2018-02-22 09:19:00

ሓምሻይ ኣስተንትኖ መንፈሳዊ ሱባኤ፥ ኣብ ቀራንዮ ጽምኢ ኢየሱስ ናይ እዋንና ታሪኽ እዩ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ኣባላት ሓዋርያዊ ምሕደራ ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕብራትን  ላዕለዋዎት ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ኩሪያ ሮማና ብምኽንያታ ዓቢይ ጾም ዕለት 18 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ኣብ ከባቢ ሮማ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣሪቻ ኣብ ዘሎ ቤት መለኮታዊ መምህር ዝጀመርዎ መንፈሳዊ ሱባኤ ብምቕጻል ናይቲ ሱባኤ ሰባኬ ደራስን ናይ ቲዮሎጊያን ስነ ግጥምን ሊቅ ናይ ሊስቦና ሰበኻ  ካህን ፖርቱጋላዊ ኣባ ኾሴ ቶለንቲኖ ደ መንዶሳ ኣብ ቀራንዮ ናይ ኢየሱስ ጽምኢ ናይ እዋንና ታሪኽ እዩ ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ኣማእኪሎም ሓምሻይ ኣስተንትኖ ከምዘቕረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ገሊጸን።

ኣብ ቀራንዮ ናይ ጊዜ ኢየሱስ ማእከል ጽምኢ እዩ። ናይ ትስብእቱ ፈተናን ናይ ሞቱ ክውንነትን ቀንዲ ናይ ሕይወቱን ሞቱን ጥልቃዊ ትርጉሙ ዘብርህ ትእምርታውን መንፈሳውን ጭቡጥ ምልክታ እታ ኢየሱስ ጸማእኩ ዝበለላ ሰዓት እያ ካብ ዝብል ሓሳብ ኣባ ቶለንቲኖ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ኣበጊሶም፥

ወንጌላዊ ዮሓንስ ናይ ኢየሱስ ታሪኽ ሕይወት ኣብ ቀራንዮ እንከዘንትው ሰለስሰ ሳዕ ኢየሱስ ጸምአ ዝብል ሓሳብ ይጥቀም። ኢየሱስ ምስታ ሳምራዊት ሰበይት ኣብ ዔላ ያዕቆብ ምስ ተራኸበ፥

ካብዚ ማይ እዚ ዚሰቲ ዘበለ መሊሱ ኺጸምእ እዩ። ካብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዚሰቲ ግና እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ኣብኡ ንዘለዓለም ሕይወት ዚፍልፍል ዓይኒ ማይ ኪኾነሉ እዩ እምበር ንዘለዓለም ኣይኪጸምእን እዩ፡ (ዮሓ. 4, 13-14)

ከምዝበላን ከምኡ እውን ብዛዕባ ናይ ሕይወት እንጌራ ክዛረብ እንከሎ፥

ናይ ሕይወት እንጌራ ኣነ እየ። እቲ ናባይ ዚመጽእ ኣይኪጠምን እቲ ብኣይ ዚኣምን ድማ ከቶ ኣይኪጸምእን እዩ (ዮሓ. 6,35)

ደሓር እውን ከምቲ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 7፥ ኢየሱስ ኣብ በዓለ ዳስ፥

ዝጸምኤ እንተሎ ናባይ ይምጻእ እሞ ይስተ። እቲ ብኣይ ዚኣምን ከምቲ ጽሑፍ ዝብሎ ካብ ውሽጡ ርባታት ማይ ኪውሕዝ እዩ … (ዮሓ. 7,38)

ወንጌላዊ ዮውሓንስ ብዛዕባ ጽምእን ማይ ሕይወትን መንነት ማይ ሕይወትን ይዛረብ፥

ናይታ ሳምራዊት ጽምኢ

ኣብቲ ምስታ ሳምራዊት ዝፍጠር ርክብ ኢየሱስን ሳምራዊትን ብዘይ ኣቃልቦ ክሕለፍ ዘይብሉ ናይ ሓላፍነታዊ ግደ ምቅይያራት ዝርኣየሉ ዓይነት ርክብ ምዃኑ እዩ። ኢየሱስ እቲ ማይ ዝህብ ማይ ኮታ ኣስትይኒ እንክብል ይሓትታ፡

እታ ሳምራዊት ኢየሱስ ዝብሎ ዝነበረ ብኡንብኡ ኣይተረድኣትን። ንሳ ነቲ ጽምኢ ኣብ ሰብኣዊ ባህርይ ዘሎ ሰብኣዊ ምዃን ዝሓቶ ከምዝዀነ ስለ እትፈልጥ፡ በዚ መገዲ’ዚ ትርድኦ ‘ብምዃን ሰብ”። ኢየሱስ ገና ኣብቲ ምስኣ እንክራኸብ መንፈሳዊ ትርጉም ዘለዎ ኣበሃህላ እዩ ዝጥቀም። ንሱ ዝዛረቦ ጽምእን እቲ ንሳ እትሓስቦ ጽምእን ዝተፈላለየ እዩ፡ ኢየሱስ እንታይነት ጽምኢ እንከረድኣ፡ ‘ህያብ ኣምላኽን እቲ ኣስትይኒ ዚብለኪ ዘሎ መን ምዃኑን እንተ ትፈልጥስ፡ ንስኺ ምለመንክዮ ኔርኪ፡ ንሱ ኽኣ ማይ ሕይወት ምሃበኪ ነይሩ’ (ዮሓ. 4,10)

እንክብል ይዛረባ፡ በዘን ቃላት እዚኣተን ኣቢሉ የፍልጣ።

ኢየሱስ ጸማእኩ ቢሉ ማይ እንክሓትት መጺጽ ፈሳሲ ይቐርበሉ

ኢየሱስ ኣብ ቀራንዮ ማይ ናይ ምስታይ ሰብኣዊ ድላይ ይገልጽ። ጸማእኩ ይብል። ይኹን ደኣ እምበር ንጸማእኩ ዝብል ልመናኡ ዝርድኣሉ ይስእን እሞ ኣክንዲ ማይ መጺጽ ፈሳሲ ዝመላኤ ሰፍነግ ኣብ ዘንጊ ስምዕዛ ገይሮም ናብ ኣፉ የቕርብሉ፡ ኣክንዲ ማይ መጺጽ ፈሳሲ የስትይዎ። ነዚ መጺጽ ፈሳሲ ምስ ሰተየ ተፈጸመ! በለ ርእሱ ኣድነነ ነፍሱውን ወጸት (ዮሓ. 19,29)  ከምዝበለ ዝገለጹ ኣባ ቶለንቲኖ ኣስዒቦም፥ ጽምኢ ናይ ኢየሱስ ነቲ ውዕዉዕን እሙንን መንፈስን ነቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዘሎ ጥልቂ ጽምኢ ከርውይ ዝኽእል እውነተይና ማይ ዝህብ እዩ።

ህልዎት ጽምኢ ማለት ኣብ ኢየሱስ ምእማን ማለት እዩ

ሕጂ እውን ኣብቲ በዓል ዳስ ህልዎት ጽምኢ ማለት ኣብ ኢየሱስ ምእማን ማለት ምዃኑን ጽምእኻ ንምርዋይ ማይ ክትሰትይ ናብ ኢየስሱ ምኻድ ማለት እዩ፡ ማይ ንምስታይ ናብ ኢየሱስ ምኻድ።

እቲ ኢየሱስ ዝገልጾ ጽምኢ ብትኽክል ናይ ህልውና ጽምኢ እዩ፡ ስለዚህ እዚ ናይ ህልውና ጽምኢ ዝረውይ እቲ ጽምኢ ምስቲ ናቱ ሕይወት ምስ ዝራኸብ እዩ፡ ህልዎት ጽምኢ ማለት ህልዎት ጽምኢ ናይ ኢየሱስ ኣባኻ ማለት ኢዩ። እዚ ክርስቶሳውነት ዘማእከለ ሕይወት ንኽንነብር ከምእተጸዋዕና ድማ የመልክት። ካባና ወጺእና ነቲ ጽምእና ዘጥፍእ ርወየት ንምርካብ ነቲ ዘሕምመናን ዝዶቕስነናን ናይ ርእሰ ውከሳ ፈተና ክንስዕር መታን ንኢየሱስ ምድላይን ምርካብን የድሊ።

ስእነት ትርጉምን ድላይነት ድሕነትን

ጽምኢ ኢየሱስ ይብሉ ኣባ ቶለንቲኖ ደ መንዶሳ ነቲ ኣብ መዓሙቕ ልብና ዘሎ ጽምኢ ከነስተውዕልን ንዘሎና ጽምኢ እግዚኣብሔርን ስእነት ትርጉምን ስእነት ሓቅን ነቲ ዋላ’ኳ ብናይ ህልውናዊ ዕንወታት ስዉርን ወይ ከኣ ዝተቐብረን እንተመሰለ ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘሎ ናይ ድሕንት ሃረርታን ኩሉ ንምርዋይ ነዚ ጽምኢ ከነገልግል ድልዋት ይገብረና ከምዝበሉ ዝሓብራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ጂሶቲ ኣስዒበን፥

ሰብ ተስፋ ንምዃን ሰንሰለት ጊልያነት ምብታኽን ነቲ ኣባና ዘሎ ሓይሊ ምሕራር

ከምቲ እናቴ ቅድስቲ ተረዛ ዘካልኵታ ቃል ኢየሱስ ከተስተምህረና፥ ጸማእኩ  ዝብል ናይ ኢየሱስ ቃል ኣብ ኩሉ ናይ ማሕበራ ገዳማት ኣብ ዝርከቡ ናይ ልኡካን ደቂ ፍቕሪ ኣባይቲ ጸሎት መንበረ ታቦት ላዕሊ ብዓቢይ ተጻሒፉ ክንበር ገይራ እያ። እዚ ጸማእኩ ዝብል ቃል ኢየሱስ ናይ ኢየሱስ ኣብ ሕሉፍ ታሪኹ ዝተርፍ ተመክሮ ጥራሕ ዘይኰነስ ሎሚ እውን ሕያው ምዃኑ ንምዝኽኻር ቢላ እዩ። ገለ ገለ ኣዋን ካብ ገዝእ ርእሳ ወጺኣ ናብ እትብል ቤተ ክርስቲያን ክንከውን ዘብቅዓና መንፈስ ውዑዕ ስምዒትን መንእሰያውነትን ሓሴትን ኣልቦ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ኰይንና ስለ እንርከብ፡ ወትሩ ብዘይ ምቁራጽ መንፈስ ቅዱስ ከነናድይ ይግብኣና። እዚ እዩ ናይ ኢየሱስ ጽምኢ ትርጉሙ ከምዝበሉ ሓቢረን።

ናይ ኢየሱስ ጽምኢ፡ እቲ ኣብ ውሳጣዊ ነጻነት ከይንስጉምን ከይንዓብን ዝዕንቀጸና ኣብ ገበነይናነትን ጸጸትን ኢጎነትን ከትርፈና ዝኽእል ሰንሰለት ይበትኽ፡ ህልዎት ጽምኢ ኢየሱስ ኣባና ነቲ ኣብ ምዃናዊ ውሳጤና ዘሎ ውዕዉዕ ሓይሊ ብምሕራር ልክዕ ከምኡ ካብቲ ንዓለም ዝበታትኽ ዘሎ ስቓይን ግርጭትን ከይሃደምና ኣብ ክንርከበሉ ዝግብኣና ቦታ ክንርከብን ማሕበረሰብ ክንፈጥርን ናይ ፍቕሪ ስፍራ ኰይንና ናብዛ እንነብረላ መሬት ተስፋ ከነብጽሕ መታን ቦቕባቓትን መጋበርያን ገበርቲ ሰላምን ክንከውን የብቅዓና፡

እንክብሉ ዘቕረብዎ ሓምሻይ ኣስተንትኖ ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ሮበርታ ጂሶቲ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.