2018-03-22 16:56:00

እግዚአብሔር ከም ኣደን ኣቦን የፍቅረና! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ መጋቢት ዕለት 22 2018ዓምፈ ኣብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ እግዚብሔር ኣብ ዝበሎ ኣብ ቃሉ እሙን  ኪዳነ ዘይጠልም ምዃኑ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ወትሩ ከምዘፍቅረናን ከምዝምሕረናን ፈሊጥና ናብ መንበረ ኑዛዜ ክንከይድ ከምዘሎና ኣዘኻኺሮም፣ ናብ ምሥጢረ ንስሓ ምኻድ ማለት ከም ናብ እንዳ ሕጽቦ ከድካ ርስሓትካ ምጽራይ እዩ ኮይኑ ግን እዚ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ፈቃር ኣቦ ብፍቅሩ ከምዝሓቈፈናውን ክንርስዕ ከምዘይብልና ገሊጾም፣

ብግጽው ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ንዕለቱ ዝቀረበ ቀዳማይ ንባብ ካብ ኦሪት ዘፍጥረት 17 “ኣብራም ከኣ ፍግም ኢሉ ሰገደሉ። ኣምላኽ ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ “እንሆ፡ ኣነ ኺዳነይ ምሳኻ ኣቕውም ኣሎኹ፣ ንስኻ ኣቦ ብዙኃት ሕዝብታት ገይረካ እየ እሞ፣ ‘ኣብርሃም’ ደኣ እምበር፡ ደጊም ስምካ ‘ኣብራም’ ኣይጸዋዕ። ኣዝየ ከፍርየካ እየ፣ ብዙኅ ሕዝቢ ከም እትኸውን ድማ ክገብረካ እየ፣ ነገሥታትውን ካባኻ ኪውለዱ እዮም። ኣነ ኣብ ሞንጎይን ኣብ ሞንጎኻን ኣብ ምንጎ ዘርእካን፡ ብድኅሬኻ ድማ ኣብ ወለዶኦም ኺዳነይ ከቕውም እየ። ኣነ ንኣኻን ብድኅሬኻ ድማ ንዘርእኻን ኣምላኽ ከም ዝኾንኩ፡ እዚ ናይ ዘለዓለም ኺዳን እዩ። ኲላ ምድሪ ከንኣን፡ እዛ ሕጂ ስደተይኛ ዄንካ ተቐሚጥካያ ዘሎኻ ምድሪ፣ ንኣኻን ብድኅሬኻ ድማ ንዘርእኻን ንዘለዓለም ከረስትየኩም እየ። ንዘርእኻ ድማ ኣምላኾም ኪኸውን እየ” ድማ በሎ። ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም ተዛረቦ “ንስኻ ኺዳነይ ክትሕሉ ኢኻ፣ ማለት ንስኻ፡ ብድኅሬኻ ከኣ ዘርእካ ንውሉድ ወለዶ ኪዳነይ ክትሕልዉ ኢኹም።” ዝብል ነበረ፣

ቅዱስነቶም ነዚ ናይ ኣምላኽ ተኣማንነትን ፍቅርን ቀንዲ መጸናንዒናን ዓንዲ ተስፋናን ምዃኑን ኣብዚ ኣብ ድሮ ሶሙነ ሕማማት ዘሎናዮ ግዜ ቤተክርስትያን ነዚ ፍቅርን ተኣማንነትን እግዚብሔር ክነስተትን ከምቲ ዘማሪ ዝብሎ ከኣ እግዚብሔር ጨሪሹ ከምዘይርስዓናን ወትሩ ነቲ ምስ ኣቦና ኣብርሃም ዚኣተዎ ኪዳን ከምዝዝክርን ነቲ ኣብ ዕለቱ ዝቀረበ  መዝሙር 105 ጠቂሶም “ኃይሊ ኪህበኩም ንእግዚኣብሔር ለምንዎ፣ ኣዘውቲርኩም ኣምልኽዎ። ኣቱም ዘርኢ እቲ ባርያ እግዚኣብሔር ዝኾነ ኣብርሃም፣ ኣቱም ውሉድ እቲ ኅሩይ እግዚኣብሔር ዝኾነ ያዕቆብ፣ ዝገበሮ መስተንክር ግብርታቱን ተኣምራቱን ዝሃቦ ፍርዱን ዘክሩ። ኣምላኽና እግዚኣብሔር እዩ፣ ትእዛዛቱ ከኣ ንኲሉ ዓለም እዩ። ኺዳኑ ንዘለዓለም፡ እቲ ዚሃቦ ተስፋ ድማ ንሽሕ ወለዶ ኪሕልዎ እዩ። ነቲ ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ኺዳን፡ ነቲ ንይስሓቅ ዝሃቦ ተስፋ፡ ኪፍጽም እዩ።”ንዝብል ብምዝኽኻር ከምቲ ባህልና ጐይታ ኣሎኒ ዘይጠልም ኪዳኑ ዘይርስዕ ቃሉ እግዚኣብሔር እሙንን ወትሩ ዘይርስዓናን ምዃኑ ገሊጾም፣

ሽሕ’ኳ ደቂሰባት ብሓጢኣቶምን ብኣምልኾ ጣዖትን ዝወድቁ እንተኾነ ጐይታ ግን ነዚ ኪዳን እዚ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ የናውሖን ይሕልዎን፣ ፍቅሪ እግዚብሔር ከምቲ ካብ ማሕጸኖም ዝወለዱና ኣደናን ኣቦናን እዩ፣ ከምቲ ኣብ ትንቢት ኢሳያስ ዝብሎ ወላዲትዶ ፍረ ከርሳ ክትርስዕ ክትጠልም ክጥንጥን ይከኣላ እዩ ቢሉ ወላ ንሳ እንተወደቀትውን ኣነ ግን ንዘለዓለም ኣይርስዓካን እየ ኢሉ ዘረጋግጾ እዩ፣ ቅዱነቶም ነዚ ፍቅሪ ወላዲት ንምግላጽ ኣብ ዕለት ኣደታት ኣብ ኣርጀንቲና ክልተ ዓይነት ዕምባባ ንገጸበረኸት ከምዝቀርብ ፍኹስ ዝበለ ሰማያዊ ንህልዋት ኣደታት ድሙቚ ሊላ ከኣ ንዝሓለፋ እንኪቀርብ ሽም ናይዘን ዕምባባ ከኣ ሓደራ ከትርሰዓኒ ዝብል እዩ ኢሎም፣

‘ናይ እግዚብሔር ፍቅርኸስ እዚ እዩ ከም ፍቅሪ ወላዲት እዩ፣ እግዚብሔር ፈጺሙ ኣይርሰዓናን እዩ፣ ብምንም ተኣምር፣ ክርስዕ ኣይክእልን እዩ ከመይ ኣብ ኪዳኑ እሙን እዩ፣ እዚ ከኣ ርግጽነት ውሕስነት ይህበና፣ ምናልባት ሕይወተይ ሕማቅ ኣሎ ኣብ ከምዚ ዝበለ ጸገም ኣሎኹ ሓጢኣተኛ እየ ወዘተ ክንብል ንኽእል፣ ንሱ ጨሪሹ ኣይርሰዓናን እዩ ከመይ በዚ ካብ ማሕጸን ናይ ዝወለዱ ኣደን ኣቦን ፍቅሪ እዩ ዘፍቅረና፣

‘እሙን ጐይታ ገዛእ ርእሱ ክርስዕ ስለዘይክእል ንዓና ኣይርስዓናን ፍቅሩ ክርስዖ ኣይክእልን ሕዝቡ ክርስዖ ኣይክእልን እዚ ኣይክእልን ዘብለና ከኣ ስለዘፍቅረና እዩ፣ ተኣማንነቱ ከኣ እዚ እዩ፣ ናብ ምሥጢረ ኑዛዜ ክንከይድ ከሎና በጃኹም ከምቲ ኣብ ቤትሕጽቦ ከድካ ርስሓትካ ምርጋፍ ጥራይ ዝብል ካብ ሓሳብና ነርሕቆ ከመይ ናብ መንበረ ኑዛዜ እንኸዶ በናይዚ እሙን ዝኾነ እግዚአብሔር ክንሕቈፍ እዩ፣ ንሱ ወትሩ ምስ ተጸበየና እዩ፣ ታሕጓስናኸኣ ኣብቲ ዝሃበና ተስፋ ምንባር እዩ፣ ኢሎም፣ ናይ ዕለቱ ወንጌል ከኣ ካብ  ወንጌል ዮሓንስ 8 ዝተወስደ ኮይኑ “እቲ ቃለይ ዚሕሉ ዘበለ ንዘለዓለም ከም ዘይመውት ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ” በሎም። ኣይሁድ ድማ “ጋኔን ከም ዘሎካ ሕጂ ፈለጥና፣ ኣብርሃም ሞይቱ፣ ነብያትውን ሞይቶም፣ ንስኻ ግና ‘ቃለይ ዚሕሉ ንዘለዓለም ኣይኪመውትን እዩ’ ትብል ኣሎኻ። ካብቲ ዝሞተ ኣቦና ኣብርሃምዶ ንስኻ ትዓቢ ኢኻ? ነብያትውን ሞይቶም ንርእስኻ መን ትገብራ ኣሎኻ?” በልዎ። ኢየሱስ ከኣ “ኣነ ገዛእ ርእሰይ እንተ ኣኽበርኩ ኽብረተይ ከንቱ እዩ፣ ዜኽብረንስ እቲ ንስኻትኩም ኣምላኽና እትብልዎ ኣቦይ እዩ። ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹም፣ ኣነ ግና እፈልጦ እየ። ኣይፈልጦን እንተ ዝብል ከኣ ከማኻትኩም ሓሳዊ ምኾንኩ ነይረ። ኣነ ግና እፈልጦ ቃሉውን እሕሉ እየ። ኣቦኹም ኣብርሃም መዓልተይ ኪርኢ ከም ዘለዎ ፈሊጡ ተሓጐሰ፣ ርእዩ ከኣ ባህ በሎ” እናበለ መለሰሎም። ኣይሁድ ከኣ “ገና ኃምሳ ዓመት እኳ ዘይገበርካስ ንኣብርሃም ድማ ርኢኻዮ?” በልዎ። ኢየሱስ ከኣ “ብሓቂ፡ ብሓቂ ኣብለኩም ኣሎኹ፣ ኣብርሃም ከይተወልደ ከሎ ኣነ ኣሎኹ” በሎም። ስለዚ ኪድርብይሉ እምኒ ኣልዓሉ፣ ኢየሱስ ግና ተኃብአ፡ ካብ ቤት ወቕደስውን ብማእከሎም ኃሊፉ ወፀ።” ዝብል ነበረ።
ኣይሁድ ንኢየሱስ ከም ወዲ ኣምላኽ ክፈልጥዎን ክኣምንዎን ስለ ዘይከኣሉ፣ እቲ ኢየሱስ ዝብሎም ክርድእዎ ኣይከኣሉን። እዞም ሊቃውንቲ ሕጊ ንኽቀትልዎ እምኒ ምልዓሎም ከኣ ነቲ ሓቂ ናይ ትንሣኤ ሙታን ከጸልሙት እዩ ነሩ ጻዕሮም፣ ድሕሪ ቢሎም ናብቲ ሕመረት ስብከቶም ምልስ ይብሉ እሞ

‘ንሱ እሙን እዩ! ይፈልጠኒ እዩ! የፍቅረኒ ከኣ፣ በይነይ ክኸውን ፈጺሙ ኣይክሓድገንን እዩ፣ ብኢደይ ሒዙ ከሰንየኒ እዩ፣ ልዕሊ እዝስ እንታይ ክደሊ እንታይስ ክገብር! በቲ ዝሃበኒ ተስፋ ክሕጐስ ኣሎኒ፣ ከመይ እግዚብሔር ከም ኣደን ኣቦን የፍቅረኒ እዩ፣ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣  








All the contents on this site are copyrighted ©.