2018-02-12 09:23:00

ብፁዕ ካርዲናል ባኛስኮ፥ ፍጻሜ ጥብረት ወይ ዕዋጀ ንኤውሮጳ ጸጋ እዩ


ኣብ ቫቲካን ረዲዮ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ማርኰኒ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብብፁዕ ካርዲናል ቫን ቷን ዘ ትሬስተ ዝጽዋዕ ዓለም ሓቆፍ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበራዊ ጉዳይ ጠመቕ ትምህርቲ ተዓዛቢ ኣካል ዘሰናደዎ ዓውደ ጉባኤ ታሽዓይ ጸብጻብ ዘቕርብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕብራዊ ጠመቕ ትምህርቲ ኣብ ዓለም፡ “ኤውሮጳ፡ ፍጻሜ ጥብረት “ ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ሕብረት ኣቦ መንበር ኣብ ኢጣሊያ ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ኣሳቲፉ ከምእተኻየደ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ጋብሪኤላ ቸራዞን ካብ ዘመሕላለፈኦ ጸብጻብ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብፁዕ ካርዲናል ባኛስኮ ኣብ ዘቕረብዎ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍ፥ ነቲ ኣብ ኤውሮጳ ዘሎ ህልው ኩነታት ተስፋ ብዘየወግድ መገዲ ንጹር ትንተና እንክህቡ፡ ሎሚ እውን ትኽክለይና ስነ ሰብእ ትንተናን ሓቀይና ዕሴታት ብትዕግስትን ተጻዋርነትን ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ እዋን ኤውሮጳ ግና ሃይማኖትን ግብረ ገብን ብዝንጽል ብጉኡዛዊ ዓለማውነት ትዝቕብብ ኣላ። ኣብዚ ዓይነት ከይዲ’ዚ ድማ ኤውሮጳዊ ዜጋ ዝውከሶ ምእኩል ነጥብ ይስሕት ኣሎ። ኣብ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ቅዋምን ውዕላትን ብዛዕባ ሰብኣዊ ክብሪ ይዝረብ እዩ። ይኹም ደኣ እምበር እዚ ክብሪ’ዚ ንመን እዩ ብሓደራ ዝተውሃበ፡ ኣብ ምንታይ እዩ ኸ ዝቐውም፡ ኣብ ናይ ኣባይቲ ፍርዲ ሕግታት ድዩ? ከምዚ እንተድኣ ኰይኑ እዚ ንበይኑ እዅል ከምዘይኰነ ተንቲኖም፡

ቁሳዊ ርእየትን ስነ ምግራዊ ተዛማድነትን ንኤውሮጳ ዓቢይ ስግኣት እዩ። በዚ ዓይነት ኣነባብራ’ዚ ከኣ ኤውሮጳ እግዚኣብሔር እንተዘይህሉ ኸ ዝብል እሞ ኣብ ቍሳዊን እህላኽነትን ዝቖመ ነቲ ብነገር ዘይተኻኸልን ዘይረውን ኣብ ሰብኣዊ ምዃን ዘሎ ጽምኢ ወይ ባዶነት ኩሉ ኣብ ሰብን ካብ ሰብን ከምዝዀነ ብምእማን ንምትኽኻልን ንምርዋይን ይፍተን፡ ሰብ ብሰብኣውነቱ ባዕሉ ንገዛእ ርእሱ ብቑዕ እዩ ዝብል ኢእግዚኣብሔራውነት ኣነባብራ። ግን ከ ከምዚ ኢልካ ክሳብ መዓስ? ኣብዚ ዅሉ ሕቶ እዚ ክርስትና ዝህቦ መልሲ ክተርፍ ዘይኽእል ሓቂ እዩ። ስለዚህ ሰብ ብዛዕባ መጻእን ገዛእ ርእሱን ክብሩን ዕቑር ሓይሉን ሕቶ ኣብ ዘቕርበሉ እዋን ክርስቲያን ክንጐድል ዘይከኣለና ባይታ ይኸውን። ክርስቲያን መልሲ ኣይኰነን እንታይ ደኣ ነቲ መልሲ ዝዀነ ሓቂ ዘቕርብ እዩ።

ናይ ፖለቲካ ኣካላት ኣርሒቖም ነቲ ዝኽሰት ዘሎ ህዝብነት ዝብል ፖለቲካዊ ከይዲ ዘይጥምቱን ግምት ዘይህቡን ይዀኑ ኣለዉ፡ እቲ ጥንታዊ መሰረተ ዴሞክራሲ፡ እታ ፍጻሜን ናይ መወዳእታን ኵላዊትን ነባሪትን ሓቂ ዘይስሕት እዩ ኔሩ፡ ርእዮቶ ዘይኰነስ ሓቂ፡ ሎማዊት ኤውሮጳ ግና ነዚ ስሒታ ናብቲ ዓሚዩቕ ሕይወት ሰብ ዘይትምልከት ኰይና ዘላ እያ ትመስል። ህዝብነት፡ ቡኹራት እግዚኣብሔርነት ዝብል ኣመለኻኽታን ዓይነት ኣነባብራን ንናይ ኤውሮጳ ውህደት ሓደጋ ድያቶም? ብርግጽ ኣብ ኤውሮጳ ውከሳ ኣብ እግዚኣብሔር እንተዝነብርን ፍርሒ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሔር ዘይኰነ ፈሪሃ እግዚኣብሔርነት ባህላ ኣፍልጦ እትህብ እንተትኸው ናታ ኰነ ናይ ሕዝባ ጸገም ምተፈትሔ ኔሩ። እቲ ህዝብነት ዘለዓዕል ዘሎ ኩነት ዝትንትን ዘጽንዕ ዓቢይ ፖለቲካ የድሊ።

ናይ ሕብረት ኤውሮጳ መስረትቲ ኣበው ከይፈርሑ ንምሉእ ውህደት ኤውሮጳ ኣስርቱ ትእዛዛት መሰረት እዩ ይብሉ ኔሮም። እዚ ከብሉ እንከለዉ ንኑዛዜ ሃይማኖት ሓሊኖም  ኣይኰነን። እንታይ ደኣ እቲ ብግልጸት ዝተዓደለ ኣስርቱ ትእዛዛት ናይ ብሉጽ ሰብ መምዘኒ ስለ ዝዀነ እዩ። ስለዚህ ሎሚ ካብ ቀደም ኣስርቱ ትእዛዛት ኣብ ኤውሮጳ መወከሲ ባህሊ ክኸውን ኣዚዩ እዋኑ ዝሓቶ ሓቂ እዩ፡ ኣስትርቱ ትእዛዛት ኵላዊ እዩ እንክብሉ ዘቕረብዎ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍ ከምዘጠቓለሉ ቸራዞ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.