2018-03-21 16:05:00

ናይ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሃን ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፍቓዶም ስልጣኖም ከምዝለቐቑ ተገሊጹ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ህይነተ ኰይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ የኔታ ኣባ ዳሪዮ ኤድዋርዶ ቪጋኖ ብፍቓዶም ንዘቕረቡሎም ካብ ስልጣን ናይ ምልቃቕ ሕቶ ተቐቢሎም ይሁንታ ከምዝሃብሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶም ነቲ የኔታ ዳሪዮ ቪጋኖ ድሕሪ ዓሚይቕ ኣስተንቲኖ ዘቕረብዎ ካብ ሓላፍነቶም ናይ ምልቃቕ ድላይ ተቐቢሎም ይሁንታ ቢሎም ንግዚኡ ኣብ ቦታኦም ናይቲ ናይ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ኰይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ የኔታ ሉሲዮ ኣድሪያን ሩይዝ ከመሓድሩ እንክብሉ ከምዝወሰኑን እንክምልከት፡ የኔታ ዳሪዮ ቪጋኖ ንግዚኡ ኣማኻሪ ናይዚ ቤት ጽሕፈት ሓልዮ መራኸቢ ብዙሃን ኰይኖ ክጸንሑ ወሲኖም፡ ኣብዚ ጳጳሳዊ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ መራኸቢ ብዙሃን ቤት ጽሕፈት ዝሃብዎ ሰብኣውን ሙያውን ኣበርክቶ እውን ኣመስጊኖም፡ እቲ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽርን ኣባይቲ ጽሕፈትን ቅዱሳት ማሕበራትን ንምሕዳስ ዝተበገሰ መደብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ፍጻሜ ንምብጻሕ ኣብ ዝግበር ዘሎ ከይዲ ዝሃብዎ ኣበርክቶ ከምዝነኣዱን ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ካብ ናይ ህይነተ ሓላፍነቶም ክለቁ ድላይ ከምዘለዎም ዝገልጽ ሰታሪት ንቕዱስ ኣቦና ዘመሓላለፍዎ ዕለት 19 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ምንባሩ ኣፍሊጡ፡ የኔታ ዳሪዮ ቪጋኖ እዚ ውሳኔ’ዚ ዝወሰድዎ ነቶም ኣብ ሕዳሴ ናይ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሓን ዝዓዩ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ብምኽባርን ብፍላይ ከኣ ነቲ ድላይ ሕዳሴ ቅዱስ ኣቦና ብናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣኖም መሰረት ንዘመሓላለፍዎ ውሳኔ ከይሰናኸልን ወይ ከይደናጐይን ካብዚ ሓሊፉ እውን ከይዕገት ብዝብል ድላይ እውን ምዃኖም ኣብቲ ካብ ናይ ህየንተ ሓላፍነቶም ክለቁ ንቕዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሰታሪት ከምዝገለጹ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.