሰንበት ዘአስተርእዮ 27 ጥሪ 2010 ዓ.ም. (2/04/18)


ምስባክ፡ አምጽኡ ለእግዚአብሔር በሓውርተ አሕዛብ፡ አምጽኡ ለእግዚአብሔር ክብረ ወስብሓተ፥ አምጽኡ ለእግዚአብሔር ስብሓተ ለስሙ። መዝ 29፡1-2። 

ዘመን ዘአስተርእዮ ኢና ዘሎና፥ ወዲ አምላኽ ከማና መሲሉ ፍቕሪ አምላኽን መገዲ ድሕነት ክገልጽ አብ አምንጎና ዝኃደሮ ዝሕብር ቅዱስ እዋን ኢና ዘሎና። አብ መዓልቲ ሰንበት አብ መስዋዕቲ ቅዳሴ ሓቢርና ክንጽሊ ከሎና አብ ዝለዓለ መግለጺ ፍቕሪ አምላኽ ንርከብ። አምላኽ ብርእሱ ሰዋዕን ተሰዋዕን ኮይኑ ይቐርበና ስለዚ ነዚ ርኡይ ግለጸት ተረዲእና ብወገና ንጣዕሚ ፍቕሪ ክነስተማቕር እሞ አብ ትህቲ ሥልጣን ኢየሱስ ክነብር ፍቓደኛታት ክንከውን።

አብ ዝሓለፋ ክልተ ሰናብቲ መጀመርያ ኢየሱስ አብ ሩባ ዮርዳኖስ ብዮሓንስ ከም ዝተጠምቀን፥ ትርጉምን ዓላማን ተልእኮኡ ከም ዘስተምሃረ፥ ከምኡ ምስኡ ኮይኖም ነቲ ንሱ ዝገበሮ ዝገብሩ ቀዳሞት አርድእቱ ከም ሓረየ ርኢና። አብ ናይ ሎሚ ሰንበት ከአ ተልእኮኡ ብዕሊ ከም ዝጀመረ ንርእዮ።

አብ መጽሓፍ ዘዳግም 18፡15-20 ዘሎ እንተ አንበብና እቲ እግዚአብሔር ብሙሴ አቢሉ ንደቂ እስርኤል አተስፍይዎ ዝነበረ አብ ኢየሱስ ከም ዝተፈጸመ ንርኢ። “እግዚአብሔር አምላኽኩም ካብ ማእከልኩም ካብ ህዝብኹም ከማይ ዝበለ ነቢይ ኼተንሥአልኩም እዩ፥ ንእኡ ስምዕዎ” ይብሎም። ኢየሱስ ከም ማንም ሰብ ኮይኑ አብ ምድረ ፍልስጢአም ተራእዩ። ግን ነብይ እዩ፥ ከም አብዚ እዋን እንርእድኦ ትርጉም አብ መጻኢ ዝመጽእ ወይ ዝገጥም ዝነግር ዘይኮነስ ከም ሓደ ቃል እግዚአብሔር ዝዛረብ ኮይኑ ቀሪቡ።

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ካብ ቅ. ማርቆስ ዘንበብናዮ ኢየሱስ ምሉእ መዓልቲ ከስተምህር ንሕሙማት ከሕዊ ከም ዝወዓለ እሞ በዚ ኸአ ቀንዲ ዓላማ አገልግሎቱ ከምዘርአየ ንርኢ። አብ ሓባራዊ ስርዓት አምላኾ ይሕወስ፥ የስተምህር፥ ሕሙማት የሕዊ፥ ካብ ርኹሳት መናፍስቲ የሕዊ፥ ንብሕቱ ኾይኑ አብ ጽምዋ ይጽሊ። ነዚ ኹሉ ዝረአየ ህዝቢ ብዝገርም አድንቖት ክሰምዕዎ ይስዕብዎ ነሮም። ልቡ አብቲ ኢየሱስ ዝብሎን ዝገብሮን ዘስተውዓለ ሰብ ንክስዕቦ አየጸግሞን እዩ፥ እዚ እዩ አብዞም ህዝቢ ዝስዕብዎ ዝነበሩ እንርእዮ። ንሕናውን ንቃል አምላኽ ሰሚዕና ነቲ ንሱ ዝብለና ክንገብር ንንገር አሎና።

(አብ ወንጌል ማርቆስ ሰለስተ ዓይነት ሰባት ንርኢ፥ ሰለስቲኦም ነቲ ኢየሱስ ዘስተምሃሮን ዝገበሮን ብዝተፈላለየ መገዲ መልሲ ይህቡሉ። አርድእቱ፥ መራሕቲ ሃይማኖት፥ ሓፋሽ ህዝቢ። እቲ ዘገርም እቲ ሓፋሽ ህዝቢ ጥራሕ እዩ ነቲ ሓቀኛ መልእኽቲ ክቕበልን ክርዳእን ክአምንን እንርእዮ)።

ኢየሱስ ብመዓልቲ ሰንበት አይሁድ ምስ ደቂ ዓዱ ብቅሉዕ ብሥልጣኑ አብ ማእከሎም ኮይኑ ከም ዘስተምሃረ ንርኢ። አብዚ እንርእዮ ኢየሱስ ከም ማንም አይሁዳዊ ኩሉ ስርዓታት ዘኽብር ንእምነቱ አብ ዕለታዊ ሕይወቱ ዝነብሮ እዩ ነሩ። ንአይሁዳዊ እምነት አብ ሕቶ ምልክት አእትይዎ አይፈልጥን፥ ንሱ ዘይሕጎሰሉ ዝነበረ ግጉይ መገድን መንፈስን፥ ብግብዝና ብኻልእ ብልሽውናን ተዓብሊሉ ብመራሕቲ እምነትን ስርዓትን ዘይመገዱ ንዝኸይድ ዝነበረ እዩ ዝቋወም ዝነበረ። ከምቲ አብ ማቴ 5፡17 ዝብሎ “ንሕጊ ሙሴ ኾነ ንነብያት ክፍጽሞም ደአ እምበር ክስዕሮም ዝመጻእኩ አይምሰልኩም” ዝበሎ እዩ።

አብ ቤት ጸሎት አይሁድ ዝግበር አገልግሎት ብመሰረቱ አብ ትምህርቲ ቅዱስ መጽሓፍን ናይ ጸሎት አገልግሎት ዘተኮረ እዩ ነሩ። መስዋዕቲ አይ ዓርግን እዩ፥ አብ ቤተ መቕደስ አብ ኢየሩሳሌም ጥራሕ እዩ መስዋዕቲ ዝዓርግ። ብዙሕ ጊዜ ራሕቂ ስለ ዘለዎ ውሑዳት ኢዮም ንኢየሩሳሌም ከይዶም መስዋዕቲ ዘዕርጉ መብዝሕትኦም አብ ምኵራብ እዮም ጸሎቶም ዘዕርጉ። ኢየሱስ ሓደ ጊዜ ወይ ከም ኩሎም አብ ዓበይቲ ብዓላት ጥራሕ እዩ ዝኸይድ ዝነበረ።

እቶም ካብ ኢየሩሳሌም አብ ርሑቕ ቦታ ዝርከቡ አይሁድ ቀዳም ኩሉ ጊዜ አብቲ ከባቢኦም ዘሎ ቤት ጸሎት ከይዶም ሓባራዊ አምልኾን ጸሎትን ይገብሩ ነሮም። ዝገብርዎ ስርዓተ አምልኾ ግሩህን ቀሊልን እዩ ነሩ፥ንባብ ካብ ቅ. መጽሓፍን (ካብ ብሉይ ኪዳን)፥ ሓደ ዝፈልጥ ክእለት ዘለዎ ኸአ ይሰብኽ/የስተምህር። አብ ቤተ ጸሎት ካህን ወይ ብክህነት ዘገልግል አይ ነበረን። (እዚ አብ ቤተ መቕደስ ዝተሓጽረ እዩ)። ኢየሱስ አብ ኢየሩሳሌም ምስ ከደ ጥራሕ እዩ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት አይሁድ ዝገራጮ ዝነበረ። እዞም አብ ቤተ ጸሎት ዘገልግሉ ምስ ፈሪሳውያን ወይ ጸሓፍቲ ከይነደባልቖም ምጥንቃቕ የድልየና።

አብ ቤተ ጸሎት/ምኩራብ ዝኾነ ሰብ ተንሲኡ ከስተምህር ይኽእል እዩ። አብዚ ፍሉይ ቀዳም ኢየሱስ ከስተምህር ተሓቲቱ፥ ድሮ ከስተምህር ከምዝኽእል ይፍለጥ ነሩ እዩ። ከስተምህሮም ጅምር ምስ አበለ እቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ከም መማህራኖም ዘይኮነ ፍልይ ብዝበለ ከም ዘስተምህር ዘሎ ክፈልጡ ክእሎም። ጸሓፍትን ክኢላታት ሕጊ ከስተምህሩ እንከለዉ ነቲ ዝተውህበ ሕጊ ትርጉሙ አብ ቅዱስ መጽሓፍ እዮም ዝነግሩ ነሮም። ኢየሱስ ከስተምህር እንከሎ ግን ብስልጣኑ እዩ አስተምሂሩ። እቲ ህዝቢ እቲ ዘስተምህሮ ዝነበረ ካብ ካልእ ዝወሰዶ ትምህርቲ ከምዘይ ኮነ ክርእዩ ክኢሎም። ናይ ገዛእ ርእሱ ትምህርቲ እዩ ዘስተምህር ዝነበረ። አብ ወንጌል ማቴዎስ ከም እንሰምዖ “ከምዚ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም አነ ግን እብለኩም አሎኹ እናበለ” ካብ ርእሱ ከም ዝዛረብ ገሊጹ።

ኢየሱስ ስልጣን ከም ዘለዎ ጥራሕ አይኮነን ተዛሪቡ፥ ብግብሪ ብስልጣን እዩ አስተምሂሩ። ከምዚ ኢሉ እናተዛረበ አብኡ ሓደ ሰብአይ ሰይጣን ዝሓደሮ ነሩ። እዚ እንታይ ማለት እዩ? ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ሰብ ርኢኻ ትፈልጥዶ? ብሰይጣን ዝተገዝአ ሰብ ገጢሙካ ትፈልጥዶ?ሓደ ክንዝክሮ ዘሎና አብ ጊዜ ኢየሱስ ዝነበረ ርድኢት ዓለም ብመናፍስቲ ዝመልአት እያ ነራ፥ ገሊኦም ዝጠቕሙ ገለ ኸአ ዝጎድኡ። አብ ኩሉ እዮም ዝርከቡ ንሰብ ብዝኾነ መገዲ ከጥቅዕዎ ወይ ክሕግዝዎ ይኽእሉ። አብ ገለ እዋናት ንገለ ሰባት ከጥቅዑልካ እውን ክትሓቶም ትኽእል ንአብነት ንገለ ሕነኻ ክትፈድየሎም እትደሊ ሰባት ዝብል እምነት አብ ብዙሓት ነሩ።

እዚ ነገራት ሎሚ አብዚ እዋና ከይተረፈ ገኒኑ ዘሎ እዩ። አብ ሃገርና ብዝያዳ ዝዝውተር ዘሎ ካብ ድኽመት መንፈስን እምነትን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ብሓቂ ክሕሰበሉ ዘለዎ ጉዳይ እዩ። ቡዳ ጥንቆላ ምፍዋስ ዝብሉ ዳርጋ ኩሉ ሰብ አሚንሉ ብዙሓት ካብ እምነት ርሒቖም አብኡ እምነት ገሮም ዝነብሩ አለዉ። ፈዊሱኒ ፈዊሳትኒ ዝብል እሞ ገኒኑ አብ ስድራታት ዓቢ ጽልእን ቅርሕንትን ይፈጥር አሎ። አብ ምሉእ ዓለም አብቶም ዝልዓለ ስልጣኔ አሎና ዝብሉ ከይተረፈ አሎ። ገለ ቦታታት፥ መቓብር፥ ከምኡ መዓልታት ከይተረፈ አብዚ ዕለት ጽቡቕ አብዚ ግን አይከውንን ዝብሃል አሎ እዚ ኸአ ምስ ሰይጣን ስለ እንተሓሕዞ እዩ                                                                             ። አብ መስተ አብ መግቢ ጽላሎት፥ ተደፊኑኒ፥ አንጸላልዩኒ ርእዩኒ እናተባህለ ንሰባት ከም መናፍስቲ ሓሲብካ ካብኦም ምህዳም ሕሉፍ ሓሊፉ ምስኦም መውስቦ ምእባይ ናይ ዘመና ኃጢአት ብመንፈስ ሰይጣን ዝተወርሶ ሕይወት ዝብሎ ነጊሱ ይርከብ።

አብ ጊዜ ኢየሱስ ሓደ ሰብ ብስንክልና ወይ ሕሙም ኮይኑ እንተ ተወልደ ርኹስ መንፈስ አለዎ ዝብል ርድኢት ነሩ። ከም ሕማም ባርያ፥ ዘንቀጥቅጥ ሕማም፥ ጽላለ ኩሉ ብርኹሳት መናፍስቲ ዝተወርሰ ጥራሕ ዝሓሞ እዩ ዝብል ርድኢት ነሩ። ብሰንኪ ርኹሳት መናፍስቲ ሰባት ክዛረቡ ወይ ክንቀሳቐሱ አይክእሉን እዮም። ርኹስ መንፈስ ብምልኡ ተቖጻጺርዎ አሎ ማለት እዩ። እዚኦም ርኹሳት መናፍስቲ ዝብሃሉ ብሓቂ አለዉዶ? ኩሉ ሓቂ እዩ ክትብሎ ከቢድ እዩ። ገለ ካብቲ ሕማማት ብሕክምና መልሲ ተዋሂብዎ አሎ። ብዝኾነ አብ ገለ ክፍሊ ዓለም ሰባት ብርኹሳት መናፍስቲ ከም ዝተተሓዙ ነሮም፥ አብ ኢየሱስ ምስ ቀረቡ ኸአ ብምሉእ ሓውዮም ነጻ ኮይኖም።

ናይ ዘመና ርኹሳት መናፍስቲ።

አብ ዘሎናዮ ዘመን ርኹሳት መናፍስቲ የለዉን ኢልካ ክትክሕድ ጽጉም እዩ። አብ ገለ ሰባት ዝወርድ ስቓይን ውርደተን ብገለ ከምኦም ዝአመሰሉ ክትርኢ ከቢድ እዩ። ብወገና ሓንቲ ክንገብር አይንኽእልን ኢና ኢልና ዕሽሽ ክንብል እንከሎና ናይ እቲ ጸገም ተኻፈልቲ ኢና።

አብ ጊዜ ኢየሱስ ሰባት ዝተፈላለየ ኃይልታት ርኹስ መንፈስ ከምዘለዉ ይአምኑ ነሮም። እዚኦም ኃይልታት ርኹስ መንፈስ እዮም ናይ መልስቲን ፍርሕን ጠንቅን ዝነበሩ። እታ ቀንዲ ኢየሱስ ዝገበራ ንሰባት ካብዚ ከቢድ ፍርሒ ነጻ ምግባሮም እዩ። እቲ ቀንድ ዘፍርሒ ዝነበረ እቲ ርኹስ መንፈስ ብርእሱ ዘይኮነ እቲ ብሰንኩ ዝመጽእ ኢልካ እትፈርሖ እዩ። አብ ሕይወትና እቲ ቀንዲ ሓቂ ነገር አይኮነ ንነጻነትና ዝድርቶን ሳዕበን ዝገብረሉን እንታይ ድአ እቲ ብወግና ዘሎና ርድኢትን ንሕና ከመይ ኢልና ከም እንርእዮን እዩ። (ንአብነት አብ ናይ ሓደ ሰብ ዓራት ናይ ጎማ ተመን እንተ ገበርና እቲ ሰብ አብ ዓራቱ ምስ መጸ ነቲ ናይ ጎማ ተመን ምስ ረአየ ዝርእዮ ፍርሕን ስንባደን አስተውዒልና ንፈልጥዶ?)። እንታይ እዩ ከም ዘእውዩ ዝገብሮም? ንእሽቶ ቁራጽ ጎማ ወይስ እቲ አብ ሓንጎሎም ዘሎ ፍርሒ። መብዝሕትኡ ዘፍርሓና እቲ አብ ስምኢትና ወይ አእምሮና ቀሪጽናዮ ዘሎና እዩ።

ኢየሱስ አብቲ ቤተ ጸሎት አብ ቅድሚ እቲ ርኹስ መንፈስ ወላ ሓንቲ ፍርሒ አየርአየን። “ሱቕ በል ካብኡ ውጻእ” እናበለ ክወጽእ አዚዝዎ። እቲ ርኹስ መንፈስ ከአ ነቲ ሰብ ፈርፈር አበሎ ብዓቢይ ድምፂ እናጨረሐ ኸአ ኻብኡ ወፀ ይብለና፥ ሽዑ እቲ ሰብ ነጻ ምሉእ ኮይኑ።

ሎሚ እንታይ እዩ አብ ሕይወትና ዘፍርሓና? ካበናይ መንፈስ ኢና ብዝያዳ እንፈርሕ? አዮኖት ቦታታት፥ ሰባት፥ እዮም ነቲ ክንገብሮ ዝግብአና ከይንገብር ዝዓግቱና ወይ ነቲ ክንኮና ዝግብአና ዓይነት ሰብ ከይንኸውን ዝዓግቱና ዘለዉ። ቅድም ቀዳምም አብ ውሽጥና ዘሎ ፍርሒ ባዕልና ክንለልዮ ክንፈልጦ አሎና ናብ ካልኦት ሰባት ከየጸጋዕናዮ። ሓንሳብ ምስ አለለናዮም አብ ኢየሱስ ቀሪብና ካብኡ ነጻ ክገብረና ክንልምን አሎና። ንርእስና ምሉእ ብምሉእ አብ ትሕቲ ስልጣን ኢየሱስ ንግበር ሽዑ ንሱ ነጻ ክገብረናን ከንጽሓናን እዩ። እምብአር እቲ ቀንዲ ወሳኒ ነግር ምስ ኢየሱስ ዘሎና ጥቡቕ ርክብ እዩ፥ ልዕሊ ኹሉ ብምሉእ እምነትን ንጹሕ ልብን ቅ. ቍርባን ክንቅበል እንከሎና ዝዓበየ ፈውስን ጽንዓት ዝህበናንን እዩ።

እቶም አብ ቤተ ጸሎት ዝነበሩ ህዝቢ በቲ ዝኾነ ነገር ተገሪሞም። “እንታይ ድአ እዩ እዚ ሓዲሽ ትምህርቲ እዚ ንርኹሳት መናፍስቲ ብሥልጣን ዚእዝዞም ንሳቶምውን ዚእዘዝዎ እናበሉ ንሓድሕዶም እናሓተቱ ተገረሙ፥ ዝናኡ ድማ ሽዑ ንሽዑ አብ ኵሉ ኸባቢ ተሰምዐ”።

አብዚ ቅ. ማርቆስ ኢየሱስ ከመይ ኢሉ አብ ሓጺር ጊዜ አብ ሕይወት ሰማዕቱ ዓቢ ለውጥን ርድኢትን ከም ዘምጽአ ይነግረና። ናይ ድሕነት ተልእክኡ መንግስቲ አምላኽ ቀሪባ እያ ተነስሑ እመኑ እናበለ ጀሚሩ። ሰባት ነቲ ብኢየሱስ ዝውሃብ ኃይሊ ይምከሩሉ ግን እንታይ ዓይነት ኃይሊ እዩ? ናይ ስልጣን ናይ ምልኪ ድዩ ወይስ ካልእ ኃይሊ። አብዚ ሥልጣን ዝብል ቃል ትርጉሙ አብ ውሽጢ ሓአ ሰብ ዘሎ ነገር ምብዛሕ  ወይ ከም ዝዓብን ዝድልድልን እዩ ዘስምዕ።

ሓቀኛ ስልጣን ብዙሕ ጊዜ ከምቲ ንሕና እንርድኦ ወይ እንትርጉሞ አይኮነን ማለት አብ ልዕሊ ሰባት ናይ ምልኪ ኃይሊ ረኺብካ ንስኻ እትደልዮ ከም ዝገብሩ ምግባር አይ ኮነን። ሓቀኛ ሥልጣን ንሰባት ንነገራት ከምቲ ዝድለ ከምዝገብሩ ምግባሮም ማለት ነቲ ክግበር ዝግብኦ ክገብሩ ምምርሖም ምሕጋዞም እዩ። ካብ ገዛእ ርእሶም ከም ዝወጽኡ እሞ ከም ሰባት ከም ዝዓብዩ ምግባሮም። ነቲ አብ ውሽጦም ዝርከብ ፍሉይ ህያባት ከምዘበርክቱ ምግባሮም እዩ።

ሥልጣን ብቐሊል ዘይመልክዑ ክለብስ ዝኽእል እዩ፥ አብ ትዕቢት አብ ምልኪ አብ አንነት ከምኡ ንኻልኦት ጨኲንካ አነ ዝብሎ ጥራሕ እዩ እቲ ሓቂ ስለዚ ስምዑኒ ተአዘዙኒ ኢልካ አብ ልዕሊ ካልኦት ንዝወርድ ግፍዕን ዓመጽን ጠንቂ ክትከውን ይክአል። አብ ሃይማኖት እውን መራሕቲ መዝነቶም ክዝንግዑ ከለዉ አብ አኽራርነት አብ ግጉይ እምነት አብ ዘይ ምእዛዝ ወይ ንሰባት ከም ድራግ አእምርኦም ተቖጻጺርካ አብ ሓሶትን ግጉይን መንፈስ ከም ዝነብሩ ምግባር፥ ነቲ ለቢስካዮ ዘሎኻ መዝነት ንጥቕምኻ ምውዓሉ ዝዓበየ ጸገም ናይ ዘመና እዩ። አቡናት ካህናት ደናግል ናይ ብሓቂ ኩልና እቲ ለቢስናዮ ዘሎና አብ ግብሪ እንተ ነውዕሎ ዓለማ ዝሓሸትን ሰላም ዝመልአ ብትስፋ እትነብር ምኾነት ስለዚ ሎሚ ንዓለምና እንቕይራ ንሕና ብሕይወትና ኢና። እምብአር ኩሉ ሓላፍነት ዝለበሰ ንአገልግሎት እዩ ዝወፍር። 

ሥልጣን ከም አገልግሎት፡

እዚ ዓይነት አገልግሎት እዩ ኢየሱስ ዘስተምህረና ዘሎ። ንሱ ንሰባት ክገዝእን ክቆጻጸርን አይ መጽአን፥ ባዕሉ ደጋጊሙ ከምዝብለና ዝመጽኦ ከገልግል እምበር ክግልገል አይ ኮነን። ልዕሊ ኹሉ ዝመጽኦ ንደቂ ሰብ ነጻ ክገብር፥ በዚ ምኽንያት ብነጻነቶም ንኹሉ ነቲ ከፍርዩሉ ዝኽእሉን ከበርክትዎ ዝኽእሉን አብ ውሽጦም ዘሎ ኃይሊ ምስቲ አምላኽ አብ ውሽጦም ዝሃቦም ከወሃህዱ እሞ አብ ጽቡቅ ከውዕሉ ምእንቲ እዩ። ንሱ ካብ ኩሉ ናይ ፍርሓት ርኹሳት መናፍስቲ፥ ዘንፈርፍሩ፥ ጸቢብ ንአይ ይጥዓመኒ ዝብል፥ ቁጥዓ፥ መሪር ቅሬታ፥ ጽልእን ዓመጽ ንሰባት ጽቡቅ ንኸይነብሩ ዝዓግቶም ነጻ አውጺእዎም እዩ። “አነ ዝመጻእኩ ሕይወት ብምልኡ ምእንቲ ክርኸቡ እዩ” ኢሉና።

ከምዚ እንተ ድአ ኮይኑ ክንደይ ዘሕዝን እዩ ብዙሓት ሰባት አብ እምነት ክርስትና እሙን ኮንካ ምንባር ከም ተጽዕኖን ክግበር ከም ዘይክእል ተራእዩ ንብዙሓት ጨኲንካ ምንባር ከም ልሙድ ኮይኑ ዝንበር ዘሎ። ቤተ ክርስትያን ክሳብ ክንደይ እያ ብሓላፍነት እትሕተት እዚ ብግሁድ እንርእዮ ዘሎና ዓመጽ ጭቆና መልእኽቲ ወንጌል ከም ግቡእ ስለ ዘይተሰብከ ምዃኑ? መልእኽቲ ክርስቶስ አብ ኩሉ እንተ ነብጽሖ ዓለምና ብዙሕ ለውጢ መምጽአት ግን እቲ ተርእዮ ብአንጻሩ እዩ። ብዙሓት ጓሶት ሓላፍነቶም ዘንጊዖም ናይ ክርስቶስ ዘይኮነ መንፈስ ለቢሶም ዝጓስዩ ስለ ዝበዝሑ እዩ ጸጊሙና ዘሎ ስለዚ ልኡኻት ክርስቶስ ካብ ኮና መልእኽቲ ክርስቶስ አብ ኩሉ ነብጽሓዮ። 

ሎሚ እምብአር ሓቢርና ንኢየሱስ ንቕረቦ እሞ ካብ ኩሉ ነጻነትና ገፊፉ ንሓቂ ንፍትሕን ንነጻነትን ከይንዕጠቅ ዓጊቱና ዘሎ ነጻ ከውጽአና ንለምኖ። ካብቶም ኩሎም ጸማማት፥ ዓባሳት ዕዉራትን ብፍርሒ ልሙሳት ገሮምና ዘልዉ ከውጽአና ንለምኖ።

በዚ ፫ይ ሰንበት ዘአስተርእዮ እምብአር ንኹሉ ርኢና ክንክእል እሞ አብ አምላኽ ምሕረት አሚና ምሓረና አንጽሓና ካብ ኩሉ ርኹስ መንፈስን ሰብ ዝፈጠሮ ጭቆናን ነጻ እንወጽአሉ ክንሓስብ እሞ ንኸማና ዝበሉ አሕዋትና መጀመርያ ካብ ዝኾነ ዝጭቁኖም ነጻ ዝወጽእሉ መገዲ ክንሕብሮም ብወገና ኸአ ካብ ዝኾነ ንነጻነት ሰብ ዝገጽፍ ነጻ ኮይና ንሓቂ ንፍትሒ ክንዕጠቕ ንክአል ኩሉ አምላኽ ንለምኖ።

ክፉት ልቢ አምላኽ ዝሓድሮ ሒዝና ንሰላምን ፍቕርን ምርድዳእን ንወፈር። ክርስቶስ መድኃኒና ስዒቡኒ ንሰባት አብኡ እነምጽእ ክገብረና ይጽውዓና አሎ። ንሰባት ካብኡ ክርሕቑ ምኽንያት ከይንኾኖም ልቦና የድልየና። ኦ አምላኸይ ናትካ ኮይነ ክርከብ ሓግዘኒ ንበሎ።

ብሩኽ ሰንበት ዘመነ አስተርእዮ።

 

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

 

 








All the contents on this site are copyrighted ©.