2018-03-21 16:17:00

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማይ፡ ዩኒሰፍ፥ ኣብ ዓለም ኣብ ዓመት ልዕሊ 700 ሕጻናት ብምኽንያት ዘይጽሩይ ማይ ንሞት ሓደጋ ይቃልዑ


ናይ ሕቡራት መንግስታት  ዓለም  ውድብ ሓልዮ ሕጻናት ብምኽንያት ዕለት 22 መጋቢት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማያት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፥ ኣብ ዓለም ኣብ ዓመት ልዕሊ 700 ሕጻናት ብምኽንያት ዘይጽሩይ ማይን ጉድለት ክንክን ጥዕናን ናይ ሞት ሓደጋ ክመዘጋጥሞምን፡ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝቢ ዓለም እቲ 2,1 ሚሊያርድ ዝሽፍን ዝስተይ ጽሩይ ማይ ዘይረክብን ኣስታት 236 ሚሊዮን ዝግመት ከኣ ዝስተይ ጽሩይ ማይ ንምርካብ ኣብ ንልዕሊ 30 ደቓይቕ ክጓዕዝ ዝተገደ ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብስእነት ቀረብ ጽሩይ ማይ ኣዚዩ ዝሳቐይ ክፍሊ ሕብረተሰብ ሕጻናት ከምዝዀኑን ዝገለጸ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ሓልዮ ሕጻናት መግለጺ ኣስዒቡ፥ ሕጻናት ጽሩይ ማይ ምስ ዝረኽቡ ካብ ዝተፈላለዩ ንሞት ሓደጋ ካብ ዘቃልዑ ዓይነት ሕማማት ከምዝናገፉ እንከመልክት፡ ኣብ እንነብረሉ እዋናዊ ዓለም ጽሩይ ማይ ምርካብ ንብሚሊያርድ ዝቑጸር ሕዝቢ ዓለም ከም ጣዕሚ ዝሕሰብ ከምዝዀነን ነቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ውድብ ሓልዮ ሕጻናት ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣደጊፎም ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃቡ ኣብ ኢጣሊያ ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ጨንፈር ኣቦ መንበር ጃኮሞ ጉወረራ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሕጻናት ንኣኣቶም ንኣባይቲ ስድራኦምን ጽሩይ ማይ ንምቕራብ  ብኪሎ ሜትራት ከምዝጓዓዙን፡ ኣብዚ ከምዚ ዓይነት ጉዕዞ ድላይ ጽሩይ ማይ እውን ንዝተፈላለየ ሓደጋ ከምዝቃልዑን ጽሩይ ማይ ንምድላይ ዝገብርዎ ጻዕሪ ካብ መኣዲ ትምህርትን ከም ሕጻን ኰይኖም ክዓብዩን እናተገብኦም ካብ ዕሸላዊ ሕይወቶም እውን ከምዘርሕቖምን ጠቒሶም፡ ሓደ ሕጻን ጽሩይ ማይ ናይ ምርካብ ሰብኣዊ መሰሉን ክብሩን ዝኽበረሉ እንተድኣ ኰይኑ ኣብ ዕብየት ኣካላቱ ዓቡይ ድጋፍ ምግባር ከምዝኸውን ገሊጾም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዓለም ሓቆፍ ምድሓን ሕጻናት እውን ብወገኑ ከምዝሕብሮ ብስእነት ጽሩይ ማይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓንቲ ደቒቕ ሓደ ሕጻን ንሞት ሓደጋ ከምዝቃላዕን፡ ካብቶም ብዝተፈላለይ ምኽንያት ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጥሞም 5 ሕጻናት ውሽጢ እቲ ሓደ ምስ ስእነት ጽሩይ ማይ ተተሓሒዙ ብዝመጽእ ሓደጋ ንሞት ከምዝዳረግን ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድመኦም ሕጻናት ውሽጢ እቲ 8 ሚእታዊ ዝሽፍን ብስእነት ጽሩይ ማይ ስዒቦም ብዝመጹ ዝተፈላለዩ ዓይነት ሕማማት ዝሞቱ ከምዝኾኑ የመልክት።

ኣብ ዓለም ንሕጻናት ንሞት ሓደጋ ካብ ዘቃልዑ ምኽንያት ቀንዲ ስእነት ጽሩይ ማይ ከምዝዀነ ዘመልከተ መግለጺ ውድብ ኣድሕን ሕጻናት ኣስዒቡ፥ 159 ሚሊዮ ሕዝቢ ዓለም ማይ ካብ ወሓይዝን ዕላን ዝረክብ ክኸውን እንከሎ ኣብ 2025 ዓ.ም. ውሽጢ እቲ ዝረአይ ዘሎ ምስፋሕ ምድረ በዳነትን ደርቅን ምኽንያት ስዒቡ ብዝተኣታተው ዋሕዲ ማያት ብዙሓት ዜጋታት ዓለም ናብ ንስእነት ማይ ክምዝዳርግ እውን የነጽር። ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ምስቲ ዝረአይ ድርቅን ከምእዉ እውን በቲ ኣብቲ ከባቢ ዝረአይ ውጥረትን ዕግርግን ነቲ ናይቲ ከባቢ ሕብዚ ንሓደጋ ጥምየትን ስእነት ስእምነት መሰረተ ሰብኣውን ብዝያዳ የቃልዕ ምህላውን፡ ዝሓለፈ 2017 ዓ.ም. ኣብ ኢትዮጵያን ከንያን ሶማሊያን ብድምሩ 131,200 ምስ ስእነት ጽሩይ ማይ ተተሓሒዙ ብዝመጽእ ከቢድ ሕማም ከምእተተቕዑን ኣብ ሶማሊያ 21 ሚሊዮን ካብዚኣቶም ከኣ 1,2 ሚሊዮን ሕጻናትን ኣብ ኢትዮጵያ ሰለስተ ሚሊዮን ዝግመቱ ካብዚኣቶም ውሽጢ 333,500 ሕጻናትን ዝርከብዎም ኣብ ደቡብ ሱዳን 1.8 ሚሊዮን  ኣብ ከንያ 483 ሺሕ ሕጻናት ብስእነት ዝተመጣጠነ መግቢ  ከምእተጠቕዑ የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.