2018-02-20 09:54:00

ስለ እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝካየድ ሲኖዶስ ኣብ ማሕበራዊ መረብት ድምጺ መንእሰያት


ብምኽንያት እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ንኽካየድ ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተጸውዔ ዛዕባ መንእሰይን እምነትን ልልያ ጸዋዕታን ርእሰ ጉዳይ ዝዝትይ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳቲ ሲኖዶስ ምኽንያት ኣብ ሮማ ካብ ዕለት 19 ክሳብ ዕለት 24 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ንኽካየድ ዝተጸውዔ ቅድመ ሲኖዶስ ዓውደ ጉባኤ ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ 300 መንእሰያት ዘቕርብዎ ሓሳብ ዘእንግድ ከምዝኸውንን ካልኦት ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ዝግመቱ ከኣ በቲ ንመቀራረቢ ሲኖዶስ ናብ ኩለን ሃገራት ናብ ዝርከባ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝተላእከን ኣብ መርበብ ሓበሬታ እውን ዝሰፈረ መጠይቓዊ ሰነድ መሰረት ዝሃብሉ መልስን ብማሕበራዊ መረብት ኣቢሎም ብቐጥታ መልስን ምስክርነትን ብምሃብ ዝሳተፉ መንእሰያት ዘእንግድ ዓውደ ጉባኤ ምዃኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኣለሳንድሮ ደ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ቅዱስ ኣቦና ዕለት 19 መጋቢት ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ብወግዑ ዝጀመርሉ ዕለት ክኸውን እንከሎ። እቲ ሮማ ኣብ ዝርከብ እኖ ኣምላኽ እተሰምየ ካቶሊካዊ ተቕዋም ዘእንግዶ ቅድመ ሲኖዶስ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 19 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ብዝልግስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዝኽፈትን ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ደ ቡሶሎ ኣስዒቦም፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ቅድመ ሲኖዶስ ዓውደ ጉባኤ ካብ 5 ክፍለ ዓለም ዝተዋጽኡ ንመላእ ኣብ ዓለም ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ዝውክሉን ከምኡ እውን ንዝተፈላለያ ምንቅስቓሳትን ወለንተይናታትን ካብ ቤተ ክርስቲያንን ንዝተፈላለያ ክልኦት ሃይማኖታትን ኣቢያተ ክርስቲያን ንኽውክሉን ዝተዋጽኡ መንእሰያት ንዘቕርቡሎም ሕቶ መልሲ ክህቡን ካብ ዝተፈላለየ ቤት ማሕቡስ ካብ ዝርከቡን ከምኡ እውን ናይ ዕጸ ፋርስ ኣደዳ ዝኾኑ መንእሰያት ካብ ዝርከብሉ ቤት መእርም ንዘመሓላልፍዎ ሕቶ መልሲ ክህቡ ምዃኖም የመልክቱ።

ኢኣማንያን መንእሰያትን ወለዲ መንእሰያትን መምሃራንን ካህናትን ሰብ ሙያ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ናይ ስነ መንእሰያት ጉዳይ ሊቃውንትን እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳይ መንእሰያት ኣብ ዝምልከቶም ዝትንክፎን ዓውዲ ተዋፊሮም ዘገልግሉ ኣካላት ዝውክሉ ዘሳትፍ ከምዝኸውን ደ ቡሶሎ እንከመልክቱ፡ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ባልዲሰሪ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ኣብ 2017 ዓ.ም. ወርሒ መጋቢት ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ሕብረት ኣብ ሃገረ ስፐይን ከተማ ባርቸሎና ተመሳሳሊ መንእሰያት ኤወሮጵ ዘሳተፈ ቅድመ ሲኖዶስ ዓውደ ጉባኤ ከም እተኻየደን ከምኡ እውን ዓለም ሓቆፋዊ ዘተ ዛዕባ መንእሰያት ኣፍሪቃ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ዳካር ክርስቲያንን እስላምን መንእሰያት ብሓባር ዘሳተፈ  መደብ ቅድመ ሲኖዶስ ዓውደ ጉባኤን ከምእተኻየደን፡ ኣብ ናይ ተዘ ማሕበረሰብ ኣብ ዘካይዶ ሰሙናዊ ጉባኤ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ብዛዕባ እቲ ንኽካየድ ዝተጸውዔ ሲኖዶስ ዘተ ከምዝካየድን ምዝ እዚ ብምትሓሕዝ እውን ሎሚ ዕለት 17 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ዓቢይ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ማሕበረሰብ ሻሎም ዘዳለዎ መደብ ጸሎት ከምእተኻየደን ኣብ ሉርደስ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ እውን ሰሙናዊ ጸሎት ምእንቲ ሲኖዶስ ዝካየድ ምዃኑ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.