2018-03-09 17:00:00

ነፍሲወከፍኩም ካብቲ ዝግብኦ ንላዕሊ ንርእሱ ኣይገምት


ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና ናይቲ ዓመት መጸ ኣብ ዘመነ ጾመኣርባዓ ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኣባ ካንታላመሳ ንጾም ዝምልከትን መሰናደዊ ትንሣኤን ዝኸውን ስብከት ሶሙን ሶሙን ናይ ዝቅርብዎ ቀዳማይን ካልኣይን ክፍላት ተርጒምና ከምዝቀረብናልኩም ዝዝከር ኮይኑ ሎሚ ዘቅረብዎ ሣልሳይ ክፍሊ እውን እነሆ ተርጒምና ነቅርበልኩም፣

ሰባኬ ቤተር.ሊ.ጳ ኣብ ካንታላመሳ ንሎሚ ዝመርጽዎ ኣርእስቲ ትሕትና ዝብል ኮይኑ ‘ነፍሲወከፍኩም ካብቲ ዝግብኦ ንላዕሊ ንርእሱ ኣይገምት ንርእስኻትኩም ድማ ኣዕቢኹም ኣይትገምቱ’ እትብል ካብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮማ 12.3.16 ዝተወስደ እዩ፣

‘‘ነፍሲወከፍኩም በቲ እግዚአብሔር ዝዓደሎ መስፈር እምነት ንርእሱ ልክዕ ገይሩ ይገምት እምበር፡ ካብቲ ዝግብኦ ንላዕሊ ንርእሱ ኣይገምት እናበልኩ በቲ እግዚአብሔር ዝዓደለኒ ጸጋ ንነፍስወከፍኩም እምዕደኩም ኣሎኹ፣ . . . ኣብ ነንሕድሕድኩም ተሰማሚዕኩም ንበሩ፣ ናብቶም ዝተሓቱ ደኣ እምበር ናብ ዝለዓሉ ነገራት ኣይትመጣጠሩ ንርእስኻትኩም ድማ ኣዕቢኹም ኣይትገምቱ’ (ሮሜ 12.3.16)

እዚ ቃል ኣምላኽ እዚ ዝሓቶ ዘሎ ትሕትና ንቃል ዓለም ዝግበር ዘይኮነስ ድሕሪ ፍቅሪ እቲ ዝዓበየ መንፈሳዊ ሓይሊ ምዃኑ በዚ ከኣ ነቲ ብመንፈስ ቅዱስ ተሓዲሶም ሕይወቶምን ሕይወት ማሕበሮምን ንክሃንጹ ዝምሕጸነሉ ነጥቢ የመልክት፣ እቲ ቅዱስ ጳውሎስ ደጋጊሙ ሓሳብ ኢየሱስ ክርስቶስ ይሃሉኹም ዝብሎ ብኩሉ ኩሉ ነቲ ‘እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሃሉኹም። ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን። መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ፡ ሰብውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኸበ። ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ፡ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ።’ (ፊል 2.5-8) ክብል ንዝገልጾ ክርስቶስ ባዕሉ እውን ‘ኣነ ትሑትን የዋህ ልብን እየ ካባይ ተመሃሩ’ (ማቴ 11.29) እንክብል ንሓዋርያቱ ዝተማሕጸኖ እዩ፣ ብዛዕባ ትህትና ብዙሕ ክዝረብ ይከኣል ኮይኑ ኣብቲ ዓሚቊ ትርጉሙ እታ ናይ ክርስቶስ ትሕትና እንተዘይኰይኑ ካልእ ሰልዘየሎ ብሓቂ ትሒቱ ወይ ትሑት እዩ ክንብሎ እንኽእል ሰብ ልቢ ክርስቶስ ክህልዎ ብምቅላሱ ይውሰን፣

ቅዱስ ጳውሎስ ደጋጊሙ ንሰብ ሮማ ዝሓቶም ዓይነት ትሕትና ብቀዳምነት ካብ ዝግቦኦም ንላዕሊ ገዛእ ርእሶም ከይግምቱን ርእሶም ከየልዕሉን ብምምልካት ትሕት ክብሉ ብቦታዊ ምሳሌ ልዕሎን ትሕቶን ይናገሮም፣ ምስዚ እዚ ግን ሎዕል ዝበሉ ነገራት እኳ ደኣ ዝለዓሉ ልዕሊዖም ምንም ዘየሎ ነገራት ሃረር ክበሃል ከምዝከኣል ንክርስቶስ ሃረር ክብሉ ይምሕጸኖም፣

ቅዱስ መጽሓፋዊ ባህሊ ብዛዕባ ትሕትና እንታይ ከምዘስተምህር ንምግላጽ ቅ.ጳውሎስ ናብ ብሉይ ኪዳን ምልስ ይብል እሞ ‘ኣብ ኦሪት ትሕትና ዝምረጸሉ ቀንዲ ምኽንያት እግዚብሔር ንዕቡያት ስለዝነጽግን ንትሑታት ጸጋኡ ስለዝህብን እዩ፣ ምሳ 3.34 ኢዮ 22.29 ተመልከት፣ ንትሑት ቊሊሕ ይብሎ ንዕቡይ ግን ሕቈኡ ይህቦ መዝ 137.6. እቲ ቀንዲ ሕቶ ግን እግዚብሔር ንምንታይእዩ ንትሑታት ልዕል ዘብል ንዕቡያት ከኣ ዘዋርዶም! ነዚ ዝገልጽ ከኣ እቲ ብተደጋጋሚ ኣብ ኦሪት እንረኽቦ ‘ኣን ቀናእ ኣምላኽ እየ’ ዝብል ኮይኑ ንትሑት ዘፍቅረሉ ምኽንያት ትሑት ኣብ ሓቂ ይነብር ሓቀኛ ሰብ ኮይኑ ከኣ ይጐዓዝ፣ ትዕቢት ግን ቅድሚ ልዕልና ምዃኑ ሓሶት እዩ ስለዝኾነ ከኣ ዕቡይ ዳርጋ ሓሳዊ እዩ ክንብሎ ንኽእል፣ ብካልእ ኣዘራርባ ዘይኮንካዮ ኰንካ ክትረኤ ሒዅ ምባል ሓሶት ኣብ ርእሲ ሓሶት ክትኣልም ስለዝደፋፍእ ትዕቢተኛ ከኣ ካብዚ ከምልጥ ስለዘይክእል እዩ፣

ጥንታውያን ግሪኻውያን ፍጥረትን ሓጢኣትን ዝብላ ክልተ ቃላት ይኸብዳኦም ነረን፣ ከመይ እታ ፍጥረት ትብል ወዲሰብ ብእግዚአብሔር ስለዝተፈጥረ ኩሉ ጽቡቅ ክንሱ በታ ብነጻነቱ ዝገበራ ሓጢኣት ከኣ ክፍኣት ሕማቅ ነገራት ኵውን ገራ፣ ስለዚ ወዲሰብ ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ክልቲኡ ጐኒ ጽቡቅን ሕማቅን ኣብኡ ከምዝርከብ ይርዳእ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ናብ ሓቀኛ ትሕትና ገጹ ብምስሓብ ትሕትና ጥበብ ምዃኑ ይገልጽ፣ ጥበብ እንተልዩ ንነገራት ከምቲ ዘለውዎ ክትፈልጦምን ክትመዝኖምን ኣየሸግረካን፣ ክተጋንን ኣይትኽእል ክተነኣኣስ ኣይትኽእል፣ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ምስ ተመለስካ ከኣ ካብ ኩነትካ ንላዕሊ ንገዛእ ርእስኻ ክትግምት ኣይትኽእልን፣ ሓቀኛ መንነትካ ኸኣ ኣይትስሕቶን፣ መጠነ ጥበበኛ ዝኾንካሉ መጠኑ ከኣ ትሑት ኢኻ፣ መጠን ትሑት ዝኾንካሉ ከኣ ጥበበኛ ትኸውን፣ መጠን ዝተሓትካዮ ናብ ሓቂ ገጽካ ትቀርብ፣ ዮሓንስ ኣብ መልእኽቱ እግዚብሔር ብርሃን እዩ ይብለና፣ ኣብ ሓቂ እንተዘየሊኻ ትህትና ትጐድል ትሕትና ምስ ጐደለት ከኣ ጸጋ ክትርእዮን ክትፈልጦን ትጽገም፣ እታ ብትሕትና እትርከብ ጸጋ ንሓቅን ትሕትናን ሓደ ትገብረን እሞ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ‘ዘይተቀበልካዮኸ እንታይ ኣሎካ’ (1ቆሮ 4.7) ኢላ በርሃው ዝበለ ሓቂ ትገልጸልካ እሞ ኣጸቢቅካ ከምእትትሕት ትገብረካ፣ ቅድስት ተረዛ ዘኣቪላ እውን ኣብዚ ትርዕም፣ ክትንየተሉ እትኽእል ዘይተቀበልካዮ ናተይ እዩ እትብሎ ብዘይ ሓንቲ ነገር ምንም የለን፣ እታ እንኮ ናተይ ትብላ ኸኣ ሓጢኣት እያ፣ መሊሱ ቅዱስ ጳውሎስ ‘ሓደ ሰብ ገለ ዘይብሉ እንከሎ ንርእሱ ኣዕብዩ እንተገመተ ይሰሓሓት’ (ገላ 6.3) ብማለት ብዝበለጸ ንሓቂ ተንበርኪኽና ተቀቢልና ትሑታት ክንከውን ይምዕደና፣

መንቀሊ ባይታናኸስ ምንም ከምዘይብልና ምርጋግጽን ምቅባልን ኮይኑ ብትሕትና ናብቲ ብዘይካይ ምንም ክትገብሩ ኣይትኽእሉን (ዮሓ 15.5) ዝብሎ ዘኪርና ምስ ቅ.ጳውሎስ ኰና ‘ክእለትና ካብ እግዚአብሔር እዩ እምበር ካብ ርእስናስ ሓንቲ’ኳ የብልናን ክንሓስብውን ኣይንኽእልን ኢና’ (2ቆሮ 3.5) ንበል፣ እቲ ሓቂ እዚ እዩ።

እዚ ጸገምዚ ምስ ኣጓነፎ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ክኾኖ ዝደልዮን ዝኾነን እናተገራጨው ምስ ኣጸገሞ ` ኣነ ነቲ ዝገብሮ ነገር ኣይፈልጥን እየ፣ ከመይ ነቲ ዝጸልኦ ነገር እምበር ነቲ ዝደልዮ ነገር ኣይገብሮን እየ፣. . . ስለዚ እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እምበር ኣነ ኣይኮንኩን . . ይዋእ ኣነ ምግዱር ካብ ናብ ሞት ዚስሕበኒ ዘሎ ሥጋይ መን ኬውጽኣኒ እዩ!’ (ሮሜ 7.14-25) እናበለ ነዚ ምንም ዘይብልካን ዘይኮንካን ክንስኻ ከምዘሎካን ከምእትኽእልን ኣምሲሉ ዘታልል ሕጊ ሓጢኣት መንፈስ ትዕቢት ኣብ ኩልና ዘሎ ስለዝኾነ ምስትውዓል የድሊ፣ እዚ እዩ እምበኣር ዝወረድና ወሪድና ኣብ ማዓሙቊ ልብና እንረኽቦ ትሕትና ዘይኮነስ ትዕቢት እዩ፣ ብዙሓት ዓበይቲ ቅዱሳን ነዚ ምስ ረኸቡ ወትሩ ከም መሕብእን መበገስን ብምጥቃም ክዕወቱ ክኢሎም፣ ኣብዚ ምስ በጻሕካ ካልኦት ኩሎም ካባኻ ዝሕሹ ምዃኖም ስለትግንዘብ ‘ንካልኦት ኩሎም ልዕለኻ ምዃኖም ሕሰብ’ (ፊሊ 2.3) ንዝብል ቃል ትኽተል፣

ናይ ትሕትና ዓባይ ኣብነት ንክትከውን ወንጌል ዘቅርበልና እኖና ድንግል ማርያም እያ፣ ሉቃ1.48 ‘ትሕትና ኣገልጋሊቱ ስለዝተመልከተ ኸአ መንፈሰይ ብኣምላኽ መድሓኒየይ ደስ ይብሎ` ብማለት ሓቀኛ ትሕትና እንታይ ምዃኑ ይገልጽ፣ ነዚ ትሕትና እዚ እግዚብሔር እዩ ዝፈልጦ ዝነበረ እምበር እኖና እግዚእትነ ማርያም ወሪኡ ኣይነበራን መንፈስ ቅዱስ ምስ መልኣ ከኣ ነፍሰይ ንእግዚብሔር ተዕብዮ ክትብል ተነቢያ፣

እዚ ግን ኩሉ ጥጡሕ ማለት ኣይኮነን! ምስ ትሕትና ዝኸይድን ከምቲ ወርቂ ብሓዊ ዝፍተን መፈተኒኡን መለለዪኡን ውርደት እዩ፣ ንኩሉ ውርደት ተጻዊርካ ምኽኣል፣ ብዙሕ ግዜ ክትንእድን ናእዳ ክትቅበል ምጽባይን ሓደገኛ እዩ፣ ነዚ ከኣ እዩ ኢየሱስ ‘ንስኻትኩም ክብሪ ሓድሕድ እናተወሃሃብኩም ነቲ ካብ እግዚአብሔር ዚመጽእ ክብሪ ካብ ዘይትደልዩስ ከመይ ጌርኩም ክትኣምኑ ትኽእሉ! (ዮሓ 5.44) እናበለ ንፈሪሳውያን ዝገንሖም፣ ንሱ ንባዕሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ክብሪ ከምዘይደሊ እውን ኣብ ዮሓ 8.50 ይገልጽ፣

እዚ ትሕትና እዚ ንሓንሳእ ጥራሕ ዝግበር ዘይኮነስ መዋዕልካ ምሉእ ክትቃለሶ ዘሎካ እዩ፣

ከንቱነት ሓያል ጸላኢ ትሕትና እዩ ስለዝኾነ ከኣ ፓስካል ዝበሃል ጸሓፊ ዓሚቊ ሰራውሩ ኣብ ልቢ ስለዝገብር ንጠንቀቀሉ ይብል፣

እዚ ውግእ እዚ ቀሊል ከምዝኮነን ወትሩ ሰላሕታዊ መጥቃዕቲ ከምዘሎን እንከጠንቅቅ ቅ.ጳውሎስ ‘በቲ ዝረኣኽዎ ራእይ እምብዛ ትዕቢት ምእንቲ ከየሕድር ኣብ ሰውነተይ ግራጭ ተተኺሉኒ ኣሎ! ብዘይመጠን ምእንቲ ከይዕበ’ውን ሰይጣን ክሳቅየኒ ኪጸፍዓኒ ለኣኸለይ፣ ስለዚ ንእግዚአብሄር ነዚ ነገር እዚ ኬርሕቐለይ ሠለስተ ሳዕ ኣበርቲዔ ለምንኩዎ፣ ንሱ ግና ኃይለይ ብምሉኡ ኣብ ድኹማት ሰባት እየ ዝገልጾ እሞ ጸጋይ ይኣኽለካ በለኒ፣ ምእንት`ዚ ኃይሊ ክርስቶስ ኣባይ ምእንቲ ኪኀድር በቲ ብዙኅ ድኻምነተይ እምካሕ እየ፣ ድኹም እንተኾንኩ ስለ ዝብርትዕ ምእንቲ ክርስቶስ ሕማም ውርደት ስእነት ስደት ጸበባ ስቓይ ምቕባል የሐጒሰኒ፣’ (2ቆሮ 7-10)

ትሕትና ነናይ ግልና ቅድስናን ፍጽምናን ጥራይ ኣይኮነን ዘገልግል እንታይ ደኣ ንናይ ማሕበረ ክርስትያን ውህደትን ንሕንጸት ቤተክርስትያንን መሠረታዊ እዩ፣ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

 








All the contents on this site are copyrighted ©.