2018-02-14 17:43:00

ናይ ሮማ ጳጳስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዕለት 15 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ምስ ውሉደ ክህነት ሮማ ክራኸቡ እዮም


ብምኽንያት ምጅማር ዓቢይ ጾም ከምቲ ልሙድ ናይ ሮማ ጳጳስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ሮማ ሰበኻ ውሉደ ክህነት ክራኸቡ ምዃኖም ናይ ሮማ ሰበኻ ኅየንተ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኣንጀሎ ደ ዶናቲስ እንክሕብሩ፡ እቲ ብላቲን ስርዓት ዝጅመር ዓቢይ ጾም ር.ሊ.ጳ. ምስ ውሉደ ክህነት ብምርኻብ ብሁባሬ ስርዓተ ንስሓ ምስ ተፈጸመ ግላዊ ስርዓት ኑዛዜ ተኻይዱ ምስ ኣብቅዔ እቲ ዕጹው መንፈሳዊ ጉባኤ ቃል ቅዱስ ኣቦና ክዕደል ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ደ ዶናቲስ ንመላእ ካህናት ሰበኻ ሮማ ኣብ አመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝሓበሩ ቫቲካን ነውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ህየንተ ብፁዕ ኣቡነ ደ ዶናቲስ ንካህናት ሰበኻ ሮማ ኣብ ዘመሓለፍዎ መልእኽቲ ኩሉ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ብፍላይ ቁምስናታት ኣብዚ ናይ 2018 ዓ.ም. ጾም ኣርበዓ  እቲ ዕለት 18 መስከረም 2017 ዓ.ም. ብሰበኻ ደረጃ፡ ዛዕባ ነጻሊ ኤኮኖምን፡ ድንዛዘ ንኣይነትን (ኢጐነትን) ምቹእ ውልቃውነትን ሓድ ሕዳዊ ውግእን ምኹን ዘይተስፈይናነትን መንፍሳዊ ዓለማውነትን ዝዘተየሉ ዓውደ ጉባኤ ዝጠቐሶም ዝተፈላለዩ መንፈሳውያን ህማማት ዝብሉ ምልስ ቢሎም ዝነጻጸርሉን ዝመያየጥሉን ኩነት ገይሮም ክጥቀምሉ ከምዘተሓሳሰቡ ቫቲካን ነውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።

ብፁዕነቶም እዚ ናይ ምንጻሕ እዋን’ዚ ፍርያምን ዕዉትን እዋን ክኽውን መታን ዝድግፍ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደረስዎ ኣብ እዋናዊ ዓለም ኣስፍሆተ ወንጌል ዘማከለ ወንጌላዊ ሓሴት ዘርእስቱ ቀዳማይ ሓዋርያዊ ምዕዳን ምንባብን ምውካስን የድሊ እንክብሉ ሓሳብ ብምቕራብ ዕላማኡ ድማ ብግልጽን ብቕንዕናን እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ማሕበረ ክርስቲያን ወይ ከኣ ቁምስናታትን ዘሎ መንፈሳዊ ሕማም ብሓባር ፈሊኻ ንምልላይን ዝብል ኰይኑ ቁምስናታት እቶም ዝተፈላለዩ መንፈሳውያን ሕማማት ቢሉ ዘለለዮም ተንቲኑን እቲ ናይ ጽማሬ ሰነድ ናብ ቅዱስ ኣቦና ብምቕራብ ውሳኔ ምስ ሃቡሉ ነቲ ቀጻሊ ናይ ሰበኻ ዓውደ ጉባኤ መካድን ናይ ዕዮ ዝክረ ነገር ኰይኑ ክቐርብን ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ንሰበኻ ሮማ ሓዋርያዊ ቤት ጽሕፈት ህየንት ክመሓላለፍ ከምዝግብኦን ቁምስናታት ነዚ ሰነድ ንምቕራብ ዝድግፍ ከም መብርሂ ሓሳብ ድማ ብመንጽር ወንጌላዊ ሃሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ዘንበብ ካብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 9 ካብ ፍቕዲ 9-13 ዘሎ …. ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር ጥዑያት ኣይደልይዎን እዮም  ዝብል ቃል ኣርእስቲ ዝገበረ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዓውደ ጉባኤ ጽማሬ ዘጠቓለለ ናይ ዕዮ ሰነድ ከምእተመሓላለፈን፡ እዚ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ቁምስና ማሕበራዊ መርመራ ሕሊና ክገብርን በዚ መንፈሳዊ ከይዲ ኣቢሉ ዝተሓደሰ ክርስትና ኣብ ውሽጡን ሕይወቱን ከበራብርን ንእዋናዊ ሰብ ናይ ትንሳኤ ወንጌል ኣብሳሪ ኰይኑ መታን ክርከብ ዝድግፍ ከምዝዀነ ብፁዕ ኣቡነ ደ ዶናቲስ ንመላእ ቁምስናታት ሮማ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘስመሩሉ ቫቲካን ነውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.