2018-02-24 10:11:00

ምእንቲ ሰላም መዓልቲ ጾምን ጸሎትን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 4 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዝለገስሉ እዋን፡ ዕለት 23 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ምእንቲ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ደቡብ ሱዳንን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከምዝኣወጁን ኣብዚ መደብ ጾምን ጾሎትን ካልኦት ሃይማኖታትን ኣቢያተ ክርስቲያንን ክሃብራ ጻውዕቲ ኣቕሪቦም ከምዝነበሩ እንክዝከር፡ በዚ ምኽንያት እነሆ ሎሚ ዕለት 23 ለካቲት ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከምእተፈጸመ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ሮበርቶ ፒየርማሪኒ ሓቢሮም።

ቅዱስ ኣቦና ደቡብ ሱዳንን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐን ካልኦት ኣተን ዓውደ ውግእን ዓመጽን ከይነን ዝርከባ ሃገራት እናሓሰቡ ኩሉ ካቶሊክን ዘይካቶሊክን ክርስትያንን ዘይክርስቲያንን ብጠቕላላ ሰዓቢ ናይ ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምእንቲ ሰላም ጾምን ጸሎትን ክፍጽም ዝመሓላለፍዎ ናይ ሓደራ ቃል እነሆ ሎሚ ኩሉ ብሓባር ከምዝፈሞ ፒየርማሪኒ ገሊጾም፥ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ዘሎ ውጥረትን ግርጭትን 4 ሚሊዮን ሕዝብ ንምዝብልናን ልዕሊ 13 ሚሊዮን ዝግመት ሕዝቢ ንደላይነት ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝዳረገን ከምኡ እውን እቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ዕግርግ 2 ሚሊዮን ሕዝቢ ንምዝብልና ከምዝዳረገ ሓቢሮም፥  ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ውህደት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ኣብዚ መንፍሳዊ መደብ ምእንቲ ሰላም ጾምን ጸሎትን ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ክሓብራ ንናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዓለም ሓቆፍ ቤት ምኽሪ ጥቕላሊ ዋና ጸሓፊ መጋቤ ኦላቭ ፍይክሰ ትቫይት እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ከምዝነበሩ ኣዘኻኺሮም መጋቤ ትቫይት ኣውን ብወገኖም ነቲ ዝቐረበሎም ጻውዒት ኣእንጊዶም ነተን ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ኣባላት ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብቲ ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝቐረበ እምንቲ ሰላም ናይ ጸምን ጸሎትን መደብ ክሓብራ ከምዘተሓሳሰቡ ኣፍሊጦም።

ኣንግሊካው ውህደት ኣውን ኣብዚ ጸሎት’ዚ ብምሕባር ብፍላይ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣቦና ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላም ንምርግጋጽ ኣሚቱ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሰላም ዘተ ዕዉት ክኸውን ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ እትርከብ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ኩሉ ክጽልይ ሓደራ ቢሎም፡ ኣብቲ ጸሎት እውን ከምዝሓበሩን ዝገለጹ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ፒየርማሪኒ ኣስዒቦም፥ ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ውህደት ቤት ምኽሪ ቅዱስ ኣቦና ነዛ መዓልቲ ጸሎት ኣብ ኵለን ኣቢያተ ክርስቲያን እንከነቓቕሑ ካብኡ ሓሊፉ እውን ወትሩ ኣብ ጸሎቶም ዝሳቐይ ሕዝቢ ህልው ዝገብር እውን ብምዃኖም በይንና ከምዘይኰንና የረጋግጹልና እንክብሉ ንሰላምን ዕርቅን ዘነቓቕሕ ምዕዳኖምን ምኽሮምን የድልየና እንክብል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከምዘስመረሉ ኣፍሊጦም።

ዘይክርስቲያን ሃይማኖታት እውን ብናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ዣን ልዊስ ታውራን ንሑባሬ ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ምእንቲ ሰላም ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐን ደቡብ ሱዳንን ጻውዒት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እወታዊ ምላሽ ከምዝሃባሉ ፒየርማሪኒ ኣብ ዘማሓላለፍዎ ጸብጻብ የመልክቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.