2018-03-05 18:43:00

እምነት ብመንፈስ እግዚአብሔር ምሕሳብን ምንባርን እዩ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ንግሆ ኣብ ቤትጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ቤተክርስትያን ካባና እትደልዮ ሓሳብ ክርስቶስ ኣልዩናስ ከም ትምህርቱ ለውጢ ሓሳብ ክህልወና እምበር ረኣዩኒ ስምዑኒ ዚዓይነቱ ደጋዊ ለውጢ ኣይኮነን’ እንክብሉ ኣብቲ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ብዛዕባ ንእማን ሶርያዊ ንዝዝንቶ ብምጥቃስ ሰቢኾም፣

ከም ግጽዊ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ቀዳማይ ንባብ ናይ ሎሚ ካብ ካልኣይ መጽሓፈ ነገሥት 5 ዝተወስደ ኮይኑ ንእማን ዝበሃል እሙን ሓለቃ ሚእቲ ብለምጺ ምስ ሓመመ ሓንቲ ካብ እስራኤል ዝተማረኸት ኣገልጋሊቱ ናብ ኤልሳዕ ነቢይ እንተኸደ ከሕውዮ ከምዝኽእል ምስ ነገረቶ ናብ ንጉሥ ሶርያ ከይዱ ምስ ሓተተ ብሓጐስ ተቀቢሉ ናብ ንጉሥ እስራኤል መልእኽቲ ጽሒፉ ለኣኾ፣ ንጉሥ እስራኤል ከኣ እዝስ ፈተነን ነገር ምድላይን እዩ እምበር ኣነስ እግዚአብሔር ኮይነ ዝቀትልን ዝምሕርን ኣይኮንኩን ኢሉ ተበሳጭዩ ክዳኑ ክሳብ ምቅዳድ ከምዝበጽሔን ኤልሳዕ እቲ ናይ እግዚአብሔር ሰብ ነዚ ሰሚዑ ንንጉሥ ነቲ ሕሙም ናባኡ ክሰዶ ይሓቶ እሞ ንእማን ድማ ተሓጒሰ ምስ ከደ ከይተንከዮን ምንም ከይበሎን ኪድ ናብ ሩባ ዮርዳኖስ ሸውዓተ ግዜ ጥለቅ ምስ በሎ ተቈጢዑ ሩባታት ዓዱ ካባኡ ከምዝበልጽ ብምግላጽ ምስ ኣንጸርጸረ ጊላልዎቱ ብዝመኸርዎ ነቲ ዝተባህሎ ምስ ገበረ ካብ ለምጹ ከምዝሓውየን ቈርበቱ ከም ናይ ሕጻን ሓዲስ ከምዝኾነን ዘዘንቱ ነበረ፣  እዚ ዛንታ እዚ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ሉቃስ 4.24 እውን ተጠቂሱ ነበረ፣

ቅዱስነቶም ነዚ ናይ ኣተሓሳስባ ጸገም ናይ ንእማን መንቀሊ ብምግባር ከኣ ኣብዚ ግዜ ዘመነጾመኣርባዓ ቤተክርስትያን ንዓና ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ክንገብር ከም እትዕድመና ብምሕባር እቲ ጾም ጸሎት ምጽዋት ምሃብ ንስሓ ኢላ እተስተምህረና ከኣ ኩሉ ክሕደስን ክልወጥን ከምዘለዎ መልክዕ ክርስትና ክለብስ ከምዘለዎ ነዙይ ንምግባር ከኣ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ሓዲስ ኣመለኻክታ ከምዘድሊ ገሊጾም፣ እዚ ለውጥን ሕዳሴን እዚ ንኩለንትናና ዝምልከት ኮይኑ ስምዒታትናስ ይኹን ተግባራትና ኣብዚ ምሩጽ ግዜዚ ክልወጥ ኣለዎ፣ ንኣብነት ናይቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ምሳሌ እንተተመልከትና ድንጋጼን ርሕራሔርን ቀዲሙ ስለዘሸነፎ ውራዩ ረሲዑ ብምሉእ ሓይሉን ልቡን ክሳብ ክንደይ ዓቢይ ዝኾነ ናይ ምሕረት ሥራሕ ከምዝገበረ ንዕዘብ፣ ክርስትያን ከኣ ከምኡ እዩ ክኸውን ዘለዎ፣ ስምዒት ክርስትያናዊ ርሕራሔ ንኩሉ ይልውጥን የሐድስን ንተግባራትናስ ይኹን ነካይድና፣ ሎሚ ዘድሊ ዘሎ ግን ናይ ኣተሓስስባና ለውጥን ሕዳሴን እዩ፣ እቲ እንሓስቦ ጥራይ ዘይኮነ ከመይ ከምእንሓስብውን ኣገባብ ኣተሓሳስባና ክሕደስ የድሊ፣ ብክርስትያናዊ ኣገባብዶ እሓስብ ኣሎኹ ወይስ ብኣረሜናዊ ኣገባብ ኢልና ንገዛእ ርእስና ክንሓትት ግዜኡ እዩ፣ ካብ ጐይታ ሓደ ትያትራዊ ምርኢት ኣይትጸበ፣ ኣብነት ዝኾነና ክንበብ ዝሰማዕናዮ ኩነታት ንእማን ሶርያዊ እዩ፣ ኣተሓሳስባኡ ኤልሳዕ ነቢይ ክተናኽፎን ኢዱ ከንብረሉን ዝተፈላለየ ነገራት ክርእዮን ምዃኑ ኣእሚንዎ ስለዝነቀለ ቊሊሕ ኢሉ ከይረኣይዎ ብመልእኽተኛ ገሩ ኪድ ናብ ሩባ ዮርዳኖስ ተሓጸብ ክትሓዊ ከኣ ኢኻ ኢሉ ምስ ለኣኸሉ ዝሓሰቦን ዘጋጠሞን በብይኑ ምስ ኮኖ ወሓይዝ ደማስቆስ ዶ ኣይበልጹን ኢሉ ተቈጢዑ ዳርጋ በዂሩ ነሩ፣ እዚ ሰብዚ ትያትራዊ ኩነታት ክርኢ ይጽበ ነሩ፣ መንገዲ እግዚብሔር ግን ካልእ ነበረ፣ ብካልእ ኣገባብ ገሩ ከምዘሕዊ ኣርእይዎ፣ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልባትና ስለዝሰርሕ ከኣ ሓውዩ፣ ኢየሱስ ናብ ናዝሬት ምስ ተመልሰውን ነዙይ ዝመሳሰል እዩ ኣጋጢሙ፣ ኣብ መጀመርያ እቲ ተሓጒሱ ይቅበሎን ይድነቅን ጽንሕ ኢሎም ከኣ ከምቲ ኣብ ኩሉ ገለ መካፋእቲ ዘይሰኣኑ ኣታ እዝስ ወዲ እቲ ጸራቢዶ ኣይኮነን እንታይ ክምህረና ትጽበዩ ኣበየናይ ዪኒቨርሲቲ ተማሂሩ ክብሉ ይጅምሩ፣  ትቅብል ኣቢሎም ከኣ እወ ወዲ ዮሴፍ እንድዩ እናበሉ እቲ ናይ ኣድናቆትን ሓጐስን ዝነበረ ኣተሓሳስባ ናብ ምስትንዓቅን ክሳብ ከጽድፍዎን ክቀትልዎን ምድላይን ይበጽሑ፣ እቲ ቀንዲ ጽጸገም ግን ትያትር እዮም ደልዮም እስኪ ከምቲ ኣብ ካልእ ከባቢታት ከም ኣብ በዓል ገሊላ ትገብሮ ዝነበርካ ምሕዋይን ካልእ ተኣምርን ኣርኢ እያ እታ ቀንዲ ጸገም ዝነበረት፣ ሓንቲ ኢየሱስ ዝበላ ኢይከብር ነቢይ በሃገሩ እያ፣ እዚ ኩነትዚ ኩሉ ግዜ እዩ ዘጋጥም ወላ ኣብ ቤተክርስትያና እውን ተኣረሙ ተመሃሩ ኢልካ ዝሰምዕ የለን ትእምርትን ትያትራዊ ምርኢታትን ይድል፣ ሃይማኖት ግን ሓደ ምርኢት ኣይኮነ፣ እምነት ትያትር ኣይኮነን፣ እምነትሲ ቃል እግዚኣብሔር ን እቲ ባኣኡ ገሩ ኣብ ልባትና ዝሰርሕ መንፈስ ቅዱስ እዩ፣ በዚ ከኣ እያ ቤተክርስትያን ኣብዚ ግዜዚ ኣተሓሳስባና ክንልውጥን ክነሐድስን ነዚ ንምግባር ከኣ ጐይታ ጸጋ ለውጢ ጸጋ ሕዳሴ ክህበና ንለምን፣ ናይ እምነት ሥራሓት ኩሉ ክትደግሞ ይከኣል ኩሉ ዓንቀጸ እምነት ቤትክርስትያን እውን ክትፈልጦ ይከኣል ኮይኑ ግን ብመንፈስ ክርስትና እንተዘይተመሪሑ ምንም ጥቅሚ የብሉን፣ እቲ ቀንዲ ጸገም ንሕና ብዙሕ ግዜ ከይተረደኣና በዘልማድ ኣትሓሳስበና ኣብዚ ደው ነብሎ ኣተሓሳስብና ጥራይ ዘይኮነ ኣገባብ እምነትናውን ከምኡ ይኸውን፣ ስለዚ ኩሉ ክልወጥ ክሕደስ ኣለዎ፣ ንኣስተንትኖ ምእንቲ ክጥዕመና በየናይ መንፈስ እየ ዝሓስብ፣ ብመንፈስ ጐይታዶ ወይስ ብመንፈሰይ ብመንፈስ ማሕበረ ክርስትያንዶ ወይስ ብመንፈስ እቶም ጉጅለይ ጉጅለኻ ሕኸኸኒ ክሓከካ ዝብሉ ናይ ብሕተይ ጉጅለ በለጽ! ወይስ ብፖሎቲካዊ ጉጅለ በየናይ መንፈስ እየ ዝሓስብ ኢልና ነስተንትን እሞ ብሓቂ ብመንፈስ እግዚአብሔር እንተደኣ ንሓስብ ኣሊና ንሕሰብ፣ ብመንፈስ እዚ ዓለምዚ እሓስብ እንተደኣ ሃልየ እግዚብሔር መንፈስ ቅዱስ ክህበኒ እሞ ፈልየ ምእንቲ ክፈልጦን ጸጋ ለውጥን ሕዳሴን ኣተሓሳስባይ ክህበና ንለምን፣ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣ 

ነፍስና ቤተመቅደስ ኣምላኽ ቀንድን ዘገድሱናን ስለዝኾኑ በዓቲ ሸቀጥ ኣይንግበሮም! ር.ሊ.ጳ

ወትሩ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝግበር ናይ መልኣከ እግዚብሔር ጉባኤ ኣስተምህሮ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ሰንበት እውን ኣብቲ ቤተይ ቤተጸሎት እዩ ዚስመ ንስኹም ከኣ በዓቲ ጐሓላሉ ገርኩሞ ዝብል ጐይታ ካብ ኢየሩሳሌም ንነጋዶን ንብረቶምን ካብ ቤተመቅደስ ዝሰጐጐሉ ብምዝካር ‘ንጥቅምና ዝኸውን ነገራት ሃሰስ እናበልና ክነብር ዘይኮነስ ምእንቲ ክብሪ እቲ ፍቅሪ ዝኾነ እግዚብሔር ንክነብር ኢና ናብ ክርስትና ዝተጸዋዕና’ ኢሎም፣

ሓደጋ ሸቀጥን በለጽን ብጣዕሚ ኣስጋኢ ምዃኑ ንምግላጽ ቅዱስነቶም ነቲ ቤት ኣቦይ ቤት ሸቀጥ ኣይትግበርዎ ንዝብል ጠቂሶም ገኒሖም፣

‘ቤተክርስትያን ኣብዚ ንቤት እግዚብሔር ናብ ቤት ሸቀጥ ናብ ዝልውጥ ዝንባሌ ገጻ ሸተት ክትብል እንከላ ብጣዕሚ ሕማቅ እዩ፣ እዘን ቃላት ኢየሱስ ነታ ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ዝኾነት ነፍስና ቤት ሸቀጥ ከይንገብራን ክንዲ ለጋስን ተሓጋጋዝን ፍቅሪ ንነብር ጥቅሚ ገዛእ ርእስና ጥራይ እናኣናደና ከይንነብር ይሕግዛና፣ ካብ ከምኡ ዓይነት ፈተና ክንሃድም እውን የኽእላና፣ እዚ ትምህርቲ ኢየሱስ ወትሩ ዘጋጥም እዩ እዚ ከኣ ኣብ ማሕበረ ክርስትያን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ግለሰባትን ማሕበረሰባትን ጠቅላላ ሕብረተሰብን እዩ ዘጋጥም፣ ካብ ዝኾነ ይኹን ኣጋጣሚ ክትብለጽ መኽሰብ ክትረክብ ምጽዓር ልሙድ እዩ፣ ሓንሳብ ሓንሳብ ካብቲ ግቡእካን ግድነትካን ኮይኑ እትፍጽሞ ምግባረ ሠናይስ ይኹን ካልእ ነዚ ዝመሳሰል ናይ ግሊ ጥቅሚ  ወላውን ዘይሕጋዊ ክተኻዕበት ሒኹው ይበሃለለይ፣  ኢየሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ እዚ ሓደገኛ ዝኾነ ተግባር ኣነጺሩ ይዛረብ፣ ሓደገኛነቱ ከኣ ብዝከፍኤ መልክኦኡ ኣብቲ ብስም እግዚብሔር ዝግበር ተግባራት ናብ እግዚብሔር ብዝቅረብ ኣምልኾ ነቲ ብመልክዑን ኣምሳሉን ዝተፈጥረ ክቡር ወዲሰብ ኣገልግሎት ሽፋን ገርካ ክግበር እንከሎ እዩ፣

እዚ ናይ ቤተመቅደስ ምጽራይ ተግባር ኢየሱስ ኣብ ቅንያት በዓለ ፋሲካ ኣይሁድ እዩ ዝግበር በዚ ከኣ እቶም ካብዚ ኣጋጣሚ እዚ መዓት መኽሰብን በለጽን ዝረኽቡ ዝነበሩ ብጣዕሚ ይቊጥዑ፣ እዝስ ኣየቀንየናን እዩ! ኣይበልዓናን እዩ! ኣይኽሰበናን እዩ! ኢሎም ይጻረርዎ፣ በቶም ተዓዘብቲ ግን ከም ማንም ሥራሕ ነቢያት ኮይኑ እዩ ዝረኤ፣ ከመይ ነቢያት ነቶም ሕማቅ ዝገብሩ ኩሉ ግዜ ብስም እግዚብሔር  ይውግዝዎም፣ ስለዝኾነ ከኣ ሓዋርያት ነዙይ ምስ ረኣዩ እቲ ብነቢይ ዳዊት ‘እስመ ቅንዓተ ቤትከ በልዓኒ ቅንኣት ቤትካ ኣቃጸለኒ’ ንዝብል ጠቅሲ ዝዘከሩ፣ እዚ ቅንኣት ቤትኣቦኡን መሕደር መንፈስ ቅዱስ ዝኾነት ቤትኣምላኽ ዝኾነት ነፍስናን ስለዘቃጸሎ ከኣ ክሳብ ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ገዛእ ርእሱ ንመሥዋዕቲ ምቅራብ ኣብጸሖ፣ ስለዝኾነ ከኣ ብፋሲካ ኢየሱስ ሓዲስ ሥርዓተ ኣምልኾ ይጅምር እዚ ሥርዓተ ኣምልኾ እዚ ከኣ ሥርዓተ ኣምልኾ ፍቅሪ እዩ፣ እዚ ሥርዓተ ኣምልኾ እዚ ኣብቲ ሓዲስ ቤተመቅደስ ይጅምር እዚ ሓዲስ ቤተመቅድስ ከኣ ክርስቶስ ባዕሉ እዩ፣ ዘሎና እዋን ዘመነጾመኣርባዓ ስለዝኾነ ካብዚ ቤተመቅደስ እዚ ዝኾነ ምሳኡ ዘይከይድ ኣምልኾ ጣዕትን ርስሓትን ክንኣሊ እሞ ኣብ ፋሲካኡ ምሳኡ ክንትንስእ እውናኡ እዩ እንክብል ምስ ኣስተምሃሩ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ብሓንሳብ ኣዕሪጎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ብምሃብ ኣስተምህሮኦም ዛዘመኡ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.