2018-02-14 14:38:00

ኣብ ግዜ ልመናታት ምእመናን ኣሚና እንልምኖ ከም ቃሉ ስለዝፍጸም እዩ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ,ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ንግሆ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ንምቅራብ ኣብ ዝኸዱሉ ነቶም ኣብኡ ተጋቢኦም ዝነበሩ ተዘዋዊሮም ሰላም ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ድሕሪ ዓዲሎምን  “ኣባይ እንተ ጸናዕኩም፡ ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሐደረ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም። ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሬኹም፡ ኣቦይ በዚ ይኸብር፡ ደቀ መዛሙርተይውን ክትኰኑ ኢኹም።” ዝብል ካብ (ዮሓ 15.7-8) ብቀንዲ ቋንቋታት ኤውሮጳን ቋንቋ ዓረብን ምስ ተነበ ነቶም ብሕማም ንለውጢ ክሊማ ክጻወሩ ዘይከኣሉ ኣብ ኣዳራሽ ጳውሎስ ኮይኖም ብቪድዮ ዝከታተልዎም ዝነበሩን ኣብቲ ቅርዓት ንዝናምን ቀዝሕን ተጻዊሮም ትምህርቶም ዝጽበዩ ዝነበሩን ከምዚ ክብሉ ሰላምታ ኣቅሪቦም፣

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም! ሽሕኳ ዕለቱ ቁሩብ ሕማቅ እንተሎ ነፍስና ኣብ ሓጐስ እንተልያ ኩሉ ግዜ ጽቡቅ መዓልቲ እዩ! ስለዚ ቦንጆርኖ፣ ምስ በሉ ኣብቲ ቅርዓት ዝነበሩ እውን ቦንጆርኖ ክብሉ መለሱ፣ ቀጺሎም ከኣ ናይ ዕለቱ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ክልተ ቦታ ማለት ንእሽቶ ጉጅለ ሕሙማት ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ንሕና ከኣ ኣብዚ ኮይኑ ግን ንሕና ንርእዮም ኣሎና ንሶም እውን ይርእዩና ኣለው ሰላም ንበሎም’ ምስ በሉ ኣብ ቅርዓት ዝነበረ ሕዝቢ ብጣቅዒት ሰላምታኦም ምስ ገለጹ ብቀጥታ ናብቲ ቅድሚ ሳምንታት ዝጀመርዎ ትምህርቲ ምስል ብምባል ከምዚ ክብሉ ከስተምህሩ ጀሚሮም፣

ነቲ ብዛዕባ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝጀመርናዮ ትምህርት ክርስቶስ ንቅጽል ኣሎና፣ እቲ ክሳብ ሕጂ ዝገበርናዮ ንባባት ቅዱስ መጽሓፍ ስብከት ሓዊስካ ንሓደ ሕጊ እዚ ከኣ መንፈሳዊ ሕጊ ሕዝበ እግዚብአብሔር ኮይኑ ካብ ቃል እግዚብሔር ዚኣክል መዝገብ ንክረክብ እዩ፣ ነፍሲ ወከፍና ናብ ቅዳሴ እንክንከይድ ዚኣክል ቃል ኣምላኽ ክንቅበል መሰል ኣሎና ስለዚ ቃል ኣምላኽ ጽቡቅ ክንበብ ጽቡቅ ክዝረብ ኣለዎ ቀጺሉ ከኣ ብስብከት ጽቡቅ ክግለጽ ኣለዎ፣ እዚ መሰል እዩ፣ እንተደኣ ቃል እግዚአብሔር ጽቡቅ ዘይተነቢቡ ከምኡ እውን ካብ ዲያቆንስ ይኹን ካብ ካህን ወይውን ካብ ጳጳስ ጽቡቅ እንተዘይተሰቢኹ መሰል ምእመናን ተጋሂሱ ማለት እዩ፣ ንሕና ኩልና ቃል እግዚአብሔር ንምስማዕ መሰል ኣሎና፣ ጐይታ ንጓሶትስ ይኹን ንምእመናን ንኲልና ይዛረብ፣ ናይቶም ኣብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝሳተፉ ኩሎም ነፈሲወከፍም ሕይወቶም ዕድመኦም ኩነቶም ብዘየገድስ ከከምዘሎውዎ ልቢ ኩሎም ይኩሕኩሕ። ጐይታ የጸናንዕ! ይጽውዕ! ናይ ሓዲስን ዝተነሰሔን ሕይወት ዘርኢ የወፊ፣ ነዚ ከኣ ብቃሉ ይገብሮ፣ ቃሉ ኣብ ልቢ ይኩሕኩሕ ንልብታት ከኣ ይቅይር፣

ስለዝኾነ ከኣ እዩ ድሕሪ ስብከት ሓጺር ናይ ሱቕታን ኣስተንትኖን ግዜ ነቲ ዝትቀበልናዮ ዘርኢ ኣብ ነፍስና ክነጥብቆን ክሳብ እቲ መንፈስ ቅዱስ ንነፍሲወከፍና ሕሹኽ ዝብሎ ሠናይ ቊርሲ ፍቃድ ዝፍልፍል ንጽበ፣ ድሕሪ ስብከት ከስ እኹል ናይ ሱቕታ ግዜ ብግዲ የድሊ ነፍሲወከፍ ከኣ ነቲ ዝሰምዖ ከስተንትን ኣለዎ፣

ድሕሪ ናይ ሱቕታ ግዜ ቅዳሴ ብኸመይ ይቅጽል እንተበልና! ነቲ ዝሰማዕናዮ ቃል ኣምላኽ ግላዊ መልሲ ንምሃብ ብሓባር እምነትና ንምግላጽ ኣነ እኣምን ኣናበልና ጸሎተ ሃይማኖት ንዝብል ክፍሊ ንደግም፣ ኩልና ጸሎተ ሃይማኖት ንደግም፣ እዚ ብኩላ ጉባኤ ዝተደግመት ጸሎት ነቲ ብሓባር ዝሰማዕናዮ ቃል ኣምላኽ እንህቦ ሓባራዊ መልሲ እዩ፣ (ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ቊ.185-197 ተመልከት) ኣብ መንጎ ምስማዕ ቃል ኣምላኽን እምነት ጽኑዕ ምትእስሳር ኣሎ፣ ሓደ እዮም፣ እዛ እምነት እዚኣ ካብ ኣተሓሳስባን ሕልምን ደቂሰባት ኣይኮነትን እትውለድ፣ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሮማውያን ዝጸሓፎ መልእኽቱ ዝብሎ ‘እምነት ካብ ምስማዕ ትመጽእ እቲ ዝስማዕ ከኣ ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ` (10.17) እምነትከስ ቃል እግዚእብሔር ብምስማዕ ትዓቢ እዚ ከኣ ናብ ምሥጢረ ጥቀ ቅዱስ ቊርባን የብጽሕ፣ ከምቲ መምርሒ ሮማዊ ሥርዓተ ቅዳሴ ቊ.67 ዘመልክቶኸስ ‘ማሕበረ ክርስትያን ጸሎተ ሃይማኖት ብሓባር ብምድጋም ንዓበይቲ ምሥጢራት እምነት ቅድሚ ብሥጢረ ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ምሥራዑ ከስተንትንን ክእመንን ንድሕሪት ምልስ ይብል`።

ጸሎተ ሃይማኖት ከም ምልክት እምነት ንቅዱስ ቊርባን ምስቲ `ብስም ኣብን ብስም ወድን ብስም መንፈስ ቅዱስን’ ዝተቀበልናዮ ጥምቀት የተኣሳስሮ፣ በዚ ከኣ ምሥጢራት ቤተክርስትያን ብብርሃን እምነታ ጥራይ ክንርዶኦም ከም እንኽእል የዘኻኽረና፣

ካብዚ ብምቅጻል ከም መቀጸልታ መልሲ ነቲ ዝሰማዕናዮ ቃል ኣምላኽ በቲ ጸሎት ምእንቲ ኩሉ ወይውን ኣድማሳዊ ጸሎት ዝበሃል ምኽንያቱ ከኣ ኣድላይነት ቤተክርስትያንን መላእ ዓለምን ስለዘጠቃልል ስለኩሉ ብእነቅርቦ ጸሎት ይግለጽ፣  ጸሎት ምእመናን ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ እዩ፣

ኣበው ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እዛ ንቅዱስ ወንጌልን ስብከትን ስዒባ እትመጽእ ጸሎት ምእመናን ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ኣብ ዕለተ ሰንበትን ዓበይቲ በዓላትን ብዝምልከት ከስምሩ ስለዝደለዩ ኣብቲ ሳክሮሳንችቱም ኮንቺልዩም ቅዱስ ጉባኤ ዝብል ሰነዱ ቊ፣53 ‘እቲ ድሕሪ ወንጌል ስብከትን ዝቦታኡ ናይ ማኅበር ጸሎት ወይ ከኣ ልመናታት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጸሎት ከም ቀድሙ ይመለስ፣ ብፍላይ ኣብቲ ሰናብትን ዓበይቲ በዓላትን ሕዝበ ክርስትያን ኣብ ዝሳተፉሉ ቅዳሰኤ ምእንቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንን መራሕቲ ሃገርን ምእንቲ እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ዓይነት ሽግር ዘለው ሕዝብን ምእንቲ ኲሎም ድቀኢ ሰብን ድኅነት ዓለምን ምስ ሕዝቢ ብኅብረት ጸሎት ይገበር` ቢሉ ኣብ 1ጢሞ2.1-2 ተመርኲሱ ይእዝዝ፣ ስለዝኾነ ከኣ መምርሒ ሮማዊ መጽሓፈ ቅዳሴ ኣብ ቊ።69 እቲ ብመሪሕነት ካህን ዝጅምረን ዝድምደምን ጸሎት ምእመናን ዘመልክቶ ‘ሕዝበ እግዚብሔር ነቲ ብምሥጢረ ጥምቀት ዝተቀበሎ ሓባራዊ ክህነት ብምጥቃም ምእንቲ ድሕነት ኩሉ ናብ እግዚብሔር ጸሎት የዕርግ’ ይብል። ኣብቲ ብዲያቆን ወይ ሓደ ኣንባቢ ዝቀርብ  ነፍሲ ወከፍ ልመና ኣታ ማሕበር ድምጻ ‘ኦ ጐይታ ስምዓና’ እናበለት ትምህለልን ድምጻ ትጽምብርን፣

ክንበብ ዝሰማዕናዮ ጐይታ ‘“ኣባይ እንተ ጸናዕኩም፡ ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሐደረ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም።’ ዝበሎ ምዝካር የድሊ፣ ኮይኑ ግን ንሕና ብዙሕ ግዜ ነዚ ክንኣምን ኣይንርከብን ምኽንያቱ ከኣ ሰብ ውሑድ እምነት ስለዝኾና እዩ፣ ከምቲ ኢየሱስ ዝብሎ ግን ንሕና እንተደኣ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ትደቅቅ እምነት ኣልያትያ ዝሓተትናዮ ኩሉ ምረኸብናዮ፣ ሕስብ እሞ ኣብልዎ ጐይታ እኳ እዩ ‘ዝደለኽምዎ ሎምኑ እሞ ክዀነልኩም እዩ’ ዝብለና ዘሎ፣ ኣብዚ ድሕሪ ጸሎተ ሃይማኖት ዝቀርብ ልመናኸስ ንዓና ዘድልየና ዓበይቲ ነገራት ኣብ ቅዳሴ እንልምነሉ ግዜ እዩ፣ ክዀነልኩም እዩ እትብል ቃል ጐይታ እቲ እንልምኖ ነገር ብዝኾነ መንገዲ ክኸውን እዩ፣ ከመይ ከምቲ ንሱ ዝበሎ `ንዚኣምን ኩሉ ይከኣል እዩ’፣ ትዝክሩ እንተደኣ ኰንኩም እዛ ኣብ ላዕሊ ዝበልናዮ ጐይታ ንሓደ ሰብ ዝበላ እየ፣ እቲ ሰብኣይ እንታይ መለሸ! ‘ኦ ጐይታ እኣምን እየ ነታ ንእሽቶይ እምነተይ ሓግዛ’ እዩ ዝበለ፣ ንሕናውን `ኦ ጐይታ እኣምን እየ ኮይኑ ግን ነታ ንእሽቶ እምነት ሓግዛ’ ክንብሎ ንኽእል ኢና፣ ኣብዚ ኣብ እነቅርቦ ለመናኸስ በዚ መንፈስ እዚ ኢና ክንገብሮ ዘሎና ‘ኦ ጐይታ እኣምን እየ ነታ ንእሽቶይ እምነተይ ሓግዛ’፣ ኣተሓሳስባን ትጽቢትን ዓለምና ግን ንሰማይ ገጹ ኣይብገስን እዩ፣ ከምቲ ቅዱስ ያዕቆብ  ‘ትምነዩ እሞ የብልኩምን፡ ትቐትሉን ትቐንኡን እሞ ሓንቲ እኳ ኽትረኽቡ ኣይከኣለኩምን እዩ፡ ትበኣሱን ትዋግኡን ኢኹም እሞ፡ ስለ ዘይለመንኩም የብልኩምን። ትልምኑ ኢኹም እሞ፡ ብፍትወት ስጋኹም ምእንቲ ኽትዘርውዎ፡ ብኽፉእ ስለ ዝለመንኩም፡ ኣይትቕበሉን ኢኹም።’ (ያዕ 4.2-3) ዝብሎ ኸኣ እዚ ዓይነት ጸሎት ኣይስማዕን፣ ሓሳብ ጸሎት ናይቲ ምእመና ዘቅርብዎ ጸሎትከስ ናይ ኩለን ማሕበራት ክርስትያንን ናይ መላእ ዓለምን ግድነት ኮይኑ ካብ ምውህታትን ብዝሒ ዘረባን ምጥንቃቅ የድሊ፣ ኣድማሳዊ ጸሎትከስ ንሥርዓተ ኣምልኾ ቃል ኣምላኽ መዛዘሚ ኮይኑ ቆላሕታ ናብቲ ስለ ኩሎም ደቁ ዝግደስን ዝሓሊ ናብ ሰማይ ናብ እግዚብሔር ክንገብር ይዕድመና፣ የቀንየለይ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣   








All the contents on this site are copyrighted ©.