2018-02-12 18:18:00

ትዕግሥቲ ምግባር ኢድካ ምሃብ ዘይኮነስ ምስቲ ዘሎካ ድሩትነት ተዋሲእካ ምኽኣል እዩ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ንግሆ ኣብ ቤትጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረጕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ንጐይታ ሓይሊ ትዕግሥቲ ክህበና ንለምኖ ከመይ ከምቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝስደዱ ዘልዉ ኣሕዋትና ክርስትያን ኣብ ጉዕዞ ሕይወቶም ብዙሕ ጸገምን ፈተናን ከም ኣርዑት ተሸኪሞም ዝጐዓዙ መለለዪኦም እዚ እዩ’ እንክብሉ ሰቢኾም፣

ግጽው ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ንዕለቱ ዘቅርቦ ቀዳማይ ንባብ ካብ መልእኽቲ ያዕቆብ ‘በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩም፡ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዚገብር ፈሊጥኩምሲ፡ ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሃልዋ።’(1.1-11) ዝብል እንክኸውን ቅዱስነቶም እዛ ትዕግሥቲ ትብል ኣምር ብዙሕ ግዜ ዘይትርጉማ ስለእንህባ ክነስተውዕል ብምዕዳም ‘ትዕግሥቲ ምግባር ማለት ምምራኽ ወይውን ኢድካ ምሃብ ዘይኮነስ ምስቲ ዘሎካ ድሩትነት ተዋሲእካ ምኽኣል እዩ’ እንክብሉ ኣብ ቅድሚ ፈተናታት ተዓጊሥካ ምኽኣል እንታይ ምዃኑ የብርሁ፣

‘ኣብ ጉዕዞ እንክትርከብ ብዙሕ ደስ ዘይብል ነገራት የጋጥም፣ እዚ በይነይ ከስተንትኖ ከሎኹ ብዛዕባ ትዕግስቲ ብዙሕ የዘኸኻክረኒ! ትዕግስትስ ሓደ ሓይሊ ምዃኑ ኣብቶም ሓደ ጽጉም ውላድ ዘጋጠሞም ወለዲ እንክዕዘቦ ሕያው ጸጋ ኣምላኽ ምዃኑ እርዳእ፣ ዕጉሳት ዝበሃሉኸስ እዚኦም እዮም፣ ሓደ ጽጉም ውሉድ ኣካለ ስንኩል ንበሎ ወይ ምስ ካልእ ጸገማት ምናዳ መወዳእታ ዘይረኣየሉ እንተኾይኑ ከም ወለዲ ክሳብ ብሕይወቶም ዘለው ከፍቅርዎን ክከናኸኑሉን እንክትርኢ መወዳእታ ኣልቦ ፍቅርን ትዕግስትን ትዕዘብ፣ እዚ ከኣ ቀሊል ኣይኮነን ኣይሽንኳይ ንዓመታት ንዕለታት እኳ ንጋዳ፣ ኮይኑ ግን ከምቲ ዓይነት ውሉድ ምርካብ ዝህቦም ሓይሊ ክሳብ ክንደይ ዕጉሳት ምዃኖም የመልክት! እዚ ኢድካ ምሃብ ዘይኮነስ ሓደ ኣብ ጉዕዞ እንከሎ ክኽተሎ ንዘለዎ መንገዲ ንምፍጻም ዘድልዮ ሓይሊ ምዃኑ ትግንዘብ፣ ስለዝኾነ ከኣ ሓደ ዘይዕጉስ ሰብ ነቲ ዝተዋህቦ መስቀል ምቅባልስ ይትረፍ ንሱ ንባዕሉ ክሳብ ክንደይ ድሩት ሓይሊ ከምዘለዎ ንኽንግንዘብ እውን የሸግሮ፣ ስለዚኸስ ትርጉም ትዕግሥቲ ሓላፍነትካ ምጻር ስለዝኾነ ነቲ ስቃይ ደርቢኻ ኣይትገድፎን እንታይ ደኣ ሒዝካዮ ትጐዓዝ! ኣብ እንግድዓኻ ትሽከሞ ነዚ ከኣ ብታሕጓስ እኳ ደኣ ከምቲ ሓዋርያ ያዕቆብ ዝብሎ  ብፍጹም ታሕጓስ ትገብሮ፣

‘ትዕግሥትኸስ ተጻዊርካ ምኽኣል እምበር ነቲ ጸገምካ ንክሽከመልካ ንካልእ ምምሕጻን ኣይኮነን፣ እዚኣ ጸገመይ እያ ባዕለይ ክጾራ እየ ሽግረይ ስለዝኾነት ኣነ ክሳቀየላ እየ ምባል እዩ ከመይ ሽሕኳ መሪር እንተኾነ ባዕለይ እየ ዝጾሮ እምበር ናብ ካልእ ኣየጸገዖን፣ እዚ እዩ ትዕግሥቲ፣ ምስዚኣ ተታሓሒዛ ብዛዕባ ትዕግሥቲ ክንዝክራ ዘሎና ከኣ ዝኾነ ካባና ምናዳ ከኣ ዘይዕጉሥ ክቅበሎ ዘይደሊ ብዙሕ ድሩትነታት ስለዘልና ድሩትነትካ ተረዲእካ ምኽኣል ኮይኑ ምስዚ ድሩትነት ተዋሲእካ ተዛቲኻ ምኽኣል ብዙሕ ትዕግሥቲ ይሓትት፣ እዚ ድሩትነት እዚ ብድንቊርና ብትህኪት ወይውን ብኻልእ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል ግንከ ምስጋሩ የድሊ፣

ትዕግሥቲ እግዚአብሔር የሰንየና ክሳብ ንምለስ እውን ይጽበየና ኮይኑ ግን ቅዱስ ያዕቆብ ዝዛረቦ ትዕግሥቲ ንክርስትያን ዝወሃብ ምኽሪ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ነቲ ኣብ ኦሪት ሕዝበ እግዚብሔር ጸጸኒሑ ዝገብሮ ዝነበረ ክሕደት ከመይ ኢሉ ብትዕግሥቲ ይጽበዮ ከምዝንበረ ዘመልክቶ ነገር እንተልይዎ ነቲ ንሕና ነፍሲወከፍና ካብ እግዚብሔር እንክንርሕቅ እግዚአብሔር ከመይ ኢሉ ብትዕግስቲ ከምዝጽበየና ዘመልክት እዩ፣

ኣብዚ ብዛዕባ እቶም ኣብ ማእከላይ ምስራቅ ዝርከቡን ብቀጻሊ ዝስደዱን ኣሕዋትና ክርስትያን እሓስብ፣ ከምቲ ጐይታ ኣብ ትዕግሥቲ ዝኣተዎ ኣብ ትዕግሥቲ ኣትዮም ኣለው፣ በዚ ከኣ ንጐይታ ‘ንኩሉ ፈተና ኣሸኒፎም ምእንቲ ክኽእሉ ንሕዝብኻ ትዕግሥቲ ሃብ’ ኢልና ክንጽሊ ይግባእ፣ ምስዚ ኩሉ ግን እቲ እግዚብአብሔር ብዛዕባና ዘርኣዮ ፍቅሪ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ናይ ኢየሱስ ፍቅርን ትሕትናን ብምዝካር ንዓናውን ነዛ ሓይሊ እዚኣ ማለት ሓይሊ ትዕግሥቲ ክህበና ንለምኖ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣   

እውነተኛ ሓኪም ሰውነትናን ነፍሳትና ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ሰንበት ዕለት 11 ለካቲት 2018 ዓምፈ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዘቅረብዎ ልሙድ ናይ መልኣከ እግዚአብሔር ጉባኤ ኣስተምህሮ ብዛዕባ መለኮታዊ ምሕረት ኢየሱስ ክርስቶስ ምናዳ ኸኣ ንወዲሰብ ካብቲ ሰቒጡ ሒዝዎ ዘሎ መርገም ነጻ ንከውጽኦ ወትሩ ቅሩብ ምዃኑ እንክገልጹ ነዚ ዚስዕብ ኣስተምህሮ ሂቦም፣

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ውዕሊኩም! ኣብዘን ሰናብቲ እዚኤን ዝቀበልና ወንጌል ናይ ቅዱስ ማርቆስ ኮይኑ ብዛዕባ እቶም ኢየሱስ ካብ ብዙሕ ዓይነት ሕማማት ዝፈወሶም ይዛረብ፣ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ከኣ ሎሚ ናይ ፈዋሲት ሕሙማን ዝኾነት ኣብ ሉርድ ዝተራእየት ብዘይ ሓጢኣት ኣዳም ዝተጸንሰት እኖና እግዚእትነ ማርያም እንዝክረሉን ዓለም ለኸ ዕለተ ሕሙማን ከኣ ምስኡ ብምትሕሓዝ እነብዕለሉን ዕለት እዩ፣ ስለዚኸስ ናብቲ እኖና ዝተራእየትሉ በዓቲ ማሳብየል ናይ ሉርድ ልብና ብምግባር እውነተኛ ሓኪም ሰውነትናን ነፍሳትና እቲ እግዚአብሔር ኣቦ ነቲ ብሓጢኣትን ሳዕቤን ዝቈሰለ ወዲሰብ ምእንቲ ክፍውስ ዝለኣኾ ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ ምዃኑ ክነስተንትን የድሊ፣

ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ናይ ማርቆስ 1.40 ዝተወስደ ኮይኑ ናይ ሓደ ለምጻም ምንጻሕ እንከመልክት እዚ ሕማም እዚ ከምቲ ኣብ ኦሪት ዘሌዋውያ 13 ተጻሒፉ ዘሎ ዓቢይ ናይ ዘይምንጻሕ ምልክት ኮይኑ በዚ ሕማምዚ ዝተለኽፈ ሰብ ብኣጋኡ ኣነ ኣይንጽሑን እየ ኢሉ ካብ ሰብ ክፍለን ንገዛእ ርእሱ ኣብ ምሕማሙስ ይኹን ኣብ ምሕዋዩ ንካህን ከርእን ይእዝዝ፣ እዚ ተነጽሎ እዚ ብዘይመጠን ኣሰቃቅን ኣሸጋርን ነሩ ከመይ ኣተሓሳስባ ናይቲ ግዜቲ እቲ ነቲ በዚ ሕማምዚ ዝተለኽፈ ኣብ ቅድሚ ሰብ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ቅድሚ እግዚብሔር እውን ዘይንጹሕን ሓጢኣተኛን ጌሩ የቅርቦ ነበረ፣ ስለዝኾነ ከኣ ኣብዚ ወንጌል ተጠቂሱ ዘሎ ለምጻም ናብ ኢየሱስ ቀሪቡ ብግንባሩ ተደፊኡ ‘እንተደለኻ ወይውን ፍቃድካ እንተኾይኑ ከተንጽሓኒ ትኽእል ኢኻ’ እናበለ ናብ ኢየሱስ ይምሕጸን፣

ኢየሱስ ነዘን ቃላት እዚአን ምስ ሰምዔ ርሕራሔን ድንጋጼን ይስምዖ፣ ኣብዚ ከምቲ ኣብ ዓመት ምሕረት ኢዮቤል ዝገበርናዮ ኣብ ስምዒት ኢየሱስ ኣብ ውሽጢ ልቡ ዝስምዖ ርሕራሔ ክነተኩር ኣድላዪ እዩ፣ ኣብዚ ኣብቲ ብምሕረትን ርሕራሔን መሊኡ ዘሎ ውሽጣዊ ስምዒት ልቢ ኢየሱስ ብምልኣት እንተዘይኣቲና ክርስቶስ መን ምዃኑን ስራሑ እንታይ ምዃኑን ክርዳእ ኣይንኽእልን፣ ኢየሱስ ኣእዳው ክዝርግሕን ነቲ ለምጻም ክትንክፎን ‘እወ ፍቃደይ እየ ንጹሕ ኩን’ ንክብሎ ዝደፋፍኦ ከኣ እዚ እዩ፣ ኣብዚ በቲ ዝነበረ ልምዲ እቲ ዓቢ ዕንቅፋት ዝኸውን ኢየሱስ ነቲ ማንም ዘይትንክፎ ብኩሉ ፍንፉንን ዘይንጽሑን ሓጢኣተኛን ኮይኑ ዝረኤ ዝነበረ ለምጻም ምትንካፍ እዩ፣ ብሕጊ ሙሴ ንሓደ ለምጻም ምትንካፍ ኣብ መንፈስካ ብውሽጥኻ ምብካል ማለት ዘይንጽሑ ምዃን እዩ ዘመልክት ዝንበረ፣ ኮይኑ ግን ኣብዚ ክንዲ እቲ ለምጺ ናብ ኢየሱስ ዝለግብ ኢየሱስ ነቲ ለምጻም ንጽሕና ይልግሰሉ የንጽሖ ከኣ፣ ኣብዚ ምሕዋይ እዚ ክንዮ ርሕራሔን ድንጋዜን ምሕረትን ኢየሱስ እነድንቆ ኢየሱስ ብዛዕባ መልከፍቲ ናይቲ ለምጽስ ይኹን ብዛዕባ ሕጊ ሙሴ ከይገደሶ ነቲ ለምጻም ካብዚ ጨቚኑ ሒዝዎ ዝነበረ ለምሲ ንከንጽሖ ብድላዩ ምንቅስቃሱ እዩ፣

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ናይ ዘይምንጻሕ ምኽንያት ዝኸውን ምንም ዓይነት ሕማም የለን፣ ርግጽ እዩ ዝኾነ ሕማም ንምሉእ ሰብነትና እዩ ዘሕምም ኮይኑ ግን ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ኣይዓግት ኣይዕንቅፍ፣ እኳ ደኣ ሓደ ዝሓመመ ሰብ ካብ ጥዑይ ንላዕሊ ምስ እግዚብሔር ክቀርብን ሓድነት ክህልዎን ይኽእል፣ ሓጢኣት ግን ርኹሳት ይገብረና፣ እዚ ከኣ ኣነነት ንኣይ ይጥዓመና ትዕቢት ኣብ ብልሽውና ዓለም ምቊምጣዕ ወዘተ እዚኦም እዮም ሕማም ልቢ ኮይኖም ምንጻሕ ዘድልዮም፣ እዚኦም እዮም ሕማም ልቢ ልቢ ኮይኖም ዘራኽሱና እሞ ከምቲ ለምጻም ናብ ኢየሱስ ቅርብ ኢልና ‘እንተደለኻ ፍቃድካ እንተኾይኑ ከተንጽሓኒ ትኽእል’ ንበሎ፣

ሕጂ ንቊሩብ ደቃይቅ ሱቕታ ንሓሉ እሞ ነፍሲወከፍና ኣብ ውሽጢ ሕልናና ተመሊስና፣ ኩሉኹም እወ ኩልና ውሽጥና እንተመልከትና ናይ ነፍሲ ወከፍና ርኽሰት ሓጢኣት ንምዕዛብ ኣብ ውሽጢ ልብና ንሕሰብ፣ ነፍሲ ወከፍና ከኣ ብሱቚታ ብልብና ንኢየሱስ `ፍቃድካ እንተኾይኑ ክተንጽሓኒ ትኽእል’ ንበሎ፣ ብሱቊታ ንግበሮ፣ ደጋግምዎ   `ፍቃድካ እንተኾይኑ ክተንጽሓኒ ትኽእል’ `ፍቃድካ እንተኾይኑ ክተንጽሓኒ ትኽእል’

ናብ ምሥጢረ ንስሓ ብጥዑስ ልቢ ናብ እንቀርበሉ ግዜ ጐይታ ነተን ነቲ ለምጻም ዝበለን ቃላት ማለት ‘እወ ፍቃደይ እዩ ንጹሕ ኩን’ ይብለን፣ ኣብዚ ክንደይ ታሕጓስ ኣሎአ፣ ብከምዚኸስ ለምጺ ናይ ሓጢኣት ካባና ይቅንጠጥ! ምስ እግዚአብሔር ንዝነበረና ውሉዳዊ ርክብ ከኣ ናብ ንቡር ይመልሶ እሞ ናብቲ ኣደና ዝኾነት ማሕበርና ቤተክርስትያንና እንደገና ሕብረት ይህልወና፣

ብኣማልድነት እታ ንሕሙማት ጥዕና እትህብ እኖና ንጽሕት ድንግል ማርያም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ውሳጣዊ ኣቊሳልና በቲ መወዳእታ ዘይብሉ ምሕረቱ ክፍውሰናን ንልብና ብተስፋን ሰላምን ክመልኣልናን ንለምኖ፣ እንክብሉ ምስ ኣስተምሃሩ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ደጊሞም፣      








All the contents on this site are copyrighted ©.