2018-02-16 16:57:00

ቅዱስ ኣቦና ብዘለዎም ጴጥሮሳዊ ስልጣን ብሓዋርያዊ መልእኽቲ መልክዕ ዘመሓላለፍዎ ሓድሽ ኣዋጅ ዛዕባ ስንብታን ጽንሑታን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘለዎም ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣን መሰረት ብሓዋርያዊ መልእኽቲ መልክዕ ካብ ሓላፍነት ንምስንባት ምምሃር (ቅሩብነት) ብዝብል ኣርእስቲ ዕለት 15 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ምስቲ ኣብ ሕገ ቀኖኖ ዘሎ ብዛዕባ ስንብትን ጽንሖታን ዝምልከት ሕጊ ዝሳዃዕ ሓድሽ እዋጅ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ብሕገ ቀኖና መሰረት ብዕድሜ ምድፋእ ምኽንያት ካብ ናይ ሰበኻን ስዩምነት ጳጳሳዊ ሓዋርያዊ ስልጣን ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ጳጳሳዊ ሓላፍነት ምስንባት ልሂቅነት ምቕባል ዝብል ግብረ ሓዋርያት ምዕ. 20, 17-27 ጳውሎስ ንመራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ኤፈሶን ዝገበሮ ናይ ፈነዋ ዘረባን ከምኡ እውን ዕለት 30 ግንቦት 2017 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብናይቲ ዕለት ምንባባት መሰረት ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ኣሞርኵይዞም ዘመሓላልፍዎ ኣዋጅ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ካብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓላፍነት ምስንባት ናይቲ ናይ ኣገልግሎት ኵለንተናዊ ክፍሊ እዩ፡ ካብ ናይ ኣገልግሎት ሓላፍነት ምስንባት ናይቲ ናይ ኣገልግሎት ምሉእ ንምግባር ዘድሊ ክፍሊ እዩ፡ ስለዚህ፡ ብዕድመ ምኽንያት ካብ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ክትሰናበት ዝቐርብ ውሳኔኣዊ ሕቶ ድዩ ወይ ከኣ ከምቲ ሕገ ቀኖና ዝብሎ ድሕሪ 75 ዓመት ምስንባት ዝብል ውሳኔ ይጽናሕ ቢላ ዕድመ እውን ዝደፍኤ እንተዀነ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሓዋርያዊ ሓላነፍነትካ ጽንሖታ ክትሓተካ እንከላ ንምስንባት ድዩ ንምጽናሕ ምምሃር የድሊ።

ንምስንባትን ንምጽናሕን ውሳጣዊ ቅድመ ኣቅዋም ክህልወካ ብሓቂ ኣገዳሲ እዩ፡ ብዕድመ ምኽንያት ክትሰናበት ድዩ ዕድመኻ እውን ዝደፍኤ እንተዀነ ክትጸንሕ ምስ እትሕተት ድልው ምዃን ( ዕለት 12 ግንቦት 2014 ዓ.ም. ንናይ ሮማ ጳጳሳዊ ተቕዋማትን ጳጳሳውያን ኣሕደርቲ ተቕዋማትን ሓለፍትን ተመሃሮን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ዝበልዎ) ዘተሓሳስብ ትእዛዝ ምዃኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ብሕገ ቀኖና መሰረት ንኽሰናበት ዝቀራረብ ስንብት ንኽሓትት እውን እንተዀነ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ብብቕዓት ክትቀራረበሉ ይግብኦ፡ ስለምታይ ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ናይ ስልጣንን ብዘይ ብኣይ ካብ ዝብል ግምት ገዛእ ርእስኻ ግድነታዊ ክግደፍ ዘይከኣል ጌርካ ካብ ምሕሳብ ፈተና ንምልቓቕ ስለ ዘድሊ። እዚ ዓይነት ምስንዳው’ዚ ናይ ምስንባት እዋን ብሰላም ምእንቲ ክትሓልፎ የብቅዓካ። ከምዚ እንተዘይኰነ ካብ ሓላፍነት ምስንባት ምኽንያት ስቓይን ምስሕሓባትን እዩ ዝኸውን። እቲ ንስንብታ ዝዳለው ዘሎ እቲ ዝኣትዎ ሓድሽ ናይ ዕለታዊ ናብራ ኩነት ብኸመይ ክቕበሎን ክነብሮን መታን ነዚ ሓቂ’ዚ ተቐቢሉ ብጸሎት ግብረ ልልያ ገይሩ ሓድሽ ብጸሎትን ብርእሰ ምቁጽጻርን ትሕትናን ብጸሎት ምልጃን ጊዚኡ ኣብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ንባባትን ዝነብርን ኣብቲ ዘይተሓላለከ ተራ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ምስታፍ ዝብል ናይ ሕይወቱ መደብ ክሕንጽጽ ዝግብኦ ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ከምዘስመሩሉ የመልክት።

ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ልሂቅነት ግብኡ እውን እንተዀነ በንጻሩ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሓልፍነትካ ክትጸንሕ ምስ እትሓተካ ብትሕትና እቲ ኣሚትካዮ ዝነበርካ መደባትካ ሓዲግካ ብለጋስነት ምእዙዝ ምዃን የድሊ። ኣብ ሓላፍነትካ ንኽትጸንሕ ክትሕተት እንከለኻ እዚ ኩነት’ዚ ከም ሕልፊ ወይ ክም ውልቃዊ ዓወት ወይ ውን እቲ ንኽትጸንሕ ዝቐረበልካ ሕቶ ብዘሎካ ዕርክነት ድዩ ቅርበት ወይ ከኣ ኣብ ኣገልግሎትካ ስሉጥን ንጡፍን ብምንባርካ ምእንትዚ ዝወሃበካ ሓለፋ ገርካ ዘይምርኣይን ዘይምሕሳብን ይግባእ። ስለዚህ እቲ ካብ ሓዋርያዊ ሓላፍነትካ ምስንባት ክሰጋገርን ክመሓላላለፍ እንከሎ ምስ ሓባራዊ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጥቕሚ ኣተሓሒዝካ ምርኣዩ ግድን ይኸውን። እዚ ጳጳሳዊ ውሳኔ’ዚ ቅጽበታዊ ዘይኰነስ ግብረ ምሕደራ እዩ። ከምዚ ብምዃኑ ከኣ ብብቑዕ ግብረ ልልያ ዝውሰድ ብቑዕ ውሳኔ ዘቕርብ መታን ክኸውን መንፈሳውን ሰብኣውን ብርታዔ ይሓትት።

… ኩሉ ቤተ ክርስቲስያን ፍርያም ኣብ ምግባር ዝኣመተ፡ ኣገደስቲ ናይ ቤተ ክርስትያን መደባት ኣብ ፍጻሜ ንምብጻሕን ወይ ከኣ ምስ ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽሪ ምስ ዝተኣሳሰረ ኣሰራርሓን ነዞም ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽሪ ድዩ ቅዱሳት ማሕበራትን ንምሕዳስ ኣብ ዝብል ኣብ ናይ መሰጋገሪ ወቕቲ እውን ብቕድስቲ መንበር ድዩ ወይ ብስልጣናዊ ትምህርቲ ምስረቓ ክውሰን ዝኽእ ስንብታ ድዩ ጽንሖታ ክኸውን ይኽእል።

ናይ ሰበኻ ብፁዓን ጳጳሳት ወይ ከኣ ካብ ካልኦት ጳጳሳውያን ኣባይቲ ጽሕፈትን ኣባይቲ ምኽርን ስዩማን ብዕድመ ምድፋሕ ምኽንያት ብሕገ ቀኖና መሰረት ዝቕርብዎ ናይ ስንብታ ሕቶ (Rescriptum ex audientia) ዝምልከት ዕለት 3 ሕዳር 2014 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ተቐቢሎም ብፁዕነቶም ዘቕረብዎ ነዚ ጉዳይ’ዚ ንዝምልከት ኣብ ሕገ ቀኖና ንዘለዉ ዓንቀጻት ዝቃደው ክኸውን ቢሎም ክታምም ምስ ዘንበርሉ ውሳኔ ዝኸይድ ምዃኑን ብጠቕላላ  ኣብቲ ብዛዕባ ካብ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ስንብታ ድዩ ጽንሖታ ዝምልከቱ ኣብ ሕገ ቀኖና ምስ ዘለዉ ናይ ሕጊ ዓናቕጽ ዝቃደው ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.