2018-02-19 16:49:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ 2018 ዓ.ም. ጳውሎስ ሻድሻይ ቅዱስና ክእወጀሎም ምዃኑ ገሊጾም


ብምኽንያት ምጅማር ዓቢይ ጾም ናይ ሮማ ጳጳስ ቅዱስ ኣቦና ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 15 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ኣብ ናይ ሮማ ሰበኻ መንበር ጳጳሳዊ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ባዚሊካ ምስ ናይ ሰበኻ ሮማ ካህናት ተራኺቦም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና 2018 ዓመተ ምሕረት ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድስና ክትእውጀሎም ምዃና ብወግዒ ከምዝሓበሩ ቫቲካን ነውስ ካብ ዝሃቦ ሓቤረታ ክፍለጥ እንከሎ፥ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣብ ቀረባ ዓመታት ቅድስና ዝተኣወጀሎም ናይ ሮማ ጳጳሳት ዝነበሩ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ከምኡ እውን ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ ጵውሎስ ዳግማዊ ዘኪሮም፡

ብጠቕላላ 80 ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድስና ዝተኣወጀሎምን ካልኦት ከም ፒዮስ ታሽዓይ ጳውሎስ ሻድሻይን ብፅዕና ዝተኣወጀሎምን ከምኡ እውን ፒዮስ መበል 12ን ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማውን ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዝብል ስያሜ ከምእተውሃቦም እውን ዘኪሮም፡ ጳውሎስ ሻድሻይ ዕለት 19 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዛዕባ ስድራ ቤት ዝዘተየ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፍልዩ ሲኖዶስ መኽፈቲ ብዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅድሴ ብፅዕና ከምዝኣወጁሎም ዘዘኻኸረ ቫቲካን ነውስ ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ዘይሕለል ሓዋርያዊ ዓቢይ ር.ሊ.ጳ. ቢሎም ትሑትን ነቢይን  ንኽርስቶስን ንቤተ ክርስቲያኑን ዘለዎ ፍቕሪ መስካሪ፡ ኣብቲ ምጽኣት ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዘወግድ ባህሊ ኵነት ነታ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ መርከብ ኣብ ዘጋጥማ ዝነበሩ ምንዋጻት ኣብ ጐይታ መልሒቖም ኣብ እማኔ ኣጽኒዖም ሓሴት ከየጥፍኡ እምነት ዘጽንዑ፡ መላእ ሕይወቶም እቲ ናይ እግዚኣብሔር ዝዀነ ኵሉ ንእግዚኣብሔር ዝበሉን ኣብዚ ንእግዚኣብሔርነት ምእመናን ዘተባብዑ፡ ነቲ ዝተባርከን ቅዱስን ሕይወቶም ዘወፈዩ ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ብቀት ብምምራሕ ብትሕትና ዘፍቀሩ ናይ ክርስቶስ ተልእኾ ብፍቕርን ምስ ፍቕርን ዝበሉ ኣደነት ቤተ ክርስቲያን ንመላእ ዘርኢ ሰብ ዘቕረቡን ኣደነታ ንመላእ ድሕነት ሰብ ዘበሰሩ ምዃኖም ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናይ ዕለት 19 ሕዳር 2014 ዓ.ም. ስብከቶም ከምዝገለጽዎም ቫቲካን ኔውስ የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.