2018-03-17 15:39:00

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ፒየትረልቺና፡ ኣባ ፒዮ ወልደ ኣደነት ፍቕሪ ቤተ ክርስቲያን


ሎሚ ዕለት 17 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ንጐሆ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ሃገረ ቫቲካን መዕርፎ ሄሊኮፕተር ሰዓት ሸውዓተ ነቒሎም ሰዓት ሸሞንተ ኣብ ፒየትረልቺና በጺሖምን ሰዓት ሸሞንተን ርብዕን ምስ ምእመናን ተራኺቦም መርሕ ቃል ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፡ ቀጺሎም ምስ ኣባላት ማሕበር ካፑቺን ንኡሳን ኣሃው እውን ከምእተራኸቡን ሰዓት ትሸዓተን ፈረቃን ኣብ ሳን ጆቫኒ ሮቶንዶ ምስ በጺሖም፡ ልክዕ ስዓት ዓሰርት መጸናንዒ ህሙማን እተሰምየ ቤት ሕክምና ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ሕሙማን ሕጻናት ተራኺቦም ምስ ኣብቅዑ  ልክዕ ሰዓት 10.45 ደቓይቕ ኣብቲ ቅዱስ ዓጽም ቅዱስ ፒዮ ዝተነብረሉ ቅድስተ ድንግል ማርያም ኣመ ጸጋ ቅዱስ ስፍራ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም ጸሎት ምስ ኣዕረጉ ሰዓት 11.15 ደቓይቕ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ፒዮ ዘፒየትረልቺና ብዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ዝለገስዎ ስብከትን እነሆ መበል ብሔራዊ መንፈሳዊ መገሻኦም ኣጠናቒቖም ሰዓት ሓደ ብሄሊኮፕተር ናብ ሃገረ ቫቲካን ነቒሎም ሰዓት ክልተ ኣብ ሕዋርያዊ መንበሮም ከምዝኣተዉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ካፐሊ ገሊጸን።

ተቐማጦ ምእመናን ፒየትረልቺናን ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ንቕዱስነቶም ኣብቲ ኣብ ፒየትራልቺናን ሳን ጆቫኒ ሮቶንዶን ኣብ ዘካይድዎ ሓውጾተ ኖልዎ ዘሰነይዎም በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ፊት ተረኺቦም፥

ቅዱስነትም መርሕ ቃል ቅድሚ ምልጋሶም ብናይ በነቨንቶ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፈሊቸ ኣክሮካ ተሰንዮም ኣብ ቅድሚ እታ ቅዱስ ፒዮ ኣዚዩ ዘፍቅራን ጥቡቕ ኣማላድነታ ዝተኣማመነላ ዝነበረት ቅድስቲ ድንግል ማርያም እመ ናጽነት ቅዱስ ምስሊ ፍቲ ጸሎት ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ብፁዕ ኣቡነ ኣክሮካ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዓለምን ሕዝቢ ዓለም ዝነብሮ ዘሎ ጽንኩር ኵነትን ኵሉ ትሕቲ ዘለዎ ዕቝር ሓይሊ ዘንብር ኣብ ዓለም ዘሎ ድኹም ተሕተ ቅርጽታት እናሓሰቡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ እምነት ከተጽንዑና ብትሕትና ንሓትት ዝብል ቃል ዘማእከለ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዘረባ ኣስሚዖም ምስ ኣብቁዕ፥

ቅዱስ ኣቦና ከምቲ ልሙድ

ክቡራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ሓደርኩም ቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃል፥

ናይ ፓድረ ፒዮ ነዊሕን ፍርያም ፍጻሜታትን መንፈሳዊ ሕይወትን እናሓሰቡ፡ ወትሩ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣደነት ዘስተማቐረ ውፉይ ወልደ ቤተ ክርስቲያን ቢሎም ገሊጾም፡ ኣብ ድኻታት ናይ ጐይታ ኣካል ዘለለዩ እዮም።

ፓድረ ፒዮ ቤተ ክርስቲያን ምስቲ ኩሉ ጸገማታን ምስቲ ኵሉ ወይለኣን ኣፍቀራ፡ ምስ ኵሉ ሓጢኣትናን  ኵላትና ሓጢኣተይናታት ኢና፡ እዚ እውን የሕፍረና ይኸውን፡ ይዅን ደኣ’ምበር እግዚኣብሔር ናብዛ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ጸወዓና፡ ንሱ ነዛ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ኣደ ሓጥኣን ደቃ (ንሕና)ኣደ ኵላትናዘፍቀረ እዩ

ቅዱስ ፒዮ ብዝሓደሮ ምጉዳል ጥዕና ምኽንያት ኣብ 1911 ዓ.ም.  ኣብ ፒየትረልቺና መጺኡ ኣብኡ ምንባር ከምዝጀመረን፡ ኣብቲ እዋን ብዙሕ ኣፋውስ ዘይንበረ እውን እንተዀነ ወላዲትና ኣብ እትርከበሉ ከባቢ ኰይና ምንባር ንገዛእ ርእሱ ዓቢይ ፈውሲ እዩ፡ ኣባ ፒዮ መበቆል ሃገሩ ዘይረስዐን፡ ብፍላይ ዘሕለፎ ጽንኩር ኩነት፡ ካብ ዲያብሎስ ዝመጾ ዝነበረ ኩሉ ፈተናታት … ገዛእ ርእሱ ኣብ ኢየሱስ ብምሕዳግ ኩሉ ፈተናታት ኣስነፈ።

ኣብዚ መንፈሳውን ሰብኣውን ተመክሮ ቅዱስ ፒዮ ምሉእ ቲዮሎጊያ ትረክብ። ክትጉህን ክትሳቐን ክትሓምምን ገዛእ ርእስኻ ኣብ ሕቕፎ ኢየሱስ ኣንብር፡ ቅዱስ ፒዮ ነዚ እዩ ዝፈጸመ፡ ንኢየሱስ ብምልኣት የፍቅርን ብኣኡ ድማ ይተኣማመንን።

መጋበርያ ናይ ኢየሱስ ፍቕሪ ምዃን

እዚ ትሑት ሓው ካፑቺን በቲ መላእ ሕይወት ንጸሎትን ነሕዋት ብትዕግስቲ ጽን ብምባል ዘወፈዮ ኣገባብ ሕይወቱ ንዓለም ዘገረመ ንስቓዩ ብፍቕሪ ክርስቶስ ዘረስረሰ እዩ።

ንስኻትኩም ነቲ ናቱ ጻድቕነትን ጅግንነትን ብምምሳል ናይ እግዚኣብሔርን ነቲ ነቶም ትሑታት ዝብል ናይ ኢየሱስን ፍቕሪ መጋበሪያ ንምዃን ትኽእሉ። በቲ ዝነበሮ ኢቅድመ ኵነታዊ ተኣማንነት ንቤተ ክርስቲያን ኣቢልኩም እውን ነዚ ኣብነት ብምስዓብ ናይ ሱታፌ መሰኻኸር ንምዃን ትበቕዑ፡ ስለምታይን ሱታፌ ማለት ወትሩ ስሙራት ኰይናን ሰላም ኣብ ማእከልናን ኣብ መንጐናን ምንባር ማለት እዩ። ሱታፌ ጥራሕ እዩ ዘጽንዕን ዝሓንጽን። ዕለት ንዕለት ዝበኣስን ዝሰሓሓብን ሃገር ኣይዓብን ኣይጸንዕን ሕዝብን ዜጋታትን እውን ይብህርር። ከምዚ ዓይነት ሃገር ከኣ ሕሙምን ሕዙን እዩ ዝኸን። ኣብ መንጐዅም ሰላም ክኸውን እምሕጸን። ሓደ ካብ ማእከልኩም ብዛዕባ ካልእ ክፉእ ክዛረብን ክሓምን ምስ ዝደልይ መልሓሱ ይቖርጥም። ካብ ምሕማይ መልሓስካ ምቑርጣም ንኣና ክሕሸና እዩ። ንነፍስና ክሕሻ እዩ። ስለምንታይ መልሓስና ስለ ዝቖርጠምና ይሓብጥ ይኸውን፡ ይሕበጥ ድኣ እምበር ንኣና ክሕሸና እዩ። ንሃገርና ክሕሻ እውን እዩ።

ስልማት ኖበል ነቲ ናይ ዘርኢ ሰብ ተዘክሮ ዝዀነ ኣረጋዊ ክፍሊ ሕብረተሰብ

ኣብዚ ከቢድን ጽንኩር እዋን ሕዝቢ ኣብ ዝኣርገሉን መንእሰይ ኣብ ዝስደደሉን ዘሎ እዋን ካብ ትምህርቲ ቅዱስ ፒዮ ናብ ሰናይ ተምክሮ ዝድርኽ ሓይሊ ምግላል የድሊ። መታን ንረብሓ ሓድሽ ትውልዲ ብሩህ ትጽቢት ንምቕራብ ክንክእል ነዚ ቅዱስ’ዚ ንጠምት። ኣቲ ንኣኡ ምጥማትና ንቑሕ ኣተክሮን ካብ ፍቕሪ ዝምንጭው ለውሃትን ንኣረጋውያን ነቲ ብዕድመ ዝደፍአ ክፍሊ ሕብረተሰብ ንኽህልወና ከብቅዓና እዩ። ስለምንታይ እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ክፍሊ ሕብረተሰብ ሃብትን ጥበብን ስለ ዝዀነ።

ነቲ ብዕድመ ዝደፍአ መላእ ክፍሊ ሕብረተሰብ፡ ነቲ ናይ ዘርኢ ሰብ ተዘክሮ ዝኾነ ሓደ ጊዜ እውን ይዅን ናይ ኖበል ስልማት እንተዝወሃብ ክንደይ ባህ ምበለኒ።

ነቲ ዕጹብ ዝዀነ ምስክርነት ቅዱስ ፒዮ ምዕቃብ

ቅዱስ ኣቦና ሕይወት ብምልኣትን ብኣገባብ ብጽዕናን ምግብረ ምሕረትን መታን ክንነብሮ ነቲ ናይ ቅዱስ ፒዮ ክርስቲያናውን ክህነታውን ምስክርነት ንዓቅብ  ቢሎም፡ ብሓባር ምስቶም ቃል ቅድሱነቶም ንምስማዕ ንዝተኣከቡ በሸሓት ምስ ዝቑጸሩ ምእመናን ኰሓቢሮም ሰላም ለኪ ጸሎተ ደጊሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.