2018-02-09 09:41:00

ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16፥ ብፍቕርን ብሰናይነትን ዝተኸበ ናብ ቤተ-ኣብ ነጋዳይ እየ


ኣብ ሃገረ ቫቲካን ካብ ዝርከብ ኣመ ቤተ ክርስቲያን ገዳም መንበሪኦም ቅዱሰቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብናይ ኢጣሊያ ዕለታዊ ጋዜጣ ኮረረ ደላ ሰራ ኣቢሎም ብዙሓት ምእመናንን ሊቃውንትን ናይ ባህልን ፖለቲካን ኣካላትን ብዛዕባ ህልው ኩነታቶምን ጥዕናኦምን ዝኣመሰሉን ዘቕረብዎ ሕቶታት ብሓደ ኣኪቦም ዝሃብሉ ጥርኑፉ ናይ መልሲ መልእኽቲ ናብቶም ናይ ኢጣሊያ ኮረረ ደላ ሰራ ናይ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ጋዘጠይናን ደራስን ናብ ፍቱው ዶክተር ማሲሞ ፍራንኮ ብዝብል፡ ኣብ ኢድ ዝርከብ ሕጹጽ ሰታሪት ገይሮም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥

ፍትው ዶክቶር ፍራንኮ፥ እቲ ኣብ ኮረረ ደላ ሰራ በቢ ዕለቱ ካብ ኣንበብቲ ናይቲ ዕለታዊ ጋዜጣ ብዛዕባይ ዘቕርብዎ ሕቶ እንከንብብ ብሓቒ ልበይ ከምእተተንከፈን ብፍላይ ዕለታዊ ሕይወተይን ህርመታዊ ከይድታቱን ጥዕናይ እውን እንታይ ይመስል ንዝብል ሕቶ ኵሉ ናብ ቤት ኣቦ ብፍቕርን ሓልዮትን ዝተሓባሓበ ነጋዳይ እየ፡ ስለ እትዝክሩንን እትሓስቡንን ድማ እዚ ንዓይ ዓቢይ ጸጋ እዩ። ኣብዚ ኣብ ናይ ምድራዊ ሕይወት ፍጻሜ ጉዕዞይ ኣካላዊ ድኻም ዝስምዓኒ እውን እንተዀነ ክገልጾ ብዘይኽእል ልዑል ፍቕርን ሓልዮትን ሰናይነትን ዝተኸበብኩ እየ፡ እቶም ናይቲ ጋዜጣ ኣንበብቲ ብዛዕባ ኩነታተይ ኩነታት ጥዕናይን ንምፍላጥ ኣብ ዘቕረብዎ ሕቶ፡ ኣብ ዕለታዊ ሕይወተይ ዘሰንየኑ መጓዕዝቲ ከምዘለዉኒ የመላኽተኒ፡ ንኹሎም ጸሎተይ አረጋግጽ የቐንየለ።

ምስ ልባዊ ሰላምታ

በነዲክቶስ መበል XVI

ከምዝበሉ ልኡኽ ቫቲካን ነውስ ጋዜጠይና ሮበርቶ ፒየርማሪኒ ሓቢሮም።

ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ኣካላዊ ድኻም ዝስምዖም ከምዝዀነ ኣብ መልኽቶም ሓቢሮም፡ ናብ ቤት-ኣቦ ነጋዲ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብን፡ ነቶም ብዛዕባኦም ንዝሓቱ ናይቲ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣንበብቲ እውን ስለ እትዝክሩንን እትሓስቡንን የቐንየለይ ዝብል ቃል ዘጠቓለለ ነቲ ናይ ቅዱስነቶም ሰታሪት ዝተቐበሉ ጋዜጠይና ናይ ዕለታዊ ጋዜጣ ኮረረ ደላ ሰራ ፍራንኮ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፡ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝሃብዎ መልሲ፡ ሕጽር ብዝበለ ቃል ዓሚዩቕን ብዛዕባ ህልው ኩነታቶም ምሉእ ግንዛቤ ዝህብ መልእኽቲ እዮም ዘመሓላለፉ። እቲ ኣብ መንጐ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16ን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ዘሎ ርክብን ኣብዚ ርክብ’ዚ ዝንበር ተራኽቦነት ብሓቂ ኣብነታዊ ምዃኑ የዘኻኽር። ክልተ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት እቶም ሓደ ልሂቅ እቶም ሓደ ኣብ ኣገልግሎት ዘለዉ ክውን ር.ሊ.ጳ.፡ እቲ ናይዞም ክልተ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብምንም ዓይነት ሕጊ ዘይመሓደር ነቲ ናይዞም ክልተ ዓበይቲ ናይ እዋንና ሰባት ጥልቅን ዓሚይቕን እምነት ዝተሓድገ ብሓባር ናይ ምንባር ስኒት ዘድምዕ እዩ። እዚ ድማ ነቲ እንነብረሉ ዓለም ኣብነት እዩ ኢሎም።

ክልተ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት፡ እቶም ሓደ ልሂቅ እቶም ሓደ ድማ ክዉን ቅዱስ ኣቦና ብሓባር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝነብሩ፡ ብዙሕ ነገር ዝተፈላለዩ እውን እንተዀነ እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ተጽዕኖ ከይኰነን ክገማምዕ ዝኽእል ተሓላላኺ ኣመለኻኽታ ዘይመሓላለፈሉ ልሂቅነቶ ንክውን ር.ሊ.ጳ. እዙዝ ኰይኖም ይነብሩ፡ እዚ ዅሉ ኣብ ናይ ክልቲኣቶም ልቢ ዝተሓትመ ማንም ብእምነት እንተዘይኰነ ብዓይነ ስጋ ክርድኦ ዝይኽእል ምስጢር እዩ። ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትሑትን ዓሚዩቕ መንፈሳውነት ዝነብሩ እዮም ኣብ መልእኽቶም ዘስፈርዎም ቃላት ቤተሰብኣውነት ዘስምዕ እዩ፡ ብዙሓት ስሌኦም ብምግዳሶም የቐንየለይ ይብሉ፡ ይኹን ደኣ እምበር እነመስግኖም ኣንሕና ኢና እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.