2018-03-21 10:23:00

ቃለ መሕትታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ እግዚኣብሔር መንእሰይ እዩ


ደራስን ገጣምን ቶማስ ለይንቺኒ ንቅዱስ ኣቦና ዘቕረበሎም ቃለ መሕትት ብቤት ማሕተም ፒየመ ተሓቲሙ ሎሚ ዕለት 20 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ንንባብ ከምዝበቕዔን ናይ ኢጣሊያ ዕለታውያን ጋዜጣ ኮረረ ደላ ሰራን ላ ረፑብሊካን ላ ስታምፓን እተሰመያ ዕለት 19 መጋቢት እቲ መጽሓፍ ንንባብ ቅድሚ ምብቃዑ ቅድመ ሓታት ከምዝሃባሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ሮበርቶ ፒየርማሪኒ ካብ ዘመሓላለፍዎ ጸብጻብ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቲ ቃለ መሕትታዊ መጽሓፍ ሎሚ ዕለት 20 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ብምኽንያት ዕለት 25 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ብላቲን ስርዓት ምስ በዓል በዓለ ሆሳእና ተተሓሒዙ ኣብ ሰበኻታት መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝበዓል ሰበኻዊ መዓልቲ መንእሰያት ንንባብ ከምዝበቕዔ ፒየርማሪኒ ገሊጾም።

መንአሰይ በዓል ኣኽናፍ ነቢይ እዩ

መንእሰይ ምስ ነቢይ ዘመሳስሎ ኣግባብ ኣለዎ፡ ስለዚህ ነዚ ዘለዎ ኣግባብን ብቕዓትን ኣተገባብራኡ ተመሳል ነቢያይ ከምዘብሎ ከስተውል ይግባእ። ነቢያዊ ኣኽናፍ ከምዘለዎ ክግንዘብ የተሓሳስቡ፡ ነቢይነት ከተውግዝ ክትኩንን ዘብቅዓካ ንጹር ርእየት ኣባኻ የህልው፡ ኰይኑ ግና ሰፊሕ ትርኢትን ትጽቢታትን እውን ዘለዎ እዩ። መንእሰይ እዚ ክልተ ዓይነት ባህርይ ዘጠቓልል እዩ። ክኹንን ምሉእ ብቕዓት ዘለዎ እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር ብትኽክል ዘየመሓላልፎ ክእልት እውን ኰይኑ ብዙሕ ጊዜ ይረአይ። መንእስያት መጻኢ ብዓንተውኡ ዝምርምሩን ንቕድሚት ዝጥምቱን እያቶም።

ናይ እዋንና መንእሰይ ኣብቲ ሱር ኣልቦ ዝኸውን ዘሎ ሕብረተሰብ ውሽጢ እዩ ዝዓብይ ዘሎ

ኣብዚ እዋን’ዚ ንሓደ መንእሰይ ንክትርዳእ ኣብ ተጓዓዝነት ምርኻብ የድልይ። ኣብ ደውታ ወይ ኮፍታ ኰይንካ ክትራኸቦ ክትፈልጦን ዘይከኣል እዩ፡ ኣብ ሞገዳቱ ምርኻብ የድሊ። ምስኡ ማለት ምስ መንእሰይ ክትዛተይ እንተ ድኣ ትደልይ ኰይንካ ተንቀሳቃሲ ክትኸውን ኣሎካ። ሓደ መንእሰይ ቅልጣፌኡ ዝግ ከብል እንከሎ፡ ዝብሎ ነገር ኣለዎ ማለት እዩ። ፍጥነቱ ንምቕናስ ዝድርዀ ምስቲ በጽሒ ወይ ዓቢይ ወለዶ ንምዝታይ ዝብል ድላይ እዩ ዘነርጽር። ፍጡንነቱ ቀስ ከብል እንከሎ ምስ ዓቢይ ወለዶ ንምርኻብ እዩ፡ እቲ ዓቢይ ወለዶ ኣብቲ ናይቲ መንእሰይ ፍጥነት ምንካይ ቅልጡፍ ይኹን፡ ስለዚህ እዚ ኽኣ ዝራኸብሉ ባይታ ይኸውን። … ብዙሕ ግዜ እቲ ዓቢይ ወለዶ መንእሰይ ስሩ ኣልቦ ክገብሮ ይረአይ። ባዕሉ እቲ ብጹሕ ወለዶ ስርወ ኣልቦ ይኸውን ስለ ዘሎ ነቲ መንእሰይ ወለዶ እውን ሱር ኣልቦ ንኽኸውን የገድዶ።

ንመንእሰይ ወለዶ ይቕረታ (ምሕረት) ምሕታት የድሊ

ብዙሕ ንመንእሰያትና ዘይንግደስን ኣቃልቦ ክንገብረሎም እናተገብኤ ብዅራት ብምዃንና ይቕረታን ምሕረቶምን ክንሓትት ይግባእ። ትኽክለይና መገዲ ንኸለልዩን መጻኢ ሕይወቶም ከሕንጾም ዝኽእል መጋበርያ ንኸለልይ ዘይንድግፍ ብምዃንና እዚ ኸኣ ተነጺሉን ተረሲዑን ከም ተረፍ መረፍ ክረአይ ናብ ዝመርሖ ሕይወት ንኸብል ዝድርዀ ይኸውን፡ መንእሰይ ተስፋ ክነሱ ትስፉው ናይ ዘይምዃኑ ምኽንያት ኰይንና ንርከብ።

መጻኢኻ ንምሕናጽ ስድራ ቤት ንምቛም ሕይወትና ንምምሕዳር ገንዘብ ኣድላዪ እዩ። ይዅን ደኣ እምበር ገንዘብ መላእ ሕይወት ማለት ኣይኰነን፡

ናይ ነብሲ መግቢ ስራሕ እምበር ገንዘብ ኣይኰነን

ስራሕ ንዅሉ ክኸውንን ናይ ኵሉ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን እዩ። ሰብ በዝዋፈረሉ ዕዮ ኣቢሉ ገዛእ ርእሱን ቤቱን ይድግፍ። ክምዝመዝ ኣይንፈቀድ። ንምዝመዛ ከይቃላዕ ንደግፎ። … መንእሰይ ኢኻ ቀስ ኢልካ ትዓብይ እናበልና ኣይንመዝምዞ፡ መጻኢ ኣብ ምሕናጽ ስለ ዝርከብ ክድገፍን ሰብኣዊ መሰሉን ክብሩን ክኽበረሉን ናይ ግድን እዩ፡ ብግዝያውነት ክዕበጥ የብሉን። ቀዋምነት የድልዮ። ቀስ ኢልካ ተርክበሉ ዝብል ኣዘራርባ ከም መምርሒ ገይርና ናይ መንእሰይ መሰልን ክብርን ንሓደጋ ምቅላዕ ገበን እዩ።

ብዙሓት ወለዲ ደቃቶም ኣብቲ ሓላፊ ዝዀነ ነገር ኣብ ዝቐውም ባህሊ ተመስሪቶም ከዕብዩ ይረአይ

ምዕባይን ምእራግን፥ ክፍለ ዓመታውነት ከይዲ ኣብ መላእ ተፈጥሮን ፍጥረትን ዘሎ ኩነት እዩ፡ ፍጥረት ገዲምነት-ምኩርነት ዝኽተሎ እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር ገዲምነት ናይ ምልኣት ሕይወት ምኩር ደኣ እምበር ጐዶሎነትን ዘይምርዋይን ናይ ዘይምዕጋብን ጭንቂ ዘስምዕ እንተድኣ ኰይኑ ብሓቂ ሓዘን እዩ። ስለዚህ ገዲምነት ወይ ብዕድመ ምድፋእ ብኹሉ ስነ ምርምርን ናይ ስነ ጽባቔ መጋበርያታት እናገበርካ ክማመት ኣጥሊቕካ ክትከዋውሎን ክትሓባብኦን ምፍታን ዝብል እዋናዊ ዓለም ዘርእዮ ከይዳዊ ኣነባብራ ንመንእሰይ ምንባር ምንም ትርጉም የብሉን ዝብል መልእኽቲ እዩ ዘመሓላልፍ። እንነብረሉ ዓለም ክዳውንቲ ጥራሕ ዘይኰነስ ዝኣረገ ቆርበት ሰብ ኣብ ዝስታረረሉ ስነ ሕክምናዊ ምርምር እውን በጺሑ ስለ ዘሎ ናይቲ ብዕድመ ዝደፍኤ ሰብ ናይ እርጋንን ጥበብን ተዘክሮን ካብ ምልክታ ሓደ ዝዀነ ቆርበት ከመንእስ ዝፍትን ባህሊ ናይ ሕይወት ካብ ናብ ድሩትነቱ ከወግድ ኣይክእልን፡ ስለዚህ ኣብ ሓቂ ብምንባር ንመንእሰይ ወለዲ ናብ ሓቂ ምምራሕ።

እቲ በጽሒ ወለዶ ምስ መንእሰይ ኣብ ውደራ ክኣትው ብሓቂ ዘሕዝን እውን እንተዀነ ኣብ እንነብርሉ እዋናዊ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ኵነት እዩ። እዚ ኹሉ’ዚ ከኣ ንመንእሰይ ይሃስህ፡ ብዙሓት ወለዲ ኣብቲ ግዝያውነት ዝመላለሱ ብምዃኖም ንደቃቶን ንግዝያውነት ሓደጋ ብፍላጥ ወይ ብዘይፍላጥ የቃልዑ ኣለዉ።  ግዝያውነት ናብ ሱር ኣልቦነት የብጽሕ።

ናይቲ ሱር ኣልቦ ሕብረተሰብ ድሕነት ዝሓልሙ ኣረጋውያንን ነቢያውያን መንሰያትን እያቶም

ብዙሕ እዋን እቲ በጽሒ ወይ ብዕድመ ዝደፍአ ዓቢይ ወለዶ ንመንሰይ ሱር ኣልቦ ናብ ምዃን ይንውንዎ። ኣክንዲ ምእንቲ ንናይ ኩሉ ሕብረተሰብ ረብሓ ነቢያት ምዃኖም ክፍለጡን በዚ መሰረት ሕይወቶም ክመርሑ ምድጋፍ ዘኽታማትን ሱር ኣልቦን ንኽዀኑ ይደፍኦም። መንእሰይ ኣብ ሱር ኣልቦ ሕብረተሰብ እዩ ዝዓብይ ዘሎ፡ ማሕብራዊ መረብት ከኣ ነቲ ሱር ኣልቦነት ባህሊ ዝፈጥረሎም ዘሎ ባዶነት ዝትክእ እናተመሰለ ምስ ካልኦት ምናባዊ ተራኽቦነት ክህልዎም እናገበረ ኣብ ዘይምርኻብ ተራኻብነት ንምንባር ይፍትኑ። ስለዚህ ድማ ተሃዳናይ መንእሰይ ይኸውን።

እንነብረሉ እዋናዊ ዓለም ብዕድመ ዝደፍኤ ኣረጋዊ ክፍሊ ሕብረተሰብ ክም ውዳቕ ዝረኣየሉ ብምዃኑ መንእስይ ከኣ በቲ ሱር ኣልቦ ባህሊ ተሃዳኒ ኰይኑ ከም ውዳቕ ይሕሰብ፡ ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ተዘክሮን ጥበብን ንመንእሰይ ወለዶ ብምውራስ ገዛእ ርእሱን መጻኢ ወለዶን የድሕን። መንእሰይ ወለዶ ከኣ ነቲ ተዘክሮን ጥበብን ወሪሱ እውነተይና መጻኢ ዝሓልም ምስ ዝኸውን ናብ ድሕነት የብል። ብዕድመ ዝደፍኡ በዚ መገዲ’ዚ ኣቢሎም ዝሓልሙ ምስ ዝዀኑን መንእሰይ ነቢያውነት ክነብር እንከሎ ነቲ ሱር ኣልቦ ሕብረተሰብ ጐደና ድሕነት የተካኽሉ። እዞም ክልተ ከም ውዳቕ ዝሕሰቡ ድሕነት ጐደና ዘተኻኽሉ ይዀኑ። ክቡራትን ክቡራንንስ ሰማዕትና እዚ ዘቕረብናዮ ሓተታ ናይታ መጽሓፍ ጽማሬ እዩ ነሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.