2018-02-08 16:42:00

ሓጢኣተኛ ቅዱስ ክኸውን ይኽእል! ብልሽው ግን ፈጺሙ ኣይከውንን! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ከምቲ ልሙድ ሎሚ ንግሆ እውን ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ካብ ጐይታ ከይትርሕቁ ወትሩ ተሓለው፣ ከመይ ልብና ክደክም ወይ ክስልችዎ ይከኣል እዩ’ እንክብሉ ብዛዕባ እቲ ንንጉሥ ሰሎሞን ዘጋጠመ ማለት ደድሕሪ ኣማልኽቲ ሓሶት ናይ ኣንስቱ ብምኻድን መስውዒታት ብምህናጽን ነንስቱ ዕጣንን መሥዋዕትን ነዞም ኣማልኽቲ ሓሶት ከቅርባ ብምፍቃዱ ካብ እግዚአብሔር ርሒቁ ብዘሕዝን ኩነት መንግሥቱ ንካልኦት ከምዝወሃብ ተረዲኡ፣

ቅዱስነቶም ኣብቲ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ 1ነገ 11.4 መሰረት ብምግባር ናብ ቅዱስ ዳዊት ኣቦኡ ንንጉሥ ሰሎሞን ምልስ ይብሉ እሞ ‘ዳዊት ሽሕኳ ሓጢኣተኛ እንተነበረ ቅዱስ እዩ፣ እቲ ዓቢይን ጥበበኛን ዝተባህለ ሰሎሞን ግን ብዘጋጠሞ ብልሽውና ካብ ቅድሚ ኣምላኽ ተነጺጉ፣ ክንበብ ዝሰማዕናዮ ጽንክር ዝነበለ ነገር ልቢ ንጉስ ሰለሞን ኣብ ኣምላኽ ኣይጸንዔን፣ ኣቦኡ ዳዊት ግን ክሳብ መወዳእታ ጸኒዑ ኣብ ቅድስና በጺሑ፣ እዚ ጸገም እዚ ምድካም ናይ ልቢ ክንብሎ ንኽእል፣ ንጉሥ ሰሎሞን ሕሩይ ኣምላኽ ኮይኑ ጥበብ ክልምንን ክሳብ ንግሥቲ ሳባን ካልኦትን ልቡናኡ ንምዕዛብን ጥበቡ ንምስማዕን ክበጽሕዎ እንተዘይኮይኑ ዓበይቲ ሓጢኣት እዝን እዝን ፈጺሙ ዝብል ኣይንረክብን፣ እንተ ንጉሥ ዳዊት ከክንዲ ገለ ዝኸውን ሓቲኣት ከምዝፈጸምን ከምዝተነሰሔን ተዝርዚሩ ኣሎ፣ ኮይኑ ግን ዳዊት ናብ ቅድስና እንክበጽሕ ሰሎሞን ኣይተዓወተን፣ ክንበብ ከምዝሰማዕናዮ ከኣ ልቡ ካብ ኣምላኽ ናብ ካልእ ዘንቢሉ። ኣዚ ብጐይታ ዝተናእደ ጥበበኛ ንጉሥ ሰሎምን ክንዲ ሃብትን ሹመትን ጥበብ ዝለመና እንታይ ወሪድዎ ክንብል ናይ ግድን እዩ፣ እቲ ቀንዲ ፍልልይ ዳዊት እናክሓጥእ ኦ ጐይታይ መሓረኒ እናበለ ይንሳሕ ነሩ፣ ሰሎሞን ግን ምስ እዚ ኩሉ ጥበቡ ደድሕሪ ካልኦት ኣማልኽቲ ልቡ ሸፊቱ እቲ ዚዓበየ ጸገም ከኣ ኩነታቱ ክስቆሮ ኣይከለን፣

‘ኣብዚ እዩ እቲ ጸገም ናይ ድኽመት ልቢ ዝኸውን፣ ልቢ ክደክብ ምስ ጀመረ ከም ናይ ሓጢኣት ኩነት ኣይኮነን፣ ሓጢኣት እንክትፍጽም ብኡ ንብኡ ይስቈረካ እሞ `ኣነ እዚ ሓጢኣት እዚ ፈጺመ ትብል፣ ንጹር እዩ፣ ናይ ልቢ ድኻም ግን ቀስ ብቀስ ዝቀትለካ ሰላሕታዊ ጉዕዞ ኮይኑ ቀስ ብቀስ ሸተት እናበልካ ህልም ትብል፣ ንሰሎሞን ዘጋጠማ ኸኣ እዚ እዩ፣ ኣብ ክብሩን ህቡብነቱን ክድቅስ ምስ ጀመረ እዛ መንገዲ እዚኣ ክኽተላ ጀሚሩ ሸታሕታሕ ኢሉ ክትንሰኣሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ ወሪዱ፣’ ብካልእ ኣዘራርባ ንጉሥ ሰሎሞን ከይተረድኦ ኣብ ብልሽውና ተቈማጢዑ ዝገደደ ከኣ መንፈሳዊ ብልሽውና፣ ብሓቂ ክብለኩም ከኣ ስግንጢራዊ ኣዘራርባ ደኣ ይመስል እምበር ልቢ ብኸምዚ ዓይነት ካብ ዚደክምን ዝወድቅንሲ ንጹር ሓጢኣት ይሓይሽ።

‘ድኹም ልቢ እትውንን ሰበይትስ ይኹን ሰብኣይ ዝተሳዕሩ እዮም፣ እዚ ከኣ ናይ ብዙሓት ክርስትያን ጉዕዞ እዩ፣ ናትና ናይ ኩልና ጉዕዞ እዩ፣ ምናልባት ኣነ ዓበይቲ ሓጢኣት ኣይገብርን እየ፣ ደሓን እየ ዘሎኹ ክንብል ንኽእል፣ ኮይኑ ልብኻ ከመይ ኣሎ! ሓዪሉ ዶ ኣሎ! ወይስ ዝሒሉ! ንጐይታ እሙንዶ ኣሎ ወይስ ሸታሕታሕ ጀሚርዎ የንዳልህጽ ኣሎ! ኢልና ክንሓትትን ጽጹይ መርመራ ሕልና ክንገብርን እዋኑ እዩ፣ ስለዚኸስ ዕለት ዕለት ልብና ንጓሲ ከመይ እዚ ሓደጋ እዚ ንኩልና ዘጋጥም እዩ፣ እዚ ዳርጋ ከም ናይ ወተሃደራዊ ቀጻሊ ሓለዋ ወይ ሓለዋ ቀጽል ዚዓይነት ወግሔ ጸብሔ ሓለዋ ዘድልዮ እዩ፣

‘ዳዊት ቅዱስ እዩ፣ ሓጢኣተኛ ነሩ! ሓደ ሓጢኣተኛ ቅዱስ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ፣ ሰሎሞን ግን ኣብ ብልሽውና ስለዝወደቀ ተነጺጉ፣ ኣብ ብልሽውና ብከመይ ይብጻሕ እንተኢልና ከኣ ብድኻምነት ልቢ እዩ፣ ስለዚ ሓለዋ የድሊ! ዕለት ዕለት ልብና ንሓሉ! በዚ ከኣ ናይ ተኣማንነት ጽባቀን ታሕጓስን ክነስተማቅር ኢና፣ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣

ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና ኣብ ዝሓለፈ መደባትና ብተኸታታሊ እነቅርበልኩም ናይ ዘሎና ‘ናይ ሓቂ ፍሥሓ` ብዝብል ኣርእስቲ ቅ.ኣ.ር.ጳ.ፍራንቸስኮስ ብዛዕባ ‘ሕዳሴ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ (ዪኒቨርሲታት) ትእምርቲ ናይታ ካብ ገዛእ ርእሳ ውጽእ ኢላ እተስተምህር ቤተክርስቲያን’ ምዃና ዝገልጽ ሓዋርያዊ ቅዋም ቀዳማይን ካልኣይን ክፋል ኣቅሪብናልኩም ነርና ሎሚ ከኣ ሳልሳይ ክፋል ነቅርበልኩም፣ ኣብ መዛዘሚ ካልኣይ ክፋል ‘‘ነታ እግዚአብሔር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕዝብን ባህልን ዝዘርኣ ሥልጣኔ ፍቅሪ እናኰስኰስካን ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ዝግለጽ ፍልጠት ደቂ ሰባት ማለት ተሎግያውን ፍልስፍናውን ማሕበረሰባውን ሳይንሳውን ፍልጠት እናእወሃሃድካን’ ክግበር ከምዝከኣል ይእምቱ፣’ ብእትብል ሓረግ ዛዚምናያ ነርና፣ ካብዚ ቀጺሉ እቲ ቍዋም ኣብ ቊጽሪ ስለስተ፣ እዚ ናይ ትንተናን ኣተና መአንፍትን ሃብታም ውርሻ እዚ በቲ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለማት ዝነብር ሕዝበ እግዚአብሔር ብመንጎኝነት ማሕበራውን ባህላውን ዘዘውተሮ ሓለዋ ምስ ዝተፋላለየ ባህልታት ብምውሳእ ተፈቲኑን ሃብቲሙን እዩ፣ ኣብ ጭቡጥ ነገር በጺሑ ውሳኔ ንክ ወሃቦ ከኣ ግዜኡ ስለዝበጽሔ በታ ኪዲ መሃሪ ዝብል ተልእኮ ዝተቀበለት ቤተክርስትያን ዝተሓተ ጥበብን ትብዓትን ዝመልኦ ሕዳሴ መጽናዕትታት ቤተክርስትያን ግብሪ ኵውዕል ይእወጅ ኣሎ፣

 

ሎሚ ከም ሎሚ ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘድሊ ቀዳማይ ነገር ከኣ ከምቲ ኣብ ኢቫንጀልዩም ጋውድዩም ሓሴት ወንጌል ቊ.5 ተመልኪቱ ዘሎ መላእ ሕዝበ እግዚብሔር ናብዚ መንፈስ ዝመልኦ ሓዲሽ ደረጃ ስብከተወንጌል ንምስላፍ ስንድው ምዃን እዩ፣ እዚ ከኣ ወሳኒ ናይ ምልላይን ምንጻሕን ምሕዳስን ጉዕዞ ይሓትት፣ ኣብዚ ጉዕዞዚ ምስቲ ናይ ቤተክርስትያን መጽናዕትታት ዝሰማማዕ ተሓድሶ ሥርዓተ ትምህርቲ ወሳኒ እስትራተጂካዊ ግደ ኣለዎ፣ እዚ መጽናዕትታት እዚ ንካህናትስ ይኹን ንሰብ ውፉይ ሕይወት ደቂ ተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ከምኡ እውን ንህርኩታት ምእመናን ብቚዕ ኲስኰሳ ንምቅራብ ዕድል ዝኸፍት ክኸውን ኣለዎ፣  ማዕረ ማዕረኡ እዞም ሰባትዚኦም ነቲ ቤተክርስትያን ዝተላእከትሉ ብክርስቶስ ዝመጸና ግልጸት ብተግባር ዝትርጉሙን፣ በቲ ንሕዝበ እግዚብሔር ብብዙሕ መንገዲ ዘሀብትምን ንሓባራዊ እምነት ምእመናን ናብ ሥልጣናዊ ትምህርቲ ጳጳሳት ዘሰጋግርን ንውህበት ነቢያት ናብ ሊቃውንትን መማህራን ንባበ መለኮትን ዘሰጋግርን መንፈስ ቅዱስ ዝዕድሎ ጥበብ ዝቅለቡን ስለዝኾነ ናይዚ ኩሉ ባህላዊ ቤተሙከራ ክኾኑ ዝተጸውዑ እዮም፣  

 

እዚ ነታ ካብ ገዛእ ርእሳ ውጽእ ኢላ ንእትምህር ቤተክርስትያን መሰረታዊ እዩ፣ እዚ ከኣ ሎሚ ናይ ለውጢ ግዜ ጥራይ ኣይኮናን ንምልከትን ንነብር ዘሎና እንታይ ደኣ ሱር በተኽ ዝኾኑ ናይ ዘመና ኣተና ምቅያር ንዕዘብ ኣሎና፣ እዚ ከኣ ሰፊሕ ስነሰብኣውን ኣከባብያውን ቅልውላው እዩ፣ ስለዝኾነ ከኣ ዕለት ዕለት ኣብ ናይ መጨረሻ ጥርዞም ዝበጽሑ ነገራ ንዕዘብ ኣሎና፣ እዚ ከኣ በቲ ቅልጡፍ ለውጥን ባዕልና እንፈጥሮ ውርደትን እዩ፣ እዚኦም ከኣ ሰፋሕቲ ባህርያውያን ሓደጋታት ምስቲ ማሕበራውን ቁጠባውን ቅልውላው ይድመር፣ ሕጽር ብዝበለ ኣገላልጻ ናይ ዓውለማዊ ምዕብልና ሞደላትና ክንቅይርን ናይ ምዕብልና ትርጉም ብሓዲሽ ሃሰስ ክንብልን ንግደድ ኣሎና፣ ነዚ ቅልውላው እዚ ንክንገጥሞ ገና ኣድላዩ ዝኾነ ባህሊ ኣይረኸብናን ኣሎና፣ ሓደስቲ ጐደናታት ከይንፈጥርን ከይንምርሽን ክኢላዊ መሪሕነት ይጐድለና፣ እዚ ሰፊሕን ኣጨናቅን እጃም ዕዮ እዚ ኣብ መሰረታዊ ባህላዊ ደረጃ ኣካዳምያውን ሳይንሳውን መጽናዕቲ የድልዮ፣ ሰፊሕን ለገስን ዝኾነ ጻዕሪ ኣብቲ ሃጓፍ ኣጋጢምዎ ዘሎ ኩነትና የድልዮ፣ ሕጽር ብዝበለ ተባዕ ባህላዊ ሰውራ የድልየና ኣሎ፣ ኣብዚ ሥራሕ እዚ ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሑ ዘሎ ዪኒቨርሲታትን ፋክልቲትታን ናይ ቤተክርስትያን መባዅዕትን ጨውን ብርሃን ናይ ወግኔል ክርስቶስን ኣብ ቤተክርስትያኑ ዝነብር ሕያው ባህልን ብምዃን ንሓደስቲ ኩነታትን ሓሳባትን ክፉታት ኮይኖም ወሳኒ ግደ ከበርክቱ ዝተጸውዑ እዮም፣

 

ሎሚ ንሕይወትን ንዓለምን ሰብኣውነትን ብዝበለጸ ንምርዳእ ሓቀኛ ወንጌላዊ ትርጓሜ የድሊ እሎ፣ እዚ ከኣ ጽማቊ መጽናዕቲ ዘይኮነ ብመንፈሳዊ ሃዋሁ ዝዓሰሎ ሃሰሳን ኣብ ሓቅታት እምነትን ኣመክንዮን ዝተመስርተ ርግጽነት የድልዮ፣ ፍልስፍናን ተሎግያን ሓደ ሰብ ኣእምሮኡ ክሰርዓሉን ከሐይለሉን ድላዩ ከብርሃሉን ዘድሊ ስርርዕ ንክረክብ ይሕግዙ ኮይኑ እዚ ፍረ ዝርከበሉ ብክፉት ኣእምሮን ብርክኻ ዓጺፍካ ተንበርኪኽካን እንተተገሩ እዩ፣ ብናይ ገዛእ ርእሱ ክእለትን ሓሳባቱን ዚዓግብ ተሎግያዊ ኣምሰሉ እዩ፣ ሓቀኛ ተሎግያውን ፍላስፋን ሓሳባቱ ድሩትን ዘይፍጹምን ምዃኑ ኣሚኑ ልቡን ኣእምሮኡን ንዕብየት እግዚብሔርን ሓቁን ከፊቱ ከምቲ ሕጊ ቅዱስ ቪንሰንት ዘለሪን ዝገልጾ ‘ዶግማ ቤተክርስትያን እውን እንተኾነ ነዚ ሕጊ እዚ እዩ ክኽተል ዘሎ’ ዝበሎ ወትሩ በዚ ክምዕብል ኣለዎ፣  

 








All the contents on this site are copyrighted ©.