2018-02-14 17:52:00

ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ ዳግመ ሕንጸት ዒራቕ


እታ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ምስቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ መንግስቲ ቢሉ ዘሰመየ ዕጡቓት ሓይሊ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ኩናት ዝነበረት ሃገረ ዒራቕ ዳግም ንምሕናጽ ዝዝትይ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ኣብ ኵዋይት ከተማ ከምእተኻየደ ልኡኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኤልቪራ ራጐስታ ካብ ዘመሓላለፍፈኦ ጸብጻብ ክፍለጥ ተክኢሉ ኣሎ።

እቲ ዋዕላ ንናይ ዒራቕ ዳገም ሕንጸት መሳለጢ ብቑዕ ገንዘብ ንምቕራብ ዝሃቀን ንናይ ኵወይት ርእሰ ብሔርን ዒራቕን ሓባራዊ ኣቦ መንበርነት ተመሪሑ ዝተኻየደ ኰይኑ ሕቡራት መንግስታት ዓለምን ሕብረት ኤውሮጳን ናይ ዓለም ባንኪ ዘሳተፈ ምንባሩ ራጎስታ ሓቢረን፡ መንግስቲ ዒራቕ ንዳግማይ ሕንጸት ሃገሩ 88.2 ሚሊያርድ ዶላር የድሊ ይብል።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ሚላኖ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ኣቀማጣ መሬት ፖለቲካ መምህርን ናይ ዓለም ሓቆፍ ስነ ፖለቲካ ምርምር ተቛም ኣባል ፕሮፈሰር ኣንድረያ ፕለባኒ ብወገኖም ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ኣብ ኵወይት ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ ዳግማይ ሕንጸት ዒራቕ ኣገዳሲ እዩ። ኣብቲ ናይቲ ከባቢ ሃገር ኣብ ዝዀነትን ንሓዳስ ዒራቕ ብዙሕ ቅርበት ተርኢ ኣብ ዘላ ሃገር ኵዋይት ምክያዱን ከምኡ እውን ጸረ እስላማዊ መንግስቲ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ብቐዳምነት ዝሳተፋ ሃገራት ዝተመርሔ ብምንባሩ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ እዩ ምስ በሉ፡ እቲ ውህደት ኣብ ጸረ እስላማዊ መንግስቲ ዝንበር ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ጉዳይ ሕንጸት እውን ዝግለጽ ዘሎ ጥምረት ብምዃኑ ዓቢይ ፖሊቲካዊ ዲል እዩ፡ ኣብ ዒራቅ ሰላም ንምርግጋጽ ዝድግፍ ጥራሕ ዘይኵነ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሃገራት እውን ተስፋ ከተኣታትው ዝኽእል እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።   








All the contents on this site are copyrighted ©.