2018-03-12 09:11:00

መደብ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሃገራት ባልቲክ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 22 መስከረም ክሳብ ዕለት 25 መስከረም 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገራት ባልቲክ፥ ሊትዋንያ ለቶኒያን ኤስቶኒያን ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደት ክካይዱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶም ናይ ሰለስቲኤን ሃገራት መንግስትን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ነፍሲ ወከፍ እተን ሃገራት ብዝቕረቡሎም ወግዓዊ ናይ ይብጹሑና ዕድመ ተቐቢሎም ኣብዘን ሰለስተ ሃገራት ካብ ዕለት 22 ክሳብ ዕለት 25 መስከረም 2018 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ዑደት ከምዘካይዱን ኣብ ሊትዋንያ ከተማታት ቪልኒዩስን ካኡናስን ኣብ ለቶኒያ ከተማ ሪጋንን ኣግሎናን ኣብ ኤስቶኒያ ከኣ ከተማ ታሊን ክበጽሑ ምዃኖን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ግረግ ቡርከ ዕለት 9 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ሓቢሮም፡ ናይቲ ሓዋርያዊ መገሻ መርሕ ቃልን ዝርዝር መደባቱ ኣብ ቀረባ እዋን ብወግዒ ክዝርጋሕ ምዃኑ ኣፍሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.