2018-03-21 16:13:00

ኣባይቲ ጸሎት ቫቲካን፡ ቅድስቲ መንበር ኣብ መበል 16 ክልተ ዓመታዊ ምርኢት ስነ ሕንጻ ንድፊ


ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ቨነዚያ ኣብቲ በቢ ክልተ ዓመት ዝካየድ ስነ ሕንጻ ንድፊ ምርኢት ቅድስቲ መንበር ክትሳተፍ ምዃና ተገሊጹ። ኣብዚ ናይ ለምዘበን ካብ ዕለት 26 ግንቦት ክሳብ ዕለት 25 መስከረም 2018 ዓ.ም. ዝካየድ ክልተ ዓመታዊ ምርኢት ስነ ሕንጻ ንድፊ ቅድስቲ መንበር ኣብ 5 ክፍለ ዓለም ብ 10 ናይ ስነ ንድፊ ሊቃውንቲ ተሓንጺጹ ዝተሓንጸ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ጸሎት ንድፍን መልክዕን ስነ ሕንጻዊ ንድፊታቱን ዘርእይ ምርኢት ከተቕርብ እውን ምዃና ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኤማኑኤላ ካምፓኒለ መግለጺ ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ጠቒሰን ይሕብራ።

ኣብ መንጐ ሊቃውንቲ ስነ ንድፍን ቅብእን ስነ ሓወልትን ቤተ ክርስቲያንን ምሕዝነት ምፍጣር። እዚ ከበሃል እንከሎ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኣብ መንጐ ስነ ጥበባውያንን ቤተ ክርስቲያንን ምሕዝነት ኣይነበረን ማለት ከምዘይኰነን። ቤተ ክርስቲያን ክበሃል እንከሎ ተተሓሒዙ ምስኣ ዝዝክሩ ዉሩያት ሰብ ሙያ ጥበብን ቅብእን ንድፍን ስነ ምርምርን ከምዘለዉን፡ ቤተ ክርስቲያን ንሓደ ስነ ጥበባዊ እቲ ዝነብሮ ጽምኢ ውበትን ውህበት ጭቡጥ ንምግባር ዘካይዶ ጥበባዊ ጻዕርን ክንየው ነቲ ብኑባሬ ኣብ ምዃናዊ ሰብ ዘሎ ባህጊ ፍጹምናን ውበትን ውህበትን ብጥልቂ ተንብብ እውን ብምዃና በዚ ምኽንያት’ዚ እቲ ርክብ ነባራዊ ክበሃል ከምዝከኣል ፍሉጥ እዩ።

ሰብ ኣድራሻኡ ካብ ምድላይ ዘየብኩር እዩ፡ እዚ ኸኣ ካበይ ናበይ እየን ዝብል  ምዃናዊ ሕቶ ኣብ ውሽጡ ብኑባሬ ሒዚ ዝተፈጥረ ብምዃኑ እዩ፡ ስለዚህ ናይዚ ሰብኣዊ ድልያ ኣድራሻ “ቤት” ናብ ሃይማኖት የቕርቦ፡ እዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብታ ውሪትን ተደናቒትን ዝዀነት ብካፐላ ሲስቲና እትጽዋዕ ቤተ ጸሎት ቫቲካን ተረኺቦም ንስነ ጥበባውያንን ስነ ቅብእ ከያንያንን ስነ ሓወልትን ሊቃውንትን ሰብ ሙያን ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ክኸውን እንከሎ፡ እነሆ ድሕሪ 50 ዓመት እቲ ኣብ መንጐ ስነ ጥበባውያንን ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ምሕዝነት ጥንታውን ቀጻልን ዘይብተኽን ምዃኑ የነጽር። ቅድስቲ መንበር ኣብቲ ኣብ ቨነዚያ በቢ ክልተ ዓመት ዝካየድ ምርኢት ስነ ሕንጻዊ ንድፊ ክትሳተፍ ኣብቲ ካብ ዕለት 25 ግንቦት ክሳብ ዕለት 24 መስከረም 2018 ዓ.ም  ፋልማይ ከምዝዀነ ብዛዕባ እዚ ምስታፍ ቅድስቲ መንበር ኣመልኪቶም ጳጳሳዊ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ኣብ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዕለት 20 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሓበረ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ካምፓኒለ ኣፍሊጠን።

ኣባይቲ ጸሎት ቫቲካን

ቅድስቲ መንበር ድሕሪ እቲ ኣብ 2013 ዓ.ም. ደሓር እውን 2015 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስነ ሕንጻ ምርኢት ካብ ዘኻዕበተቶ ተመክሮ ተበጊሳ እነሆ ኣብዚ ናይ ለምዘበን መርኢት ስን ሕጽናዊ ንድፊ ንፈለማ ጊዜ ኣባይቲ ጸሎት ቫቲካን ብዝብል ናይ ገዛእ ርእሳ ስነ ሕንጻዊ ንድፊ ብምቕራብ ክትሳተፍ ከምዝበቕዔትን እዚ ናይ ገዛእ ርእሳ ቦታ ተዋሂብዋ እተቕርቦ ምርኢት ከኣ ብዓይነቱ ንመጀመሪያ ጊዜ ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል ራቫዚ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ከምዘመልከቱ ዝሓበራ ካምፓኒለ ኣስዒበን፥ “ቦታን ጊዜን” ኣብ ወረቐት ኣንቢርካ ኣብ ቦታ ንኸተንብሮ እትሕንጽጾ ናይ ስነ ሕንጻ ንድፊ ቦታን ጊዜን ዝዕቅን ኰይኑ ትውልዲ የቑጽር፡ ስነ ሕንጻን ስነ ንድፍን ቦታን ጊዜን ቤተ ጸሎት ገይሩ ናይ ስግደትን ኣምልኾን ቦታ ክቕይሮ እንከሎ ነቲ ብኑባሬ ኣብ ሰብኣዊ ፍጡር ዘሎ ደላይ መለኰታውነትን ፍጽምናን ዝምስክር እዩ ከምዝበሉ ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.