2018-02-16 17:04:00

ኣብ ፍሎሪዳ ብዝተፈጸመ ግብረ ቅትለት ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ


ዕለት 15 ለካቲት 2018 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግዝኣት ፍሎሪዳ ብሰሜናዊ ከባቢ ሚያሚ ኣብ እትርከብ ከተማ ፓርክላንድ ኣብ ዝርከብ ማርጆርይ ስቶነማን ዶግላስ እተሰምየ ካልኣይ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ሓደ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተማሃራይ ብዝነበር ወዲ 19 ዓመት ዝዕሜኡ ኣመሪካዊ ኒኮላስ ክሩዝ ብዝፈጸሞ ናይ ቶክሲ መጥቃዕሊ ተመሃሮን መምሃራንን ናይቲ ቤት ትምህርቲ ስራሕተይናታትን ዝርክበዎም 17 ዜጋታት ንሞት ሓደጋ ከምዘቃልዔን ክሕበር እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. እቲ ዝተፈጸመ ዘሕዝን ናይ ሞት ሓደጋ ምስ ሰምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ናብ ናይ ሚያሚ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጅቶማስ ገራርድ ወንስኪ ከምዘመሓላለፉን ቅዱስነቶም ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠመሞ መንግስቲ ኣምላኽ ተመንዮም ስለ ዅሎም በቲ ዝተፈጸመ ናይ ሞት መጥቃዕቲ ንዝተፈላለየ ሓደጋን ሓዘንን ንዝተቓልዑ ጸሎት ከምዘረጋገጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ብፁዕ ኣቡነ ወንስኪ ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ናይ ሞት መጥቃዕቲ ኣመልኪቶም ምስ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብ ቀድሚ ከምዚ ዓይነት ከይፍጸም ክትገብሮ እትኽል ዓይነት ሓደጋ ክትርከብ እንከለኻ ብሓቂ ልብኻ ብጓህን ሓዘንን እዩ ዝምላእ። እንተዀነ ግና ኩሉ ስለ እቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞምን ስለ ዝተሃሰዩን ስለ ወለዳቶም ናይ ቀዳማይ ሓገዝ ኣገልግሎት ኣቕረብቲ ኣባላት ክጽልዩ ሓደራ ቢሎም፡ ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዓይነት ጓህን ሓዘንን ብሓገዝ እግዚኣብሔር ጥራሕ ኢኻ ክትበራታዕ እትኽል ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ብፁዕነቶም ኣብ 2016 ዓ.ም. ከተማ ፓርክላንድ እታ ካብ መላእ ግዝኣት ፍሎሪዳ ብጸጥታን ብደሕንነት ውሕስቲ ከተማ ተባሂላ ተሰሚያ ከምዝነበረት እንክገልጹ፡ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ክኽሰት እንከሎ ጥራሕ ዘይኰነ ብሓቂ ነኣሽቱ ሸጓጉጥን ካልኦት ዓይነት ብረትን ብነጻ ኣብ ዕዳጋ ምቕራብ ዝፈቕድ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘሎ ኣሰራርሓ ንጸጥታን ደሕነትን ምንም ዓይነት ውሕስነት ዘይብሉን ናይ ብዙሓት ንጹሓን ሕይወት ንሓደጋ ዘቃልዕ ምዃኑ ዝምልክቶ ኣካል ኣስተውዒሉ ብጥልቂ ክምልከቶን ወይ ከኣ ናይ ግሊ ብረት ምጥቃም ዝፈቕድ ሕጊ ጽኑዕ መምርሒ ከንብረሉ  እሓትት ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.