2018-03-20 18:41:00

‘ካብ ወትሩ ከምዚ እዩ ዝግበር ነይሩ’ ካብ ዝብል ዓቃባዊ ስነመጎት ወጺእኩም ንምግዳል ኣይትፍርሁ! ር.ሊ.ጳ


ነቲ ነዊሕ ዝዝርበሉን ብዙሕ ምስንዳእ ዝግበረሉን ዘሎ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ክግበር ዝሕሰብ ዘሎ ሲኖዶስ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ብዛዕባ መንእሰያት ንምስንዳው ካብ ምሉእ ዓለም ዝተኣከቡ መንእሰያት ካብ ሎሚ ዕለት 19 መጋቢት ክሳብ 24 መጋቢት 2018ዓምፈ ኣብ ከተማ ሮማ ተጋቢኦም ብመሪሕነት ር.ሊ.ጳ ሎሚ ንግሆ ተጀሚሩ፣

እዚ ጉባኤ እዚ ብቀንዱ ብሓፈሻዊ ቤትጽሕፈት ሲኖዶስ ጳጳሳት ዝሰናዶ እንክከውን ማሕበራት ቅድስት መንበር ናይ ምእመና ናይ ስድራቤትን ናይ ሕይወትን እውን አእጃሞም ከምዝበርክቱ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ፣ ቅዱስነቶም ነዚ ፍሉይ መሰናደዊ ጉባኤ ኣብ ዝኸፈቱሉ ነቶም ተጋባእቲ መንእሰያት ኣብ ሕልናኦም ተመሊሶም ከስተንትኑ ከምዚ ክብሉ ዓዲሞም፣

‘ሕጂ ነፍሲወከፍኩም ነፍስኹም ኣብ ትርከቦ ኩነት ወይ ከከም እምነትኩም ወይውን  ከከም ምጥርጣርኩም ብዛዕባ እግዚብሔር ኣስተንትኑ እግዚብሔር ኣብ ሕይወትኩም ዘድልየኩም እንተኾይኑ ወላውን ብዛዕባቲ እግዚብሔር ኣሎዶ የለንዶ ዝብል ምጥርጣርኩም ብሕልናኹም እናስተንተንኩም ቡራኬን ሕያውነትን እግዚብሔር ኣብ ልዕሊ ኩልና ክወርድ ይለምን፣ ድሕሪ ቢሎም ሓደስቲ መኣዝናት ሃሰስ ንክብሉ ‘ካብ ወትሩ ከምዚ እዩ ዝግበር ነይሩ’ ካብ ዝብል ዓቃባዊ ስነመጎት ወጺእኩም ንምግዳል ኣይትፍርሁ!’ ኣብ ሓቀኛ ባህሊ ክርስትያን ተመርኲስኩም ፈጠርቲ ሓደስቲ ነገራት ኰንኩም ሓዲስ ሓሳብን ምህዞን ኣመንጭው፣ እንክብሉ ነቶም ካብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ንናይ መላእ ዓለም ካቶሊካውያን መንእሰያት ወኪሎም ኣብ ኣደራሽ ማርያ ማተር ኤክለስየ ዝበሃል ዓለምለኸ ጳጳሳዊ ኮለጅ ኣብ ከተማ ሮማ ንዝተጋብኡ መንእሰያት ዓዲሞም፣ እቲ ኣብ መባእታ ዝበልዎ እምነትን ምጥርጣርን ዘጣምር ሓሳብ ምናልባት ንገለና ግር ከብል ይኽእል፣ ኮይኑ ቅዱስነቶም ከምኡ ንክብሉ ዝደፋፍኦም እቶም መንእሰያት ካቶሊካውያን ጥራይ ዘይምንባሮም ኮነ ተባሂሉ እውን ናይ ካልእ ኣብያተ ክርስትያን ተኸተልትን ዘይክርስትያናውያንን ተዓዲሞም ስለዘለው እዩ፣

ኣብቲ ቅዱስነቶም ከም መኽፈቲ ጉባኤ ዝሃብዎ ቃል ቀንዲ ዕዮ ናይዚ ጉባኤ ንዓለም መንእሰያትን ግድላቶምን ኣጸቢቅካ ንምፍላጥ ኮይኑ ካብቲ ሓጢኣት ማሕበረሰብ ዝበልዎን ማሕበረሰብ ዓለምና ከኣ ሓጢኣቱ ክፈልጥን ሓላፍነቱ ክቅበልን ዝዓደሙሉ ማህበራዊ ሓጢኣት ዝበልዎ ሸቅሊ ኣልቦነት ክሳብ እቲ ዝደቀቀ ጸገማቶም ንክንርዳእ ምዃኑ ኣብሪሆም፣ ኣብዚ ቅድሜ ሲኖዶሳዊ ጉባኤ እዚ ኩሎም መንእሰያት ብዘይ ምንም ሕፍረትን ፍርህን ብግህዶ ክዛረቡ እውን ጸዊዖም፣ እዚ ጉባኤ እዚ ሽሕኳ ኣብ ሮማ ይካየድ እንተልዩ ብሚልዮናት ካብ መላእ ዓለም ብቀጥታ ብኢንተርነት ይከታተልዎ ከምዘለውውን ተመልኪቱ፣

ቅዱስነቶም ቃሎም ብምቅጻል ልቢ ቤተ ክርስትያን ወትሩ መንእሰይ ከምዝኾነ ናይዚ ቀንደ ምኽንያት ቃለ ወንጌል ቀንዲ ምንጪ ሕይወታ ኮይኑ ዕለት ዕለት ከምብሓዲሽ ከምትውለድ ስለዝገብራ ኩሎም መንእሰያት ከኣ ኣብዚ ፈርያም ጉዕዞ ክተሓባበሩ ይሕተት፣ ድሕሪ ቢሎም ካብ ገዛእ ርእሶም ውጽእ ኢሎም በዚ ሕዳሴ ወንጌል እንተዘይተለዊጦም ከምዝኣርጉ ቤተክርስትያን እውን ከምተኣርግ ኣመልኪቶም፣

‘ከምዚ ብምግባርኩም ካብቲ ዓንቂጹ ሒዙና ዘሎ ‘ካብ ወትሩ ከምዚ እዩ ዝግበር ነይሩ’ ዝብል ዓቃባዊ ስነመጎት  ተውጽኡና፣ ሓደራኹም እዚ ስነመጎት እዚ መርዚ ምዃኑ ፍለጡ፣ ምቁር መርዚ ከኣ እዩ ከመይ ንሎሚ ነታ ነፍስና የደንዝዛ የቅስና ኮይኑ ግን ንቅድሚት ከይትምርሽ የዕንዝዘካ፣ ካብዚ ስነመጎት እዚ ወጺእኩም ኣብ ሓቀኛ ባህሊ ክርስትያን ተመስሪትኩም ፈጠርቲ ሓደስቲ ነገራት ኩኑ፣ ብቑምነገር ንሓተኩም ኣሎና ንዓለም መንእሰያት እዚ እዩ ከምዚ እዩ ከምዚ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ሰጊርና መንእሰያት ባዕሎም ይንገሩና ስለዝበልና ኣብዚ ጉባኤ ብዘይ ፍርህን ሕፍረትን ብጋህዲ ተዛረቡ፣ ኣብዚ ሎሚ ምናልባት ከርሕቀኩም ዝደሊ እውን ኣይሰኣንን፣ ኮይኑ ባዕልኹም ንባዕልኹም ንምዝታይ ካብ ብተለፎን ሓጸርቲ መልእኽታትን መዘናግዒ ኣሳእልን ካብ ምልውዋጥ ሓሊፍኩም ነቲ ከደንዝዘኩምን ከወግነኩምን ዝጽዕር ባህሊ ንቅሑሉ፣ ርግጽ እዩ ብዙሓት መንእሰያት ሎሚ ዘሳቅዮምን ዝገርፎምን ናብ ሓፍ ዘይብል ጽቅጠትን ዓመጽን ዝመርሖም ዘሎ ስራሕ ምስኣን ሸቅሊ ኣልቦነት እዩ፣ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣሃዝ ስራሕ ናይ ዘይብሎም መንእሰያት ዘሰንብድ እዩ፣ ንኣብነት ኣብ ዓዲ ጣልያን ስራሕ ኣልቦ ልዕሊ 25 ዓመት 35% ኮይኑ ኣብ ጐረባብትና ከኣ ክሳብ 50% ይበጽሕ፣

‘ስራሕ ዘይረክብ መንእሰይ እንታይ ይገብር፣ ይሓምም! ይጽቀጥ! ኣብ ዘየድሊ ወልፍታት ይወድቅ! ርእሱ የጥፍእ! እዚ ኩሉ የሕስበና እዩ፣ ርእሰ ቅትለት ናይ ዝፍጽሙ መንእሰያት ቁጽሪ ዘሰንብድ እዩ፣ ዝገደደ ርእሰ ቅትለት ከኣ ኣሎ ነፋሪት ተጻዒኑ ስሙ ክጽውዖ ኣብ ዘይደልዮ ሃገር ይኸይድ ምስ ዳዒሽ ወይ ምስ ካልእ ምንቅስቃስ ይጽመድ፣ እንተወሓደ ንክትነብር ምኽንያት ትረክብ ወርሓዊ ደሞዝውን ኣይሰኣኖን፣ እዚ ከኣ ሓጢኣት ማሕበረሰብ ዝበሃል፣ ማህረሰብ ከኣ ሓላፍነቱ ክስከም ኣለዎ፣ ድሕሪ ቢሎም ናብቶም መንእሰያት ምልስ ይብሉ እሞ መንእሰያት ናይዚ ጠንቂ ንቤተክርስያን ከገልጹላን ነዚ ድራማ ከመይ ከምዝነብርዎ ከዘንትውን ጸዊዖም፣ እግዚአብሔር ብኣኹም ይተኣማመን እዩ የፍቅረኩም እዩ ይጽዋዓኩም ከኣ ኣሎ፣ ኣነውን ኣብዚ ግዜ እዚ ንነፍሲወከፍኩም ሕቶ ኣቅርበልኩም ኣሎኹ! እንታይ ትደሊ! ኣብ ሕይወትካ እንታይ ሃሰስ ትብል ኣሎኻ! እንቱፍ ኢልካ ኣውጽኣዮ፣ እንክንሰምዓካ ጽቡቕ ክስመዓና እዩ፣ እዚ የድልየና እዩ ዘድልየካስ እንታይ እዩ፣ ከመይ ኣብ ጉዕዞ ሕይወትኩም እንታይ ከምዘድልየኩምን እንታይ ሃሰስ ትብሉ ከምዘልኹም ምፍላጥ ጽን ኢልና ክንሰምዓምኩም ባህታ እዩ ዝፈጥረልና፣ እቶም ንጐይታ ዘይፈልጥዎ መሳቱኹምን ኣዕሩኽትኹምን ሓደ ናይ ድሕነት ጸዋዕታ ይጽበዩ ኣለው እንክብሉ ምስክርነቶም ቀንዲ ጉዳይ ከምዝኾነ ገሊጾምሎም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.