2018-02-24 10:08:00

ታሽዓይን ኣስተንትኖ መንፈሳዊ ሱባኤ፥ ናይ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን ጽምኢ ምስትውዓል


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ሓዋርያዊ ምሕደራ ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕብራትን ጳጳሳውያን ኣባይቲ ጽሕፈት ኩሪያ ሮማና ላዕለዎት ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ብምኽንያታ ዓቢይ ጾም ዕለት 18 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ኣብ ከባቢ ሮማ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣሪቻ ኣብ ዘሎ ቤት መለኰታዊ መምህር ዝጀመርዎ መንፈሳዊ ሱባኤ ሎሚ ዕለት 23 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ከምእተጠናቐቐ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ሚከለ ራቪያርት፡ ናይቲ ሱባኤ ሰባኬ ደራስን ናይ ቲዮሎጊያን ስነ ግጥምን ሊቅ ናይ ሊስቦና ሰበኻ  ካህን ፖርቱጋላዊ ኣባ ኾሴ ቶለንቲኖ ደ መንዶሳ ደጋዊ ወይ ወሰናስን ህልውናን ከተማታትና ንኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምዃናዊ ሕመርት እዩ። ቤተ ክርስቲያን ገዛእ ርእሳን ምስ ገዛእ ርእሳን እትረኽበሉን እትራኸበሉን ደረት ትርኢትን ተመክሮን ስፍራ እዩ፡ ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ኣማእኪሎም ትማሊ ዕለት 22 ለካቲት ድሕሪ ቐትሪ ታሽዓይን ኣስተንትኖ ከምዘቕረቡን ገሊጾም።

እቲ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ካብቲ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት እግዚኣብሔር ንቃኤል ፥ ሓውኻ …  ኣበይ ኣሎ?  እንክብል ካብ ዘቕረቦ ሕቶ እቲ ናይ ደጋዊ/ወሰናስን ክፍሊ ከተማታትናን ህልውናን ጽምኢ ጽን ምባል ኣገዳስነቱ ዝትንትን ኣስተንቶ እንከቕርቡ፥ ንናይ ዓለምና ጭቡጥ ኩነታትን ነቲ ዅሉ ኣብ ዙሪያና ዘሎን ንምጥማት የዕይንትና ቋሕ ምባልን ምኽፋትን፡ ሓውና ኣብ ድኻታትን ኣብቶም ዝተናዕቁን ነቲ መንፈሳዊ ጽምእን ቃል ብቓሉ ጽምኢ ዝብል ምዃናዊ ኩነት ከይዘንጋዕና ነዚ ጽምእ’ዚ ምድላይ። ጽምኣትካ ወትሩ ህልው እዩ፡ ቢሎም ኣስዒቦም፥ ማእከልን ወሰናስንን ከተማታትን ህልውናን እንታይ ማለት እዩ። ማእከልን ወሰናዊ ዓለም ክበሃል እንከሎ እንታይ ማለት እዩ። ኩሉ ዝስተይ ማይ ናይ ምርካብ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣለዎ። ክገሃስ ዘይብሉ ናይ ኵሉ መሰረታዊ መሰልን ክብርን ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ይሴባሕ እትብል ዓዋዲት መልእኽቶም ከምዘዘኻኸሩ ሓቢሮም ኣብ ዓለም ካብ ዘሎ ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝቢ እቲ 2 ሚልያርድ ዝግመት ዝስተይ ጽሩይ ማይ ምርካብ ዝብል ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝተሓርሞ እዩ። ስለዚህ እዚ ኩነት’ዚ ነቲ ዓለም ዝኽተሎ ዘሎ ናይ ኣነባብራ ኣገባብ ኣብ ሕቶ ዘእትውን ክልወጥን ከምዘለዎ ዘመላኽት ጭቡት መርትዖ እዩ። ኣገባብ መነባብሮን ልብን ክልወጥ ዘተሓሳስብ ሰብኣዊ ኩነት እዩ። ኣንጻር ነቲ  ናይ ትርፋ ትርፊ ዝቕባበ ዘስዕቦ ምብኻንን ዘይማዕርነትን ባህሊ ምኻድ የድሊ። ሃባትም ሃገራት ሃብቲ ከባኽና ካልኦት ብዙሓት ድማ ኣብ ሕሰም መከራን ይነብሩ።

ኢየሱስ ወሰናዊ/ዳራዊ ሰብ እዩ

ኣብዚ ጭቡጥ ኩነት’ዚ ቤተ ክርስትያን ወሰናዊት ወይ ዳራዊት ምዃንን ኣብቲ ሓሳርን መከራን ኢዳ ከተእቱን ኣብኡ ክትርከብን ናይቲ ዳራውን ኣቝሳልን ኣካል ምዃን ከፍርሃ የበሉም። ወትሩ ምስ እዚ ህልው ኩነት ካብ ምንጽጻር ዘይትቦክር ክትከውን ግድን እዩ። ኢየሱስ ንገዛእ ርእሱ ዳራዊ/ወሰናዊ ሰብ ምዃኑ ድማ ኩሉ ደቀ መዝሙርን ሓዋርያን ክፈልጦ ይግብኣ። ኢየሱስ ሮማዊ ዜጋ ኣይነበረን ናይቶም ኣይሁዳውያን ሊቃውንቲ ወገን እውን ኣይነበረን። ኣብ ዳራዊ ክፍሊ ከተማ ይሁዳ እዩ ዝተወልደ። ኣብታ ንእስራኤልን ንግዛኣት ሮማውን  ወሰናዊት ደጋዊትን ኣብ ዝነበረ ከተማ ይሁዳን ካብኡ ሓሊፉ እውን ኣብቲ ናይታ ዳራዊት ከተማ ከነሳ ኣብቲ ናይታ ከተማ ወሰናዊ ከባቢ እውን እዩ ዝተወልደ፡ ካብቲ ደጋዊ ነቶም ሕሙማንን መንፍፈስ ዲያብሎስ ዝሓደሮምን እናፈወሰ ወጻእተይናታትን ስደተይናታትን ኣናአንገደ ሓጥኣንን  እናመሓረ ድኻታት እናዐንገለ ሰብኣዊ ክብሮም እናሃበ ካብኡ ይብገስ፡

ዳራውነት ወይ ወሰናውነት ኣብ ናይ ክርስቲያን ምዃናውነት ሕመረት እዩ። ናብቲ ናብ ናይ መበቆሉ ህሉው ኩነት ዘቕርቦ ኵነት እውን እዩ። ስለዚህ እዚ ሓቂ’ዚ ነቲ ናይ መንፈሳውን ህልውናውን ትንታኔታት መፍትሕ እዪ። ኣብ ኩሉ መዋዕል ንናይ ክርስቲያን ተመክሮ ምስ ኢየሱስ ዝራኸበሉን ዳግማይ ዝራኸበሉን ሓለፋዊ ስፍራ እዩ።

ህያውነት ትልሚ ክርስቲያን ኣብ ደጋዊ እዩ

ክርስትና ንገዛ ርእሱን ብባህርዩ እውን ዳራዊ/ወሰናዊ ኡነት እዩ። እዚ ኸኣ ማእከላዊ ከባቢ ከተማታት ናይ መፈጸሚ ምሕደራውን ንግድን ዕዳጋን ቤተ መዘክር ንበጻሕትን ስፍራ ምዃኑ ዘሎ ሓቅነት እውን ዘመላኽቶ ጭቡጥ ኩነት እዩ። ስለዚህ እቲ ናይ ክርስትያን ትልሚ ሕያው ተሳታፍነቱ ኣብቲ ደጋዊ/ዳራዊ እዩ። ኣብቲ ኵሉ ዘይርጉጽ ዝዀነሉ ሕንጻታት ዘይኰነስ ኣብቲ ስንኩፍ ጽላል ዘለሉ ከባቢ ቤተ ክርስቲያን ህያው ትኸውን፡ ህያውነት ካብ ዳራውነት፡ ስለዚህ ኸኣ ንቤተ ክርስቲያን ዳራዊ ደረት ተመክሮ እምበር ጸገም ወይ መሰናኽል ኣይኰነን። ካብ ገዛእ ርእሳ እትወጽእን ምስ ገዛእ ርእሳ እትራኸበሉን ስፍራ እዩ።

ምስ ደጋዊ ክፍሊ ምርኻብ ናይ ግብረ ሰናይ ትእዛዝ ወይ ናይ ፍቕሪ ስራሕ ዘተሓሳስቦ ጉዳይ ጥራሕ ስለ ዝዀነ ኣይኰነን እንታይ ደኣ ምስ ክርስትናን ምዃናዊ ክርስትናን ምራኻብ ዝፈቅድ እቲ ምራኻብ ክህሉ ዝገብር ታሪኻውን መልክኣ ምድራውን ምንቅስቃስ እዩ፡ ናይታ ዳራዊት ክነሳ ኣብ ወሰናስን ህልውናን ከተማታትን እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ጽምኢ ጽን ምባልን ምስትውዓልን እውን የድሊ።

ቅዱስ ዮውሓንስ ኣፈወርቅ ቤተ ክርስቲያን፡ እቲ መንበረ ታቦታዊ ቅዱሳት ምስጢራትን ናይ ኣሓውን ኣሃትን ቅዱስ ምስጢራውነት ዝገማማዓላ ከይትኸውን ብምትሕስሳብ እዚ ዓይነት እቲ ምስጢረ ቅሩባን ካብቲ ቅዱስ ምስጢር ዝዀነ ድኻ ሓው ዝፈላለየሉ ምግምማዕ ከኣ መዓተይናን ዘሰንብድን ከቢድን እዩ እንክብል ክምዝገልጾ እዩ።

ዳራዊ/ወሰናዊ ናይ ነፍሳዊ ስፍራ እዩ

ህላዌ ዳራዊ ናይ ኤኮኖሚያዊ ጉዳይ ዝፈጥሮ ኩነት ጥራሕ ኣይኰነን። ኣብ መንጐናን ኣብ ጥቓና እውን ዘሎ ብዙሕ ጊዜ ማእለያ ኣብ ዘይብሉ ርሕቐት ከምዝርከብ ኰይኑ ዝስምዖ ምእንጋድናን ሓንጎፋይ ቢሉ ዝቕበል ሑቕፎና ዘድልዮ እቲ ዝስምዖ ርሕቐት ክሰዓር ዝደልይ ክህሉ ይኽእል። ምእንቲ’ዚ ሰብኣውነት ዋላ’ኳ ካብቲ ናይ ብጻይናን ጐረቤትናን ወጅሂ ንብዓቱ ከይህሉን ካብ የዕይንቱ ንብዓቱ ከየውሕዝ ንምግባር ዝከኣለና እውን እንተዘይኰነ ሑቕፎና የድልዮን ንብዓቱ ዝሕብሰሉ መሃረም ሂብና ኣጆካ ኣብ ጐድንኻ እየ፡ በይንኻ ኣይኰንካን ክንብሎ ዝደልይ እዩ። ዳራዊ ከባቢ ህልውናን ከተማታትን ኣካላዊ ቦታ ጥራሕ ኣይኰነን ናይ ህልውናና ውሳጣዊ ክፍሊ እዩ። ናይታ መጓሰይ ዘድልያ ነፍስና ስፍራ እዩ እንክብሉ ኣባ ቶለንቲኖ ደ መንዶሳ ዘቕረብዎ ታሽዓይ ኣስተንኖ ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ራቪያርት ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.