2018-02-06 09:21:00

ቅዱስ ኣቦና ናይ ቱርኪ ርእሰ ብሔር ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ተገሊጹ


ዕለት 5 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መንበር ንወግዓዊ ምብጻሕ ንዝኣተዉ ናይ ቱርኪ ርእሰ ብሔር ራጃብ ጥዪፕ ኤርዶጋን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ካብ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዝወጸ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ምስ ዝተቐበልዎም ናይ ቱርክ ርእሰ ብሔር ኤርዶጋን ብዛዕባ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ቱርክን ካቶሊካውያን ማሕበረሰብ ኣብ ቱርክን እንገዳ ስደተይናታትን ምስ ጸኣት ስድተይናታትን ተመዛበልትን ተተሓሒዙ ዝመጽእ ብድሆ ኣብ ምግጣም ዘሎ ኩነት ዘማእከለ ዘተ ከምእተኻየደ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ ኣብቲ 55 ደቓይቕ ስወሰደ ክሌኣዊ ርክብ ብዛዕባ ህልው ክኩነታት ማእከላይ ምብራቕን ብፍላይ ብዛዕባ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝምልከትን ሰላም ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ምንቕቓሕን እዚ ኽኣ ብናይ ሰላም ባህልን ምክብባርን ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣብ ዓለም ሕጋውነት ብምስፋሕ ዝፍጸም ክኸውን ዝብሉ ነጥብታት ከምእተሰመረሉ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.