2018-02-15 16:57:00

ጐይታ ይጽበየካ ኣሎ ናብ ኣምላኽካ ተመለስ! ር.ሊ.ጳ


ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ጾመ ኣርብዓ እትሕዘሉ በቲ ንዝኽሪ ጾም ነነዌ ዝዝክርዎ ሮቡዕ ናይ ሓሙዅሽቲ ዝፍለጥ ዕለት ከምቲ ሰብ ነነዌን ንጉሦምን ብስብከት ዮናስ ነቢይ ተተንኪፎም ምሕረት ካብ እግዚብሔር ንምልማን ካብ ዙፋንን ዓራትን ናብ ሓሙዅሽቲ ምድቃስን ርእሶም ሓሙዅሽቲ ብምንስናስ ዘሕስእዎ እሞ ምሕረት ካብ እግዚብሔር ዝረኸቡ ንሕና እውን ከምኡ ብማለት ኣብቲ ትማሊ ተዘኪሩ ዝወዓለ ሕይወት ኩሎም ነዚ ሥርዓተ ኣምልኾ እዚ ዝኽተሉ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ኣብ ቤተክርስትያን ኣብ ቅዳሴን ሥርዓተ ሓሙዅሽትን ብምስታፍን ኣብ ርእሱ `መሬት ኢኻ ናብ መሬት ከኣ ክትምለስ ኢኻ` ወይውን ‘ተነስሑ ብወንጌል እመኑ’ ብማለት ሓሙዅሽቲ ብምንስናስን ይፍጸም፣

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እውን ወትሩ በዚ ዕለት እዚ ዝገብርዎ ከኣ ካብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ኣንሰልሞ ክሳብ  ባዚሊካ ቅድስቲ ሳቢና ዑደት ንስሓ ብምክያድ ኣብቲ ባዚሊካ ኣብ ዘዕረጕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንሶም እውን ከምሰቦም ሓሙዅሽቲ ኣብ ርእሶም ብምንስናስ ንጾመ ኣርባዓ ከምዝተታሓሓዝዎ እንክመልከት `ጾመ ኣርባዓ ልብና ምስ ህርመት ልቢ ኢየሱስ ተዋሃሂዱ ንክሃርም ናብ ንቡር ንክምለስ ዕድል ዝህብ ምሩጽ ግዜ እዩ` እንክብሉ ሰቢኾም፣

`ዘመነ ጾመ ኣርባዓ ኣብ ክርስትያናዊ ሕይወትና ካብ መስመር ወጺኦም ንዘለው ነገራት ንክንእርምን ነታ ወትሩ ሓዳስን ሓጐስ ዝመልኣን ተስፋ እትህብ ዜና ትንሣኤ ጐይታና ንምቅባልን ምሩጽ ግዜ እዩ! ቤተክርስትያን በቲ እናታዊ ጥበባ ጌራ ካብቲ ንልቢ ኣማኒ ከዝሕልን ከመረትን ዝኽእል ነገራት ፍሉይ ኣተኵሮ ብምግባር ክንትቀቅ ኣብዚ ዘመንዚ ትዕድመና፣ ኣብዚ ዘመንና ከጋጥሙና ዝኽእሉ ፈተናታት ብዙሓት እዮም፣ ነፍሲወከፍና ከጋጥሞ ዝኽእል ጸገማት ኣጸቢቅና ንፈልጦ ኢና፣ እቲ ዘሕዝን ግን ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ብኩሉ ጸገም ከቢቡ እናረኣዩ ብስቃይ ካልኦትን ዘይውሕስነት ዘስዕቦ ሻቅሎትን ደስ ዝበሎም ክመስሉ ምጥርጣርን ክሕደትን ክዘርኡ ክትርኢ እዩ፣ ፍረ እምነት ከምቲ ቅድስት ማዘር ተረዛ ዘካልካታ ትብሎ ምግባረ ሠናይ እንክኸውን ፍረ ናይዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቅስናዮ ዘይምትእምማን ከኣ ጽልእን ተስፋቊርጸትን እዩ፣ ዘይምትእምማን ጽልኢ ተስፋ ቊርጸት ንነፍሲ ኣማኒ ሕዝቢ ዝሃድኑን ዘደንዝዙን ሰይጣውንቲ ክንብሎም ንኽእል፣

‘ዘመነ ጾመ ኣርባዓኸስ ነዘን ኣብ ላዕሊ ዝጠቅስናየንን ካልእ ፈተናታትን ኣጋሊጹ ህርመት ልብና ናብቲ ንቡር ኩነታቱ ተመሊሱ ምስ ህርመት ልቢ ኢየሱስ ንኵወሃሃድ ዝሕግዝ ምሩጽ ግዜ እዩ፣ እዛ በዚ ውሳኔ እዚ ተቀኒታ ትብገስ ዘላ  ሥርዓት እዚኣ ከስ ብሰለስተ ቃላት ክጠቃለል ብዝኽእል ሓሳባት ንልቢ ኣመንቲ እንደገና ንምብርባር ዕድል ይኸፍት፣ እተን ቃላት ሓንሳብ ደው በሉ! ኣስተውዒልኩም ተመልከቱ! ናብ ንቡር ተመለሱ ዝብላ እየን፣ 

‘ዝግ በል! ሓንሳእ ደው በል! ነዚ ዘዕገርግረካ ዘሎ ነገራትን ነቲ ምረት ዘስዕበልካን ወላ ኣብ ሓደ ዘየብጸሓካን ትርጉም ኣልቦ ጉያን ጥንጥን ኣቢልካ ሕደጎ፣ ሓንሳብ ደው በል እስኪ! ነቲ ንስድራቤት ክውፈ ዝነበሮ ንውሉድ ክከውን ዝነበሮ ንዕርክነትን ምሕዝነትን ክውዕል ዝነበሮ ግዜ ነቦሓጎታትን እኖሓጎታትን መብጽሒ ክኸውን ዝነበሮ ግዜ ከምኡ እውን ንምስጋና ክውፈ ዝነበሮ ምናዳኸኣ ንእግዚአብሔር ክውፈ ንዝነበሮ ክቡር ግዜኻ ዝመቃቅልን ዘዕኑን ነዚ ናይ ኣፈርክቡ ንብረት ግድነት ግደፎ!

ሓንሳብ እስከ ደው በል! ካብቲ ዘይኮንካዮ ኰንካ ንኩሎም ክትረኤ ግድነትካ ገርካ ትጐዓዘሉ ዘሎኻን ወትሩ ከም ኣብ ቨትሮ ዝተቀመጠ ኣቅሓ ናይ ኣምሰሉነት ናብራ ኣቊሞ፣ ከመይ እዚ ንዋጋ ናይቲ ሓቀኛ ቅርበትን ኣስተንትኖን ከምእትርስዕ ክገብረካ እዩ፣

ሓንሳእ እስኪ ደው በል! ካብቲ ሕያውነትን ድንጋጼን ካብ ልብኻ ሓኺኹ ኣልዩ ኣብ ቅድሚ ጽጉማት እንክትርከብ ተብተብ እናበልካ ካብ ትሃድመሉ ኣገባብ ደው በል እሞ ንርሕራሔን ንካልኦት ግዜ ሂብካ ክትረኽቦምን እሂን ምሂን ክትብልን ምናድዳ ኸኣ ነቶም ተኣፋፈቲ ኣካላት ማሕበረሰብካን ቊሱላትን ጉሁያትን ከምኡ እውን ኣብ ሓጢኣትን ጌጋን ጥሒሎም ንዝሳቀዩ ክትረድእ ኢኻ፣

ካብቲ ነቲ ካብ ጐይታ ዝተቀበልካዮ ዓቢ ጸጋ ሕይወትን ካልእ ብዙሕ ነገራትን ብምርሳዕካ ዝውለድ ንኩሉ ክትቈጻጸር ንኩሉ ክትፈልጥ ንኩሉ ክተዕኑ ዝደፋፍእ እስኪ ሓንሳእ ደው በል!

ካብቲ ነታ ናይ ኩሉ ፈጠራታት ኣደ ዝኾነት ፈራዪት ተኽእሎ ሱቅታ ዘረስዕ ዘደንቊርን ነእዛንና ዘጽምምን ድምጺ  ሓንሳእ እስኪ ደው በል!

ካብቲ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተዓጺኻ ብምትራፍን በይንኻ ኣነ ጥራይ ብምባልን ዝውለድ ዝምባሌ ዘፈልፍሎ መኻንን ዘይፈርን ስምዒታት ብምጣር ንካልኦት ንክትረክብ ካብ ምኻድን ጾሮምን ስቃዮምን ካብ ምክፋል ዝዕንቅጸካ ዝምባሌ እስኪ ሓንሳብ ደው በል፣

ካብ ሰራውርናን ምትእስሳራትናን ምሕዪ ኣብ ጉዕዞ ዘሎና ፍጡራት ምዃና ዘረስዕ ግዝያውነትን ሆሆታን ዝመልኦ ባዶሽ ሕይወት ሓንሳእ እስኪ ደው በል!

ንክትርእን ክተስተንትንን ሓንሳብ ደው በል! ደው በል!

ነታ ፍረ እምነት ዝኾነ ምግባረ ሠናይ ንከይትጽልምት ዝከላኸሉላን ነታ ቀንደል እምነትን ተስፋን ሕይወት ዝህቡን ምልክታት እንተለው እስከ ተመልከት! ድለ እስከ! ሃሰስ በል እስከ!

ዝዝኣብ መንጎ ብዙሕ ዓጸባን ተጽዕኖን ነታ ድኻ ገዛኦም ቤትትምህርቲ ፍቅሪ ክገብሩ ዘይፈንቀልዎ እምኒ ዘይብሎም ናይቶም ካብ ዕለት ናብ ዕለት ክሰጋገሩ ስኖም ነኺሶም ዝቃለሱ ዘለው ስድራቤታት ኩነት እስኪ ተዓዘብ! ገጾም እስከ ተመልከት! ናብራኦም እስከ ረኤ!

ናይቲ ናይ መጻኢናን ተስፋናን ዝኾነ ሕጻናትናን ኣጉባዝናን ኩነታት ምስቲ ኩሉ ኣብ ዝባኖም ተጻዒኑ ዘሎ ኣደራዕ ተወፋይነትን ምክልኻልን ዝሓቱ ንዘለው ገጻቶም እስከ ተመልከት! ኣብ ዝባኖም ዘሎ ናይ ጽባሕ ጾር እስኪ ረኣዮ፣ ኣብዚ መስኪንነትን ንኣይ ይጥዓመንን ዝመለለዪኡ ናብራናን ጸብጻባትናን ናይ ፍቅርን ፍረን ሕያው ዘርኢ ዝኾነ ሕጻናትናን መንእሰያትናን እዚ ክረኽቡስ እንታይ ይመስለካ! ተመልከት እስኪ በጃኻ! 

ናይቲ መራሒና ኮይኑ ዘገልግለና ጥበብ እግዚኣብሔር ምንጪ ዝኾኑ ገጽታ ሽማግለታትና ሕያው ዝኽሪ ናይ ሕዝብናን ታሪኽናን ዝኾኑ ይወግሕ ኣሎ ይዓርብ ኣሎ እናበሉ ግዜን ኩነታትን ዘሰልቸዎም ገጻት ሽማግለታትና ተዓዘብ! ርኤ ፍረድ!

ናይቶም ብሕማም ዝማሰኑን ጾርና ኢዩ ኢሎም ዝሕግዝዎም ሰባትን ገጽታ ተመልከት! ዋጋ ሰብኣውነት ብጥቅምን መኽሰብን ተገምጊሙ ኣብ ውርደት ክወርዱ ምውሓጥ ዝኣበዮም ሕሉፍን ህልውን ኣወዳዲሮም ጋን ኰይንዎም ዘሎ ሓገዝ ናይ ዝደልዩ ገጽታ ተመልከት እስኪ!

ናይቶም ትማሊ መሲልዎም ዝተጋገዩ ሎሚ ግን ንኩሉ ክእርሙን ብሓዲሽ ሕይወት ክጅምሩን ዝቃለሱ ኮይኑ ምስኪንነቶምን ስቃያቶምን እናሓንኰሎም ዝጽዕሩ ገጽታ ናይቶም ዝተጣዕሱ ተመልከት፣

ናይቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቅለ ፍቅሪ ገጽታ ተመልከት ኣስተንትን! እዚ ፍቅሪ እዚ ሎሚ እውን መምጽኢ ተስፋ ኮይኑ ካብ መስቀል ኢዱ ናብቶም ዝተሰቅሉ ኮይኖም ዝስምዖም ይዝርግሕ ኣሎ! ናይቲ መድሃኔ ዓለም ዝኾነ ኢየሱስ ስቁል ገጽታ ተመልከት! ኣስተንትን! ነዙይ ዝገብሮ ስለፍቅሪ ኩልና ምዃኑ ይስቈረካዶ! ተመከት ኣስተትን!

ገጽ ኢየሱስ ስቊል ምምልካትን ምስትንታንን ናይዚ ዘመነ ጾመኣርባዓ ናይ ተስፋ ዕደመን ጻውዒትን ኮይኑ በዚ ነቶም ናይ ክሕደትን ምጥርጣርን ኣጋንንቲ ዝበልናዮም ክነሸንፈሉ እንኽእል ወርቃዊ ግዜ እዩ፣ እዚ ገጽ እዚ መንግሥቲ እግዚአብሔር ክንተክል ይከኣል እዩ ንባል የኽእለና፣

ደው በል ተመልከት ተመለስ! ናበይ ናብ ቤት ኣቦኻ! ብዘይ ፍርሒ ናብቲ ምሉእ ምሕረት ዝኾነ ወትሩ ዝጽበካ ናብ ሕቊፉ ኣቦኻ ተመለስ፣

ብዘይፍርሒ ተመለስ! እዚ ግዜ እዚ ናብ ቤት ኣቦናን ኣቦኡን ክንምለስ ምሩጽ ግዜ እዩ፣ እዚ ግዜዚ ልብና ብእግዚእብሔር ክትንከፍ እንፈቅደሉ ሕሩይ ግዜ እዩ፣ ኣብቲ ዘሎኻዮ ሕማቅ ሕይወት ምትራፍ ናይ ሓዘን ምንጪ ጥራሕ እዩ ዝኸውን፣ እታ ሓቀኛ ሕይወትሲ ካብዚ ዝተፈልየት ምዃና ልብና ኣጸቢቁ ይፈልጦ እዩ፣ መሓሪ ዝኾነ እግዚብሔር ኣቦና ናይ ምሕረት ኢዱ ናባና ካብ ምዝርጋሕ ኣይከዕርፍን ኣይክደክምን እውን እዩ፣

ነታ እተሕውን እትዓርቅን ርህራሔ እግዚአብሔር ንክተስተማቅር ብዘይፍርሃት ተመለስ፣ እግዚኣብሔ ነቊሳል ሓጢኣትካ ክዝንን እሞ ነታ ብነቢያት ኣቦታትና ‘ጽሩይ ማይ ክነጽገልኩም እየ እሞ ክትጸርዩ ኢኹም። ካብ ኵሉ ርኽሰትኩምን ካብ ኵሎም ጣኦታትኩምን ከጽርየኩም እየ። ሓድሽ ልቢ ድማ ክህበኩም፣ ሓድሽ መንፈስ ከኣ ከሕድረልኩም፣ ናይ እምኒ ልቢ ኻብ ስጋኹም ከውጽእ፣ ናይ ስጋ ልቢውን ክህበኩም እየ። ንመንፈሰይ ኣብ ውሽጥኹም ከሕድሮ፣ ብትእዛዛተይ ከመላልሰኩም፣ ፍርደይ ከሐልወኩምን ከግብረኩምን እየ።’ (ሕዝ 36.26) ዝበሎ ከኣ ክፍጽሞ እዩ፣ ደው በል ተመልክት ተመለስ! እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣  








All the contents on this site are copyrighted ©.