2018-02-12 16:48:00

ቅዱስ ኣቦና ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ፓናማ ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ከም መንፈሳዊ ነጋዲ ተመዝጊቦም


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍርንቸስኮ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ፓናማ ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ንምስታፍ መንእሰያት ዝምዝገብሉ መረብታዊ መዝገብ ከም መንፈሳዊ ነጋዲ ተሳታፍኖቶም ብምርግጋጽ ቀዳማይ ተመዝጋቢ ከምዝዀኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ሚከለ ራቪያርት ሓቢሮም።

ቅዱስነቶም ዕለት 11 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብዝ አዕረግዎ ዘሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ሓዋውርያዊ መስኮቶም ኰይኖም ብኽልተ መንእሰያት ተሰንዮም ኣብቲ መንእሰያት ኣብ ናይ 2019 ዓ.ም. ኣብ ፓናማ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዝምዝገብሉ መረብት ስሞም ከምዘንበሩ ዘመልከቱ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ራቪያርት ኣስዒቦም፥  ቅዱስ ኣቦና መንእሰያት ኣብቲ ኣብ ፓናማ ንኽካየድ ዝተወሰነ ዓለም ሓቆፍ ምዓልቲ መንእሰያት ናይ ተሳታፍነት ውሳኔኡ ብእምነትን ብውዕዉዕ ስሚዒትን ጸጋ ምዃኑ ተኣሚኑ ክነብሮ ሓድራ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ ብኵላዊት ቤተ ክርስቲያን በቢ ክልተ ዓመት ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ምኽንያት እቲ ናይ 2019 ዓ.ም. ኣብ ፓናማ ክካየድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምዝወሰኑ ቅድም ክብል ተሓቢሩ ከምዝነበረ ክዝከር እንከሎ ዝካየደሉ ዕለት ድማ ካብ ዕለት 22 ክሳብ ዕለት 27 ጥሪ ምዃኑ ናይ ፓናማ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኾሰ ሞኒንጎ ኡያኦ መዴታ ዕለት 20 ጥሪ 2017 ዓ.ም. ኣብ ሰበኻኦም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሓበሩ ናይ ፓናማ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ክቅድም ክብል ወግዓዊ ሓበሪታ ሂቡሉ ከምዝነበረ ዝዝከር ኰይኖ፡ ወርሒ ጥሪ ንኽካየድ ዝተወሰነሉ ምኽንያት ድማ ናይ ፓናማ ናይ ኣየር ጠባይ ግምት ብምሃብ ምዃኑ ይንገር።

ኣብ ፓናማ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነቶም ናይ 2019 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መንእሰያት ተሳተፍቲ ንምእንጋድ ዓቢይ ሃረርታ ዘለዋን ኣእዳዋ ዘርጊሓ ከምእትቕበሎምን፡ እቲ ዝካየደሉ እዋን ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ናይ ዕረፍቲ ጊዜ እውን እንተዘይኰነ ብዙሓት መንእሰያት ከምዝሳተፉ ተስፋ ተነቢሩ ከምዘሎ ክምልከ እንከሎ፡ ናይ ፓናማ መንእሰያት ናይቲ ኣብ ሃገሮም ንኽካይድ ናይ ዝተወሰነ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያ ቀንደይና ተዋሳእቲ ኰይኖም ከምዝርከቡን ንመላእ መንእሰያት ዓለም ፓናማ ቤተ ክርስቲያናውነት ዘስምዕ ናይ ሓባር ናይ እምነት ተመክሮ ንምክፋል ልባታ ከፊታን ኣእዳዋ ዘርጊሓን ብእምነት ንቅዱስ ኣቦናን ተሳተፍትን መንእሰያ ክትቅበል ስንድውትን ዕድልትን ምዃና ናይ ፓናማ ብፁዓ ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.