2018-02-12 09:20:00

ኣባ ስፓዳሮ፥ ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ስነ መሬት ኣቀማምጣ ፖሊቲካ ኣብ ምሕረት ዝተሰርተ እዩ


ካቶሊካዊ ስልጣኔ ናይ እተሰምየ ብኢየሱሳውያን ማሕበር ዝሕተም ክልተ ሰሙናዊ መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ኣንቶኒዮ ስፓዳሮ ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓድሽ ዓለም ብዝብል ኣርእስቲ ዘጠናቐርዎ ሓድሽ መጽሓፍ ናይቲ መበል 50 ዓመት ምስረታኡ ዘብዕል ዘሎ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ መስራቲ ናይ ስነ ታሪኽ ሊቅ ፕሮፈሰር ኣንድረያ ሪካርዲ፡ ናይ ኢጣሊያው ወኪል ውጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ናይ ኢጣሊያ ረፑብሊካ ናይ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ዘጋቢ ዛዕባ ሃገረ ፓቲካን ናይ ስነ ቫቲካን ሊቅ ጋዘጠይና ፓውሎ ሮዳሪ ኣላዛብነት ብዝመርሕዎ ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ወጻኢ ልኡካን ጋዜጠይናታት ማሕበር ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብወግዒ ንንባብ ከምዝበቕዔ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።

እቲ ብቤት ማሕተም ማርሲሊዮ ዝተሓትመ ዕለት 9 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ብወግዒ ንንባብ ዝበቕዔ መጽሓፍ ኣብ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ማዕቅን ፍሉዩ ተውህቦ ኣብ ናይ ስነ ምርኻብ ብልሓት ዘተኰረ ክኸውን እንከሎ፥

ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ መልክኣ ምድር ፖለቲካ ነቲ ዝተጋማምዔ እዋናዊ ታሪኽ ዓለምን ሰብኣውን ዝፍውስ ምዃኑ ፕሮፈሰር ሪካርዲ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረግባ ገሊጾም፥ እቲ እንነብረሉ ዘሎና ኣዋን ኣብ መንጐ መንፈስ ሰናይን መንፈስ ክፍኣትን ወሳኒ ውግእ ይካየደሉ ብዝብል ኣገላልጻ ዘሕስርን ዘፍኵስን ናይ ኣቡቀለምሲሳውያን ኣኽረርቲ ኣመለኻኽታ ምስናፍ ይግባእ። እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ኣሰራርሓ ሰዓርን ተሳዓርን ኣብ ዝብል ኣተሓሳሳስባ ዘይኰነስ ኣብ ዓለም ለኻዊ ርክባት ማእከል ክኸውን ዘለዎ ዘተ እምበር ውልቀ ዘረባ ከይከውን ኣብ ዝብል ሓሳብን ተግባርን ዝቖመ እዩ፡ ናይ ኢጣሊያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትር ናይ ወጻኢ ርክባት ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊት ኤሊዛበታ በሎኒ እውን ብወገነን፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዓለም እሙን መራሒ እዮም፡ እዚ ኸኣ እቲ ዝተሓላለኸ ህልው ዕውሉም ኩነት ብግልጺ ዝገጥሙ ተግባር እዩ። ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ውልቃዊ ረብሓ ነጻ ዝዀነ ኣተሓሳስባ ዘቕርቡ እዮም ክብላ፡ ናይ ኢጣሊያ ናይ ምስማዐ ርእየት ማእከል ኣደ መንበር ሞኒካ ማጆኒ እውን ብወገነን፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በቲ ነቢያዊ ወስታኦም እቶም ዝተሓላለኹ ዝበሓሉ ጉዳያት ከይተረፈ እቲ ጭቡጥ ኩነት ክልወጥ ዝገብሩ እዮም ከምዝበላ ልኡኽ ጋዜጠያ ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣሊጦም።

         ቅዱስ ኣቦና ነኽረርቲ ብምቅላዕ ኣብ መንጐ ኣህዛብ ዘተ ክህሉ የተባብዑ

ኣባ ኣንቶኒዮ ስፓዳሮ እውን ብወገኖም፥ እቲ መጽሓፍ ናይ ቫቲካን ራዲዮ ንኢጣሊያ ኣባል ጋዜጠይና ፋቢዮ ኮላግራንደ ዝርከብዎም ዝተፈላለዩ 20 ጋዜጠይናታት ብሓባር ንኽልተ መዓልቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ኣቀማምጣ ስነ መሬት ፖሊቲካ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣተኵይሮም ድሕሪ ዘካየድዎ ናይ ሓሳብ ንጽጽር ዘቕረብዎ ጽሕፋቶም ዘጠቓለለ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ይብሉ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ስነ ርክብ ብልሓት ብዙሕ ስነ ብልሓታዊ ርክብ ኣይኰነን ስለምንታይ ኣብ parresia - ኵሉ ናይ ምባል ነጻነት  ኣብ ዝብል ሰረተ ሓሳብ ዝቖመ ብምዃኑ። ናይ ርክብ ባህሊ ማእከል ብምግባር ነቲ ኣኽረርቲ ዝፍጽምዎ ጸረ ናይ ርክብ ባህሊ ተግባሮም ዘቃልዑ እያቶም። ብነጻነት ሓቂ ምዝራብን ኣብ ዘተ ዝቖመ ርክብን ዝብል ዓይነት ናይ ስነ ርክብ ሜላ እዮም ዘነቓቕሑን ዝነብሩን ከምዝበሉ ጂሶቲ ገሊጾም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣባ ስፓዳሮ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መንጐ ሃገራት ንዘሎ ሕድ ሕዳዊ ርክብ መሰረታዊ ድርዀት ረብሓ ዝብል ጉዳይ ምዃኑ የመልክቱ፡ ሰለዚህ ኣብ ከምዚ ዓይነት ጥቕሚ ኣብ ዘቐድም ርክብ ሰናይን ክፉእን ዝብል ፍልልያት የልቦን። ከምዝቢ ብምዃኑ እቲ ዘገድስ ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ተራኺብካ ምዝታይ እዩ

እንክብሉ የስተምህሩ፡ ጥቕሚ ዘይሕልው የልቦን ይዅን ደኣ እምበር እቲ ናትካ ጥቕሚ ምድላይ ናይ ካልእ ጥቕሚ ዘወግድን ዘብርስን፡ እቲ ሓደ ተጠቃሚ እቲ ካልእ ዘይተጠቓሚ ዝገብር ክኸውን የብሉን። ናይ ገዛ ርእስኻ ጥቕሚ ኣብ ምድላይ ንናይ ካልእ ምድላይ ጥቕሚ ክፉት ምዃን ኣሎ ከምዚ እንተዘይኰነ ግና ኢጐነት እዩ ዝኽሰት፡ ስለዚህ እቲ ውልቃዊ ርክብ ከራኽብ ዝኽእል ባይታ ዝፍጠር ድማ ብዘተ እዩ። ኣብ ዝዀነ ይኹን ርክብ ዘተ ወሳኒ እዩ ኢሎም።

እቲ መጽሓፍ ይብሉ ኣብ ስፓዳሮ፥ ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ስነ መለይና ርክብ (ዲፕሎማሲ) ነቢያዊ ምዃኑ የነጽር። እዚ ከኣ ቅዱስ ኣቦና ዘማዕድውዎ ዓለም ኣብ ዕርቂ ዘተኩርን፡ ኣብ መጻኢ እትሓፍሶ ምህርቲ ዘህልው፡ ኣብ ሎማዊ ዘርኢ ምዝራእ ዝብል እዩ። ብኻልእ መዳይ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ስነ መሬት ኣቀማምጣ ፖለቲካ ኣብ ምሕረት ዝተሰርተ ምዃኑ ዘነጽር መጽሓፍ እዩ። ቅዱስ ኣቦና ናይ ኣሕዛብ ኣቝሳል ናይ ሃገራትን ኣብ መንጐ ሃገራትን ዘሎ ኣቝሳልን ፈላላይ መናድቕን ክትንክፉ ይደልዩ፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ቑስሊጐዲኣካ ምፍዋስ ዝብል ናይ ስነ ሕክምና ሜላ ዝስዕብ እዩ፡ ንምፍዋስ እዩ። ልክዕ ከምቲ ኢየሱስ ዝገብሮ ዝነበረ። ቅዱስ ኣቦና ክፍወስ ወይ መፍትሒ ክረክብ ዘይኽእል ሱር ዝሰደደ ወይ ከኣ በዛው ኵነት ጠሩሹ ከምዘየለ እዮም ዝኣምኑ። በዚ ምኽንያት’ዚ ኣብቲ ዝቝሰለ ከባብን ሕዝብን ሃገራትን ኣብ ግጭትን ዕግርግርን ዘለዋ ሃገራት ንመጻኢ ብምርሃው ዘይፍታሕ ውጥረትን ዕግርግርን ግርጭትን ከምዘየለ ይምስክሩ፡ እቲ መጽሓፍ ነዚ ኣብ ምሕረት ዝተሰርተ ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ስነ ኣቀማምጣ መሬት ፖሊቲካ ዝትንትን እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.