2018-03-12 09:18:00

ብፁዕ ኣቡነ ሆለሪኽ፥ ኣብ ኤውሮጳ ፈላላይ መናድቕ የብቕዕ


ኤውሮጳ ናይ ገዛእ ርእሳ ውጥን ጥራሕ ዘይኰነ ብዝለዓለ ደረጃ ብሉጽ ዓለም ሕንጸት ዝብል ውዕሊ እያ ዝበሉ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ሕብረት ኣቦ መንበር ንኽዀኑ ዝተሓርዩ ናይ ብራሰልስ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዣን ክላውደ ህለሪኽ ድሕሪ ምሕራዮም ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፥ ኣብ ኤውሮጳ ውሽጢ ማለት ኣብ መንጐ ምብራቕን ምስራቕን ፍልልይ ከይህሉ ምጥንቃቕ የድሊ፡ እዚ ፍልልይ’ዚ ከይህሉ ናይ መላእ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ በብሔራዊ ደረጃ ኰነ ኣብ ናይ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ሕብረት እውን ኣበኪሮም ክዓይሉ ይግባእ። ኣብ ኤውሮጳ ዘተ ክህሉ ምንቕቓሕ የድሊ። ዘተ ምትብባዕ ናይ ቤተ ክርስቲያን ክፍሊ ተልእኾ እዩ። ዘተ ማለት ጽን ምባል ማለት እዩ፡ ኣብ ምዝታይ ምስማዕ የድሊ፡ ተዛተይቲ ክደማመጹ ኣለዎም፡ ምድምማጽ እንተዘየለ ምዝታይ ዝክኣል ኣይኰነን።

ብሔራዊ ጉዳይ ብዓውሎማዊ ርእየት ምርኣይ የድሊ፡ እንተዘይኰነ ኣብ ገዛእ ርእስካ ተዓጺፍካ ኢኻ ትተርፍ። ኣብ ኤውሮጳ ዕቱብ ምስማዕ ዝብልን ጥልቂ ዘተ ብምውቕቓስን ኩሉ ዝዛረበሉ ዓይነት ዘተ ማንም ሰማዒ ዘይብሉ ኩሉ ዓው ዓው እናበለ ናይ ካልእ ድምጺ ንክዓብስ ዝፍትነሉ ኢተራኽቦነት ክሰፍሕ ይረአይ ኣሎ። ንመጻኢ ኣሚትካ ጸገማት ህልው ኩነታት ንምፍታሕ እሂም ምሂን ዝበሃለሉ ጽን እትበሉ ዘተ ወሳኒ እዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታት ናይ እዋንና ዓቢይ ሕቶ እዩ ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ማሕበራዊ ተርእዮ’ዚ ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ኤውሮጳ ከምዝረአይ ፈላላይ መናድቕ ብምቛም ኣይኰነን ዝፍታሕ፡ ገለ ገለ ሃገራት ኤውሮጳ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ከእንግዳ ትርእይ፡ ገሌኣተን ሃገራት ኤውሮጳ ከኣ ክነጽጋ ትርእይ። ስለዚህ ኣብ መንጐ ሃገራት ኤውሮጳ ንመጻኢ ዝኣመት ንእዋናዊ ጸገም መፍትሒ ንምቕራብ እውነተይና ዘተ ክህሉ ይግባእ። ናይ ፖለቲካ ኣካልት ወይ ውድባት ንምምራጽ ጥራሕ ብዝብል ጽምኢ ስልጣን ሰብኣውነት ዘየማእከለ ፖለቲካው መርሓ ግብሪ ከቃልሑ ይኽእሉ። ናይ ሓደ ብሱል ፖለቲካ መምዘኒኡ ጥራሕ ይመረጽ ድምጺ ምውህላል ዝብል ኣሰራርሓ ኣይኰነን። ፈላላይ መናድቕ ምሕናጽ ካብቲ ስደተይና ንምእንጋድ እተፍስሶ ሰብኣዊ ሓይልን ሃብቲ ገንዘብን ንላዕሊ እዩ ዝሓትት። ኣብ ሊቢያ እውን ስደተይና ናብ ኤውሮጳ ከይመጻኒ ቢልካ ዓጋቲ ሓይሊ ከተቕውም ትኽእል፡ ይኹን ደኣ እምበር ካብቲ ንስደት ዝዳርግ ድኽነትን ስእነት ነጻነት ካብ ንምምላጥ ናይ ምዕጋት ዓቕሚ ከምዘይህልዎ ፍሉጥ እዩ፡ ገዛእ ርእሱ ከድሕን ዘይደሊ ማንም ፍጡር የልቦን። ሰላምን ዴሞክራስን ምንቕቓሕ ኣብ ፍትሒ ክምስረት ኣለዎ፡ ኩለን ሃገራት ብማዕረ ከዋስኤን ዘኽእል ናይ ኩሉ ሕዝብን ኵለን ሃገራትን ጥቕሚ ዘቐድም መድረኽ ምቛም የድሊ፡ ሰላም ናይ ፍትሒ ካልኣይ ገጽ እዩ፡ ሓይልን ጸቕጥን ሰላም ከምጽኣ ዘይኽእል ምዃኑ ዘረጋግጽ ተምክሮ ብዙሕ እዩ። ስለዚህ ኣብ ኤውሮጳ ናብ ገዝእ ርእሳ ውሽጢ ዘይተዓጸፈ ንዝበለጸ ዓለም ዝኣመተ ውጥን ምኽዋን የድሊ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.