2018-02-08 16:48:00

ናይ ዝሳደዱ ማሕብረ ክርስቲያን ትብዓት ተመሃሩ


ብፁዓን ጳጳሳት ዝተፈልለያ ሃገራት ካብ ሓምሻይ ዓመት ድርኩኺት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምስላምን ብዛዕባ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሃገሮምን ምእመናን ናይ ሃገሮምን ኣማእኪሎም ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘትዮም መሪሕ ቃል ዝቕበሉሉ መደብ መሰረት ኣብ ዒራቕ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊክዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ዕለት 6 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣቀባብላ ተገይርሎም ድሕሪ ዝተኻየደ ርክብ፡ ኣብ ዒራቕ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ባቢሎን ሰበኻ ፓትሪያርክን ኣብ ባግዳድ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽትለ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ኤጳርቅና ሜጥሮፖሊታ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ኣቦ መንበርን ናይ ኢራቕ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኣቦ መንበር ብፁዕነቶም ልዊስ ራፋኤል ቀዳማዊ ሳኮ ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተገብረሎም ኣቀባብላን ዝተለገሰሎም ቃለ ምዕዳን ብሓቂ ቅዱስነቶ ናይ ዒራቕ ማሕበረ ክርስቲያንን መላእ ሕዝብን ኩነታት ብቐረባ ከምዝከታተሉን ቅርበቶም ብሓቂ ነታ ኣብ ዒራቕ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጽንዓት ምዃኑ ምስ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኤማኑኤላ ካምፓኒለ ኣብ ዘካየድዎ ቃል መሕትት ገሊጾም።

ኣብ ዒራቕን ኢራንን ቱርክን ሶሪያን ዘሎ ብሓፈሻኡ ብዛዕባ ማእከላይ ምብራቕ ኩነታት ዘለዎም ጥልቂ ግንዛቤ ልዑልን ከምኡ እውን ስለ እቲ ከባቢ ኣዚዮም ከምዝሻቐሉን ወትሩ ከምዝጽልዩን ዘረጋገጸ ርክብ ከምዝነበረ ዝሓበሩ ብፁዕ ኣቡነ ሳኮ እቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዝተኻየደ ርክብ ድማ ቅዱስነቶም ንሃገረ ቫቲካን ንወግዓዊ ምብጻሕ ንዝኣተዉ ናይ ቱርክ ርእሰ ብሔር ራጃብ ጣዪፕ ኤርዶጋን ተቐቢሎም ድሕሪ ዘካየድዎ ክሌኣዊ ርክብ ስዕቡ ዝተፈጸመ ምዃኑ እውን ሓቢሮም፥ ኣብ ዒራቕ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ዘሰክፍ ኩነት ንምልዋጥ ዘኽእል መደብ እንተለዋ ቅዱስነቶም ክሕበሮምን ብምሉእ ድጋፎም ክረጋገጹ ስንድው ምዃኖም ብቐዳምነት ከምዝጽዕሩ ዝተረጋገጸሉ ርክብ እዩ ኔሩ ኢሎም።

ቃል ቅዱስነቶም ተስፋን ልዕሉ ሓይልን ዓዲሉናን ብመልክኣ ምድራዊ ኣቀማምጣ ተራሓሒቕና እንነብር እውን እንተዀነ ቃሎም ምዕዳኖም እቲ ኣብ ክርስቶስ ዝጸንዕ ቅርበትና ውህደትን ሓድነትን ዘረጋግጽን ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ዒራቕ ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ እውን እንተዀነ ሓይሉን ብዙሕነቱን ኣብ ኵላውነት ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ዝመስከረ እዩ። ስለዚህ እቲ ስደትን መከራን ማሕበረ ክርስቲያን ዒራቕን ማእከላይ ምብራቕን ናይ ኵላ ቤተ ክርስቲያን ስደትን መከራን እዩ። እቶም ናይ ማእከላይ ምብራቕ ማሕበረ ክርስቲያን ተናዘዝቲ እምነት እያቶም ምስ በሉ፥ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ምዕራብ ዓለምን ነዞም ኣብ ስደትን መከራን ዝርከቡ ማሕብረ ክርስቲያን ዓቢይ ኣኽብሮት ክህልዎ ይግባእ። እዚ ከኣ ብቤት ጽሕፈታዊ ምሕደራ ከይድታት ጥራሕ ክርአይ ምግባር ኣየድልን። ስለዚህ ቅዱስ ኣቦና ብሓባር ምስ ናይ ምስራቕ ስርዓት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበርን ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርን ብምርኻብ ኣብ ዝተኻየደ ዝርርብ ሲኖዶሳውነት ከምእተነብረ የመልክቱ እንክብላ ካምፓኒለ ገሊጸን።

ማሕበረ ክርስቲያን ዒራቕ ብሓፈሻኡ ማሕበረ ክርስቲያን ማእከላይ ምብራቕ ኣብቲ ከባቢ ብዘሎ ውጥረትን ዘይምርግጋእን ቤትን ንብረቱን ዛሕዚሑ ንኽስደድ ምኽንያት ዘለዎ እውን እንተዀነ እቶም ኣብ ሃገረይን ዓደይን ቢሎም ንኹሉ ጸይሮም ካብ ተሰዲድካ ምንባር ዝቑጠቡ ጽንዓቶም ኣብነታዊ እዩ። እዚ ኸኣ ንመላእ ማሕበረ ክርስቲያን ዓለም ናይ እምንት ጽንዓት ዝምስክር እዩ። ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ላዕለዎት ጳጳሳዊያን ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ንማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ዒራቕን ኢራንን ሶሪያን ብዙሕ ክዓዩ ይግብኦም ኣብ ምዕራብ ዓለም ዝነብር ማሕበረ ክርስቲያን ካብ ዒራቓዊ ማሕበረ ክርስቲያን ጽንዓት ኣብ እምንትን ዛዕባ ስድራ ቤትን ሱታፌን ክመሃር ይኽእል እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ካምፓኒለ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.