2018-02-09 16:43:00

መዓልቲ ጸሎት ጸረ ንግድ ሰብ፡ ቅዱስ ኣቦና፥ ኣብ ቅድሚ እዚ ጸረ ሰብኣዊ ተግበር’ዚ ኣብ ሱቕታ ክንተርፍ ኣይግባእን


ዕለት 8 ለካቲት ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል ቅድስቲ ጁሰፒና ባኪታ ከምዘብዓለት ክዝከር እንከሎ፡ እዛ ቅድስቲ ኣፍሪቃዊት ኣብ እትዝከረሉ ዕለት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸረ ንግድ ሰብ ዝሕሰበሉን ዝጽለየሉን ዕለት እውን ክኸውን እንከሎ፡ ቅድስቲ ባኪታ ካብ ጊልያነት ተላቒቓ ብርሃን ኢየሱስ ተቐቢላ ገዛእ ርእሳ ንኽርስቶስን ቤተ ክርስቲያንን ብምውፋይ ዝነበረቶ ሕይወት ብምዝካር ቤተ ክርስቲያን ነተን ኣደዳ ዓመጽን ኣብ ፈቖዶ ጐደናታትን ዝሳቐያን ከምኡ እውን ብዙሓት ብሩህ መጻኢ ኣሚቶም ዝስደዱን ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምዕዳንን ኣብነትን እናተመርሔት ምስቲ ኣብቲ ዝሳቐይ ሰብኣዊ ፍጡር ዘሎ ኢየሱስ ክንራኸብ ተነቓቕሓና።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ባኪታ ኣብ እትዝክረሉ ዕለት በቲ ኣት ፖንቲፈክስ ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም ዕለት 8 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ብመንፈስ ምሕረት ነቶም ናይ ሰብኣዊ ንግድ ኢሰብኣዊ ተግባር አደዳ ዝዀኑን ካብ መዓት ውግእን ጥምየትን ዘምልጡ ነእንግድ  ዝብል መልእኽቲ ፈንዮም ከምዝነበሩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ድቦራ ዶኒኒ ኣዘኻኺረን ቅዱስነቶም ኣብ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ስለ ጸረ ሰብኣዊ ንግድ ዝጽለየሉ ዕለት እውን ምዃኑ ብምዝኽኻር በታ ዕለት እቲኣ ደጊሞም በቲ ናይ ትዊተር  ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ብሚሊዮናት ዝቑጸረ ሰብኣዊ ክብሮም  ዝቆሰለ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝነብርዎ ስቓይ  እናረኣና ኣብ ሱቕታ ክንተርፍ ኣይንኽእልን  ዝብል መልእኽቲ እውን ከምዘመሓላለፉ ጠቒሰን፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብ እንነብረሉ እዋናዊ ዓለም ካብ ቀደም ሎሚ ሰብኣዊ ፍጥረት ንግሊያነት ሓደጋ ተቓሊዑን ሰብኣውነቱ ሓሲሩን ትሕቲ ሰብኣውነት ዘሕስር ዝተፈላለዩ ጸረ ሰብኣዊ ተግባራት ብብዝሒ ዝረኣየሉ ከምዝዀነ ዕለት 7 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዝለገስሉ ዕለት ብምዝካር እውን ብዙሓት ኣብ ንግድ ሰብ ዝዋፈሩ ናይ ገበን ጉጅለታት ፍጥረት ሰብ ኣብ ሕይወቱ ዘጋጥሞ ሓደጋን መዓትን እናተጠቀሙ ሰብ ኣብ ምልዋጥን ምሻጥን ተዋፊሮም ናይ ብዙሓት ስደተይናታትን ተመዛበልትን ድኻታትን ሕጻናትን መንእሰያትን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሕይወት ንዝኸፍኤን ዘስካሕክሕን ሰብኣዊ ክብሪ ናብ ዘሕስር ሓደጋ ይዳርጉ ምህላዎም ጠቒሶም፡ ነዞም ናይ ገበን ጉጅለታት ንምቁጽጻርን ሰብኣዊ ፍጥረት ካብዚ መዓት ግሊያነት ንምልቓቕ ኣብ ምክልኻሎም ሓይልና ነዋህድ ምስ በሉ ጐይታ ናይቶም ናይ ገበን ጉጅለታት ልቢ ክልውጥ ንጸልይ ከምዝበሉ የዘኻኽራ።

እቲ ዕለት 8 ለካቲት ተሓሲቡ ዝወዓለ መዓልቲ ጸረ ንግድ ሰብ  መርሕ ቃል ስደት ብዘይ ሰብኣዊ ንግድ፡ እወ ንነጻነት እምቢ ንግሊያነት  ዝብል ከምዝነበረ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ዶኒኒ ኣስዒበን በቢ ዓመቱ ምስ ዓመታዊ በዓል ቅድስቲ ባኪታ ተተሓሒዙ ዝዝከር መዓለቲ ጸረ ግልያነት ምኽንያት ጉጅለ ቅድስቲ ማርታ እተሰምየ ማሕበር ዘነቓቕሖ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያንን ሓይሊ ጸጥታን ሓለዋ ጸጥታን ወከልትን ዝተፈላለዩ ኣብ ጸረ ሰብኣዊ ንግድ ዝዓዩን ዘገልግሉን በርገሳውያን ማሕበራትን ዘሳተፈ ናይ ክልተ መዓልቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ካብ ዕለት 8 ለካቲት ክሳብ ዕለት 9 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ከምእተኻየደ ሓቢረን።

ደናግል ኣባላት ማሕበር መናንያን ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ጸረ ንግድ ሰብ ዝዓዪ ታሊታ ኩም እተሰምየ ማሕበር ኣወሃሃዲት  ናይቲ በቢ ዓመቱ ዕለት 8 ለካቲት ተሓሲቡ ዝውዕል ዓለም ሓቆፍ ጸረ ንግድ ሰብ መዓልቲ ጸሎት ኣወሃሃዲት እናቴ ገብረኤላ ቦታኒ ምስ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ኔውስ ቢያንካ ፍራካልቪየሪ ኣብ ዘካየድኦ ቃለ መሕትት፥ ናይ ለምዘበን ናይ ጸረ ንግድ ሰብ መርሕ ቃል፡ ኣብ ግብረ ንግድ ሰብን ስደተትን ምዝብልናን ዘሎ ሓደገይና ምትእስሳር ዘመላኽት እዩ፡ እንክብላ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ወለንተይናታት ንምዕባለ ናይ ዘሳልጦ መደብ ልምዓት ኣወሃሃዲት ባርባራ ተረንዚ እውን ብወገነን ምስ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ኔውስ ስተፋኖ ለችይንስኪ ኣብ ዘካየድኦ ቃለ መሕትት፥ ዘይሕጋዊ ስደትን ንግድ ሰብን ዝተሓላለኸ ጉዳይ እዩ፡ ከምዚ ስለ ዝዀነ ድማ ብዙሓት ስደተይናታትን ተመዛበልትን ንሓድሽ ግሊያነት ሓደጋ ተቓሊዖምን ይርከቡ ቢለን፡ ንግድ ሰብ ጠሪሹ ክወገድ ካብ ግልን ክሳብ ብሔራውን ዓለም ለኻውን መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያን ተቕዋማት ዘይሕለል ውሁድ ጻዕሪ የድሊ ኢለን።








All the contents on this site are copyrighted ©.